Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Tuesday
May 21st
Home Articles Message ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧
ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧ PDF Print E-mail
Article Manager - Message
Saturday, 25 February 2012 00:37

patienceህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ሎሚ ኣብ ከባቢና ብዙሕ ነገራት ቀልጢፉ ክለዋወጥ ንርኢ ኣሎና። ሰባት ድማ ነቲ ናይ ውሽጦም ጽምኣት ንኸርውዩ ምስ ግዜ ይቐዳደሙ፡ ናይ ሓይሊቦኦም ይጎዩ። እቶም ኣብዚ ጉያ እዚ ድሕሪት ዝተረፉ ድማ፡ ተስፋ ብምቑራጽ ኣብ ውዱቕ ህይወት ይነብሩ። ገሊኦም ምሒር ዓብሊሎም ገሊኦም ድማ ምሒር ተዓብሊሎም ኣብ ናይ ውድድር ቅሩቕስ እናተጋማድሑ ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ። ኣየናዮም ብዘየገድስ ግን ኩሎም ደቂ ሰብ ነቲ ዝሃርፍዎ ዕጋበት ስኢኖም ይነብሩ ኣለዉ። ዕጋበት ህይወት ግን ኣበይ ተሰዊሩ ኣሎ፧ ንስኻ/ኺኸ ረኺብካ/ክዮ ዶ፧

 

 

ሓደ ግዜ ብዙሓት ዓሳክር ኣብ ግብ ዝበለ ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ እናኸዱ እንከለዉ፡ እቲ ዝረግጽዎ ዝነበሩ መሬት ሽዋሕ ሽዋሕ ዝብል ድምጺ ኣስመዐ። ገለ ካባታቶም ድማ " ኣንታ እዚ ንረግጾ ዘለና መሬት ወርቒ እዩ" በሉ፡ ጸልማት ብምንባሩ ክርእይዎ ስለ ዘይክኣሉ ግን ኣየረጋገጹን። ገሊኣቶም ካብቲ መሬት ኣብ ሳንጣኦም መልኡ፡ ገሊኣቶም ድማ በእዳዎም ዓዓሚኾም ወሰዱ፡ ገሊኣቶም ግና ሓመድ እዩ ብምባል ጥራሕ ኢዶም ከዱ። ድሓር ናብ ብርሃን ጽሓይ ምስ ወጹ እቲ መሬት ወርቒ ምዃኑ ርኣዩ። እቶም ኣብ ሳንጥኦም ሒዞም ዝወጹ ከምዚ በሉ "ብኻ ሰናጡና ኣጸቢቕና መሊእናዮ"፡ እቶም ዕማኾ ዝሓዙ ድማ "ብኻ ብሰናጡና ኣምጼእና"፡ እቶም ገለ ዘይተማልኡ ድማ "ብኻ ዕማኾ ተማሊእና" በሉ። ኩላቶም ድማ ሓዘኑ። እቶም ዝረኸቡ ሓዘኑ፡ እቶም ዘይረኸቡ እውን ሓዘኑ። እዚ ዓብዪ ምሳሌ ናይ ሰብ ህይወት እዩ። ሰብ ኣብዝን ኣብትን እኳ እንተበጽሐ፡ ከምዝን ከምትን እኳ እንተገበረ፡ ገና ንዕጋበት ኣይረኽባን፡ በዚ መንገዲ እዚ ብዝቐረባ መጠን ድማ ካብኡ ትርሕቕ። እሞ እቲ ናይ ብሓቂ ንሰብ ናብ ናይ ህይወት ዕጋበትን ዕረፍትን ዝመርሕ መንገዲ ደኣ ኣየናይ እዩ፧ ብዙሓት ነዚ መልሲ ንምርካብ ብዙሕ ፈቲኖም ኣለዉ እቲ መንገዲ ግና ሓደ እዩ፡ እቲ " መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ" ዝበለ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ።

 

