19
Fri, Apr
0 New Articles

ንሕና ኤርትራውያን ንጋሻ ዘሎና ኣኽብሮትን ኣቀባብላን ኣዚዩ ፉሉይን ባህ ዘብልን እዩ፣ ንኽብሪ ጋሻ እንገብሮ መስተንግዶን ምድላውን ከኣ ቀሊል ኣይኮነን፣ ገዛና መጺኡ እውን ጸጊቡን ረውዩን ዝኸይድ ኣይመስለናን፣ እዚ ኣዚዩ ባህ ዘብል ባህልን ክቕጽል ዘለዎ ባህሪ ከኣ እዩ፣ ሎሚ ሓደ ጋሻ ሒዘልኩም መጽየ ኣለኹ። ክትቅበልዎን ከተተኣናግድዎን ድልዋት ዲኹም? ተስፋ ይገብር መልስኹም ኣውንታዊ ክኸውን፣

ኣቦይ ዓንደ ኣብ ኣፍ ደገ እናዳ ፖሊስ ምስ በጽሑ ጉዳዮም ነቲ ዋርዳያ ነጊሮም ናብ ውሽጢ ኣተዉ፣ ሓደ ክዳን ፖሊስ ዝተኸደነ ኸኣ ኮፍ ክብሉ ድሕሪ ምንጋር ብዛዕባ ዘምጾም ጉዳይ ክዛረቡ ኣመልከተሎም “እዛ ወደይ ኣብዚ ወድኻ ተኣሲሩ ኣሎ እሞ ዋሕስ ኢሎሞስ ብዛዕባ ጉዳዩ ከጻሪ እየ መጺኤ” በልዎ

ያቆብ ብዛዕባ ኣድያም ክጽልን ክሓስብን ድቃስ ዘይብሉ ሓደረ፣ ምድረ ሰማይ እውን ምውጋሕ ኣበዮ፣ እንታይ ከም ዘጋጠማ ክፈልጥ ከኣ ተሃንጠየ፣ ከም ዘይወግሕ ስለ ዘየለ ኸኣ ወገሐ፣ ንቐዳም ክራኸቡ እኳ እንተ ተቓጸሩ ክሳብ ሽዑ ክጽበ ከም ዘይክእል ተሃንጠየ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ንኣዜብ መሓዛ ኣድያም ክድውለላ ሞባይሉ

ሰሓቕ ሓጎስ ፍቕሪ መለለዪ እታ ስድራ እዩ፣ ጎሮባብቲ ዘመድ ኣዝማድ ብዘለዎም ሕውነትን ፍቕርን ኣዚዮም እዮም ዝግረሙ፣ ብእኦም ዘይቀንእን ከምኦም ክኸውን ዘይምነ የልቦን፣ ምንም እኳ እምብዛ ምርእያትን ዝፈስስ ሃብትን እንተ ዘይብሎም ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ናይ ዕለት እንጌርኦም ማእሪሮም ዝኣቱ ስድራ እዩሞ፣ “ኣንቲ

More Articles ...

Page 3 of 4