08
Mon, Sep
0 New Articles

ኣብ መእተዊ ናይዚ ክፍለ ዘመን ዝሓለፈ ሰማእት

Church yesterday & today
Typography
ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን የሩሳሌም እስጢፋኖስ ስለ ጐይታ ተሰዊኡ፡ ንሱ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዘመን ናይ መጀመርታ ሰማእት ኰይኑ።

...እስቲፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡ እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ፡ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሓቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዓረፈ።(ግብ6፡8-8፡3 ተመልከት)

እቲ ደም ዝተዛሕዝሖ ጐደና ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ይቕጽል...

ጥቅምቲ 16, 2000, ዛይ ኣብ እትበሃል ምምሕዳር፡ ዞባ ሄናን ኣብ ቻይና፡ ሊዩ ሃይቶ ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ክርስትያን ስለ ጐይታ ሓሊፉ (ተሰዊኡ)።

ካብ ጥቅምቲ 16 ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት፡ ንእሽቶ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ኣብ ወሰን እቲ ናይታ ዓዲ ጽርጊያ ተቐሚጡ ነበረ። በቲ መገዲ ዝሓልፉ ሰባት ርእይቶኦም ይጽሕፉ። ገለ ሰባት ናይ ድንጋጽ ንብዓቶም ከፍስሱ ከለዉ ገሊኦም ድማ ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ሰብ እሞ ድማ ጽቡቕ ግብርታት ዝገበረ ሰብ ኣብ መወዳእታ ብስደት ናብ ሞት ምውፋዩን ነዚ ዘምጸኣ ጸልማት ጊዜ ኣንዳሓሰቡ ይበኽዩ ነበሩ።። ናይ ጓሂ ንብዓት ኣብ መዓጓጉርቲ ናይ ስድርኡ የንጀርብብ ነበረ።
 
ሊዩ ሃይቶ ኣብ ሰነ 24 1979 ሊፋንግሎ ኣብ ዝተባህለት ገጠር ናይ ዛይ ምምሕዳር፡ ዞባ ሄናን ተወሊዱ፡ ኣብ 1996 ዓ.ም. ካብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ። ሃይቶ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ከመይ ጌሩ ከምዝጽሊ ካብታ ወትሩ ምስኡ ንጸሎት ትምብርከኽ ዝነበረት ኣዲኡ ተማሂሩ እዩ። ኣብ ጊዜ ኣዝመራ ናይ ዓመተ 1999 ሃይቶ ሓጢኣቱ ተነሲሑ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ተቐበለ። ሃይቶ ድሕሪ ዳግም ልደቱ ናብ ጐይታ ጠበቐን ብመንፈሳዊ ህይወቱን ብፍልጠትን ብመንፈሳዊ ህያባትን ዓበየ።  ንሱ መንፈሳዊ ፍልጠት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ይብህግ ስለዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ትጉህ ነበረ። ንኻልኦት ኣዝዩ ዝተንከፎም ነገር ርእሱ ንኣገልግሎት ናይ ምውፋይ ባህጉ እዩ ኔሩ። ኣብ ናይ ብሕታዊ ጋዜጣ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፡
﷽ጐይታ በቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሩ ኣድሒኑኒን ዘልኣለማዊ ህይወት ሂቡኒን ከምወዱ ተቐቢሉኒን እዩ። ጸግኡ ንኸንቱ ክቕበል ኣይኮነለይን እዩ። መንፈሰይ ስለ'ቶም ልዕሊ 90% ጐይታ ዘይፈልጡ ደቂ ሃገረይ የሕዘንዝን ኣሎ። ጐይታ ክጥቀመለይ እንተደኣ ደልዩ ንእስነተይ ንኣገልግሎት ወንጌል ክውፊን ዘመነይ ብሙሉኡ ንጐይታ ከገልግሎን ፍቓደኛ እየ።﻾