ብዙሓት እቲ ናብ ዕጋበት ዝመርሕ መንገዲ ንሱ መሲልዎምሲ ሃብቲ ዘኻዕብትሉ ጎደና መሪጾም ኣለዉ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እዚ መድሓንን ጎይታን ዝኾነ መድሃኔ ኣለም ኣብ ቃሉ ከምዚ ይብሎም " ህይወት ሰብ ግና ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን።" በንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ፍቕሪ ገንዘብ ምንጪ ኹሉ ሓጥያት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ ኮን እዩ መድሃኔ ኣለም ከምዚ ዝበለ፧ እቲ መልሲ፡ ህይወት ሰብ ዘልኣለማዊት ስለዝኾነት ገንዘብ ግና ሓላፊ ነገር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ሓላፊ ሃብቲ ነታ ዘልኣለማዊት ህይወት ሰብ ከዕግባ ኣይከኣሎን። የሱስ ባዕሉ ግና ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።" እቲ መንገዲ እምበኣር እዚ እዩ፡ ቅድም ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ እሞ፡ ሽዑ ኩሉ ተወሲኹልካ ክትዓግብ ኢኻ።

" ሞሳ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ህይወት፡ ክብረት፡ ሃብቲ እዩ።"

 

ውሑዳት ዘይኮኑ እውን ነታ ባዶ ህይወቶም ከዕግቡ ናብ ፍልጠት ብዘይ መጠን ኣቕሊቦም ኣለዉ። ፍልጠት ንወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እኳ ጠቓሚ ኽንሱ፡ ግናኸ ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ከዕግባ ኣይከኣሎን። ምኽንያቱ ድማ ኩሉ ፍልጠት ስለዘይብጻሕን ሓላፊ ስለ ዝኾነን። ቃል ኣምላኽ ነቶም ንዕጋበት ህይወቶም ኣብ ፍልጠት ዝሓጸርዎ ሰባት ከምዚ ይብሎም " እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ፡ መከራ የብዝሕ።" ቃል ኣምላኽ እውን ወሲኹ ከምዚ ብምባል ይዛረበና " ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሃቦም።" (ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 1 ጥቕሲ 17 ገጽ 859)። እምበኣር የሱስ እቲ ሎሚ ንህይወትካ ኣነ ባዕለይ ዕጋበት ክኾነልካ ዝብለካ ዘሎ ኣምላኽ፡ ወሃቢ ፍልጠት ውን እዩ። ምስኡ ምስቲ ምንጪ ተዓረቕ እሞ ህይወትካ ብእኡ ዓጊባ ፍልጠት እውን ክውሰኸልካ እዩ። ብዙሓት ኣብተን ዝሓለፋ ዘመናት ዝነበሩ ሊቃውንቲ ፍልጠት ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት እውን እንተኾኑ ህይወቶም ብኣምላኽ ደኣ እምበር ብፍልጠቶም ከምዘይዓገበት መስኪሮም እዮም።

 

ገለ ገለ ሰባት ድማ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥበብ ኣዝዮም ተፈላጥነት ብምጥራዮም ነቲ ናይ ህይወት ዕጋበት ዝረኽብዎ ስለ ዝመስሎም ኣበርቲዖም ኣብ ምጽዓር ይርከቡ። ኣብ ሓደ ደረጃ ህቡብነት ምስ በጽሑ ግና ብኡ ንብኡ ገና ብዙሕ ከምዝተረፎምን ብዙሓት ተወዳደርቲ ከምዘለውዎምን ይፈልጡ እሞ፡ እቲ ክብሕትዎ ዝሓሰቡ ዕጋበት ሃፊፉ ይጸንሖም። ደረጃኦምን ተፈላጥነቶምን ንምዕቃብ ድማ ኣብ ቀጻሊ ናይ ውድድር ጻዕርን ምድፍፋእን ጊዜኦም ይባኽን። ቃል እግዚኣብሄር ግና ነዚኣቶም ከምዚ ብምባል ይገልጾም " ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ …" (መጽሓፍ መክብብ ምዕራፍ 19 ጥቕሲ 24 ገጽ 670)። ቃል ኣምላኽ ወሲኹ ስለ ዝኾነ። የሱስ እኳ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ክንሱ ግናኻ ናይ ኣቦኡ ደኣ እምበር ናይ ሰባት ናእዳ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ ኣሎ።።

 

