Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 20th
Home Articles Apologeties ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን (ሳልሳይ ክፋል )
ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን (ሳልሳይ ክፋል )

 ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ኣምላኽ ንዝበሎ ናይ ምግባር ርግጽነት ከም ዘለዎ፣ ሰብ ግን ንዝበሎ ናይ ምግባር ተኽእሎ እምበር ርግጽነት ከም ዘይብሉ ርኢና። ብተወሳኺውን ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ከም ዝርኢ ኣምላኽ ግን ልቢ ከም ዝርኢ ካብ መጽሓፍ እዮብ ጠቒስና ኔርና። ኣብዚ ክፍሊ ከኣ ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ዝምህር ተወሳኺ ሓሳብ ክንርኢ ኢና።

ኣምላኽ ሰብ ስለ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ሓሳቡን ሓሳብናን ኣብ መንጎ መንገዱን መንገድናን ክንዲ ናይ ሰማይን ምድርን ዝኸውን ፍልልይ ከም ዘሎ ቃል ኣምላኽ ይዛረብ  (ኢሳ.55፣8-9)። ኣብ ሮሜ.12፣1-2 ከኣ ነቲ ሰናይን ምሉእን ባህ ዜብልን ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንፈልጥ ብምሕዳስ ሓሳብና ክንልወጥ ከም ዝግብኣና ይነግረና።

 

ሓሳብናን ሓሳብ ኣምላኽን ክንዲ ናይ ምድርን ሰማይን ዝኸውን ፍልልይ ስለ ዘለዎ ብዙሕ መንፈሳዊ ፍልጠት ዘሎና እናመሰለናውን ሓሳብ ኣምላኽ ከይተረድኣናን መንገዱ ከይፈለጥናን ዕድሜና ክውዳእ ይኽእል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ኣምላኽ ሓሳቡ ከም ዘይቅይርን ዳግመ ግምት ዝገብረሉ ነገራት ከም ዘይብሉን ርኢና ኔርና። ባህርይ ኣምላኽ ስለ ዘይተለወጠ ሎሜውን ኩሉ ምስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ዝጻረር ነገራት ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣምላኽ ነቲ ዝበሎ ከም ዝልውጦ ምሕሳብ ‘መንፈሳዊ ጽላለ' ከም ዝኾነ ቃሉ ተዛሪቡ ኣሎ (2ጴጥ.2፣16)። በልዓም ገንዘብ፣ ዝና፣ ክብሪ ሰብ ብምድላዩ ናብ መንፈሳዊ ጽላለ በጺሑ፣ ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተጸለለ ነብይ ገዲፉ ነታ ካብኡ ትሓይሽ ዝነበረት ኣድጊ ተገሊጹላን ኣዛሪብዋን (ዘሁ.22፣22-35)