ሃይቶ ኣብ መስከረም 4-2000, ኣብ ከተማ ኪንያንግ ናይ ስልጠና ኣኼባ እንዳተኻፈለ ከሎ ምስ 27 ካልኦት ክርስትያናት ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበረ መከራ ንክብድህዎ ንሓድሕዶም ይመዓዓዱን ይተባብዑን ነበሩ። እቲ መሪር ናብራ ቤት ማእሰርቲ ከይ ዓጠጦ ሃይቶ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክዕምብብን እዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኻልኦት ይገልጽን ነበረ። ብዙሕ ግዜ ካብ ቓል ኣምላኽ ጥቅሲ እናነገረ ንካልኦት የተባብዖም ነበረ። ﷽ናብቲ ጀማሪን ደምዳሚ እምነትናን ዝዀነ ጐይታ ክንጥምት ኣሎና﻾ ከምኡ'ውን ﷽ክሳብ መወዳእታ ተዓገሱን ንጐይታ ፍለጥዎን﻾ ይብሎም ነበረ። ንካልኦት ይጽሊን እታ ዝነበረቶ ንእሽቶ መግቢ ምስቶም መዳቕስቱ ይማቐላን ነበረ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስኡ ዝነበሩ ብዙሓት ኣመንቲ በቲ ሃይቶ ንጐይታ ዝነበሮ ፍቕሪን በቲ ስለ ካልኦት ዝገብሮ ዝነበረ መስዋእቲ ኣዝዮም ተተንኪፎም እዮም።

ን23 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑ መስከረም 27-2000 ዓ.ም. ናይ ከተማ ኪንያንግ ፖሊስ ነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ክርስትያናት ናብ ነናይ ዓድታቶም መደበር ፖሊስ ተወሲዶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ሓበሮም። ብተወሳኺ እቲ ፖሊስ ﷽ነጻ ይለቐቑ﻾ ዝብል ትእዛዛት ንነፍስ ወከፍ ክርስትያን ተዳልዩ ከምዘሎን ነናብ ዓድታቶም ብዝበጽሑ እቲ ናይ መልቐቒ ትእዛዝ ምስበጽሖም ብኡ ብኡ ክፈትሕዎም ምዃኖም ነገሮም። ሃይቶን ሓደ ክርስትያን ሓውን ናብ ዛይ ናብ ዓዶም ምስበጽሑ ግና ኣይተለቐቑëን ጥራይ ዘይኰነስ ፖሊስ ናይታ ዓዲ ﷽ኰነ ኢሎም ንብረት ናይ ቤት ትምህርቲ ከምዘዕነዉን ካብቲ ህዝቢ ዝተፈለየ እምነት ብምስዓብ ሕጊ ናይታ ሃገር ተጻሪርኩም﻾ ዝብል ክሲ መስሪቱ ደጊሙ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጎኖም።

እታ ሃይቶ ዝሓብረላ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ጽሩይ እምነት ክርስትና ዝሓዘት ነበረት። እቲ መሰረታዊ እምነት ናይት ቤተ ክርስትያን ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ነበሮ።
ኩለን 66 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፋን ስሕተት ዘይብለንን እየን።
ሓደ ኣምላኽ በይኑ ኣሎ፡ ንሱ ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ ቃል ስጋ ኰይኑ ናብዛ ምድሪ መጸ። ንሱ ከም ሰብ ብሓጢኣት ዝተፈተነ ግን ከኣ ሓጢኣት ዘይገበረ እዩ።
ክርስቶስ ብፍቓዱ ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ብምማት ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ንዝኣመንና ዘበልና ካብ ሓጢኣትን ካብ ሞትን ተሻይጡና።
ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡን ናብ ሰማይ ዓሪጉን ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡን ኣሎ።
ክርስቶስ ብኡኡ ንዝኣምኑ ዘበሉ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም።
ክርስቶስ ተመሊሱ ክመጽእን ንዓለም ክፈርዳን እዩ።

