በጃነት እቲ ለዋህ ጎይታይ

Teaching
Typography

እዚ ምህሮ እዚ ኣብ በጃነት ጎይታ የሱስ ዘሎ ሓሳባት ብዝርዝር በብኽፍሉ ዝቀርብ ኮይኑ ቀዳማይ ክፋሉ ካብ መጽሓፍ እዮብ መበገሲ ብምግባር ምስ ካልኦት ጽሑፋት እንዳተነጻጸረ ክንርእዮ ኢና።

እዚ ስእሊ እዚ ብኸመይ ከምተረኸብናን ዝደሓናን ዝገልጽ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ክፋሉ ናብ ዕድጊ ከነተኩር ኢና።

በጃ ምዃን ክልተ ትርጉም ኣለዎ

ምዕዳግ

  ኣብ ክንዲ ምእንቲ ስለ

የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ ማእከላይ ተበጃዊ።

እዚ ማእከላይ ዝብል ሓሳብ ናይ ኣምላኽ ምኽሪ ብምግላጽ እንዳመሃረ መለኮታዊ ሓሳብን መንግስታዊ ምኽሪ ዝነግርን ፈጻሚ ዕዮ ኣቦን, ቤት ኣቦን፡ ዝፍጽም ከምኡ እውን ሰብ ኮይኑ ካሕሳ ዝኸፍል እዩ እዚ ካሕሳ  antilutron ዝብል ናይ ግሪኽ ትርጉም ኣለዎ(liberty-price" – the blood of Christ which purchases)

ጎይታ የሱስ ኣብ     ዮሃ434ከምዚ ኢሉ ኣሎ ዮሃንስ 4 (John) 34 የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።ነዛ ክፍሊ ዝተመርጸትላ ምኽንያት ክልተ ዓበይቲ ሓረጋት ምግባር ፍቓድ ኣምላኽን ምፍጻም ዕዮን ዝብል ሰፊሕ ኣርእስቲ ነቲ ብዕዮ መስቀሉ ዝፈጸሞ ስራሕ ምብጃው ዝጠምራ ሓረጋት ስለ ዝኾና እዩ።

በዚ ድማ ቅድሚ ጎይታ የሱስ ብስጋ ምውላዱ ዝነበረ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ክንርእዮ ኢና።

ቅድመ ተሰግዎ ኣብ ሕግን,ጽሑፋትን ፡ትንቢታትን,፡ዛንታ, መዝሙራትን ንስራሕ ምብጃው ጎይታ ገሊጽዎ ኣሎ።ንሎሚ እንርእዮ መጽሓፍ እዮብ እዮብ እዩ።

መጽሓፍ እዮብ ስርዓተ ትርታኡ ቅድሚ መዝሙር ዳዊት ድሕሪ መጽሓፍ ኣስቴር ተሰሪዑ እኳ እንተሃለወ ምስ መጽሓፍቲ ዝምደብ ጥንታዊ መጽሓፍ እዩ።

Some thousands of years have certainly passed since the book of Job was written, and yet we here find the same great truths declared in relation to man and his salvation through Christ, which are so fully revealed in the New Testament.

ምብጃው ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ እዮብ

ስራሕ ምብጃው ብእብራይስጥ ኮፈር ፓዳው ዝብል ቃል(kopher,padah) ይብሎ።

ትንተና እዮብ 33

መለኮታዊ ምኽሪ ምግላጽን ብመንጽር እዮብ 33

እዮብ 33 (Job)

23 ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡

24 ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ።

25 ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ።

26 ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኺህቦ እዩ፡ ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡ ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ።

እዚ ኤሊሁ ዝበሎ ናይ ጥበብ ቃላት ምስ ምስጋግ ጎይታን ኣብ ወንጌልን መልእኽትታን ዝተነግረን ዝተገብረን እንዳተነጻጸረ ክንርእዮ ኢና።

1/ ምግላጽ ምኽሪ ኣምላኽ እታ ቅንዕቲ መገዲ።

እዛ መገዲ ብብዙሓትን ነብያት ተኣንፊታ እኳ እንተኾነት ብምልኣተ ብርሃን ዝተገልጸትን ዝተቶርጎመትን ዝተጋህደትን ግና የሱስ ክርስቶስ እያ።