ንገዛእ ርእሶም ካብ ኩሉ ናይዛ ዓለም ርኽሰት ከም ዝሓለዉ ብምሕሳብ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዝተፈላለየ ሕግታትን ስርዓታትን ጠናኒጎማ ዝርከቡ ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ሕግታትን ስርዓታትን ገዛእ ርእስኻ ምሕሳእን ንህይወቶም ዕጋበት ከም ዝህባ መሲልዎም፡ ካብቲ ቅኑዕ መንገዲ ብምርሓቕ ኣብ መጻወድያ ሰይጣን ወዲቖም፡ ህይወቶም ብዘይ ዕጋበት ዝተረፈት ብዙሓት እዮም። የሱስ ክርስቶስ ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሰባት ከምዚ ብምባል ይገልጾም " ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን። ወጻኢኡ ጽቡቕ ኮይኑ ዝርኤ። ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ። ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ። እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ። (ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ጠቕሲ 27-28 ገጽ 28 ሓድሽ ኪዳን)።" እምበኣር ሕግታትን ስርዓታትን ብምሕላው ገዛእ ርእስኻ ብምሕላው ዕጋበት ህይወት ክርከብ ኣይከኣልን። እዚ ኩሉ ጻዕሪ ሰብ ስለ ዝኾነ ነታ ኣምላኽ ዝምንጫ ህይወት ሰብ ከዕግባ ኣይከኣሎን።

 

የሱስ እቲ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድሃኔ ኣለም ግና ሎሚ ንህይወትካ ከዕግባን ዕረፍቲ ክህባን ከምዚ እናበለ ይጽውዓካ ኣሎ " ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን። ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ። ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።"(ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 11 ጥቕሲ 29-30 ገጽ 13 ናይ ሓድሽ ኪዳን)።

 

የሱስ " ዝጸምኤ እንተሎ: ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን እቲ ጽሑፍ ከም ዝብለ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ ኣዩ።" (ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 7 ጥቕሲ 37-38 ገጽ 107 ናይ ሓድሽ ኪዳን) እናበለ ይጭድር ኣሎ። ነታ ዕጋበት ስኢና ዘላ ህይወትካ ናይ ዘልኣለም ሓጎስ ዕረፍቲ: ሰላም ብምሃብ ከዕግባ ሎሚ ይዕድመካ ኣሎ። ንጻውዒቱ ኣኽቢርካ: ነቲ ኣብ መስቐሉ ዝኸፈለልካ ዋጋ ብምቕባል ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኻ እንተተቐበልካዮ፡ ኣብዛ ዓለም ብዕጋበት ክትመላለስ ኢኻ፡ ድሕሪ ሞት እውን ኣብ ሰማያት እውን ናይ ዘልኣለም ህይወት ክልወካ እዩ። ነፍስኻ ብኣምላኽ ባህ ክብላ እዩ። ነዚ ጻውዒት እዚ እንተነዓቕካዮ ግን፡ ቃል እግዚኣብሄር " ንሰብ ሞት ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ኣሎ" ይብል እዩ እሞ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከይዓገብካ ኣብ ሰማያት ድማ ኣብ ናይ ዘልኣለም ሓዊ ኣብ ጥፍኣት ክትነብር ኢኻ። ስለዚ ሎሚ ነዚ ናይ መድሓኒኻ ጻውዒት ዕሽሽ ኣይትበሎ። ንየሱስ ብምቕባልካ ናብ ናይ ህይወት ዕጋበት እቶ።

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 Part 2)

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 Part 2)

ብዛዕባ እተን ዝሓተምካየን ኣልቡማት ዛጊት ካብ ኣመንቲ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ሰሚዕካ ኣለኻ?

እ....

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 / Part 1)

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 / Part 1)

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ድሕሪ ባይታኻን ኣተዓባብያኻን መዕለልካናዶ?

 ስመይ ኣርኣያ ሃብተ እብሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1980 ....

ታሪኽ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ (1859–1947) „ሃዋርያ እምነት“

ታሪኽ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ (1859–1947) „ሃዋርያ እምነት“

ሓደ ዓርከይ ብኸቢድ ስንባደ “መይታ እያ!” ብማለት ተዛረበ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዓይነት ስምባደ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣስዒቡ ድማ “እ....

ምስክርነት ማሪያ ውድ ወርዝ

ምስክርነት ማሪያ ውድ ወርዝ

“ጐይታ ንዓይ ዝሃበኒ ፍሉይ ተልእኾ መንፈስ ሓድነትን ፍቕርን ናብ ኲሉ ምብጻሕ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ በረኸቱ ክቕበሉ ብጽምኣት ዝመጣጠሩ ....
ምስክርነት ኤልሳ ጸጋይ

ምስክርነት ኤልሳ ጸጋይ

'ምንጋፍ ካብ ጰራቅሊጦስ እየ እናበለ ታልል ዝነበረ ቀታሊ ናይ ዛር መንፈስ'   *ሓብትና ኤልሳ፡ እስኪ ርእስኺ ምስ ኣንበብቲ ኣላልዪ?   ** ብመጀመርያ ....
ምስክርነት ዕዉት ታሪኽ ቻርለስ ግራንዲሰን ፊኒ

ምስክርነት ዕዉት ታሪኽ ቻርለስ ግራንዲሰን ፊኒ

1. ሕጊ እናጽነዐን ኣብ ኣዳምስ ቤትክርስትያን እናተሳተፈንዩ ፊኒ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክግደስ ዝጀመረ። ኣብ ናይ ሕጊ መጽሓፍቱ....

