ምህሮ “ዘይንቡር ምብጃው ክርስቶስ”

Apologetics
Typography

“እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፥ ኣነዉን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኽሕልፋ መሊሰዉን ክወስዳ እየ እሞ፥ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። በዓለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፥ መሊሰ ኽወስዳዉን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።” የሃንስ 10፡11,15,17~18

“ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18

“ብጊዜኡ ንዚኸዉን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ኹሉ ኪኸዉን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ” 1ጢሞ 2፡6

“የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼዉጽ ኣና፥ ንርእሱዉን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚኾኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፥ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ” ቲቶስ 2፡14

መእተዊ 

ኣብዚ ቐረባ ጊዜ፥ ሓደ ሓዉ “የሱስ ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ፥ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ድማ ንሱ ድሒኑ እዩ ኣድሒኑና” ክብል ተዛሪበኒ። ሓደ ካልእ ድማ “ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዩ ሞይቱ” ክብል ወሲኹ ተዛረበኒ። ሓሳብ ኮይኑኒ ኣብ በይነይ ብዛዕባኦም ክሓስብ እንከሎኹ ድማ በልኩ፡~ እዞም ኣሕዋተይ ዝብልዎ ዘለዉስ ካልኦት ጸዓዱ ወይ ድማ ሓበሻ ኣገልገልቲ እንድዒ ኣይፈልጥን! ከምኡ ኢሎም ክምህሩ ስለዝሰምዑ እምበር፥ ነቲ ኣፎም መሊኦም ዝበልዎ ዘለዉ ኣዕሚቆም ከምዘይፈልጥዎ ምስትዉዓል ረኽብኩ። ምኽንያቱ እቲ ምህሮ ክትሰምዖ መዓር መዓር እዩ ዝጥዕም። ካብ ካልእ ኣማኒ ሓዉኻ እዉን “ብርድኢት ጸጋ” ጸብለል ኢልካ ከምዘሎኻ ርእስኻ ክትጥበር ስለ ዝገብር፥ ንዝረኸብካዮ ብጎይታ ሓዉኻ በሎ በሎ ተዛረቦ ኣስምዓዮ እዩ ዘብለካ።

ልክዕ ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ኣብ 1ጢሞ 1፡7 “ነቲ ዚብልዎ ወይ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተዉዕልዎ ክነሶምሲ፥ መምሃራን ሕጊ ኪኾኑ እዮም ዚደልዩ።” ዝበሎ፥ እቲ ምህሮ ኣበይ ጀሚሩ ኣበይከ ይዉድእ ዘይትፈልጦ ወይ ዘይተስተዉዕሎ ክነስኻ፥ ቁንጣሮ ሒዝካ በል ኢልካ ንምድሪ ኣይትጹርኒ ምባል ምስ ምንታይ ይቁጸር? ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ፥ ነቲ ትኹል ሓቂ ክምህርን ክዛረብን እየ ኢለ ምኽረይ ቆረጽኩ። ክብሪ ንጎይታ ይኹን! ሕጂ ጊዜኡ በጺሑ፥ ጊዜኡ ድማ እዩ።

ክብራት ኣሕዋተይ ሎሚ “ምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉ” ዝብል ኣርእስቲ ክንርእይ ኢና። ቅድም እቲ ምብጃዉ ዝብል ቃል እንታይ ምዃኑን እንታይ ከምዘመልክትን ክንድህስስ ኢና። ቐጺለ ድማ ንምንታይ “ምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉ” ከምዝበልክዎ ኣስፊሔ ክገልጾ እየ።

ምብጃዉ 

“ምብጃዉ” ዝብል ቃል ብእብራይስጥ כָּפַר Kaphar (ካፋር) ካብ ዝብል ቃል ዝወጸ ኾይኑ፥ ትርጉሙ ድማ በደል “ብምሽፋን” ወይ “ይሕለፍ ብምሕዳግ” ዝግበር ዕርቂ ወይ ስምምዕ የመልክት። እዚ ነቲ ሓጢኣት በደለኛታት ንምሽፋን ተብሂሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብምፍሳስ ደም እንስሳታት ዝግበር ዝነበረ ምብጃዉ የመልክት። ብግሪኽ (ሓዲሽ ኪዳን) ድማ kat-al-lag-ay' καταλλαγή, ῆς, ἡ (ካት ኣላጋይ) ወይ ድማ hil-as-mos' ἱλασμός, οῦ, ὁ (ሂል ኣስሞስ) ካብ ዝብል ቃል ዝወጸ ኾይኑ፥ ትርጉሙ ድማ ናይ በዳሊ ዕዳ “ካብ ማእኸል ኣርሒቅካ፥ ምስቲ በዳሊ ድማ ክሳዕ ምሕዝነት ወይ ዕርቂ ምግባር” የመልክት። ብሓጺሩ “ምብጃዉ” ንዝነበረ ዕዳ ከፊልካ ካብ ማእከል ብምርሓቅ ዝግበር ናይ ዕርቅን ምሕዝነትን መስርሕ እዩ። ክርስቶስ ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ክንዳና ብምብጃዉ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣተዓሪቁና እዩ። ስለዚ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ሻሎም ኣሎና! ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኸ ይኹን! ኣሜን!

እንታይነት "ዘይንቡር ምብጃዉ"

 

“ምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉ” ዘብለኒ ምኽንያት ድማ ጥቅስ ከብል ፍቐዱለይ። ኣብ ዙርያ እዚ “ምህሮ ምብጃዉ” ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኣለዉ እዮም። ገሌና ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብሞት ሰብነት ስጋኡ እዩ ነቲ ናይ ምብጃዉ ስርሑ ወዲእዎ ንብል። ገሌና ድማ ኣይፋል! ክርስቶስ ኢየሱስ ብሞት ሰብነት ስጋኡን ብሞት መንፈሱን እዩ ነቲ ናይ ምባጃዉ ስርሑ ኣብ ገሃነም ወዲእዎ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ዘይድግፎ ምህሮ ዝሓዝና ኣለና። ስለዚ ነቲ “ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዩ ሞይቱ ኣድሒኑና” ንዝብል ምህሮ እምብኣር “ዘይንቡር” ዝብል ቅጽል~ስም ክህቦ ተገዲደ ኣሎኹ።

ሎሚ ኣብዚ “ዘይንቡር ምብጃዉ” ዝብል ምህሮ፥ ብዙሓት ዘስደምሙ ነገራት ኢና ክንሰምዕ። ንገሌና እዉን ልዕሊ ዓቅምናን ምርዳእናን ክኸዉን ከምዝኽእል ጥርጥር የብለይን። እቲ ምህሮ ንብዙሓት ሰባት ከም ሕንዚ ነኺሱ፥ “ብሓሶትሲ ሓድሽ ፍልጠት ወይ ምግላጽ ናይ ጸጋ ከምዝረኸቡ ኣምሲሉ ናብ ጎደና ጥፍኣት ይጋትቶም ኣሎ።

ብዛዕባ ክርስቶስን መስቀሉን ዝዉሃቡና ትምህርትታት ኣዚና ብጥንቃቐ ክንሰምዖምን ክንምርምሮምን ከምዘሎና ነቲ ግሩህ ሕልናኹም ከንቅሖ ፍቐዱለይ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፥ ኣብ ክርስቶስን መስቀሉን ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ዓንዲ ሕቆ ናይ ክርስትና እዩም። ኣብ ዙርያ ወዲ ኣምላኽን መስቀሉን ገለ ነገር ክዉስኽ ወይ ድማ ከጉድል ኢሉ ዝመጽእ ምህሮ ኩሉ ናይ ሓሶት እዩ።

ትሕዝቶ “ምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉ”

 

