ምህሮ “ዘይንቡር ጸጋ”

Apologetics
Typography

‘ጸጋ ኣምላኽ ተገልጸ’ ኣሜን እንኳዕ ተገልጸ። እንተዘይኸዉንሲ ኣበይ ምሃለና? እቲ ብዘይ ሕጊ ተገሊጹ ንዘልኣለም ምድሓን ምኽንያት ዝኾነና ናይ ኣምላኽ ጽድቂ ንሱ ድማ ክርስቶስ እቲ ጸጋ ኣምላኽ ዝተባረኸ ይኹን። ሕጊ ብሙሴ ተዉሂቡ እዩ እሞ፥ ጸጋን ሓቅን ማለት እቲ ንምድሓንን ብሓዳስ ህይወት ንኽንነብርን ዝኸዉን ጸጋን ሓቅን ድማ ብክርስቶስ የሱስ ተገልጸ። እምብኣር ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ “ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቅን እየ” ዝበሎ፥ ካባና ሓደኳ ጸጋ ኣምላኽ ዘይፈልጥን ዕሽሽ ዝብልን ክህሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን።

እንተኾነ ግና፥ ምህሮ “ዘይንቡር ጸጋ” ተብሂሉ ዝፍለጥ ናይ እምነት ምንቅስቃስ ከምዘሎ ክንፈልጥ ጽቡቅ ኮይኑ ስለ ዝተራእየኒ እዛ ጽሕፊት ከተንብብዋ ንኹላትኩም እላቦ። እዚ ናይ እምነት ምንቅስቃስ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣዝዮም ዓበይትን ፍሉጣትን ዝብሃሉ መምሃራንን ሰበኽትን ኣለዉዎ። እዚ ምህሮ ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ጽቡቅ ምህሮኳ ክህልዎ እንተኻእለ ግናኸ ገለ ዝጓስዮም ኣገደስቲ ምህሮታት ናይ ሃዋሪያት ኣለዎ። ብኸምዚ ምኽንያት እዩ ድማ “ዘይንቡር” ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ። እዚ ትምህርቲ “ዘይንቡር ጸጋ” ኣዝዩ ሰፊሕኳ እንተኾነ ብሰለስተ ዓበይቲ ሓሳባት ክጸምቆ ፈቲነ ኣሎኹ።

• ብመጀመሪያ ደረጃ፥ እዚ ምህሮ “ዘይንቡር ጸጋ” ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ከምዝድሓንና ጽቡቅ ይጅምር እሞ፥ ጽንሕ ኢሉ ግና ንስሓ ዝብሃል ነገር ንክርስትያን ኣይምልከቶን እዩ። ምኽንያቱ ክርስትያን መጀመሪያ ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ክቅበሎ እንከሎ ምስተነስሔ፥ ጎይታ ንኹሉ ሕሉፍ፥ ህልዉን መጻኢን ሓጢኣቱ ሓንሳብን ንሓዋር ምሒርዎ እዩ ይብል። መምሃራን እዚ ምህሮ ድማ ኣስዒቦም፥ ብመሰረቱ ኣማኒ ዝብሃል መንፈስ ስለዝኾነ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ፥ እንተገበረዉን ቆልዓ ስለዝኾነ እዩ እሞ ብዛዕባ ኣብ ብስጋኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ምንሳሕ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ ጎይታ መጺኡ ብዛዕባቲ ብስጋኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ጎይታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምሒርዎ ስለዝኾነ ድሮ ከምዝተማሕረ እዩ ዘመስግን እምበር ብዛዕባ ሓጢኣት ምንዛዝ ወይ ምንሳሕ ኣየድልዮን እዩ ይብሉ።

ወሲኾም እዉን ብስጋ ዝግበር ሓጢኣት ምስ ኣማኒ ምንም ርክብ የብሉን ምኽንያቱ ኣማኒ መንፈስ እምበር ስጋ ስለዘይኮነ፥ ስጋ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ስለዘይወርስ ወይ ድማ እዚ ስጋኻ ድማ ኣብዚ ምድሪ ዝተርፍ ዋጋ ዘይብሉ እዩ ይብሉ። ኣይፋል ዝብል ምጉት እንተኣልዒልካሎም ድማ፥ ጸጋ ስለዘይተረድኣካ ብሕጊ ተኣሲርካስ ኣሎኻ፥ ሓርነትካ ስለዘይፈለጥካ ኢኻ ኢሎም ናይ ምንሻዉ ዘረባ እዮም ዝዛረቡኻ። ንኹለን ንስሓ ወይ ቅድስና ዝምህራ ኣብያተ ክርስትያናት እዉን “ዛጊት ኣብ ትሕቲ ሕጊ” እየን ዘለዋ ኢሎም ይብሉ፣ እዚ “ናይ ሕጊ እዮም” “ጸጋ ኣይምህሩን እዮም” “ህይወት የብሎምን” ዝብሉ ሓረካት ኣንሕና ድሮ ብኣእዛንና እንሰምዖም ዘለዉ ድምጽታት እዮም።