            ናይ እዛ መገዲ ራእሲ የሱስ እዩ

ዮሃንስ 14 (John)

6 የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

ዮሃንስ 7 (John)

16 ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።

17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።

ትምህርቲ መገድን እቲ ባዕሉ መገዲ ዝኾነ የሱስ

/ትምህርቲ በጃነት እንኮ ብየሱስን ካብ የሱስን

ዮሃንስ 10 (John)

9 እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ።

10 ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።

14 ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።

15 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።

2/ካብ ኣሽሓት ሓደ ማእከላይ ዝምህሮ እንተተረኽበ

እዚ ዝምህሮ ዝብል ቃል ኣስተርጓሚ መንግስታዊ ቃል ዝትርጉም መንግስታዊ ቃል ከም ተርጉሙ ከም ዝነግር ኣምባሳዶር ይትርጎም ብእብራይስጥ ድማ[מֵלִ֗יץ - mēlîṣክንበብ ይከኣል

የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣሽሓት ነብያት ሓደ በይኑ እንኮ ክጽዋዕ ከሎ ድማ እቲ ነብይ

ዮሃንስ 6 (John)

14 እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ፥ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ።

ምቃል ትንቢት ዝነግር ዘይኮነስ ብዘሎ ምስጢር ፍቓዱን ዘልኣለማዊ ግሩም ምኽሩ ብዘሎ ሓሳብ ኣምላኽን ዝገልጽ እንኮ ነብይ። በይኑ ማእከላይ.

1 ጢሞቴዎስ 2 (1 Timothy)

5 ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።

6 ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡

3 ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ እዚ ምናልባት ንስጋዊ ሞት ዝመስል ጥራሕ እኳ እንተኾነ እቲ ካሕሳን ምድሓንን ግን በጃነት ዝገልጽ ሓይሊ እዩ።በጃነት ክርስቶስ ንኣምላኽ ዕጋበቱ ንዓና ድማ ህይወቱ ዝሃበና ኣብ ክንዲ ገበናዊ ሞትና ጋር ዝኸፈለ ብሩኽ ጎይታ።

ዳዊት 49 (Psalms)

7-8 ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንአምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለአለም ከኣ ተሪፉ እዩ። ኣብዚ እውን እታ ኮፈር( kopher) ትብል ቃል እብራይስጥ ተጠቒሙ ኣሎ።

እዚ ትርጉም ኣብ ታሕቲ እንዳተዘርዘረ ክንርእዮ ኢና።

ጎይታ የሱስ ከም ሊቀ ካህን ኮይኑ መስዋእቲ ኣቕሪቡ ከም ገንሸል ኮይኑ መስዋእቲ ኮይኑ ምብጃው ክልተ ገጽ ኣለዎ እቲ ሓደ ዕዳ ክኸፍል ከሎ እቲ ካልኣይ ገጹ ድማ ጽድቁ ምዃን እዩ። ኣብ ምብጃው ኩለንትናዊ ለውጢ ኣሎ እቲ ብደም መስቀሉ ዝተበጀወና ጎይታ ስራሕ ደሙ ነዚ ዝስዕብ ይትንትን።

1ዕድጊ(purchase)+ዋንነት

2 ለውጢ (conversion)+መንነት

3 ማእከልነት ልዑላዊ ስምዕታ ወይ ተሰምዖ(intercession) ምምላድ።

4 ዕርቂ reconciliation ስምረት ሓድነት ሰላም ሽርክነት ምስ ኣምላኽ።

5 ጽድቂ justification ምርካብ, ምዃን

ዝኣመሰለ ብዙሕ ክትንተን ዝኽእል ሓሳባት ኣለዎ ምብጃው ጎይታ

4   በዚ እዩ ድማ ኤሊሁ ኣብ እዮብ ክዛረብ ከሎ ስጋኡ ከም ናይ ህጻን ክልምልም ናብ ምዓልታት ጉብዝናኡ ይምለስ ይብሎ እዚ ምድሓን ስጋን ፈውስን ክግለጽ ይከኣል እቲ ምንታይ ኣብ እዮብ 1925 እውን ባዕሉ እዮብ ገሊጽዎ ኣሎ ብዛዕብ ምድሓን ስጋ  እዮብ 19 (Job)

