27
Sat, Apr
0 New Articles

መለኮታዊ ሕቶታት ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ካልኣይ ክፋል

Message 1
Typography

1.2. ስውር ውድቀት፡- ራእ2*4-5፡ "ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቅኻ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቀዳማይ ግብሪውን ግበሮ።" ይብል። ኣብዚ ስፍራ እዚ፡ ስውር ውድቀት ከምዘሎ ትርእዩ ዶ ኣለኹም? ማሕበር ኤፌሶን ፍቕሪ ንኣምላኽ ዘለዋ ማሕበር እያ ነይራ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ እንተዘይነብራ ስለ ስሙ ኣይምተጻወረትን ነይራ። ኣብ ርእሲ እዚ መልላይ ዝወነነትውን እያ ነይራ፡ ማለት ነቶም ሃዋርያት ዘይኮኑ ክነሶምሲ ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፡ ሓሰውቲ ምዃኖም ዝፈለጠት ማሕበርውን እያ። ማኣስ እዚ ጥራይ ንምህሮ ኒቆላውያን እትጻረር ማሕበር ድማ እያ፡ እቲ ዘለዋ ጽቡቅ መንፈሳዊ ነገራት ነቲ ዝወደቀቶ ውድቀት ከይትርእዮ እሞ ከይትምለሰሉ ዝኽልክል መጋረዲ ኮይንዋ ነበረ።


ዎ ክቡር ክርስትያን፡ ሎሚ ኣብ ሂወትካ ጽቡቅ መንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ግናኸ እቲ ዘሎካ ጽቡቅ ነገራት ውድቀትካ ከይተስተብህል ጋሪዱካ ከይህሉ ተጠንቀቅ። ሎሚ ክብሪ ንኣምላኽ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ንገራት ዘቃልሑ ዌብሳይታት እርኢ ኣለኹ፡ ኣብቲ ዌብሳይታት ክዕዘብ ከለኹ ድማ ዋሕዚ መዛሙር፡ ፈልፋሊ ምስክርነታት፡ ጠቃሚ ምኽርታት፡ ትንቢታት፡ ናይ ጸሎት ሕብረት ኣስተብሂለ ኣሎኹ፡ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ከኣ እዩ። እዚ ኩሉ ጽቡቅ ነገራት ግና ንውድቀትና ሰዊሩልና ከይህሉ ነታ ቀዳመይቲ ፍቅርና ኣዛሕቲልዋ ከይከውን ንሕሰብ። ማሕበር ኤፌሶን ዝሓደገታ ቀዳመይቲ ፍቅራ እንታይ እያ?

     እምበኣርሲ ማሕበር ኤፌሶን ዝገደፍዋ ቀዳመይቲ ፍቕሮም፡ ነቲ ወንጌል ዝሰበኸሎም ሃዋርያ ጳውሎስ ምርስዖም እዩ። መጀመርያ ወንጌል ዝሰበኸሎም፡ ሰለስተ (3) ዓመት ምሉእ ዝመሃሮምን ዘገልገሎምን ጠቃሚ ምኽርታት እናሃበ ዝተኸሎምን ቅርጺ ማሕበር ዘትሓዞምን ኮታ እቲ ዝድለ ኩሉ ዝገበሮሎም ባርያ ኣምላኽ እዩ። ግ.ሃ19*1-7፡ ግ.ሃ20*18-21። ካብ ዓይኖም ምስ ገለለ ግና ካብ ልቦም ድማ ገለለ፡ ስለዚ ከኣ ግዳይ ካልእ ትምህርቲ ኮኑ።