ቃል ኣምላኽ ሓሳብ ኣምላኽ ንምግላጽ እምበር ንሓሳብ ሰባት ንምድጋፍ ስለ ዘይተገልጸ ካብቲ ጸሓፊኡ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ተፈሊኻ ክትርድኦ ምድላይ ከጋግየካ ይኽእል እዩ። እቶም ንጎይታ ዝጻረርዎ ዝነበሩ፣ ‘ጋኔን ኣሎካ' ዝበልዎን ዝሰቐልዎን እቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ዘይኮኑስ እቶም ንጽሑፋት መዓልትን ለይትን ዝመራምርዎ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ጸሓፍቲ ሕግን እዮም። ቀንዲ ሽግሮም ሓሳብ ኣምላኽ ከም ናታቶም ከም ዘይኮነ ዘይምፍላጦም እዩ። የሱስ በቲ ንሳቶም ዝጽበይዎ ዝነበሩ መንገዲ ስለ ዘይመጸ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ሓሳብ ኮነ መንገዲ ኣምላኽ ዘይፈልጡ  መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዙ ውሉድ ድያብሎስ ስለ ዝነበሩ ንጎይታ ከክፉኡ ከውርዩሉን ከሳድድዎን ዘመኖም ወዲኦሞ። ኣምላኽ ልቢን ደገን እምበር ደገ ጥራይ ስለ ዘይርኢ ግን ካብ መንጎኦምውን ሓሳብ ኣምላኽን መንገዲ ኣምላኽን ዝተረድኦም ሰባት ኔሮም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ኒቆዲሞስ እዩ። ኒቆዲሞስ እቲ ጎይታ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ጥራይ ከም ዝገብሮን የሱስ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ከም ዝመጸ ዝፈልጡ ገለ ሰባት ከም ዝነበሩን ተዛሪቡ ኣሎ (ዮሃ.3፣1-2)። ኒቆዲሞስ ኮነ እቶም ከም ናቱ ምርዳእ ዝነበሮም ሰባት ካብቶም ካልኦት ፈሪሳውያን ብዝተፈልየ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ዝብል ልቢ እምበር ፍሉይ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበሮም ኣይኮኑን ጎይታ የሱስ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ከም ዝመጸ ፈሊጦም። እዚ ሎሚ ኣባና ዘሎ ካብ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብገስ ዝተፈላለየ ርድኢታትውን ውጽኢት ወይ ሳዕቤን ኩነታት ልብና እዩ። ኣቦኻ ድያብሎስ እንተ ዘይኮይኑን ካብኡ እንተ ዘይተማሂርካን ነቲ ኣምላኽ ዝለኣኾን ብእኡ ዝሰመረ ፍቱው ወዱን ‘ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል የውጽኦም ኣሎ' ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ደሓን ዝመስለና ግን ከኣ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ፈላስፋ፣ ነብይ ወይ ዓቢ ናይ ሞራል መምህር ጥራይ  ጌሩ ዝምህር ትምህርትታትውን (ገሊኡስ ኣብቶም ክርስትያናት ዝበሃሉዉን ዘሎ እዩ) ትምህርቲ ክሕደትን ኣንጻር ቃል ኣምላኽን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ መንገድን ሓቅን ህይወትን እዩ። ኣምላኽ በየናይ መንገዲ ናብኡ ክንበጽሕ ከም ንኽእል ተዛሪቡ ኣሎ (ዮሃ.14፣6)፣ ነዚ ሓቂ እዚ ከኣ ክንቅበሎ እምበር ከነመሓይሾ ኣይተፈቕደልናን። ናብ ኣቦ ክትበጽሕ እንተ ደሊኻ የሱስ ክርስቶስ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መንገዲ እዩ። ኣምላኽ ንቃሉ ተቐቢልና ህይወትና ብእኡ ክንመርሕ እምበር ርእይቶ ክንህበሉን ከም ዝደለናዮ ንኽንትርጉሞን ኣይሃበናን። ስለዚ ንየሱስ ካብቲ ዝበሎን ዝኾኖን ሓንቲ ነገርውን ትኹን ምጉዳል ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ምውጻእ እዩ። ብባህልን ልምድን ዝጸንሓና ሓሳብ ሰባት ክንክተል ንደሊ እንተኾንና ንዘልኣለም ሓሳብ ኣምላኽ ክንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ክንስሕት የብልናን።