25 ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ።

26 እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።

ፊልጲ 3 (Philippians)

20 ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።

21 ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።

1 ዮሃንስ 3 (1 John)

2 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።

እዚ ኣብ ላዕሊ ኣውሪደዮ ዘለኹ ሓሳባት ምስቲእዮብ ኣብ ምዕራፍ 19 ኢልዎ ዘሎ እንዳተመልከትናዮ ክንከይድ ኢና። እቲ ዝብጀወኒ ህያው እዩ ኢሉ ይጅምር እዚ ቃል ክልተ ከፊላዊ ሓሳብ ኣለዎ ቅድመን ድሕርን ኣብዛ እዮብ ዛረበላ ዘሎ ሰዓትን ድሕረ በጃነት ምርካብን ህያውነት ጎይታ ገሊጽዎ ኣሎ ቅድመ ምስጋግ ጎይታ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተበጃዊ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት መጽሓፍትን ትንቢታትን ተገሊጹ ንረኽቦ ኣብነት ስሉሳዊ ስራሕ ምድሓንን ቤዛነትን ኣምላኽ ኣብ ኢሳ63 ብኸምዚ ይገልጾ።

ኢሳይያስ 63 (Isaiah)

7 ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።

8 ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ።

9 ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሐኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሐለፈ ዘመናት ኲሉ ጊዜ ሐንገሮምን ሐዘሎምን።

10 ንሳቶም ግና ዐለው፡ ንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሀዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም።

ኣብዚ 3 ኣበሃህላ ኣሎ

8 ኣቦነት ክገልጽ ከሎ ደቀይ ይብል

9 ንስራሕ ስቓዩን ምብጃዉን ይገልጽ እዚ ናይ ወዲ ስራሕ እዩ

10 ንናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ትእዛዝን ስምዒትን ይገልጽ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን ስሉሳዊ ስራሕ ምድሓን ክገልጽ ከሎ በጃነት ናይወዲ ስራሕ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብነት

1ሕርየት ምድሓን ኣቦነት

ኤፌሶን 1 (Ephesians)

3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።

2ንብዘላ ዓለም ንሓጥያታ መተዓረቒ ዝኾነ ናይ ምብጃው ስራሕ ወዲ

5-6 በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።

7 ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

3ስራሕ ርጉጽነት ምድሓን መንፈስ ቅዱስ።

13 ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም።

#እዚ ከም ኣብነት ዝግለጽ ስሉሳዊ ምድሓን ኣምላኽ ዝረኣየሉ ኮይኑ ናይ ምብጃው ስራሕ ኣብ ወዲ ትርእዮ

እምበኣር በዚ እዩ እዮብ እቲ ዝብጀወኒ ህያው ምዃኑ ይፈልጥ ኣለኹ ዝበለ።

/ይቕጽል እሞ ንሱ ይብል እዚ ንፍሉይነቱ ዝገልጽ ኣበሃህላ እዩ

/ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ

እዚ ድማ መዋእለ መንግስቲ ክርስቶስ ዳግም ምጽኣቱ ኣብ ምድሪ ከም ዝኸውንን እቲ ምቛም ዝብል ናይ ብስጋ ምግላጽ ንግስነት ምዃኑ ይነግር። / እዚ ቆርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።

እዚ ብዛዕባ ምድሓን ስጋና ምልዋጡን የመልክት እዚ ቆርበተይ ምስ ጠፍኤ ዝብል ነዚ ናይ ውርደት ስጋ ይገልጽ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ ይብል እስከ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ናይ ውርደትን ናይ ክብርን ስጋ ንመልከት።

ፊልጲ 3 (Philippians)

20 ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።

21 ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።

1 ቆረንቶስ 15 (1 Corinthians)

42 ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ።

43 ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ።

44 ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ።

49 ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።

ብዝያዳ ቆረንቶስ 15 ብምሉኡ ይነበብ ከምኡ እውን ኣብ ሮሜ 823 ተመልከት

ሮሜ 8 (Romans)