ምህሮ “ዘይንቡር ምብጃዉ ” ብዛዕባ ክርስቶስን መስቐሉን ብዙሕ ዘስደምሙ ስሑት ትምህርትታት ኣለዉዎ እዮም። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን እንተ ተወኪስና፥ ካብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብዙሓት ኣንጻር መንነትን ዕዮን ወዲ ኣምላኽ ተላዒሎም እዮም። እቲ ምህሮ ይመጽእ፥ ዓገብ ዝብል እንተተረኺቡ ድማ ይጠፍእ። ከምዚ እንዳበለ ዘመናት ኣቁጺሩ ኣሎ። እዚ ምህሮ ንመስቀልን ንሓቅታቱን ዝጻረር ክነሱ ንተመሃርኡ ሓለፋ ኩሉ ክርስትያን ጸጋ ከም ዝተረድኦም ኣምሲሉ እዩ ዝነፍሖም።

ሓደ መዓልቲ፥ ምስ ሓደ ኣዝየ ዘኽብሮ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቴሌፎን ይዘራረብ ነይረ። ብዛዕባ ህይወቱን ስድራኡን ድሕሪ ምሕታተይ፥ “ነፍሳት ከመይ ኣለዋ?” ክብል ይሓቶ እሞ፥ ንሱ ድማ “ናይ ሎሚ ነፍሳት ድኣ ከተማ ይወርዳ እሞ፥ ጎማ ወዲ ጎማ ኣኻኺበን በሊዔን ከብደን ተነፊሔን ይመጻ። ክትርእየን እንከሎኻ ዝሃጠራ እየን ዝምስላ፥ ግናኸ……………..ዘመኑ ኽፉእ እዩ። ” ክብል መሊሱለይ።

ምህሮ “ዘይንቡር ምብጃዉ ክርስቶስ” ካብቲ “ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዮ ሞይቱ” ብዝብል ምጉት እዩ ዝጅምር። ቐጺሉ ድማ ነዞም ኣስዒብና እንርእዮም ጓል~መንገዲ ዝኾኑ ምህሮታት ይወልድ። ኣነ እቶም 4ተ መሓዉራት ምህሮ “ዘይንቡር ምብጃዉ ክርስቶስ” ኢለ ሰመዮም ኣሎኹ። ንሳቶም ድማ፦

1. ክርስቶስ ኣብ መስቀል እንደገና ተፈጢሩ እዩ

2. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ድሒኑ እዩ

3. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም እንደገና ተወሊዱ እዩ

4. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ንኣምላክነቱ እንደገና ለቢሱ እዩ። ዝብሉ ይርከብዎም

እዞም ዝጠቅስናዮም ኣበሃህላታት ፍጹም ሰሚዕክምዎም ዘይትፈልጡ እንተኾንኩም መቸም ኣስምቢድኩም ይኸዉን። እወ ሓቅኹም! እዞም ኣርእስታት ኣብ ዉሽጦም ከይኣተኻዮም ክትሰምዖም እንከሎኻ ጥራይ እዮም ዘስደምሙኻ። እቶም መምሃራን ነዚ ምህሮ ክምህርዎ ከለዉ መቸም ትኽ ኢሎም እዚ እዩ ኣርእስትና ዝብሉኻ ከይመስለና። ብኣንጻሩ ጉልባብ ክከዉን ዝክእል ኣርእስቲ ጌሮም፥ “ጸጋ” ወይ ድማ “ፍቅሪ ኣምላኽ” ዝብል መዓር እብ ልዕሊ እዞም መርዛማት ኣርእስትታት ኣብዝሕ ኣቢሎም እዮም ከዉሕጡኻ ዝጽዕሩ። ነፍሲ ወከፍ ዝምህርዎ ምህሮ ምስ ረኣና፥ እቲ ሚዛን ንዓኻትኩም ክገድፎ እየ።

ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ድዩ ሞይቱ?

 

ገለ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ (Faith Movement)፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቐል ከመዉት እንከሎ “ኤሎሂ ኤሎሂ ላማ ሰብቅታኒ” ማለት “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ብምባሉ ነቲ ሓሳብ መጢጦም፥ ክርስቶስ መንፈሳዊ ሞት እዉን ሞይቱ እዩ ይብሉና። ቐጺሎም እዉን ከምቲ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ሓጢኣት ድሕሪ ምስርሑ፥ ብስጋን መንፈስን ዝሞተ፥ ክርስቶስ እዉን ዳሕራይ ኣዳም ኾይኑ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ ኣድሒኑና ኢሎም ይምጉቱ።

እዚ ምህሮ ከምቲ ድሒረ ዝግልጾ፥ “ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ክንዳና ብመንፈስ እዉን ሞይቱ” ክብሉ እንከለዉ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ደረጃ ሰይጣን ንምዉራድ ንሳቶም ዝጥቀምሉ ብሂል ምዃኑ ክሓብኣልኩም ኣይፈቱን። እንተኾነ ግና፥ ሓጢኣተኛ ሰብ ጥራይ እዩ ብስጋን መንፈስን ዝመዉት። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከድሕነና እዩ ብስጋ ዝተገልጸ። ነዚ ካብ መንፈሳዊ ሞት ክድሕነና ዝመጸ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ዝኮነ ጎይታ፥ ንርእሱ ከማና ሓጢኣት ብምስራሕ ከምዝተሳዕረ ገይርካ፥ መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ እዩ ምባልሲ ፍጹም የስደምመኒ ኣሎ!

ከምቲ ኣብ እብራዊያን 10፡5~7 (መዝ 40፡6~8)

“ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፥ ይብል፥ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፥ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን። ብዝሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ፥ እንሆ፥ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፥ ዎ ኣምላኸ፥ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ በልኩ።” ዝብል፥

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋኡ ገይሩ ስለ ሓጢኣት ብሞት ስጋኡ ተሰዊኡ፥ ፍቓድ እቲ ዝልኣኾ ኣብኡ ምእንቲ ክፍጽም እዩ ናብዛ ዓለም ዝኣተወ። ነዛ ፍቓድ ክፍጽም እዩ ስጋ ዝለበሰን ብስጋ ስለ ሓጢኣት ዝሞተን። ወሲኹ ድማ፥ ነዚኣ ፍቓድ እዩ፥ ኣብ ገተሰማኔ “ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን” ኢሉ ናብ ኣቦ ዝጸለያ። ብተወሳኺ እዉን እቲ ኣብ ሉቃስ 9፤31 “ብግርማ ኸኣ ተገልጹ (ሙሴን ኤልያስን)፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዮርሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምዉጻኡ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ።” ዝብል ቃል እዉን፥ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ብሞት ሰብነት ስጋኡ ዝገብሮ “ዕዮ ምብጃዉ” እዩ ዝነግር። ስለዚ እቲ ናብ ዓለም ምእታዉ ተብሂሉ ዘሎን፥ እቲ ኣብ ዮርሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ምዉጻኡን ኢልዎ ዘሎ፥ ብጀካ ነቲ ብሞት ስጋኡ ዝገብሮ ስራሕ ምብጃው እንተዘይኮይኑ ካልእ ምንም ኣየመልክትን እዩ!