ጎይታ ኣብ ምድሪ ይመላለሰሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ሓሳብን መንገዲን ኣምላኽ ካብ ናይ ሰባት ኣዝዩ ዝተፈልየ ከም ዝኾነ ኣርእዩና እዩ። ገለ ካብኡ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ከም ዘይመጸ (ማር.2፣17)፣ ሰብ ሓጢኣት ከይገበረውን ክሓምም ከም ዝኽእል (ዮሃ.9፣1-3)፣ ሰብ ካብ ሰንበት ከም ዝዓቢ (ማር.2፣27)፣ ንኣምላኽ ከገልግል ዝደሊ ሰብ ርእሱ ከላሊን ከምዚ ጌረ ብምባል ረብሓ ርእሱ ክደሊ ከም ዘይብሉ (ማር.3፣12) . . . ይርከቦ። ጎይታ የሱስ ንዝፈወሶም ኮነ ኣጋንንቲ ንዘውጽኣሎም ከምኡውን ካብ ምውታት ንዘተንስኦም ሰባት ንሓደኳ ከይትነግሩ ይብሎም ኔሩ እምበር ከምዚ ናይ ዘመንና መስክሩ ኢሉ ይደፋፍኦም ኣይነበረን። ኣምላኽ ከም ሰብ ስለዘይሓስብ ንብዙሕ ነገራት ካብቲ ናይ ሰብ ብዝተፈልየ ኣገባብ ይገብሮ። ኣብ ማቴ.2 ሰብ ጥበብ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኾብ ስዒቦም ክሳብ የሩሳሌም ከም ዝመጹን ብድሕሪኡ ግን ናብ የሩሳሌም ኣትዮም ከም ዝሓተቱ ነንብብ። እቲ ንጉስ ኣይሁድ ግን ከም ሓሳቦም (ሓሳብ ሰብ) ኣብኡ ስለ ዘይነበረ ኣምላኽ ብጥበቡ ናብቲ መብልዕ ማል ዘብጽሖም መሪሕነት ሂብዎም (ማቴ.2፣5-8)። ናብ ቤት ልሄም ክኸዱ ምስ ወጹ ድማ እቲ ኮኾብ ክሳብ እታ ጎይታ ዝነበረላ መብልዕ ማል ኣብጺሕዎም። ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ክሳብ ዝደለናን ብምሉእ ልብና ክንእዘዞ ክሳብ ዝፈቐድናን እንተ ተጋገናውን ኣምላኽ ክመልሰና እዩ። ጎይታ ግን ነቲ ዝፈለጥናዮ ሓሳብ ኣምላኽ ዕሽሽ ካብ ምባልን ሓቅነቱ ዘየረጋገጽናዮ ነገራት ካብ ምምሃር ክንጥንቀቕን ይደልየና።

