ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ወይ ናይ ብልጽግና ወንጌል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?

Apologetics
Typography

ናይ እምነት ቃል ትምህርቲ ብዘይምጥርጣር ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ፥ ናይ ሓደ ሃይማኖት ወገን ኣይኮነን ወግዓዊ ማሕበር ውን የብሉን ። እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ክንደኡ ግን ፍሉጣት ብዝኾኑ ፓስተራት ከም ኬነዝ ሃገን፥ቤን ሂን፥ ኬነዝ ኮፕላንድ ፥ፖልን ጃን ክሮች ፥ፍረድ ፕራይስን በዚኦም ብኣዚዩ ብዙሕ ዝተጸለወ እዩ።

ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ካብ ጴንተኮስታል ምንቅስቓስ ኣብ መወዳእታ 20 ክፍለ ዘመን ወጺኡ ዝዓበየ እዩ መስራቲኡ ክኣ ኢ.ዳብሊው.ኬንዮን (E.w.kenyon) ይብሃል ፥ሜታፊዝክስን ሓድሽ ሓሳብን ካብ ፊኒስ ኩንቢ(phineas quimby) ዘጽንዔ እዩ፥ ነቲ ዝደለኻዮ ነገር ስመዮ ናትካ ግበሮ ዝብል ትምህርቲ ካብ ናይ ኣእሙሮ ሳይንስ ዝተፈጠረ እዩ ምስ ጴንተኮስታሊዝም ተሓዊሱ ከም ውጺኢት ክኣ ፍሉይ ምትሕውዋስ እቲ ቀንዲ ክርስትናን ብጸሎት ብምምሳጥን ምስ ኣምላኽ ክትራኸብ ምፍታንን ተፈጢሩ ፥ኬንዝ ሃገን ብጊድኡ ኣብ ትሕቲ ኢ.ዳብሊው.ኬንዮን ኣጽኒዑ ነዚ ናይ ሎሚ ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ክኣ መስሪቱ ፥ተወሳኺ ውን ናይ ውልቂ ትምህርቶም ካብ ሙሉእ መናፍቕነት ክሳብ ኣዚዩ ዘደንጹ እቲ ምህሮኦም ይዝርጋሕ፥ቀጺሉ ዝስዕብ መሰረታዊ ስነ ሞሎኮት ናይ መብዛሕትኦም ናይ እምነት ቃል መምሃራን ገዛእ ርእሶም ዝተሰለፉሉ እዩ።

ኣብ ሕምብርቲ ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ "ሓይሊ እምነት እዩ" ቃላት ንናይ ሓይሊ እምነት ይመልክዎ እዮም በዚ ኽኣ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ዝሃቦ ኢሎም ዝኣምንዎ ከም ጥዕና ፥ሃብትን ንምፍጣር እዩ ፥ሕጊ ናይ ሓይሊ እምነት ዘመሓድሮ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ከይተደገፍካ ክዓዪ ከም ዝክእል እዩ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ንቶም ሕግታት ይግዛእ እዩ፥ እዚ ኽኣ ካብ ጣኦት ምምላኽ ዝንእስ ኣይኮነን ንእምነትና ብምጥዋይ ገዛእ ርእስና ብምዝርጋሕ ኽእ ኣምላኽ ክንከውን እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ስነ መሎኮቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርሓቐን እናረሓቐ ዝኸይድን እዩ ፥እዚ ምንቅስቓስ ከምዚ ኽኣ ይብል "ኣምላኽ ንሰባት ልክዕ ከም ኣካላዊ ሰብነቱ ጌይሩ ንኣሽቱ ኣማልኽቲ ጌይርዎም" ቅድሚ ውድቀት ሰብ ብሓይሊ እምነት ተጠቂሙ ነገራት ናብ ክውንነት ክጽውዕ ክፈጥር ዓቕሚ ነይርዎ እዩ፥ድሕሪ ውድቀቱ ግን ሰብ ናይ ሰይጣን ተፈጥሮ ወሲዱ ንነገራት ጸዊዑ ናብ ክውንነት ናይ ምምጻእ ዓቕሙ ክኣ ሲኢኑ፥ነዚ ነገር ንምእራምን ንምስትኽኻልን ክኣ የሱስ ክርስቶስ ሞሎኮቱ ገዲፉ ሰብ ኮይኑ ፥መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ፥ ናብ ናይ ሰይጣን ተፈጥሮ ኣብ ገዛእ ርእሱ ወሲዱ ፥ናብ ሲኦል ከይዱ ኣብኡ ዳግም ተወሊዱ ፥ካብ ምውታት ክኣ ናይ ኣምላኽ ተፈጥሮ ሒዙ ተንሲኡ ፥ድሕሪዚ ክኣ የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ሰዲዱ ኣባና እቲ ሓድሽ ተፈጥሮ ንምብዛሕ ኣብ ኣምንቲ በዚ ኽኣ ንኣሽቱ ኣማልኽቲ ምእንቲ ክኾኑ ከምቲ ካብ መጀመሪ ኣምላኽ ንሰብ መዲብሉ ዝነበረ እዩ።