ወሲኽና ኣብ ኻልኦት ጥቅስታት ዉርድ ኢልና ከም እንርእዮ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ጥራሕ እምበር ብመንፈስ ከም ዘይሞተ የነጽረልና እዩ። ስጋዊ ሞት ናይቲ ንጹህ ገንሸል ኣምላኽ፥ ንምድሓን እቲ ዝወደቀ ዘርኢ ኣብርሃም እኹልን ተረፍን እዩ! እቲ ብሞት ስጋኡ ሓጢኣት ዓለም ካብ ማእከል ዘርሕቀ ገንሽል ኣምላኽ ስሙ ዝተባረኽ ይኹን! ንስጋዊ ሞት ክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓንና ከምዘይኣክል ወሲድካ፥ ብመንፈስ እዉን ሞይቱ ምባልሲ፥ ንደም ምፍሳስ ወዲ ኣምላኽ ምስትንዓቅ ከይከዉን ኣዝየ እፈርህ! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ጥራይ ከምዝሞተ፥ ንምድሓንና ዝተከፍለ ስጋዊ ሞት ድማ ኣኻሊ ምንባሩን ክንርዳእ ክንክእል ንትሕዝቶ እዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ነድህበሎም፡~ እቶም ጥቅስታት በዓሎም ክዛረቡ ንሕደጎም፡~

“ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18

“በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።” እብራዊያን 10፡10

“ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን “ህያውን መገዲ ብደም ኢየሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡” እብራዊያን 10፡19~20

“ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም።” ሮሜ 7፡4

“ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።” ቆሎሴ 1፡23~24

“ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።” 1ጴጥ 2፡24

“ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ (Christ hath suffered for in the flesh kjv)፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።” 1ጴጥ 4፡1

“እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።” ሉቃስ 22፡19~20

“ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።” 1ቁረ 11፡24~26

እምብኣር ሕጂ እስኪ ነታ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ዝበላ ቃል ክንርእያ ኢና።

“ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ”

 “ብታስዓይቲ ሰዓት የሱስ፥ ኤሎሄ፥ ኤሎሄ፥ ላማ ሰበቅታኒ፥ ኢሉ ብዓብዩ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፥ ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሐደግካኒ፥ ማለት እዩ።” ማቴዎስ 27፡46

“ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሐደግካኒ፥ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣዉያተይን ርሑቕ ኢኻ።” መዝ 22፡1

ዓበይቲ ዝብሃሉ መምህራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ ብዛዕባ እዚኣ ቃል፥ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ናብ ሰይጣን ወይ ሓጢኣት (ዘርኢ ሓጢኣት) ስለ ዝተለወጠ እዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ሓዲግዎ ብምባል፥ ነዛ ኣብ መስቀል ዝተባህለት ቃል ከም ድጋፍ ብምጥቃም፥ ዘይትርጉሙ ክህብዎን ከጣምምዎን ይርኣዩ ኣለዉ። ብመሰረቱ ነዚ ጥቅሲ ብምንባብ ጥራሕ ኣቦ ሓዲግዎ ኢልካ ምዝራብ፥ ምስቲ ኣስዒብና ክርስቶስ በዓሉ ኣቡኡ ፈጺሙ ከም ዘይሓደጎ ዝተዛረቦ ክገራጮ እዩ።

ብዘይ “ኣቦ” ዝብል ቃል፥ ነዚ “ኣምላኸይ ኣምላኸይ” ዝብል ቃል፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቅለቱ ተጠቂምሉዶ ይፈልጥ ኢለ ክሓትትን ክምጉትን ኣፍቕዱለይ። እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ነብያትን መዝሙራትን ዝተባህለሉ ምእንቲ ክፍጸም ኣብ መስቀል ዝበለን ቃላትን፥ ዝኾናን ፍጻሜታት ከምዘለዋ ክነድህብ እደሊ። ንኣብነት ኣብ የሃንስ 19፡28 “ድሕርዚ የሱስ ኩሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም፥ ጸማእኩ፥ በለ።” ዝብል ንረክብ ኢና። ስለዚ፥ ከምቲ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ዝተባህለሉ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ይብሎ እንተሃለወ መን ይፈልጥ? ብዝበለጸ ኣቦን ወድን ተፈላልዮም ከምዘይፈልጡ ዘረጋግጹልና ጥቅስታት ንስምዓየን ወይ ነንብበን፡~

“እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።” የሃንስ 16፡32

“እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።” የሃንስ 8፡29

“ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።” 2ቆረ 5፡19

ሕራይ! ግናኸ ንምንታይ ደኣ እዩ ጎይታ ከምኡ ዝበለ? ኢልና ክንሓትት ጽቡቅ እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ዝብለና፥ ክርስቶስ ብዘይካ ሓጢኣት ብኩሉ ነገር ክመስለና ከም ዝተገብኦ ርዱእ እዩ። ብጥሜት ብጽምኢ ብድኻም ብሞት ብኩሉ እዩ ዝመስለና። ብስጋ ከመዉት ከሎ ብመንፈስ ግና ህያዉ ከም ዝኮነ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። “ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18። ስለዚ እቲ ንሕና ክንመዉት ከለና ዝስምዕና ምፍላይ ንእኡ ተሰሚዕዎ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኣካል ተፈልይዎ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ክብድ ዝብል ምጉት ክጅምር ፍቐዱለይ። ክርስቶስ “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ክብል እንከሎ፥ ኣቦ ንክርስቶስ ብኣካል ተፈልይዎ ነይሩ እዩ እንተ ኢልና፥ ምስዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክንሰማማዕ ናይ ግድን ክኾነና እዩ፦

1.ኣቦን ወድን ስለ ዝተፈላለዩ፥ ኣብቲ ተፈላልዮምሉ ዝነበሩሉ ግዜ ማለት ሰለስተ መዓልትን ለይትን ስላሴ ዝብሃል ህላወ ጠፊኡ ነይሩ ማለት እዩ። ያእ ኣይፋል ናይ ስላሴ ህላዉነት ፈጺሙ ኣቛሪጹ ኣይፈልጥን እዩ! “ኣብ ክርስቶስ ነበረ” “በይነይሲ ኣይኮንኩን” ወዘተ ዝብሉ ቃላት እዉን ኣለዉ!

2.ንክርስቶስ ኣቦ ተፈልይዎ ናብ ዘይምህላዉ በጺሑ እንተ ነይሩ፥ ንምድርን ንኩሉ ነገርን ደኣ መን ጸይርዎ ነይሩ? ምኽንያቱ ክርስቶስ ንኩሉ ነገር ብሓይሊ ቃሉ ጸይርዎ ዘሎ ንሱ ምዃኑ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ዝነግረና።

“ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።” ቆሎሴ 1፡17

“ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።” እብራዊያን 1፡3

3.እግዚኣብሄር እታ ንምድሓን ሰብ ዝመደባ ጥንታዊ ምኽሩ ፈሺልዎሲ፥ ንሰባት ከድሕን ኢሉ ዝለኣኾ ወዱስ ንርእሱ ምድሓን ዘድልዮ ናብ ምዃን ወሪዱ ማለትና እዩ። ያእ ኣይፋሉን! ክርስቶሲ ንብዙሓት ዉሉድ ምእንቲ ክድሕኑ ኢሉ እዩ ራእሲ ምድሓን እንዳፈጸመ ናብ ክብሪ ዘእተዎም እምበር ንሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምድሓን ወይ ደም ምፍሳስ ኣየድለዮን።

“እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።” እብራዊያን 2፡10

“ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድለዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ።” እብራዊያን 7፡27

4.ንመለኮት ካባና ዝተፈለየ ዝገብሮ እኮ ንሱ ፈጺሙ ዘይመዉት ንሕና ግና ብመንፈስን ብስጋን እንመዉት ስለ ዝኾንና እዩ። ክርስቶስ ከማና ኣቦ ተፈልይዎ እንተ ኢልና ድማ ኣንጻር ቃል እግዚኣብሄር ክርስቶስ ብመንፈስ (ብመለኮት) ሞይቱ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ያእ ኣይፋል እብል ኣሎኹ! ምኽንያቱ ነቲ ክርስቶስ “ብስጋ ሞተ” “ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩ” ወዘተ ዝብሉ ቃላት ሃዋሪያት እምበር ንምህዞ ቃላት ናይ ሓሶት መምሃራን ኣይኣምንን እየ!

“ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18

“ ………….ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።” ቆሎሴ 1፡23

ብኻልእ ኣዘራርባ፥ ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ምዃኑ ካብ ዘይምፍላጥ፥ ከምቲ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ዘሎ እንመሰለና ኣብ ሰማይዉን ዝነበረ፥ ኣቦ ዝሓደጎ ኣብ ዝመሰለናዉን፥ ኣቦ ምስኡ ከምዘሎ ክርድኣና እንሽገር ኣመንቲ ክንህልዉ ንኽእል ኢና። እዚ ግና ነቲ ትኹል ሓቂ ኣየዝብሎን እዩ! ክርስቶስ ብዘሎ መሎኮት ዝሓደሮ ፍጹም ምዃኑን፥ ኣብ መስቀል እዉን መንነቱ ከምዘይቀየረ ከስምረልኩም እፈቱ። ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኣብ መስቀል መንነቱ ለዊጡ ሰይጢኑ እንተ ዝኸዉን፥ ነዞም ኣብ መስቀል ዝበሎም ኣገደስቲ ቃላት ክብል ኣይምኽኣለን ኢልና ንሙግት ኣሎና። ንኣብነት፡~

➢“ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” ዝብል ካብ ዝሰይጠነ ኣካል ዝወጽእ ቃል ኣይኮነን። እቶም ብጎይታ ኢና እንብል ኣመንቲ እኳ ንዝበደሉና ክንብሎ ዝኸብደና ቃል ክኸዉን ይኽእል እዩ። ከም በዓል እስጢፋኖስ ሓዉና ግና፥ ጸጋ በዚሑሎም ብዛዕባ እቶም ብዳርባ እምኒ ዝቐትልዎ ዝነበሩ “ጎይታይ፥ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም” ዝብል ቃል ጨዲርዎ እዩ። ካብ መን ተማሂርዎ? ካብ ጎይታኡ! (ግብ 7፡59~60)

➢ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ዝመስከረ ከታሪ፥ “ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ” ዝብል ምሕጽንታ ምስ ተማሕጸኖ፥ “ሕጂ ምሳይ ናብ ገነት ክትኣቱ ኢኻ” ዝብል መልሲ ክህብ ኣይምከኣለን። ሰይጣንሲ ይትረፍ ንካልእ ሰብ ገነት ክመባጽዓሉ፥ ንርእሱ እኳ ኣይረኽባን እዩ። እረ በጃኹም ክርስቶስ ሰይጢኑ ስለዝነበረ እዩ ኣቦ ሓዲግዎ ኣይትበሉ! ናይ ሰይጣን ማሕደሩ ኣብ ሲኦል እዩ፥ ክርስቶስ ግና ኩሉ ጊዜ ኣብ የማን ኣቦኡ እዩ! “ንየሱስ ከኣ፥ ጎይታይ፥ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፥ በሎ። የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸዉን፥ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፥ በሎ።” ሉቃስ 23፡42~43

➢ክርስቶስ ሰይጢኑ እንተ ዝኸዉን “ነፍሰይ ናባኻ እማዕቁባ ኣለኩ” ብምባል ንህይወቱ ናብ ኣቦ ከዕቁብ ኣይምከኣለን። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ናይ ዝተዓወቱ እምበር ናይ ዝሰይጠኑ መዕቆቢ ኣይኮነን። ጸሓይ ይኹን እቶም ወተሃደራት እዉን ጻድቅ ምዃኑ እኳ ዝመስከርሉ!

“ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ። ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ።” ሉቃስ 23፡44~48

ስለዚ ነዚ ኣጋንንቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝንቅጥቀጡሉ ዝርዕዱሉን ጎይታስ “ኣብ መስቀል ሰይጢኑ” ምባልሲ ምህዞ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ እምበር፥ ኣብ ትኹል ቃል ዘሎ ወይ እዉን ሃዋሪያት ዝምሃርዎ መልእኽቲ ኣይኮነን እብል ኣሎኹ። ኣቱም ነቲ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብሽም “ዘይንቡር ጸጋ” ክትመጥዎ ክጥዕመኩም፥ ንክርስቶስ ናብ ደረጃ ኣጋንንቲ ከተዉርድዎ እትጽዕቱ ዓገብ! ይኣክል! ንጸጋ ኣምላኽ ከም ማስቲካ መጢጥካ ዘይናቱ እንተሂብካዮ ተበላሽዎ እምበር ኣይተማዕርጎን ኢኻ! ሓደ ንእሽቶይ ምዉት ጽንጽያ ንብዘሎ ቅዱይ ቅብኢ ከምዘበላሹዶ ካን ተሰዊርኩም?

“ተፈጸመ” ተብሂልሉ ዝተዛዘመ ምብጃዉ

 “ድሕርዚ የሱስ ኩሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፥ ጸማእኩ በለ። ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስም ዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረብ። የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፥ ተፈጸመ፥ በለ። ርእሱ ኣድነነ፥ ነፍሱዉን ወጸት።” የሃንስ 19፡28~30

ክርስቶስ በቲ ዝተቖርሰ ስጋኡን፥ በቲ ካብ ስጋኡ ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ከም ዘድሓነና ከም ዝዓደገናን እዩ ቃሉ ዘረጋግጸልና። ብደሙ ነጺህናን ተዓዲግና እምበር ብዝተጋነነ ተወሳኺ መንፈሳዊ ሞቱ ከምዘይደሓንና ኣቐዲምና ከሲስና ኣሎና። ድሕሪ ተፈጸመ ዝበሎ ምሉእ ግብሪ ምብጃዉ፥ ንምድሓንና ተብሂሉ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ተወሳኺ ዋጋ የልቦን። ምኽንያቱ ተፈጸመ ማለት ተፈጸመ እዩ። ኣየ ሚስጥር እዚ “ተፈጸመ” ዝብል ቃል እንተንፈልጦ!

ተፈጸመ ዝብል ቃል ብግሪኽ tel'-i-os τέλειος, α, ον (ቴል ኢዮስ) እዩ ዝብል። እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ትርጉማት ድማ ኣለዎ፡~

➢ቐዳማይ ትርጉም፡ ንዝተዋህበካ ዕዮ ኣብ መዓላ ሰሪሕካዮ ምዉዳእ የመልክት። ክርስቶስ ኢየሱስ “ተፈጸመ” ክብል እንከሎ ድማ፥ ነታ ካብ ኣቦ ዝተዋህበቶ ዕዮ ወይ ራእይ፥ ኣብ መስቀል ብሞት ሰብነት ስጋኡ ሰሪሑ ብምዉዳእ ዘዉስኣ ቃል እያ። እዚኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ነታ “ፍቓድካ” እትብል ዕዮ ኣቦ ምፍጻም እያ እተመልክት።

“ኢየሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” የሃንስ 4፡34

“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” የሃንስ 17፡3~5

➢ካልኣይ ትርጉም፡~ ንሓደ በዓል ዕዳ ዝጽነሔ ሰብ፥ ዕዳኡ ኣብ ክንዳኡ ድሕሪ ምኽፋልካ፥ እቲ ዝጸንሔ ዕዳ ተኸፊሉ ተወዲኡ ኣሎ ክብሉ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ቃል የመልክት። እወ! ክርስቶስ ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ክንዳና ንኹሉ ዕዳ ሓጢኣትና ብሞት ሰብነት ስጋኡ ኸፊሉ ወዲኡልና ወይ ኣርሒቁልና እዩ። ስሙ ዝተባረኸ ይኹን!

“ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።” ቆሎሴ 2፡14

➢ሳልሳይ ትርጉም፡~ ሓደ ዓቐይታይ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ኾይኑ፥ ንጸላኢ ወጊኡ ምስ ኣዉደቆ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘዉደቆ ጸላኢ ደዉ ኢሉ ቅድሚ ምቅታሉ ዝብላ ቃል እያ። ኣብ እንግሊዘኛ እታ ቃል “You are done!” ክብልዋ እንከለዉ፥ ኣብ ትግርኛ ድማ “ስዩም በል” ዝብል ሓሳብ ተመልክት። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብሞት ሰብነት ስጋኡ ንሰይጣን መላእኽቱን “ስዩም በል” “You are done!” ኣቢልዎም እዩ። ሃ ሌ ሉ ያ!

“ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” ቆሎሴ 2፡14~15

“እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” እብ 2፡14~16

“ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ።” የሃ 12፡31~33

እቲ “ተፈጸመ” ዝብል ቃል ምሉእ ምብጃዉ ክርስቶስ ብስለስተ መቃልሕ ኣቃሊሕዎ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣቦ “እቲ ዝሃብካኒ ዕዮ ወይ ፍቓድ ብሞት ሰብነት ስጋይ እዉድኦ ኣሎኹ” ዝብል መቃልሕ ኣለዎ! ንሰብ ድማ “ነቲ ዕዳ ሓጢኣትካ ኣብ ክንዳኻ ብሞት ሰብነት ስጋይን ምፍሳስ ደመይን ከፊለ ወዲኤዮ ኣሎኹ” ዝብል መቓልሕ ኣለዎ! ንሰይጣን ድማ፥ “ኣታ ጸላኢ ኣብ ክንዲ እቶም ብተስፋ ዝተኣስሩን ካልኦት ዝድሕኑን ብሞት ሰብነት ስጋይ ገይረ “ስዩም በል” እብለካ ኣሎኹ ዝብል መቓልሕ ኣለዎ! ሰይጣን ነዚኣ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምኽንያት ሓጢኣት ብዙሓት ብስጋ ዝስዉኣ እዩ ዝፈርሓ ነይሩ። ስለዚ እዩ ድማ ብካልእ ዓይነት ኣማዉታ ሞት ንኽመዉት ዝፍትኖ ዝነበረ። ካብ ብስጋ ሙማት ንላዕሊ፤ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ብመንፈስ ሙማት የፍርሖ እንተዝነብር፥ ክርስቶስ ብስጋኡ ንኸይመዉት ምእንቲ ዘለዎ ኹሉ ኣኽቲቱ ምፈተነ!

ኣታ ክንደይ ከሐጉሰካ እዩ ናይ መስቀል ስራሕ! ንኹሉ ንኣብ ሰማይ፥ ምድርን፥ ትሕቲ ምድርን ዘሎ በቃ “ተፈጸመ” ኢሉ ወዲእዎ! እሞ ከምቲ ነዞም መምሃራን ምንቅስቃስ እምነት ዝመስሎም፥ እቲ ኣብ መስቀል ብሰብነት ስጋኡ ዝተኸፍለ በጃ ምሕላፍ ምሉእ እምበር ፈረቃ ወይ ጎደሎ ኣይኮነን። ድሕሪ ተፈጸመ ክጅመር ወይ ክቕጽል ዝክእል ዕዮ ምብጃዉ ፈጺሙ የልቦን። እዚ እቲ ዋና ሕመረት ናይ ሎሚ መልእኽተይ እዩ።

ክርስቶስ “ተፈጸመ” ዝበለ እቲ ብስጋኡ ክፍጽሞ ዝነበሮ ኩሉ ፈጺሙ ምስ ወድአ እምበር ብመንፈስ ምስ ሞተ ኣይኮነን። ከመዮ እቲ ጽሑፍ “መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።” ማር 15፡38 ከም ዝብል፥ ክርስቶስ ብስጋ ክመዉት ከሎ ሽዕኡ ድማ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተተርተረ። እዚ ክልቲኡ ፍጻሜታት እዚ ብሓንሳእ ዝተከሰተሉ መለኮታዊ ምኽንያት ይህልዎዶ ይኸዉን? እወ ምኽንያት ኣለዎ! እዚ ምስጢር እዚ ኣብ እብራዊያን ተገሊጹ ኣሎ።

“ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም ኢየሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፥” እብራዊያን 10፡19~22

“ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።” 2ቁረ 3፡14~16

እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ናይ ምንታይ ምሳሌ እዩ ነይሩ ኢልካ ምሕታት ከድልየና እዩ። ኣብ እብራዊያን “በቲ መጋረጃ፥ ማለት ብስጋኡ” ዝብል ቃል ብምህላዉ፥ እቲ ኣብ መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ምሳሌ ናይ ስጋ ክርስቶስ እዩ። ስጋ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣብ ዝሞተላ ህሞት፥ መጋረጃ ኣብ ቤት መቕደስ ምቕዳዱ ናይዚ ምስጢር እዚ ሕቅነት የረጋግጽ። እዚ ድማ ስጋዊ ሞት ክርስቶስ ነቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ምክፋቱን ንዓናዉን ናይ ምእታዉ መሰልን ትብዓትን ከም ዘዉሓሰና ዘረጋግጽ እዩ። ኣሜን ንምድሓንና ዝኸዉን ዕዮ ምብጃዉ ብተፈጸመ ዝብል ቃል ጎይታ ተዛዚሙልና ኣሎ!

” ክርስቶስ ናብ ሲኦል ብዓወት፥ ዓወት ከበስር እዩ ዝወረደ!

 “ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” ቆሎሴ 2፡14~16

ብዙሓት መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ፥ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምዉራድ ድማ መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ ስለ ዝተሳዕረ እምበር ስዒሩ ከም ዝወረደ ኣይኣምኑን እዮም። ብሓፈሻኡ፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምውራዱን ዘይምዉራዱን 3ተ ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኣለዉ እዮም። ገሊኦም ክርስቶስ ፈጺሙ ናብ ሲኦል ኣይወረደን ዝብል ምጉት ኣለዎም። ካልኦት ድማ ክርስቶስ ብስዕረት ዘይኮነስ ብዓወት እዩ ናብ ሲኦል ወሪዱ ክብሉ ይምጉቱ። ብተወሳኺ፥ ነቶም ናይ ክርስቶስ ተስፋ እናተጸበዩ ብእምነት ዝሞቱን ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ኣብ ሲኦል ንዝጸንሑን ነፍሳት ከይዱ፥ ነቲ ትሕዝቶ ትጽቢቶም ብዓወት ኣዊጁ፥ ማሪኹ ካብ ሲኦል ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ከም ዘዉጽኦም ይኣምኑ። እዞም መምሃራን ድማ ናብ ሲኦም ብሰይጣንን ኣጋንንትን ተጎቲቱ እዩ ወሪዱ ክብሉ ይምጉቱ።

ኣነ ብወገነይ፥ ነቶም ክርስቶስ ፈጺሙ ናብ ሲኦል ኣይወረድን ዝብሉን፥ ነቶም ክርስቶስ ድሕሪ ተፈጸመ ምባሉ ብኣጋንንቲ ተጎቲቱ ተወሳኺ ንኽሳቐ እዩ ናብ ሲኦል ወሪዱ ዝብሉን፥ ኣይፋል ትጋገዩ ኣሎኹም እብሎም። ብመሰረት እዘን ኣስዒብና እንርእየን፥ ክርስቶስ ንሲኦል ብዓወት ክማርኽን ከስተሓፍርን ደኣ እምበር ተሳዒሩን ተማሪኹን ኣይወረደን። ናይ ክርስቶስ ቦታ ኣብ ገነት ኣብ ሰማያት እምበር ኣብ ሲኦል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ዝተማሕጸኖ ከታሪ “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከዉን ኢኻ” ኢሉ ዘይዕጸፍ ተስፋ ዝሃቦ። ገነት ድማ ኣብ ሳልሳይ ሰማይ ከምዝርከብ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል፡~ “ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡” ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።” 2ቁረ 12፡2~4