ናይ ሃይቶ ቤተ ክርስትያን እቲ ኣብ ዘመን ሃዋርያት ዝነበረ ዘመን ትእምርትታትን ተኣምራትን ህያባት ናይ መንፈስ ቅዱስን ተወዲኡ እዩ ዝብለ እምነት የብላን። ስለ ዝዀነ ድማ ብቛንቛታት ምዝራብ ኣይትክልክልን፡ ንካልኦት'ውን ብቛንቛታት ተዛረቡ ኢላ ኣይተገድድን። ብቛንቛታት ምዝራብ ከም ምልክት ናይ ዝደሓነ ሰብ ጌራ'ውን ኣይትወስዶን። ብጀካ ናይ ሰምበት ሰምበት ኣምልኾ እታ ቤተ ክርስትያን ልደትን ፋስጋን ተብዕልን ስርዓት ድራር ጐይታን ጥምቀትን ትሰርዕን ንኣመንታ ብሰላም ክእከቡን ህይወቶም ብፍቕሪ ሃገሮም፡ ቤተ ክርስትያኖምን ብጻዮምን ዝተመልአ ክኸውን ትምህር። ሕጊ ናይ ሃገር ክንዕቁን ከነኣእሱን፡ ንኣከባቢኦም ክሃስዩን፡ ንትምህርቲ ኰነ ጥዕና ናይ ህዝቢ ክጎድኡ ፈቲኖምን ኣስጋእቲ ኮይኖምን ኣይፈልጡን ነበሩ። ብኣንጻሩ ንሕሙማት ይጽልዩን ብዙሓት ድማ ካብ ሕማሞም ይሓውዩን ነበሩ።

ኣብ መከረም 28-2000 ናይ ዛይ ፖሊስ ንስድራ ሃይቶ 5000 ያን (604 ዶላር ኣሜሪካ) እንተከፊሎም ክፍታሕ ከምዝኽእል ሓበሩዎም። ስድራ ሃይቶ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም ሃይቶ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገደደ። ኣቦ ሓደ ካልእ ክርስትያን ንወዱ ክበጽሕ ኢሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስመጸ ብፖሊስ ተመርሚሩን ደም ክሳብ ዝተፍእ ተኸትኪቱን። ከም ተራ ሲቪል ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገርë ወግዓዊ ጥርዓን ኣየቕረበን። እኳ ደኣ ከምዚ ዓይነት ጥርዓን ምቕራብ ማለት ተወሳኺ ሽግርን ሰዓቦ ጉተቶን ምዕዳም ማለት እዩ።

ንሃይቶ ናይ ቤት ማእሰርቲ መዓልታቱ ኣሸገርቲ ነበራ። ናብራ ቤት ማእሰርቲ ብነብሱ ክፉእ ኔሩ ጥራይ ኣይከነን፡ ብተወሳኺ ንሱ በቶም መተኣስርቱ ይጽረፍን ይኽትከትን ወትሩ በቶም ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ይምርመርን ይቕጥቀጥን ነበረ። ብሰንኩ ድማ እቲ ክሳብ ሽዑ እዋን ገዲፉዎ ዝነበረ ሕማም ኩሊት ከም ብሓድሽ ደጊሱዎ። ኣብ ውሽጢ 5 ክሳብ 6 መዓልታት ድማ ብዙሕ ግዜ ሃለዋቱ ኣጥፍአ። ብዙሕ ግዜ ሕክምና ንክወሃቦ ይጠርዕ ግን ከኣ ጸምም እዚ ይወሃቦ ነበረ። ኩነታቱ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ስለዝነበረ ዋላ እቶም ዝላገጹሉን ዘጋፍዕዎ ዝነበሩን መተኣስርቱ  ንፖሊስ ኩነታት ሊዩ ሃይቶ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝዀነን ህጹጽ ቆላሕታ ከምዘድልዮን ክሳብ ምሕባር በጽሑ። መልሲ ናይቶም ሓለፍቲ ግና ﷽ንሱ ጽቡቕ እዩ ዘሎ። ኣይመውትን እዩ ህይወቱ ኣብ ገነት እዩ ዝነብራ ዘሎ﻾ ዝብል ነበረ። ሃይቶ ናብ ሞት ምስ ቀረበን እቶም መተኣስርቱ ደጋጊሞም ድሕሪ ምጥርዖምን  እዩ ፖሊስ ንስድራ ቤት ሃይቶ ዝሓበርዎም።

ጥቅምቲ 4-2000 ናይ ምሸት ኣቦ ሃይቶ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይታ ዛይ ትበሃል ምምሕዳር ጐየየን ወዱ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ ጸንሖን። ነቶም ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ወዱ ናብ ሆስፒታል ንኽኣቱ ከፍቅዱሉ ለመኖም። መልሲ ናይቲ ሓላፊ ግና ﷽ዝዀነ ሰብ ብምሸት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ፍቑድ ኣይኰነን፡ ገንዘብ እንተደኣ ኣሎካ ነቲ ሓኪም ናይዚñ ቤት ማእሰርቲ ሃቦ እሞ ንሱ ከመይ ጌሩ ከምዝሕክሞ ባዕሉ ይወስን﻾ ዝብል ነበረ። ኣቦ ሃይቶ ነቲ ዶክተር 100 ያን (12 ዶላር) ኣውጺኡ ድሕሪ ምሃብ ናብ ቤቱ ተመልሰ።