መንገድታት እግዚኣብሄር ከም መንገዲ ሰብ ኣይኮነን። ኣምላኽ ግብሩ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ኣርእዩዎም፣ መንገዱ ግን ንሙሴ ጥራይ ኣፍሊጥዎ (መዝ.103፣3)። ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ሰብ ይኸዱ ስለ ዝነበሩ ንኽትሃጥር ስጋ ኣድላዩ እዩ ዝብል ሓሳብ ኔርዎም፣ መንገዲ ኣምላኽ ከም ናይ ሰብ ስለ ዘይኮነ ንደቂ እስራኤል ምስቲ ዝተመነይዎ ስጋ ዕብራን ክልእኸሎም ከሎ (መዝ.106፣15) ንዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ግን ብጥረታት ኣህጢርዎም (ዳን.1፣11-16)። ስራሕ ኣምላኽ ብኣሰር ኣሰር ክትበጽሖን ሰብኣዊ መግለጺ ክትህበሉን ከቢድ እዩ። እቲ ኩሉ ኣብ ክርስትያናዊ ጉዕዞና ዝገጥመና ብድሆታትውን ኣብ መንጎ ክእለት ኣምላኽን መንገዱን ዘሎ ፍልልይ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ እዩ። መንገዲ ኣምላኽ ፍሉይ ስለ ዝኾነ የሱስ ካብ ዓሌት ይሁዳ፣ ካብ ማርያምን ዮሴፍን፣ ኣብ ቤት ልሄም፣ ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ። ኣብታ ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ከም ዘይርከባ እትሕሰብ ዝነበረት ናዝሬት ከኣ ዓብዩ። ከምኡ ዝገበረ መንገዲ ኣምላኽ መንገዲ ሰብ ከም ዘይኮነ ምእንቲ ከርእየና ኢሉ እምበር ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ ኣይኮነን። ዝበዝሕ ጌጋታትና ስጋ እምበር ጥረታት ምብላዕ ከም ዘህጥር ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ እዩ። ንብዙሓት ንኸተጸጉ ናይ ግድን ጁባኻ ክመልእ ከም ዘየድሊ (2ቆረ.6፣10) ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ'፣ ዝብል ትምህርቶም ‘በጊዕ በጊዕ ትወልድ፣ ከልቢ ድማ ከልቢ ትወልድ፣ ጤል ከኣ ጤል ትወልድ፣ ኣምላኽከ እንታይ ይወልድ?' ኢሎም ብምሕታት ምኽኑይ (ስነ ሞገታዊ) ክገብርዎ ይፍትኑ እዮም። መንገዲ ኣምላኽ መንገዲ ሰብ ስለ ዘይኮነ እቲ በጊዕ፣ ጤል ኮነ ከልቢ ንእኣተን ዝመስላ በጊዕ፣ ጤልን ከልብን ከም ዝወልዳ ዝገበረ ኣምላኽ፣ ንሱ "ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን" ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ዘሁ.23፣19 ፣ 1ሳሙ.15፣29) ሃዋርያትውን ሰባት እምበር ኣምላኽ ከም ዘይኮኑ ተኣሚኖም እዮም (ግብ.10፣26 ፣ ግብ.14፣15)። ነቲ ቅኑዕ ዝመስል ስነ መጎትዶ ወይስ ንቃል ኣምላኽ ንኣምን ንኣና ዝግደፍ ምርጫ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ብልጽግና ዘለዎ ሓሳብውን ካብቲ ናይ ሰብ ዝተፈልየ እዩ። ዓለም  ‘ገንዘብ እንተሎ ብሰማይ መንገዲ ኣሎ' ዝብል ፍልስፍና ስለ እትኽተል ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ዝኾነ መንገዲ መስቀል እምበር ነቲ ብገለ ጥቕስታት ተሸፊኑ ዝቐርብ ሓሳብ ሰብ ዝኾነ ናይ ብልጽግና ትምህርትታት ናይ ምቕባል ጸገም የብላን። ቃል ኣምላኽ እንተ ርኢና ግን የሱስ ኮነ ሃዋርያት ክትህብትም ኣሎካ ወይ ክትሓምም የብልካን ኢሎም ኣይመሃሩን። መድሃኒት ምውሳድ ኣቋርጽ ኢሎም ሓደጋ ዘውረዱሉ ሰብውን ኣይነበረን። ሓሳብ ኣምላኽ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ንድኽነትን ሕማምን ወይ ንሃብትን ጥዕናን ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ተዛሪቦሙሉ ኣይፈልጡን እዮም። ኣምላኽ ፍቓዱ ንምግባር ዝኣክል ሃብትን ጥዕናን ከም ዝህበና እንተ ኣሚንና እንታይ ተባህለ ክንብል ጊዜና ከነባኽን ኣየድልየናን እዩ። ነቲ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምስ ደለኻ ዝውሰኸልካ ነገራት ከም ዓቢ ጉዳይ ሓሲብካ ብእኡ ክትዛረብን ክትካታዕን ጊዜኻ ምጥፋእ ከኣ ሓሳብ ሰብ እምበር ሓሳብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ዘድልየካ ነገር ኣብ ዘድልየካ ጊዜ ምርካብ ሃብታም (ብዙሕ ነገራት ዘለዎ) ካብ ምዃን ዝበልጽ ኣምላኽ ዘዳለወልና ዝሓሸ ነገር እዩ (ማቴ.6፣33 ፣ ፊሊ.4፣19)። ጎይታ ኮነ ሃዋርያት ብዙሓት ሕሙማት እኳ እንተፈወሱ ናብ ሕክምና ብምኻዱ ዝነቐፍዎ ወይ ከይከድይ ዝኣዘዝዎ ሰብ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብ ሕክምና ተስፋ ምስ ቆረጹ እዮም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ኔሮም (ሉቃ.8፣43 ፣ ዮሃ.5፣2-9-)። እቲ ብመኣረምያኡ (ክዳኑ) ሕሙማት ዝፈወሰን ርኹሳት መናፍስቲ ዘውጽአን (ግብ.19፣12) ከምኡውን ምዉት ዘተንስአ (ግብ.20፣9-12) ጳውሎስ መንገዲ ኣምላኽ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ ነቲ ዝመላለሶ ዝነበረ ሕማም ወይኒ ክሰትየሉ መኺርዎ ኣሎ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣምላኽ ብሕክምና ክፍወስ ዝፈቕዶ ሕማም ከም ዘሎ የርእየና። ናብ ሓኪም ከይትኸይድ ወይ መድሃኒት ከይትወስድ ምውሳን እምበኣር ግርህነት ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ዕሽነት እምበር መንፈሳውነት ኣይኮነን። ህይወትና መፈተኒ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ትምህርትታት ክንገብራ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ መላእኽቲ ኣምላኽ ነቲ ኣእጋሩ ዝዕንቀፍ እምበር ነቲ ፈሊጡ ዝጸድፍ ከም ዘየልዕልዎ ፈሊጥና ንነገራት ከም ዝመስለና ዘይኮነስ ከም ሓሳብን መንገድን ኣምላኽ ክንገብሮ ይግብኣና