ምናልባት ኣብዚ ክፍጠረና ዝኽእል ሕቶ ክህሉ ይክእል እዩ። ንሱ ድማ፥ “ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ምስቲ ከታሪ ናብ ገነት ድዩ ኸይዱ ወይስ ናብ ሲኦል ክማርኽ እዩ ወሪዱ?” ኣሕዋተይ ነቲ መለኮታዊ መንነት ናይ ክርስቶስ ክንዝንግዖ ኣይግብኣናን እዩ። ጎይታ ብኣካል ስጋ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣብቲ ወቕቲ ድማ ኣብ ሰማይ ከምዝነበረ፥ ኩሉ ዝኽእል፥ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብን ኣምላኽ ምዃኑኸ ክንርስዖ ዲና? ያእ ኣይፋል! ንሱ ኣብ መስቀል እዉን ፍጹም ሰብን ኣምላኽ ደኣ ኣባ እዩ! እሞ ነዚ ልዑል ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ፥ እወ ንሱ ኣምላክ እዩ ስሙ ዝተባረኸ ይኹን! ኣብ ገነት ይኹን ኣብ ሲኦል ኣብ ሓደ ጊዜ ከይርከብ መን እዩ ዉሱን ደረት ዝደረተሉ? ማንም! ኣብቲ ፍጹም ሰብን ኣምላኽን ዝኾነ መንነት ጎይታ ምስትዉዓሉ ዝተደረተ ሰብ ጥራይ እዩ፥ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ብኣጋንንቲ ተሳዒሩን ተጎቲቱን ንኽሳቐ ዝወረድ ክብል ዝኣምን ወይ ዝምህር።

“ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡” 1ጴጥሮስ 3፡18~19

“እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ።” ኤፌሶን 4፡9~10

“ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” ቆሎሴ 2፡14~16

ነዚኣ ቆሎሴ 2፡14~16 ሓደ መምህር ናይ እምነት ምንቅስቃስ ብቃሉ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ፡~

• “ሰይጣንን ነፍሲወከፍ ጋኔንን ንመንፈስ ናይ ክርስቶስ ብዘይ ሕጋዊ መሰል ኣብ ሲኦል የሳቅይዎ ነበሩ። እታ እግዚኣብሄር ዝደልያ ዝነበረ መእተዊት ሃጓፍ እዚኣ እያ ነይራ። ነዛ ጊዜ ብምጥቃም፥ እግዚኣብሄር ነተን እምነት ዝመልኣ ቃላቱ ናብ መዓሙቕ ምድሪ ማለት ናብ ገሃነም ተዛሪብወን። ብሃንደበት እቲ ቃል ናይቲ ህያዉ ኣምላኽ ናብ ታሕቲ ናብቲ ናይ ዕንወት ጉድጓድ ከይዱ፥ ንመንፈስ ናይ ክርስቶስ ብናይ ትንሳኤ ሓይሊ መልኦ ወይ ኣንቀሖ። ብድንገት እቲ ተጠምዚዙን ብሞት ተገፊዑን ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ሓይሊ ክመልእን ናብ ህይወት ክምለስን ጀመረ። ቅድሚ ሕጂ ሰይጣን ርእይዎ ናብ ዘይፈልጥ ትር ኢት ክልወጥ ጀመረ። ብካልእ ኣዘራርባ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ሰይጣን ከም ብሓድሽ ተወልደ። ነቲ መንፈሳዊ ጭዋዳታቱ ክዘራግሖ ጀመረ። ኢየሱስ ከም እንደገና ዝተወልደ ሰብ፥ ከም በኲሪ ናይ ምዉታት•••እቶም ሰራዊት ኣጋንንቲ እናረኣዩ፥ ክርስቶስ ንሰይጣን ኣብታ ናቱ ገደና ወቕዖ። ናይ ሰይጣን መፋትሕ መንዚዑ፥ ከም ዳግማይ ዝተወልደ ሰብ ካብ ገሃነም ወጺኡ።”

ዘስደምም እዩ! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ በቲ ናይ ሞት መልኣክ ማለት ብዲያብሎስ ኣይተሳዕረን። ብኣንጻሩ ክርስቶስ ንሰይጣን ብዘገርም መንገዲ እዩ ስዒርዎ። ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ድያብሎስ፥ ዘለዎ ዘበለ ሓይሉ ኣኻኺቡ ዘይኮነስ፥ ብሞቱ ስጋኡ እዩ ስዒርዎ። ከምቲ ሓዉና ሃዋሪያ ጳውሎስ “ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፥ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ” ኢሉ ዝምጉቶ፥ እዚ ሓቂ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ሰይጣንን ተጋሂዱ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዕሽነት ዝመስል ስጋዊ ሞት እዩ ንጥበብ ሰይጣን ዘስተሓፈሮ። ብድኻም ብዝመስል ሞት ድማ እዩ ንሓይሊ ሰይጣንን ንመላእክቱን ኣጽዋሮም ገፊፉ፥ ንመርሖ ሞት እዉን ካብ ኣእዳዎም መንጢሉ እዩ ዝሰዓሮም ዘስተሓፈሮምን።

“እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” እብራዊያን 2፡14~15

“ክርስቶስ ኣብ ገሃነም እዩ ድሒኑ” ይብሉ ወይ ጉድ!

ኣስዒብኩም እተንብብዎ ወይ እትሰምዕዎ፥ ዓበይቲ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ (Faith Movement) ኣብ ዙርያ ወዲ ኣምላኽ ዝተዛረብዎን ዝምሃርዎን ዝጸሓፍዎን እዩም እሞ፥ ልቢ ኢልኩም ኣምብብዎ ሓደራ!

“ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕትስ ኣብ መስቀል ምሟት እዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ከምኡ እንተ ኮይኑ እሞ፥ እቶም ክልተ ሰረቕቲ ንዋጋኹም ክከፍልዎ ይክእሉ ነይሮም ማለት እዩ። ኣይፋሉን፥ እቲ መቕጻዕቲ ናብ ገሃነም ምካድን፥ ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ኣብ ገሃነም ስቅያት ክትጥዕም እዩ። ሰይጣንን ኩሎም ኣጋንንቲ ናይ ገሃነም ኣብ ኢድና ረኪብናዮ ኢሎም ኣብ ልዕሊኡ መርበብ ደርበዩሉ። ናብቲ ዝዓሞቐ ክፋል ናይ ገሃነም ጎቲቶም ብምእታዉ ነቲ ዝተፈረድናዮ ፍርዲ ከም ኣብ ልዕሊኡ ከምዝፍጸም ገበሩ። መንፈስን ነፍስን ናይ ጎይታ ናብ ገሃነም ከይደን። እቲ ንሕና ክንቅበሎ ዝነበረና ፍርዲ ድማ ተቐቢልዎ። ነዚ ምእንታና ጌርዎ። ምእንታና ናብ ገሃነም ከይዱ።”

“ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ኢሉ መንፈሳዊ ሞት ጥዒሙ። መንፈሱን እታ ነፍሱን ኣብ ክንዳና ናብ ገሃነም ከይደን። እዚ ክርኣየኩም ኣይክእልን? ስጋዊ ሞት ጥራይ ንሓጢኣትኩም ከርሕቆ ኣይክእልን እዩ። ንሱ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ሞት ጥዒሙ እዩ። ንሱ ድማ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞት ምጥዓም እዩ ዚዛረብ ዘሎ”