እዚ ግና ምስቲ ምህሮ ሃዋሪያ ወይ ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን ይሰማማዕ ድዩ? ያእ ኣይፋል! ንኣብነት ጎይታ ነተን 4ተ ማሕበራት ራእይ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ዝረኸበለን ጉድለታት ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብለን

1. ንማሕበር ኤፌሶን “ካበይ ከምዝወደቅካ ዘክሮ እሞ ተነሳሕ•••••እንተዘይተነሳሕካዉን” ዝብሉ ቃላት ኣብ ራእይ 2፡4~5 ንረክብ

2. ንማሕበር ትያትራ “ምእንቲ ክትንሳሕ ኢሊ፥ ጊዜ ሂበያስ፥ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን” “ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፥ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑ፥ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።” ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ራእይ 2፡21~22 ንረክብ

3. ንማሕበር ሳርዴስ “ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፥ ሐልዎ ተነሳሕዉን።” ዝብል ቃል ኣብ ራእይ 3፡3 ንረክብ

4. ንማሕበር ሎደቅያ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምዉን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ።” ዝብል ቃል ኣብ ራእይ 3፡19 ንረክብ፣ እዚ ኹሉ እንታይ ይብሃል?

ነቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ኣብ 2ቆረንቶስ 5፡20 “ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፥ ሰናይ ኮነ ወይስ እከይ፥ ምእንቲ ክቕበል ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና፣ ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፥ ንእኡ ኸነሐጉሶ ንጽዕት ኣሎና።” ዝበሎ፥ መሊሱ እዉን ነቲ ኣብ 2ቆረንቶስ 12፡21 “ክምለስ ከሎኹ፥ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፥ ኣነዉን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጉሂ፥ እፈርህ ኣሎኹ።” ዝበሎ፥ ካልእዉን ነቲ ኣብ 2ቆረንቶስ 13፡2~3 “••••ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ኹላቶም ከም ዘይድንግጸሎም፥ቀደም ነጊረ እየ፥ኣቐዲመዉን እነግር ኣሎኹ።” ቐጺሊዉን ነቲ ኣብ 2ቆረንቶስ 7፡1 “እምብኣርከ፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፥ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፥ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ኹሉ ርእስና ነንጽህ።”

ኣብ መጨረሻ ድማ ነቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ንስሓ ዉህበት ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ሮሜ 2፡4 “ወይ ከኣ ሕያዉነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ስኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያዉነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቅ ኣሎኻ?” ዝብሉ ኣብነት ክኾኑና ክንርእዮም ዝጸናሕና ጥቅስታት እንተኣሚጺኻሎም ድማ ካልእ ምስምስ ይገብሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም እዉን ንሃዋሪያ ጳዉሎስ ክሳዕ "ምሉእ ብምሉእ" ናይ ጸጋ መምህር ኣይኮነን ኢሎም ዝምግቱኻ መምሃራን ኣለዉ ። ግናኸ ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ በዓሉን ካልኦት ሃዋሪያት እዉን ብዛዕብኡ መስኪሮምዎ ዘለዉ፥ ከም ሃዋሪያ ጳዉሎስ ዝበለ ኣየናይ ሃዋሪያ እዩ ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ፍሉይ ምግላጽ ዝረኸበ?

ካልእ ብዛዕባ ሓጢኣትን ንስሓን ዝምልከት፥ ነቲ ሃዋሪያ የሃንስ ኣብ 1ይ መልእኽቱ ምዕራፍ ሓደን ክልተን ኢልዎም ንዘለዉ ሓቅታት እንተኣምጺኻሎም ድማ፥ ያእ ኣይፋሉን 1ይ መልእኽቲ የሃንስ ምዕራፍ ሓደ ንኣመንቲ ዘይኮነንስ ንዘይኣመንቲ እዩ ተጻሒፉ ክብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ሓንካስ ምኽንያት ይገብሩ፣ መን እዮ እሞ ካብቶም ሃዋሪያት ኣብ መልእኽታቱ ንዓለማዊያን ብቕጥታ መልእኽቲ ወይ ምዕራፍ ዝጸሓፈ? ምንም ኣይንረክብን!

እስኪ ሃዋሪያ የሃንስ ኣብ 1የሃ 1፡8~10 “ሓጢኣት የብልናን፥ እንተ በልና፥ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፥ እታ ሓቂዉን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፥ ካብ ኩሉ ዓመጻዉን ከንጽሃና እሙንን ጻድቅን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፥ እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፥ ቃሉዉን ኣባና የሎን።” ዝብል ቃልሲ ንዓለማዊያን ድዩ ዝዛረቦም ወይ ዝጽሕፈሎም ዘሎ? ይእ ኣይፋልን! እሞ እቲ ኣብ ምዕራፍ ክልተ (1የሃ 2፡1) “ኣቱም ደቀየ፥ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፥ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፥ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፥ እቲ ጻድቅ፥ እዩ።” ዝብሎ ዘሎ ምስቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ምንም ርክብ የብሉን ማለት ድዩ? ካብ ምዕራፍ ክልተ ጀሚሩ ጥራይ እዩ ደቐየ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ ዝብሎም ዘሎ? ያእ ኣይፋልን!