ኣብዛ ብሰንኪ ናይ ሰብ ዘይምእዛዝ ዝተረግመት ምድሪ ክንነብር ከሎና እግዚኣብሄርውን ንገለ ካብቲ ክኸውን ዝፈቐዶ ሕግታት ከም ዘኽብሮ ክንፈልጥ ኣሎና። ስሕበት ምድሪ ኣማኒን ዘይኣማኒን ከይፈለየ ካብ ዓስራይ ደርቢ ናይ ሓደ ህንጻ ብመስኮት ንዝጸደፈ ሰብ ንታሕቲ ናይ ምስሓብ ስርሑ ኣየቋርጽን እዩ። ስሕበት ምድሪ ከምኡ ክገብር ዝፈቐደ እግዚኣብሄር እዩ። ጎይታ የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ካብቲ ዝደየቦ ጫፍ ቤተ መቕደስ በቲ ዝደየበሉ መሳልል ወሪዱ እምበር ሓሳብ ሰይጣን ሰሚዑ ‘ኣምላኽ ከድሕነኒ' እዩ ብምባል ኣይጸደፈን። ካብኡ ምጽዳፍ ንኣምላኽ ምፍታን እምበር እምነት ኣይነበረን ሎሚውን እምነት (መንፈሳውነት) ኣይኮነን። እቲ ቃል ኣምላኽ ሓቀኛ ዝብሎ መንፈሳውነት ብመሳልል ካብ ዝደየብካዮ ብእኡ ምውራድ (ማቴ.4፣6-7)፣ ወይኒ ብምስታይ ዝፍወስ ሕማም ከም ዘሎ ምፍላጥ (1ጢሞ.5፣23)፣ ናይ ወጻኢ ሰብካ እናበስበሰውን ውሽጣዊ ሰብካ ክሕደስ ከም ዝኽእል ምእማን (2ቆረ.4፣16-17)፣ ኣብ ህይወትካ ሓይሊ ክርስቶስ ብዝግለጸሉ ድኻምካ ምምካሕ (2ቆረ.12፣9)፣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ዝመልከካ ዝነበረ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምውጻእ (ሮሜ.8፣2) እዩ።

ይቕጽል . . .

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 Part 2)

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 Part 2)

ብዛዕባ እተን ዝሓተምካየን ኣልቡማት ዛጊት ካብ ኣመንቲ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ሰሚዕካ ኣለኻ?

እ....

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 / Part 1)

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 / Part 1)

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ድሕሪ ባይታኻን ኣተዓባብያኻን መዕለልካናዶ?

 ስመይ ኣርኣያ ሃብተ እብሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1980 ....

ታሪኽ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ (1859–1947) „ሃዋርያ እምነት“

ታሪኽ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ (1859–1947) „ሃዋርያ እምነት“

ሓደ ዓርከይ ብኸቢድ ስንባደ “መይታ እያ!” ብማለት ተዛረበ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዓይነት ስምባደ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣስዒቡ ድማ “እ....

ምስክርነት ማሪያ ውድ ወርዝ

ምስክርነት ማሪያ ውድ ወርዝ

“ጐይታ ንዓይ ዝሃበኒ ፍሉይ ተልእኾ መንፈስ ሓድነትን ፍቕርን ናብ ኲሉ ምብጻሕ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ በረኸቱ ክቕበሉ ብጽምኣት ዝመጣጠሩ ....
ምስክርነት ኤልሳ ጸጋይ

ምስክርነት ኤልሳ ጸጋይ

'ምንጋፍ ካብ ጰራቅሊጦስ እየ እናበለ ታልል ዝነበረ ቀታሊ ናይ ዛር መንፈስ'   *ሓብትና ኤልሳ፡ እስኪ ርእስኺ ምስ ኣንበብቲ ኣላልዪ?   ** ብመጀመርያ ....
ምስክርነት ዕዉት ታሪኽ ቻርለስ ግራንዲሰን ፊኒ

ምስክርነት ዕዉት ታሪኽ ቻርለስ ግራንዲሰን ፊኒ

1. ሕጊ እናጽነዐን ኣብ ኣዳምስ ቤትክርስትያን እናተሳተፈንዩ ፊኒ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክግደስ ዝጀመረ። ኣብ ናይ ሕጊ መጽሓፍቱ....