23 ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና።

24 ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።

እቲ ተስፋ ምድሓን ስጋና ብምብጃው ጎይታ ምዃኑ ዝሰመረሉ ጽሑፋት ድሕሪ ምምልካትና

ናብዚ ዝስዕብ ትንታነ ክንሓልፍ

ዓንቀጽ1a

1 መግለጺ በጃነት

ዕድጊ(Redemption)

1/ ንምዕዳግ ግሪኽ Agora ብኢንግሊሽ (purchase)

2/ካብ ናይ መዔደጊ ቦታ exagorazo(market)

3 ምውናን ግሪኽ peripoieo ኢንግሊሽ making own

1 ኣጎራ agora ንዓዳጊ ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ተዋግዩ ዝዕደግ ክኸውን ከሎ ኣጎራድዞ exagoradzo ካብ ሓደ ቦታ ዕዳጋ ምዕዳግ የመልክት እዚ ኣበሃህላ ቅድመ ቃል ex ወይ ድማ prefix ተጠቒሙ ከም ካብ ከምዚ ካብዚ ዓዲጉ ዝብል ትርጉም ይሕዝ።

በዚ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እዚ exagorazo ልዕሊ ኣርባዕተ ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ።

*ገላ313

*ገላ 45

*ኤፌ516

*ቆሎ45

እዚ ናይ ገላትያ ሓሳብ ጳውሎስ ካብ ዘዳ2726 መበገሲ ዝወሰዶ ኮይኑወዲ ሰብ ነቲ እብ ሕጊ ዝተጻሕፈ ክገብሮ ስለ ዘይከኣለ ዝመጽእ መርገም ምዃኑ የረድእ እሞ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ኮይኑ

ጥንታዊ ቋንቋ ግሪኽ ኮይኑ ጳውሎስ ኸም 1ይቆረ619-20 ከምኡ እውን 1ይቆረ723 ተጠቒሙሉ ኣሎ

1 ቆረንቶስ 6 (1 Corinthians)

19-20 ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Do you not know that your body is the temple (the very sanctuary) of the Holy Spirit Who lives within you, Whom you have received [as a Gift] from God? You are not your own,

20 You were bought with a price [purchased with a[b]preciousness and paid for, [c]made His own]. So then, honor God and bring glory to Him in your body.

እዚ ቃል እዚ ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብ 2 ጴጥ21ዘሎ ሓሳብ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉን በጃ ኹሉ ዝተገብረ ምብጃው ጎይታ the everlasting and infinitive value ብደሙ ተሻይጡ ዝዓደጎም ግናኸ ዝኽሕድዎ ሓሰውቲ ኣገልገልቲ ከይተረፈ ዘጠቓልል ትርጉም እዩ።

2 ጴጥሮስ 2 (2 Peter)

1 ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። even denying and disowning the Master Who bought them, bringing upon themselves swift destruction.

ዝብል ናይ ኤንግሊሽ ትርጉም ኣለዎ

እዚ ሰለስተ ትርጉም

1/ agora ተሻይጡና

2 /exagorazoካብ ዕዳጋ (ካብ መርገም ሕጊ ባርነት ሓጥያት ሞት,,,,,,,,,,,,,)ሓራ ጌሩና

3/ Peripoieo ተወኒና ተዓቂብና ተረኺብና።

ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ክቡራት ክንከውን ናቱ ጌሩና ወኒኑና ናይ ማንም ከይንኸውን ተወኒንና።ግብ2028 ሉቃ1733 1ይጢሞ313 ዘሎ ሓሳብ peripoieo ይትርጎም።

ካልኣይ መግለጺ በጃነት

መግለጺ ሓሳብ ምብጃው ንሓርነት lutroo (freed by paying a ransom, redeemed, set free, )

ኣብ ሉቃ2421 ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኤማሆስ ዝኸዱ ዝነበሩ ብልምዲ ሰብ ኤማሆስ ንብሎም ከምዚ ኢሎም ኔሮም፡

" ሉቃስ 24 (Luke)

21 ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ።" But we were hoping that it was He Who would redeem and set Israel free. Yes, and besides all this, it is now the third day since these things occurred.