ኣቡኡን ኣዲኡን ድቃስ ካብ የዒንቶም በሪሩ ሓዲሩ ንጽብሒቱ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ጐየዩ። ንሃይቶ ናብ ሆስፒታል ንኽወስድዎ ፍቓድ ሓተቱ። እቶም ሓለፍቲ ﷽ንሕና ትራንስፖት ኣይንቕርበልኩምን ኢና፡ ናይ ባዕልኹም መጎዓዝያ ኣምጽኡ﻾ በልዎም። እቶም ወለዲ ታኽሲ ተኻረዩ። ሃይቶ ግና ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ጥዕና ጥራይ ኣይኰነን ዝነበረ። ኣእጋሩ ብብዙሕ ኪሎግራም ዝኽብደቱ መቓውሕ ሓጺን ተቐይዱ ነበረ። ባእሉ ደው ክብልን ኽስጉም ዝተረፎ ሓይሊ ብዘይምንባሩ ኣቡኡ ኣብ ዝባኑ ሓዚልዎ ናብታ ታክሲ ኣእተዎ። እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዶክተር ድማ ክሳብ ሆፒታል ኣሰነዮም።

ኣብ መገዲ ኣቦ ንወዱ ﷽ትማሊ ለይቲ ዝዀነ ፈውሲ ሂቦሙኻዶ ኔሮም?﻾ ኢሉ ሓተቶ ወዱ ድማ ﷽ገለ ሒደት ከኒናታት ጥራይ ሂቦሙኒ﻾ በሎ። እቲ ዝተጋደደ ኩነታት ናይቲ መንእሰይ ዝረኣየ ዶክተር ናይቲ ቤት ማኣሰርቲ ንኣቦ ሃይቶ ኣብቲ ቦታ 90 ያን መለሰሎም። እቲ ዝገበርዎ ዝፈለጡ ፖሊስ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሃይቶ ናጻ መልቐቒ ወረቐት ሰሪሖም ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ ክገብሩን ካብ ሓላፍነት ክሃድሙን (ክመልቁን) ተጓየዩ። ክሳብ ሰዓት 5፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝኸውን ኣእጋር ሃይቶ ካብቲ ቀይዱ ሒዙወን ዝነበረ ጨካን መቚሕ ኣይተፈትሓን ነበራ። ፖሊስ ናይ ነጻ መልቀቒ ወረቐት ሰንድዩሎም ብቕጽበት ተሰወረ።

ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ሊዩ ሃይቶ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ቅድሚ ምፍላዩ ሙሉእ ሰላምን ሓጎስን መሊኡ ነበረ። ﷽ኣደይ ኣነ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ፡ እዚ ኣዝዩ ሰናይ እዩ፡ ንስኺ ኣብ እምነት ጸኒዕኪ ክትዕገሲን ክሳብ መወዳእታ ንጐይታ ክትስዕቢን ይግበኣኪ። ኣነ ቅድሜኺ ይሓልፍ ኣሎኹ፡ በጃኺ ጸልይለይ﻾ በለ። ንሳ ክትጽልየሉ ከላ ኣብ ኢዳ ደቐሰ። ልክዕ ﷽ኣሜን﻾ ዝብል ቃል ብድኹም ግን ከኣ ንጹር ድምጺ ምሰድመጸ ሞተ።

መቓውሕ ሊዩ ሃይቶ ክመውት ሽዱሽተ ሰዓታት ክሳዕ ዝተርፋኦ ካብ ኣእጋሩ ኣይወጻን ነበራ።

ዎ ሃገረይ፡ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ቻይናየ ኣቲ ፍትውቲ ሃገረይ ﷽ዜጋታት ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም ብምልኣት የስተማቕሩላ﻾ ኢልኪ እትእውጂ ሃገረይ።