“ክርስቶስ ተፈጸመ ኢሉ ክጭርሕ ከሎ፥ ብዛዕባቲ ናይ ድሕነት መደቡ ኣይኮነን ዝዛረብ ነይሩ። ቅድሚ ዙፋን ምኻዱ፥ ግና ክሕለፍ ዘለዎ ስለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚኡ ነይሩ። ናይ ክርስቶስ ናይ መስቀል ሞት፥ ናይቲ ዝተማልአ ናይ ድሕነት ስራሕ ናይ መጀመርታ ክፋሉ ጥራሕ እዩ ነይሩ።”

እዚ ክተንብብዎ ወይ ክትሰምዕዎ ዝጸናሕኩም፥ ንክርስቶስ ካብ ኣምላኽነት ናብ ሰይጣንነት ተለዊጡ ካብ በሉ፥ ብድሕሪኡ ክብልዎ ዝከኣሉ ሃተዉተዉ መዳርግትን መወዳእታን የብሉን። ናብ ሓጢኣት ድሕሪ ምልዋጡ፥ ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ከምዝሞተ፥ ስለዚ ከኣ ኣጋንንቲ ጎቲቶም ናብ ሲኦል ኣዉሪዶም ካብቲ ብስጋ ምስ ተታሕዘ ዝረኸቦ መከራ ንላዕሊ ከም ዘጽገብዎ ይምድሩ። ብናይ ስጋ ሞቱ ከድሕነና ስለ ዘይከኣለ፥ ናይ መንፈስ ሞት ክመዉት ከም ዝተገደደ ይምጉቱ። ነቲ ከድሕን ኢሉ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ካባና ንላዕሊ፥ ንርእሱ ምድሓን ዘድልዮ ሰብ ገይሮም ክገልጽዎ ሰገጥ ዘይምባሎም የስደምም የስካሕክሕን እዩ። ነቲ “ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ፥ ብናይ ገዛእ ርእሱ ድማ ምድሓን ረኺቡ እዩ ኣድሒኑና” ብምባል ገለ ኣሕዋት፥ እቲ ዝረኸቦ ምድሓን ንኣና እምበር ስሌኡ ከምዘይኮነ ብዘይ ምስትዉዓል ዝጥቀሙላ ጥቅሲ ብትግርኛን እንግሊዝን ክጽሕፈልኩም ወይ ከንብበልኩም ፍቐዱለይ፡~

“ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ።” እብራዊያን 9፡11~12

Hebrews 9:11-12King James Version (KJV)

11 But Christ being come an high priest of good things to come, by a greater and more perfect tabernacle, not made with hands, that is to say, not of this building;

12 Neither by the blood of goats and calves, but by his own blood he entered in once into the holy place, having obtained eternal redemption for us.

ስለዚ እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ምፍሳስ ዝተረኽበ ምድሓን ምእንቲ ሰብ እምበር ምእንቲ ርእሱ ኣይነበረን። ኣነ ዝገርመኒ፥ ክርስቶስ ንርእሱ ምድሓን የድልዮ እንተነይሩ፥ ንምድሓን ሰብ ከመይ ገይሩ ይበቅዖ? እዚ ከይኣክል ድማ ምስ እዚኣ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ካልእ ዘስካሕካሓኒ ዘመተ ኣሎ። ካብታ ኣብ መዝሙር ዳዊት 2፡7 ከምኡዉን ኣብ እብራዊያን 1፡5 ተደጊማ ዘላ “ንስካ ወደይ ኢኻ፥ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” እትብል ሓሳብ ተበጊሶም ድማ “ክርስቶስ ኣብ ገሃነም እንደገና ተወሊዱ” ዝብል ምህሮ ዝምህሩ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ ኣለዉ እዮም። ንሰብ ዳግም ተወሊዱ እንተ ኢልና፥ እቲ ቐዳማይ ካብ ወለዱ፥ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ካብ ኣምላኽ ብመንፈስ ዝዉለዶ ዳግም ልደት እዩ። ክርስቶስ እንደገና ተወሊዱ ክብሉ ከለዉ እቲ ካልኣይ ልደቱ ካብ መን ምዃኑ ግሉጽ ኣይገብርዎ እዮም። ሓንቲ ሕቶ ክሓትት፥ ክርስቶስ ቅድሚ ስቅለቱ ወዲ ኣምላኽ ነይሩዶ? እወ! እሞ ኣብ ገሃነም ድማ እንደገና ኽዉለድ ነይርዎ እንተኢልና፥ እቲ ቅድሚ መስቀል ዝነበሮ ዉልድነትን ድሕሪ መስቀል ዝረኸቦ ዉልድነት ሓደ ድዩ? ካብ ሓደ ወላዲ ክልተ ጊዜ ክትዉለድ ከኣ ኣብ ተፈጥራዊ ኮነ መንፈሳዊ ዓለም ዘይንቡርን ዘየሎን ተርእዮ እዩ። እሞ፥ ክርስቶስ ነቲ ቐዳማይ ልደቱ ፈጺሙ ኣጥፊእዎ ከም ዝነበረ እዮም ክነግሩና ዝፍትኑ ዘለዉ። እስኪ ካብቲ ኣፎም መሊኦም ዝብልዎ ንርኣይ እሞ እቲ ሚዛን ንዓኻትኩም ይሓድጎ፡~

“ክርስቶስ ኣብ ጉድጓድ ናይ ገሃነም እንደገና ተወልደ። ንሱ ብኲሪ ካብ ምዉታት እዩ፥ ንሱ ነታ ናይ በኲራት ቤተክርስትያን ኣብ ደጌታት ሲኦል ማለት ገሃነም ጀሚርዎ። ናብ ደጌታት ሲኦል ከይዱ ንቤተ ክርስትያኑ ኣብኡ መስሪትዋ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ደጌታት ሲኦል፥ ክርስቶስ እንደገና ምስ ተወልደ እያ ጅሚራ።”

“ናይ መጀመርታ ካልኣይ ዝተወልደ ሰብ ኢየሱስ እዩ።”

“ክርስቶስ እንታይነቱ ናብ ሓጢኣት ናብ ምዃን ስለ ዝተለወጠ፥ ብኣምላኽ ህያዉ ንክኸዉን እቲ ቀደም ምስ ኣቦ ዝነበሮ ሕብረት ምእንቲ ክምለሰሉን፥ እንደገና ክዉለድ ኣለዎ። ሓጢኣት ካብ ኣቦ ፈጺሙ ፈልይዎ ስለ ዝነበረ፥ እታ ምስ ኣቦ ዝነበረቶ ሕብረት ክትምለሰሉ እትኽእል እንኮ መንገዲ፥ ብሓድሽ ልደት ናብ ሓድሽ ህይወት ብምምጻእ ጥራሕ እዩ።

ክርስቶስ ዳግማይ ምስ ተወልደ እዩ ኣምላኽነቱ እንደገና ተመሊሱሉ”

ነፍሲወከፍ ዳግማይ ዝተወልደ ሰብ፥ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ እዩ፥ ክርስትና ድማ ተኣምራት እዩ። ኢየሱስ ናዝራዊ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ብዝኾኖ መጠን ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ድማ ከምኡ እዩ።”