ካብ ነብሰ ቅትለት ድሒነ ታሪኽ ናይ ኪም ኣቨሪ

ካብ ነብሰ ቅትለት ድሒነ ታሪኽ ናይ ኪም ኣቨሪ

ጓል 15 ዓመት እንከለኹ ብዙሕ ጭንቕትን ብዛዕባ ሂወተይ ድማ ዘይሕጉስትን ነበርኩ:: ስድራይ ጓል 12 ዓመ....

ኣስላም ክርስቶስ እንክረኽቡ ከለዉ

ኣስላም ክርስቶስ እንክረኽቡ ከለዉ

አብ ማእከላይ ምብራቕ ሕቡእ ዝኾነ ሰውራ ጀሚሩ ይርከብ: ንብዙሓት ሙስሊም ድማ ብሕልምታትን ራእያትን ተደሪኾም....

ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ።

ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ።

እዛ ማሕበር እዚኣ ኽትውለድ ከላ ኣዝዩ ዜጨንቕ እዋን እዩ ዝነበረ። እቲ ሓያል ሃጸይ ናፖለዮን ኣብ ኤውሮጳ ብብርቱዕ ሓይሊ ይወርር ነ....

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004

ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት

1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

15 March 2013, 23.39lemlem0
who-are-to-judge-over-your-brotherመረዳእታ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ 98% ካብቲ ብእንግሊዘኛ፡ “ኣብ ካልኦት እትፈርድ ንስኻ መን ኢኻ?” ዚበል ብ ፖውል ኮፓን...
218 0
12 March 2013, 22.16hanidani
the-wonderful-message-behind-genesis-part22 ጐደሎና ዝምልእ ኣምላኽ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ...
298 0
05 March 2013, 22.50hanidani
the-wonderful-message-behind-genesis-part1ነፍሲ አከፍ ሕጥቦ ጹሑፍ ወይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን እየን ዘርእያን ዘግህዳን።...
300 0
04 March 2013, 22.12lemlem0
2013-03-04-22-17-02ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ የዒንትና እንተ ዝኽፈት ኔሩ ከመይ ኮን ነቲ ሰመያዊ ዓለም ጥራይ ሃረር ምበልና ኔርና፣ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን...
320 0
02 March 2013, 22.54hanidani
coming-of-the-son-of-manሓደ ግዜ ብዛዕባ ምጻት ጎይታና የሱሱ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን ምስ ገለ ሰባት  ንዘራረብ ነበርና፣ ሓደ ካብቶም ምሳና...
334 0
02 March 2013, 22.30lemlem0
walking-with-godወዲ ሰብ መልክዕ ኣምላኽን ክብርን ዘለዎ ብዘሎ ስልጣን ከኣ ኣብ ኢዱ ዝተዋህቦ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ግብሪ ኣምላኽ ዝተሸመ ድላይ ልቡ...
253 0
25 February 2013, 09.37lemlem0
victory-at-all-part2 ለ. ፈተና (Temptation) እዚ temptation ዝብል ቃል ብግሪኽ Perasimos ዝብል ኮይኑ መከራ፣ ጸበባ፣ ወጽመድ...
257 0
17 February 2013, 02.14lemlem0
victory-at-allመእተዊ 1ይ ቆረ 15፡57 ግናኸ ነቲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ!2ይ ቆረ 2፡14...
353 0
02 January 2013, 11.11lemlem0
satan-knows-his-የሱስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ከምዚ ኢሉ ክምህሮም ጀመረ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፣ ዘዕርፈሉ ደልዩ ኣብ ብዘሎ በረኻን ምድረ...
435 0
28 December 2012, 08.49hanidani
at-the-end-of-timeምኽፋት መንፈሳዊ የዒንቲ፣ ቡዙሕ ግዜ ሓደ ብተደጋጋሚ እንሰምዖ ዘረባ ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ምዕባለ ሰብ ብመጠን እቲ ዝርእዮ እዩ...
561 0