ጐይታ የሱስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ﷽ኣቦ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ በደሎም ኣይትሓዘሎም።﻾ ﷽ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቁባ ኣሎኹ፡﻾ ኢሉ ጨርሔ።

እስጢፋኖስ ክስዋእ ከሎ ናብ ጐይታ ﷽ጐይታይ የሱስ መንፈሰይ ተቐበል፡﻾ ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ﷽ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም፡﻾ ኢሉ ጨደረ።

ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና፡ ፍትዊ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ በጃኻ ምሕረት ግበረሎም። ጐይታ በጃኻ ምሕረት ግበረልና፡ ንሃገርና ምሕረት ግበረላ! ጐይታ ወንጌልካ ኣብ መላእ ሃገርና ይሰበኽ። እቲ ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ክቡር ደምካ ዝተገልጸ ፍቕርኻ ኣውሕዞሞ እተን ጨካናትን ረዘንቲን መቓውሕ ሓጺን ይምከኻ። ብርግጽ ከኣ ነቲ ካብተን መቓውሕ ብዝገደደ ፍቕሪ ኣልቦን ጨካንን ንዝዀነ፡ ንሱ ኸኣ ﷽ልቢ ሰብ﻾ ኣምክኮ። ዎ ጐይታ! ምሕረት ግበረልናን ንህዝብና ኣድሕኖን።

ሃይቶ ምስ ሞተ ንጽብሒቱ ወለዲ ሃይቶ ብስቡር ልቢ ናብ ቤቶም ተመልሱ። ምስ ህያው ወዶም ዘይኰነስ ምስ ኣብ ሳንዱቕ ዝተዓሸገ ሬሳ ናይ ወዶም እዮም ተመሊሶም።

ኣይከውንን እዩ! ዘርኢ ናብ መሬት እንተዘይወደቐን እንተዘይመተን ንበይኑ እዩ ዝተርፍ። እወ! እንተመተ ግና ብዙሕ ይፈሪ።

ድሕሪ ብርቱዕ ስደት ዓቢ ምንቕቓሕ እዩ ዝመጽእ።

ሓውና ሃይቶ ምስሓለፈ ኣሕዋትን ኣሓትን ንዝኽሩ ዝኸውን መደብ ኣበየ ቦትኡ ኣዳለዉ። ሃይቶ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምቕባጽ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጐዓዝካ ስለዝግበር ኣገልግሎት ኢልካ ምቾትን ጣዕሚን ናይ ቤትካ ናይ ምሕዳግ፡ ህይወትካ ብዘይ ተረፍ ንስለ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምውፋይ ኣርኣያ ኰይኑዎም ነበረ። ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልትታት ጾምን ጸሎትን እታ ቤተ ክርስትያን ብዓቢ ኩነታት ተነቃቕሐት። መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ቀሪቦም ብንብዓት ተነስሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሮም ምትህልላኽ፡ ጽልኢን ቅርሕንቲን ሓዲጐም ይቕረ ብምብህሃል ብፍቕሪ ተሓቛቍፎም ሰላም ተበሃሃሉ። እቲ ጾምን ጸሎትን ኣብ ጥርዙ ብዝበጽሐ ናይ መወዳእታ ናይ ዝኽሪ ኣገልግሎት ኣብ ሕዳር 16-2006 ናይ ምሸት (ድሕሪ ሓደ ወርሒ) ተዛዘመ። ኣብ መንደቕ ናይቲ ናይ ዝኽሪ ኣገልግሎት ዝግበረሉ ዝነበረ ገዛ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ነበረ። ﷽ሓውና ሃይቶ ብስቅያቱ ወላ ሓደ ምጉርምራም ኣየስምዐን፡ ዘመን ንእስነቱ ብስራት ወንጌል ንምንጋር ወፈያ። ነዚ ኣብ ወእተዊ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ዝሓለፈ ሰማእት ዘክርዎ﻾። ብሓቂ ድማ ን ክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣሕሊፉ ንኸይህብ ክብል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብፍጹም ኣፉ ንኸይከፍትን ከጽቅጥን እዩ መሪጹ። ኣብ ማእከል እቲ መንደቕ ብብዙሕ ጭርሖታት ተኸቢቡ ዝተሰቕለ ዓቢ ፎቶ (ስእሊ) ናይ ሃይቶ ይርእ ነበረ።