ዘገርም እዩ ዘረባኦም! እቲ ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ክድሕንን ዳግም ክዉለድ ነይርዎን ምባል፥ ክርስቶስ ንሰለስተ ለይትን መዓልትን ምሉእ ኣምላኽነቱ ኣጥፊእዎ ነበረ ናብ ዝብል ካልእ ምህሮ ከምዘምርሕ ክሕብረኩም እፈቱ። ስለዚ እዮም “ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ምስ ደሓነን ዳግም ምስተወልደን እዩ ንኣምላኽነቱ እንደገና ለቢስዎ” ዝብሉና ዘለዉ። ነቲ ኣብ እብራዊያን 11፡3 “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ።” ዝተባህለሉ ጎይታ ጎይቶት፥ መንነቱ ተኻሒዱ ኣብ ዉሽጢ እቲ ንሰለስተ መዓልትን ለይትን ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ፈጺሙ ጠፊኡ ነይሩ ምባል፥ ኣብ ልዕሊ ጎይታ ብፍላይ፥ ኣብ ልዕሊ ህልዉና ስላሴ ድማ ብሓፈሻ ክበሃል ዝከኣል ዝለዓለ ክሕደት እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ኣምላኽነት ንጎይታ ክዕዱሉን ክሕድጉን ምድላዮም ካልእ ኣይኮነን፥ ንርእሶም ልዕል ከብሉ እሞ መዓረ ክርስቶስ ከዳርጉ ስለ ዝደለዩ እዩ። ማለት ናይ ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ካልኣይ ምዉላድ ኣምላኽነቱ እንደገና ንምልባስ ካብ ሓገዞ፥ ንሕና እዉን ካልኣይ ክንዉለድ ከሎና፥ ልክዕ ከምኡ ኣምላኽነት ንለብስ ኢሎም ይኣምኑ። በቲ ናቶም ኣበሃህላ “ናይ ክርስቶስን ናይ ኣመንቲ ካብ ኣቦ ዘሎና ዉልድነት ሓደ ዓይነት እዩ” ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም እዩ። ያእ ኣይፋሉን! ኣንሕና ኣመንቲ ብክርስቶስ ምኽንያት ደኣ መሰል ዉልድነት እምበር ክርስቶሳዉነት ኣይተዋህበናን! ንክርቶስ መዋርስቱ ምዃን ዉሒድናስ መዓርእዩ ንምዃን ንምንታይ ንልብና ብስስዔ ንመልኦ። መዓረ ክርስቶስ ፈጺምና ኣይኮንናን ኣይክንኸዉንን እዉን ኢና!

መደምደምታ

 “ምብጃዉ ወለዶ”

 “ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ" ይብሉ ናይ ቀደም ኣበዋት። እዚ ሎሚ ረኺቡና ዘሎ መንፈሳዊ ጸገማት ካበይ እዩ ዚነቅል? ነዚ መንሽሮ እዚ ከሕዊ ዚኽእል፡ ዚልከ ፈውሲኸ ኣበይ እዩ ዚርከብ? ኣብ ጊልዓድዶ ፈዋሲ የልቦን እዩ? ገናዶ እንሓቶ ነቢይ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና የልቦን? ንኣምላኽ ኣብ ልብና ነቲ ዝግብኦ ስፍራ ስለ ዘይሃብናዮ ዶኾን ይኸውን?” ክብል ተዛሪቡ፥ ሓደ ኣነ ብቐረባ ዝፈልጦ ብሩኽ ሓዉ! ሓቁ ድማ እዩ!

ጸኒሕና ካልእ ከይንሰምዕ እፈርህ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፥ ኣነሕና እቶም እንሰምዕ እዉን በቲ እንሰምዖ እንታይ ከም እንብልን እንኸዉንን እንገብርን ድማ ልዕሊ ኩሉ እንዳሻቐለኒ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ዘሎ “ንጸዋወር~ tolerance” ዝብል ጭርሖ፥ ንቤተክርስትያን ማለት ንዓና ኣመንቲ እንብሃል እዉን፥ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓቂ ሓቂ፥ ነቲ ሓሶት ድማ ሓሶት ምባል፥ ነቲ “ንጸዋወር” ዝብል ጭርሖና ከይንጭርሖ እሻቐል ኣሎኹ። ነቲ ሓቂ ሓቂ ዝብል፥ ነቲ ሓሶት ድማ ሓሶት ዝብል ድምጺ ካብ ብዙሓት ኣመንቲ እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘመን ኢና ዘሎና።

ብጥዑይ ዝኾነ ሃዋሪያዊ ምህሮን መንፈሳዊ ፍልጠትን ንመጓሰ እግዚኣብሄር ጸኒዕና ምምሃርን ምምዓድን ይግብኣና። ሰኣን ከምኡ ምግባርና ወለዶ ክተሓናፈጽን ናብ ስሕተት ክጉተትን ስቅ ምባል ኣይግድን እብል ኣሎኹ! ንርእሰይ ኣቐዲመ ንኹሎም ኣገልገልቲ ብሕልፊ ድማ ንጓሶትን መምሃራንን እላቦ ኣሎኹ! ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኹሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፥ ማለት ብዛዕባ እቲ ንኹላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ” 2ቆረ 11፡28 ዝበሎ፥ ካብ ብዛዕባ ርእስናን ኣገልግሎትና እንጭነቆ፥ ብዛዕባ ወለዶ ኣብ ጸጽባሕ ክንሓልይን ጽብብ ክብለና መን ምሃበ። ነቲ መርዛም ሓሶት ዝኾነ ምህሮ ብኣግኡ ከነለልዮን ብጥዑይ ምህሮ ደጋጊምና ብምዉቃዕ ነዚ ወለዶ ካብ ምስሓት ንበጀዎ!

“እዚ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ክርስትያን ብቅኑዕ ይዉለድ እሞ፥ ብሰንኪ ስሕተት ዝምህርዎ መምሃራን፥ ብጌጋ ይዓቢ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ፥ ብቀረባ ዝፈልጦ ሓዉ”

ስለዚ ኣንታ ወለዶ ድማ፥ ደፋር ኣይትኹን! ሃዲእኻ ንክርስቶስ ክትምሃሮን ናይ ብሓቂ ወደ መዝሙር ጎይታ ክትኸዉን ድኣ እምበር፥ ብሓጺር መገዲ (ኣቃራጺ መንገዲ) ኣብ ዘይግዜኻ ብሓሶት ምህሮ፥ ብጌጋ ክትዓብይ ወይ ድማ ብጸጋ ጸብለል ዝበልካ መሲልካ ክትርኤ ኣይትጽዓር!። ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ክትምሃሮን ክትርድኦን ምሉእ ርእስኻ ወፊ። ከም ሓንቲ ጤል ካብትን ካብትን እንዳቐንጠብካ ኩሉ ዝበጻሕካዮ መሲልካ ደረትካ ክትነፍሕን ንስጋ ክርስቶስ ክትመቅልን፥ ንልብኻ ኣጉል ድፍረት ኣይትምልኣዮ! ከምቲ ጳዉሎስ ንጢሞቴዎስ “ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ፥ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።” ከም ዝበሎ፥ መጽሓፍ ቅዱስካ ሒዝካ ኮፍ ኢልካ ሃዲእካ ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር እትመሃረ ሰብ ኹን! ንወለዶኻ ድማ በቲ ቅኑዕ ምህሮ ብምምዓድን ምምሃራን ሃየ ተበጀዎ! ጎይታ ንኹላትና ብጸጋኡ መመሊሱ የደግፈና። ኣሜን!

“ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።” ግብ 20፡26~30

ካብ ልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉኹም

ሮቤል ነጸረኣብ

ዝተወከስክዎ መጽሓፍትታት ብዙሓት ኣለዉ። ካባታቶም ብዝያዳ ዝተወከስክዎ ድማ "ካልእ ወንጌል" እትብል ብሓዉና ዶክተር ተኽልኣብ መንግስትኣብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ትርከባ። ነዚኣ ዝወሰኽክዎ ፓስተር ኣብርሃም  ጎፋር ንዓይ ምኽሪ ድሕሪ ምሃቡ እዩ። ፓስተር ኣብርሃም ጎፋር ድማ ስለቲ ቅኑዕ መዓዳኻ ጎይታ ይባርኽካ።

ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ድማ "ዕዮ ክርስቶስ" እትብል መጽሓፍ ብሓዉና ፓስተር ዓወት ንዕዳጋ ክትቐርበልና እያ፥ ኩላትና ኣንቢብና ንባረኸላ ክብል ይፈቱ።