ካብ ነብሰ ቅትለት ድሒነ ታሪኽ ናይ ኪም ኣቨሪ

ካብ ነብሰ ቅትለት ድሒነ ታሪኽ ናይ ኪም ኣቨሪ

ጓል 15 ዓመት እንከለኹ ብዙሕ ጭንቕትን ብዛዕባ ሂወተይ ድማ ዘይሕጉስትን ነበርኩ:: ስድራይ ጓል 12 ዓመ....

ኣስላም ክርስቶስ እንክረኽቡ ከለዉ

ኣስላም ክርስቶስ እንክረኽቡ ከለዉ

አብ ማእከላይ ምብራቕ ሕቡእ ዝኾነ ሰውራ ጀሚሩ ይርከብ: ንብዙሓት ሙስሊም ድማ ብሕልምታትን ራእያትን ተደሪኾም....

ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ።

ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ።

እዛ ማሕበር እዚኣ ኽትውለድ ከላ ኣዝዩ ዜጨንቕ እዋን እዩ ዝነበረ። እቲ ሓያል ሃጸይ ናፖለዮን ኣብ ኤውሮጳ ብብርቱዕ ሓይሊ ይወርር ነ....

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004

ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት

1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

15 March 2013, 23.39lemlem0
who-are-to-judge-over-your-brotherመረዳእታ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ 98% ካብቲ ብእንግሊዘኛ፡ “ኣብ ካልኦት እትፈርድ ንስኻ መን ኢኻ?” ዚበል ብ ፖውል ኮፓን...
221 0
12 March 2013, 22.16hanidani
the-wonderful-message-behind-genesis-part22 ጐደሎና ዝምልእ ኣምላኽ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ...
299 0
05 March 2013, 22.50hanidani
the-wonderful-message-behind-genesis-part1ነፍሲ አከፍ ሕጥቦ ጹሑፍ ወይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን እየን ዘርእያን ዘግህዳን።...
303 0
04 March 2013, 22.12lemlem0
2013-03-04-22-17-02ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ የዒንትና እንተ ዝኽፈት ኔሩ ከመይ ኮን ነቲ ሰመያዊ ዓለም ጥራይ ሃረር ምበልና ኔርና፣ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን...
321 0
02 March 2013, 22.54hanidani
coming-of-the-son-of-manሓደ ግዜ ብዛዕባ ምጻት ጎይታና የሱሱ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን ምስ ገለ ሰባት  ንዘራረብ ነበርና፣ ሓደ ካብቶም ምሳና...
336 0
02 March 2013, 22.30lemlem0
walking-with-godወዲ ሰብ መልክዕ ኣምላኽን ክብርን ዘለዎ ብዘሎ ስልጣን ከኣ ኣብ ኢዱ ዝተዋህቦ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ግብሪ ኣምላኽ ዝተሸመ ድላይ ልቡ...
256 0
25 February 2013, 09.37lemlem0
victory-at-all-part2 ለ. ፈተና (Temptation) እዚ temptation ዝብል ቃል ብግሪኽ Perasimos ዝብል ኮይኑ መከራ፣ ጸበባ፣ ወጽመድ...
257 0
17 February 2013, 02.14lemlem0
victory-at-allመእተዊ 1ይ ቆረ 15፡57 ግናኸ ነቲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ!2ይ ቆረ 2፡14...
355 0
02 January 2013, 11.11lemlem0
satan-knows-his-የሱስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ከምዚ ኢሉ ክምህሮም ጀመረ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፣ ዘዕርፈሉ ደልዩ ኣብ ብዘሎ በረኻን ምድረ...
436 0
28 December 2012, 08.49hanidani
at-the-end-of-timeምኽፋት መንፈሳዊ የዒንቲ፣ ቡዙሕ ግዜ ሓደ ብተደጋጋሚ እንሰምዖ ዘረባ ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ምዕባለ ሰብ ብመጠን እቲ ዝርእዮ እዩ...
561 0