ኣብ እዋን እቲ መደብ እቶም እኩባት ኣመንቲ ኣዒንቶም ብንብዓት እናጠልቀያ ብሓደ ኣባል ﷽ምናልባት﻾ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ከምዚ ዝብል መዝሙር ዘመሩ።

ምናልባት ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ እከይድ እኸውን፡
ምናልባት ሓደ መዓልቲ ምስ ጐይታ ንክኸውን እኸይድ እኸውን፡
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይትሕዘኑ!
ኣብ ልዕሌና ዝተረግጸ ፍትሒን ዝተገብረ ግፍዒን ኣይትጸብጽቡ!
ጐይታና የሱስ'ዶ ከምኡ ኣይበጽሖን፡ እይተዓገሰን እዩ?
ስለዚ እንተሞትናኸ?
ኣነን ንስኻትኩምን ትርጉም ዘለዎ ሞት ክሳዕ ዝመትና,
እመውት እኸውን
ግን ከኣ ብድሕረይ ሓደ ክትንስእ እዩ።
ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ፈጺሙ ኣየቛርጽን እዩ።

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ እቶም ኣመንቲ ታሪኽ ህይወት ናይ ሃይቶ ብምንባብ ስሊኡ ማዕረ ክንደይ ከምዝግደሱን ንምንቕቓሕ ዘለዎም ድሌትን ገለጹ።

ህይወት ሃይቶ ሓጺር እዩ ኔሩ ግን ከኣ ብዘልኣለማዊነት ዝተመልአ ነበረ፡ ህይወቱ ስቅያት ዝመልኣ ግን ከኣ ብተስፋ ዝተመልአት፡ ህይወቱ ዘይተሃላለኸት ግን ከኣ ንኣምላኽ ባህ እተብል ነበረት። ዋላኳ ሃይቶ እንተሓለፈ mትርጉምን ዕምቆትን ናይ ሞቱ ካብ ተራ ሞት ዝተፈለየ ነበረ። ንሓዋሩ ኣብ ልብና ይነብር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ዘይሓልፍ ዘልኣለማዊ ህይወት ኣለዎ።

ሃይቶ ተሳቕዩን ህይወቱ ንጐይታ ወፍዩን እዩ። ኣቦ ሃይቶ ንወዱ ህጹጽ ረድኤት ክረኽበሉ ናብ ዝኽእለሉ ሆስፒታል ተሰኪሙዎ ክኸይድ ከሎ፡ ክመውት ሽዱሽተ ሰዓታት ክሳብ ዝተርፋኦ እተን ረዘንቲ መቓውሕ ናይ ሓጺን ምስ ኣእጋሩ ተጣቢቐን ነበራ። ሃይቶ ግና ፈጺሙ ኣየጉረምረመን። ምስ ሞት ዝግበር ናይ መወዳእታ ጥምጥም ቃልሲ'ውን ኣይነበሮን። ብህድኣትን ብሰላምን ኣብ መንጐ እቲ ጸልማት ናይ ለይቲ ኣብ መንጐ እቲ ብንብዓት ዝጽለ ዝነበረ ጸሎት ናይ ኣዲኡ እዩ ሓሊፉ። ልክዕ ከም የሱስ ንእምነቱ እሙን ምእንቲ ክኸውንን ነቲ ተልእኮ ክፍጽምን ልክዕ ከም ንማሕረዲ ዝኽብከብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ደው ክብልን፡ ስለ ዓሰርተታት ሚልዮናት ጥፉኣት ነፍሳት ክብልን፡ ብዓቕሊ፡ ብስቕታ፡ ብዘይናወጽ ፍቓድን፡ ብትብዓት ብዝተመልአ እምነት እታ ክብርቲን ዕሸል ህይወቱን ብባህ ዘብል መገዲ ወፈያ። ህይወቱ ህይወት ገድሊ እያ ኔራ። ካልኦት ደድህሪ ሃብቲን ጣዕሚ ዓለምን ክጎዩ ከለዉ ንዕኦም ንድሕሪት ሓዲጉ፡ ገዛእ ርእሱ ክሒዱ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ንላግጺን ጸርፊን ብትብዓት ገጠሞ። ገለ ገሊኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ስቕታ ክመርጹ ከለዉን ርእሶም ክዕቅቡ ከለዉን፡ ንሱ ዋጋ ናይ ሓቀኛ ወደ መዝሙር ክኸፍል ድሉው ነበረ። ገሊኣቶም ንስልጣንን፡ ሓላፍነትን፡ ተፈላጥነትን ሃረር ብምባል ከቛምቱ ከለዉ ንሱ ግና ትሕት ኢሉ ነቲ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ዝግበር ስልጠና ርእሱ ቀረበ። ብሰንኪ እዘን ምኽንያታት ሕጽይቱ ሃደገቶ ንሱ ግና መጽናዕቱ ቀጸለ። ንሱ ኣብዛ ዓለም ፍሉጥ ኣይኰነን፡ ስሙ ግና ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ'ሎ።