ናይ እዞም ትምህርትታ ተፈጥራዊ ምዕባለ ከም ንኣሽቱ ኣማልኽቲ ንናይ እምነት ሓይሊ ክንገዝእ ዓቕሚ ንረክብ በዚ ክኣ ኣብ ኩሉ ገጻት ህይወትና ዝበልጸግና ኽኣ ንኸውን፥ ሕማም፥ ሓጥያት፥ዘይምቅናዕ ውጺኢት ሕጽረት እምነት እዩ ፥ ነዚ ንምሕዳስ ሰብ ክኣ ገዛእ ርእሱ ናብ ነገራት ናብ ክውንነት ከምጽእ ተስፋታት ኣምላኽ ናቱ ክገብሮ ኣሎዎ፥ ብሓጺሩ እዚ ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ከምዚ ኢሊካ ከተጠቕምጦ ትኽእል " ንሰብ ናብ ደረጃ ኣምላኽ ይዕብዮ ፥ንኣምላኽ ናብ ሰብ ደረጃ ይወርዶ " ነዚ ናይ ሓሶት ትውክልትታት ክርስትና እንታይ እዩ ዝብሎ ብግልጺ ናይ እምነት ቃል ትምህርቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ብእኡ ኣይሕተትን እዩ፥ ውልቃዊ ምግላጽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን ፤ናብ ውልቃዊ ምግላጽ ኣዚዩ እዩ ዝሙርኮስ በዚ ኽኣ ከምዚ ዓይነት እምነታት ሓደ መረጋገጺ ናይ መናፍቕነት እዩ።

ንናይ ቃል እምነት ውዲት ትምህርቱ ንምቁዋም ብቐሊሉ ጉዳይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እዩ፥ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ልዑላዊ ፈጣሪ ናይ ኣድማስ እዩ (ዘፍ 1=3 ፥ 1ጢሞ 6=15) እምነት ክኣ ኣይድልዮን እዩ ንሱ ባዕሉ ዕላማ ናይ እምነት እዩ (ማር 11=22 ፥እብ 11=13) ኣምላኽ መንፈስ እዩ ኣካላዊ ሰብነት የብሉን (ዮው 4=24) ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ (ዮው 1=26-27 ፥ ዘፍ 9=6) ግናኸ እዚ ንእሽተይ ኣምላኽ ወይ መሎኮት ኣይገብሮን እዩ (ገላ 4=8 ፥ኢሳ 1=6-11 ፥ 43=30 ፥ 44=6፥ ህዝ 28=2፥ መ.ዳዊት 8=6-8) ክርስቶስ ዘልኣለማዊ እቲ እንኮ ውሉድ እዩ ፥ንሱ ጥራይ ክኣ ብኻልእ ተፈጥሮ ዝተገልጸ (ዮው 1=1, 2,14,15,18)(ዮው 3=16 ፥ 1ዮው 4=1) ኣብኡ ማለት ኣብ ክርስቶስ ምልኣት ኣምላኽ ሓዲሩ እዩ(ቆሌ 2=9) ሰብ ብሙኳኑ ክኣ ናይ ሰማይ ክብሩ ሓዲጉ ግናኸ ሞሎኮቱ ኣይሓደገን (ፊሊ 2=5-8) ከም ሰብ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ ግዜ ሓይሉ ክገትእ ክኣ መሪጹ።

ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ወይ ክኣ ናይ ብልጽግና ወንጌል ክቑጸሩ ዘይክእሉ ሰባት ኣታሊሉን ኣስሒቱን ኣሎ ፥ በዚ ኽኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይልቦ ዓይነት ህይወትን እምነትን ክጭብጡ ክደሊዩን ክናድዩን ጌይርዎም እዩ ፥እቲ ቀንዲ ማእከሉ ከምቲ ሰይጣን ካብ ገነት ኤደን ኣትሒዙ ዝተዛረቦ ሓሶት እዩ ከምዚ ዝብል ክኣ እዩ "ከም ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ" ፥ " እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ" (ዘፍ 3=4-5) እቲ ዝሕዝን ግን በዚ ናይ እምነት ቃል ምንቅስቓስ ዝተዓደጉ ክሳብ ሕጂ ንሰይጣን ይሰምዕዎ እዮም ዘለዉ ፥ተስፋና ኣብ ጎይታ እምበር ኣብ ቃላትና ዋላ ኣብ እምነትና ኣይኮነን (መ.ዳዊት 33=20-22) ኣብ ቀዳማይ ቦታ እምነትና ካብ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ (ኤፌ 2=8፥ እብ 12=2) ብዓልና እንፈጥሮ ነገር ኣይኮነን ፥ስለዚ ካብ ናይ እምነት ምንቅስቓስን ካብ ዝኾነት ቤተክርስትያን ምስዚ ናይ እምነት ቃል ትምህርቲ ዝተቖረነት ተጠንቀቕ!

(Source ~ qoustions.org)

•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