ሃዋሪያ ያእቆብ እዉን ኣብ ያእቆብ 5፡16 “እምብኣርሲ፥ ምእንቲ ክትፍወሱ፥ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ••••” ዝብል ቃል ከምእዉን ሓጢኣት ምግባር ማለት ንእግዚኣብሄር ምብዳልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዉን እከይ ምግባር ምዃኑ ዳዊት ኣብ መዝ 51፡4 ከምዚ ዝስዕብ ይብል “ብዘረባኻ ጻድቅ፥ ብፍርድኻዉን ንጹህ ኾይንካ ኽትርከብሲ፥ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፥ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ዝብሉ ሓቅታትከ ኣበይ ክንሓድጎም ኢና?

• ብኻልኣይ ደረጃ፥ እዚ ምህሮ “ዘይንቡር ጸጋ” ዝምህሩ መምሃራን፥ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቶም ክምህሩ እንከለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣመንቲ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝወቅሶም ወይ ዝረትዖም ምኽንያት ምንም የብሉን ይብሉ። መንፈስ ቅዱስ፥ መንፈስ ሓቂ ስለዝኾነ (የሃ 15፡26)፥ ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣባና ይነብር ስለዝኾነ፥ ኣብ ሓጢኣት ዝገበርናሉ እዋን፥ ንንስሓ ዝስሕብ ኣብ ዉሽጥና ርትዒ ከምዝገብር ኩላትና በዓላትና ምስክር ኢና መስለኒ፣ ምኽንያቱ እቲ መንፈስ፥ መንፈስ ሓቂ ስለዝኾነ፥ ኣባና እዉን ስለዝነብር ስጋና ሓጢኣት እንተሰሪሑ ስቅ ኢሉ ኣይርእይን እዩ። እወ ሓቂ እዩ ኣይፈርደናን እዩ፥ ግናኸ ንንስሓ ዝኸዉን ርትዒ ግና ኣብ ዉሽጥና ይገብር እዩ፣ ስለዚ ርትዒ እዉን ኣምላኽ ይመስገን! ቤተ መቅደሱን ማሕደሩን ኢና እሞ እንኳዕ ክንጋገ እንከሎና ኣብ ዉሽጥና ዘድህይ ኮነ፣ “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፥ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፥ናይ ርእስኹምዉን ከም ዘይኮንኩምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ፣” 1ቆረ 6፡19፣ እወ ብስጋና እዉን ኣምላኽ ይኽበር፣

• ብሳልኣይ ደረጃ እዚ ምህሮ “ዘይንቡር ጸጋ” ዳርጋ ኩሉ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ጽሑፋት ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣማኒ ኣይምልከቶን እዩ እዮም ዝብሉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ በዓሉ ቅድሚ ስቅለቱ ዝተዛረቦምን ዝምሃሮምን ትምህርታት እካ ምስ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝምደብ ዝብል ስነ~ሞጎት እዩ ዘለዎም። ንኣብነት ናይ ከረን ስብከት ማለት ማቴዎስ 5~7 ፍጹም ኣይወሓጠሎም እዩ፣ ግናኸ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ በዓሉ ኣብ ማርቆስ 13፡31 “ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፥ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።” ይብል እዩ እሞ ኣይንታለል፣ ብዝተረፈ ኩላ ጊዜ “ጸጋን ሓቅን” ሚዛነን እንተዘይሓልየን ምዝንባዕ ወይ ምስሓት ይፍጠር እዩ እሞ ብኹሉ ጥንቁቃት ክንከዉንን እምበር ናብ ሓደ ገጽና ጥራይ ከይዘብል ሓደራ እብል። ልዕሊ ኹሉ ድማ ንቓል እግዚኣብሄር ኩሉ ጊዜ ንብልዓዮ፣ ከምቲ ነብይ ኤርምያስ “ንቃልካ ምስ ረከብክዎ በላዕክዎ” ከምዝበሎ፥ ሓደራ ኩላትና መጽሓፍ ቅዱስና ንምፍላጥ፥ ብሕልፊኳ ሓድሽ ኪዳን ክንጽዕት ንርሰይ ኣቕዲመ ይላቦ፣ ብaudio እዉን ኣብ ተሌፎንና ጽዒንና እንተ ኣብ ገዛና እንተ ኣብ መገዲ ንስምዓዮ፣ ጎይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም፣

መደምደምታ 
 =========
“ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፥ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፥ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልዉጥዎ፥ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጎይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፥ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ።” ይሁዳ 1፡4

“ደጊም ከምቲ ንጎይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፥ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፥ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ኼንኩም ብእምነት ጽንዑ።” ቆሎስ 2፡6~7

ካብ ልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉኹም ሮቤል ነጸረኣብ፣