ኣብቲ መደብ፡ ሓደ ሰባኺ ﷽ቤተ ክርስትያን ምስተመስረተት እስጢፋኖስ ቀዳማይ ሰማእት ነበረ። እስጢፋኖስ'ውን ጸጋን ሓይሊን ዘመልኦ መንእሰይን እዩ ኔሩ። ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ትእምርትን ተኣምራትን ጌሩ እዩ። ንሱ ቓል ጥበብን መንፈስ ቅዱስን ዝተዛረበን ንስለ ሓቂ ደው ዝበለ ጅግና ክነሱ ብዳርባ እምኒ ተጨፍጪፉ ሞተ። ሃይቶ ከኣ ልክዕ ከም እስጢፋኖስ፡ ምእንቲ ወንጌል፡ ብፖሊስ ተጨፍጪፉ ተሰየፈ። ኣምላኽና ብፍላይ ንሰማእታቱ ጸጋዊ እዩ። ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ ስለ ቅዱሳኑ ይጽሊ ኣሎ። ንእስጢፋኖስን ሃይቶን ምስ ረኣየ ግና ብኽብሪ ንኽቕበሎም ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሰአ። ደገ ሰማያት ተኸፊተን ድማ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ተገልጸ። ከመይ ዝበለ ክብሪ እዩ እዚ ከመይ ዝበለ በረኸት ከ እዩ!

ድሕሪ ሞት እስቲፋኖስ ሳውል ተለዊጡ ጳውሎስ ኰነ (ግብ 22፡20)። ኣብቲ እዋን ብርቱዕ ስደት፡ እቲ ዓቢ ተልእኰ ካብ የሩሳሌም ናብ ምድሪ ይሁዳን ሰማርያን ተዘርግሐ (ግብ 8)። ሃይቶ መይቱ፡ ኣቡኡ ግና ብዕቤት ፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኹ ሽዑ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ተቐበሎ። ገሊኦም ሽዑ ሞት ሃይቶ ፍርሒን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ኣመንቲ ከስዕብ እዩ ኢሎም ጒህዮም ነበሩ። ግን ከኣ ብኣንጻሩ ዀነ! መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣመንቲ ንዕዮ ኣለዓዓሎም፡ መብዛሕትኦም ኣሰርኣሰር ሃይቶ ክስዕቡን እቲ ንሱ ጀሚሩ ዝሓደጎ ተልእዀ ክፍጽሙ ንርእሶም ኣለዓዓሉ። እዚ ዕዮ ኣምላኽ እይኰነንዶ??

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ወለዲ ሃይቶ ምስ ነፍስ ወከፍ ሰብ ብዙሕ ዝቑጽሩ ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ደብዳቤታት ተቐቢሎም ኣንበቡዎ። ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም ﷽ጐይታ ንሃይቶ ናብ ቤቱ ወሲዱዎ እዩ። ሎሚ ኣነ ወድኹም ክኸውን ፍቓደኛ እየ፡...ኣቦ ኢለ ክጽውዓኩም ኣፍቅዱለይ...ትደልዩኒ እንተደኣ ኴንኩም ኣፍልጡኒ እሞ ብቕልጡፍ ክመጸኩምን ክሕግዘኩምን እየ﻾።

