20
Sat, Apr
0 New Articles

"ብኣቆጻጽራ ሩስያ ሰሉስ ሰዓት 12:15 ካብ ላዕለዋይ ቤ/ጽ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ በቲ ኣነ ዝተመደብኩሉ መስመር 0021819/2 ክሓልፍ ከሎ ነቲ ሕቶ ረኺበዮ። መልሲ ክጽሕፍ ከምዘለኒ ስለዝኣመንኩ ድማ እዚ ዝስዕብ ሓጺር መልሲ የመሓላልፍ ኣለኹ። እዚ ዝድለ ዘሎ ስም ሰብ ዘይኮነስ ስም ናይቲ ንሰብ ብምስሉ ዝፈጠረ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ። መንበሪኡ ኣብ ሞስኮ ኣይኮነን። ዓሌቱ'ውን ሩስያዊ ዘይኮነስ ሰመያዊ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ

(ሕጂ ድማ ምስክርነት ኣንድርያና ካብ ኣፋ ንከታተል)

ሓደ መዓልቲ ኣባላት ሰልፊ (ፓርቲ) ፓዝ ዘመሓላለፍዎ መምርሒ ንኽቕበል ናብ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ናብ ቤ/ጽ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ታዣናኮሽ ተጸዊዐ ከድኩ። ንእግረ መንገደይ ድማ ናይ ርብዒ ዓመት ጸብጻብ ሒዘ እንዳኸድኩ ከለኹ

ምዕራፍ ሓደ

"ነቲ ዝረኣየኒ ገጽ ንገጽ ርኤዮ። ነፍሰይውን ደሓነት"

ወርሒ ጽድያ ዝፈጠሮ ጸሓይ ንከተማ ሞስኮ ኣድሚቕዋ ኣሎ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽን ደቂ እታ ከተማን ነቲ ጎደናታት መሊኦሞ ኣለዉ። እቲ ኣብ ነዋሕቲ ኣዕኑድን ፓላሶታትን ተሰቒሉ ዘንበልብል

Page 5 of 5