እዛ ንእስራኤል ዜድሕን ትብል ዝብጆው ትብል ቃል ኮይና ካብ ግዝኣት ሮማውያን ሓራ ክገብሮም ዝነበሮም ጌጋ ትጽቢት እዩ።

ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ እቲ ተበጅዩ ሓራ ዘውጽኣና ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል።

ቲቶስ 2 (Titus)

14 የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።

መቸም ኣብዚ ሓሳብ እዚ ጥቕልል ዝበለ ዓበይቲ ምርዳእ ከም ዘሎ ንጹር እዩ።

ሓርነት ካብ ዓመጻ, ገንዘቡ ክንኮኖ ከንጽሃና, ከምኡ ድማ ርእሱ በጃና ሃበ ይብል።

በጃና ዝብል ሓረግ huper ὑπέρ (ሁፐር) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ይጥቀም እዚ ማለት ድማ ኣብ ክንዳና ምእንታና ስሌና ,ኣብ ቦታና ኮይኑ ዝኸፍሎ ዋጋ ማለት እዩ።

እዚ ዋጋ እዚ ክትመን ዘይክእል ክቡር እዩ ምኽንያቱ ዋጋ ሓንቲ ነፍሲ ንኣምላኽ ክቡር እዩ በዚ ድማ ዋጋ ( ጋር ) ናይ ሓንቲ ትጠፍእ ነፍሲ

ካብ ምኽባሩ ዝተላዕለ ኣብ መዝ ዳዊት 49 (Psalms) ከምዚ ይብል።

7-8 ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንአምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለአለም ከኣ ተሪፉ እዩ።

ስለዚ ጎይታ የሱስ ዝኸፈሎ ጋር ነፍሲ ማዕረ ክንደይ ዋጋኡ ክቡር ምዃኑ እዩ።

1ጴጥሮስ 118-19 እቲ ዝደሓንናሉ ዋጋ ክቡር ምዃኑን ካብ ወለዲ ዝውረስ ፍረ ኣልቦ ህይወትን ሃብቲ ይኹን ወርቅን ብሩርን ክዕድገና ከምዘይክእል ንናይ በጃነት ክርስቶስ ብኽብሪ ዋጋኡ መዳርግቲ ኣልቦ ምዃኑ ይገልጽ።

1 ጴጥሮስ 1 (1 Peter)

18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

በዚ ድማ እታ ከም መእተዊ ተጠቒመላ ዘለኹ ቃል ἀντίλυτρον antilutron ትብል ቃል ዛዛሚ መግለጺ ዘለዋ ቃል እያ።

ነዚ ሓሳብ እዚ ጎይታ የሱስ ኣብ ማቴ 2028 ገሊጽዎ ኣሎ

ማቴዎስ 20 (Matthew)

28 ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።

ከምኡ እውን ጳውሎስ ካብዚ ሓሳብ ተበጊሱ ኣብ 1ጢሞ26 ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ።

እዚ ቃል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተደጋጋሚ ጠቒስዎ ኣሎ (ሉቃ21:28; ሮሜ 3:24; 8:23 ; 1 ቆረ1:30; ኤፌ 1:7, 14; 4:30 ; ቆሎ1:14;

እብ 915 1135) ተገሊጸን ኣለዋ።

ይቕጽል,,,,,,,,

1ምብጃው ጎይታ የሱስ ካበይ ስጋብ ኣበይ

2ብኸመይ ኣገባብ

3ስራሕ ምብጃው ጎይታ ኣባና እንታይ መስርሕ ይፍጽም።

4ስቓይ ክርስቶስን ደም መስቀሉን ኣብ ክብርን ንግስነትን

ይቕጽል,,,,,,,,,,,,,,,

ኣብዚ ሓሳብ እዚ ሃናጺ ርእይቶን ምኽርን ክትህቡ ብፍቕሪ ጎይታ ይጽወዓኩም  ኩሉ ንምህናጽ ይገበር።

ሓውኹም

ዓወት ታደሰ