እታ ናይቲ ቦታ ቤተ ክርስትያን ን ጥቅምቲ 16 ናይ ሊዩ ሃይቶ ናይ መዘከርታ ዕለት ክትከውን ድሕሪ ምስምማዖም ብሽሙ ገንዘብ ከዋህልሉን ካብቲ ዉህሉል ገንዘብ ከኣ ወርሓዊ 300 ያን (36 ዶላር) እናውጽኡ ንመሸፈኒ ወጻኢታት ወለዱ ክወሃብ ወሰኑ። ብኡ ብኡ እቶም ኣመንቲ ነዚ ነገር ገንዘብ ከወፍዩ ጀመሩ።

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስቲ ሰባኺ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ﷽ፍትዊ ሰማያዊ ኣቦና ሕጂውን ምስ ንብዓትና ነመስግነካ ኣሎና። ሓውና ሊዩ ሃይቶ ሰናይ ገድሊ ተጋዲሉ እዩ፡ ነታ እምነት ሓልዩዋ እዩ። ዎ ጐይታ1 ኣኽሊል ጽድቂ ተዳሊዩሎ ከምዘሎ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ኣኽሊል ግና ንሃይቶ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝስዕቡ'ዉን እዩ። እቲ ናይ ምጽንናዕ ቅዱስ መንፈስካ ንስድርኡ ምጽንናዕ የምጽኣሎም፡ እቲ ናይ ሓዘን ከሎም ብኽዳን ሓጎስ ይቐይረሎም። ነታ ናይ ሃይቶ ቤተ ክርስትያንን ነቶም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ክልተ መራሕታን ንጽሊ ኣሎና። በጃኻ ነቶም ኣመንቲ ብሰላምካ ሓልዎምን ነዛ እትስቀ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣበርትዓያን። ድሕሪ እዚ ማዕበል ኣብቲ ናትካ ከውሒ ዘይትናወጽ ኰና ተሰሪታ ክትጸንዕ ርድኣያ። ጐይታ እዚ ናይ ሕብረት ጸሎትና ስምዓዮ። ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንጽሊ፡ ኣሜን!﻾

እቲ መደብ ክሳብ ዝውዳእ ንብዓት፡ ምስጋናን መዝሙርን ኣየቛረጸን። ሊዩ ሃይቶ ወዲቑ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብዙሓት ካልኦት ግና ክትንስኡ እዮም። ነቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳዞርካ ዝግበር ኣገልግሎት ወንጌል ኣርኣያ ናይ ሃይቶ ወሲዶም ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወቶም ክውፍዩ እዮም። ከም መግለጺ ንርእስኻ ናይ ምኽሓድ፡ መስቀልካ ናይ ምልዓል፡ ደድሕሪ የሱስ ናይ ምስዓብ ድሌት እተን መዛሙር ብንብዓት ተዘመራ።

ንጐይታ ስለዝሰዓብኩ፡
ንድሕሪት ኣይጥምትን እየ፡
ንጐይታ ኣሚነ ስለዝሰዓብኩ፡ ኣይጠዓሰሉን እየ።
ዋላኳ እቲ መገዲ ኣጸጋሚ እንተዀነ፡
ኣየጉረምርምን እየ፡
ዋላኳ ንብዓት የዒንተይ ንገጸይ እንተኸደኖ
ልበይ መቐረት የስተማቕር ኣሎ!
ንጐይታ ኣብ ከውሊ ጥራይ ኣየገልግሎን እየ።
ንጐይታ ኣብ ሰላም ዘለዎ ትጡሕ ቦታ ጥራይ ኣየገልግሎን እየ፡
ኣብ ሸላታት ቤት ማእሰርቲ እየ ዘገልግሎ፡
ኣብ ለሰ ብኽያት፡ እየ ዘገልግሎ፡
ናብ ﷽ኤሊም﻾ ንኽኣቱ፡ ብ ﷽ማራ﻾ ክሓልፍ ብግዲ እዩ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ኰይኑ ነዘን ዝስዕባ ቃላት ጽሒፉወን፡

﷽ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዝሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ። ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ራእ 14፡13
 
﷽...ነፍሳት እቶም ሰል ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳእ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፡ እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳእ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም። ራእ 6፡9-11

እቲ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ብዝፈሰሰ ደም ዝጨቀየ ጐደና ሕጂ'ውን ንቅድሚት ገጹ ይግስግስ ኣሎ..........

ብዣው ሮዚ ዝተጻሕፈ