     ማሕበር ኤፌሶን ካብዚ ውድቀታ ስለዘይተመልሰት፡ ሎሚ ሕላገት ክርስትና ዘይብላ መናሃርያ መሓመዳዊ ትምህርቲ ኮይና ተሪፋ ዘላ ቱርኪ እያ። ፍቑራት ኣንበብቲ፡ ኣእላፋት መዕበይቲ ስለዝረኸብና ነቶም ዝወለዱና ማለት፡ ናብ ጐይታ ዘምጽኡና ኣሕዋት እንተ ረሳዕናዮም እዚ ፈጣሪ ዝፈልጦ ውድቀት እዩ፡ እዚ ውድቀት እዚ ከሎካ ጉያኻ ናበይ እዩ? ምግልጋልካከ ንመን እዩ? መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ከ ንክብሪ መን? ምናልባሽ ንክብሪ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ሰባት ክትስመ እንተደሊኻን እንተኾይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እንተኾይኑ ግና ጐይታ በዚ ከምዚ ኣይከብርን እዩ ይብለካ ኣለኹ።

     እዚ ምባለይ ከምዚ እዩ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ ዝነበረ ውራይ መርዓ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እምበር፡ ንበይኑ ከምዘይተዓደመ እኳዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? ጐይታ በቲ ዝገብሮ ተኣምራት ማለት ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ባሪኹ ንሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ምስ ኣጽገበ፡ እቶም ህዝቢ ካብ ደቀ መዛሙርቱ መንዚዖም ከንግስዎ ምስ ደለዩ፡ ግዜ ንግስነቱ ስለ ዘይበጽሐን፡ ስለቲ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክምንዝዕዎ ምሕሳቦምን ካባታቶም ወጺኡ ናብ ከረን ከምዘግለሰ?ከ ኣየንበብኩምን ዲኹም? ሎሚውን ከምኡ እዩ፡ ጐይታ ንኣኻ በቲ ናብ ጐይታ ምእንቲ ክትመጽእ ዝመስከረልካ ሰብ ጌሩ እዩ ዝፈልጠካ፡ በታ መዓልቲ ጐይታውን ናይቲ ዝመስከረልካ ሰብ ኣኽሊል ኢኻ፡ ስለዚ ጐይታ ክትጽውዖ እንከለኻ ንሱን እቲ ዝመስከረልካ ሰብን ብመንፈስ ሓቢሮም ከምዘለዉ ፍለጥ።

      እምበኣርሲ ዝመስከረልካ ሰብ ረሲዕካ ካብን ናብን ክትሓልፍ ኣስካላ (ደረጃ) ዝኾነልካ ረጥሪጥካ ንጐይታ እንተኣምለኽካዮ፡ ኣምልኾካ ቅቡል ኣይከውንን እዩ። ኤልሳእ ክሳዕ መወዳእታ ጊላ ኤልያስ እንተዘይከውን እቲ መንፈስ ዕጽፊ ኮይኑ ናብኡ ኣይምመጸን ነይሩ። ባርኖስ ናይ ኤልያስ ተቀቢሉ ነቲ ሩባ ዮርዳኖስ ክወቅዖ ከሎ፡ ኣምላኽ ኤልያስ በለ እምበር፡ ኣምላኸይ ክብል እኳ ኣይደፈረን። ኤልያስ ዓሪጉ ክነሱ ኤልሳእ ኣምላኽ ኤልያስ ምባሉ፡ ነቲ ናብዚ ዕብየት እዚ ዘብጽሖ ኤልያስ ዘይምርሳዑ እዩ ዘግህደልና፡ 2ነስ2*1-14። ብዘመን ሙሴ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ሙሴ እንታይ ከምዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና ኢሎም፡ ፈትዮም ክርስዕዎ ከለዉ እኳ እያሱ ግና ጊላ ሙሴ ነበረ እሞ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንማሕበር እስራኤል ናብታ ሃገር ተስፋ ዘውርሶም ኮነ። ከምዚ ዝበለ ትሕትና ኣብ ዘመንና ከመይ ኢሉ እዩ ጠፊኡ? ብሓቂ ክንነብር እንተደሊና እቶም መዕበይቲ እንበሃል ኩላትና፡ ነቶም ምሳና ዝጉዓዙ ዘለዉ ኣሕዋት ናብቶም ዝመስከሩሎም ከነጠምቶም ይግብኣና እዩ። ንሕና ንባዕልና እኳ ከይተመስከረልና ኣይመጻእናን እሞ፡ ነቶም ቃሉ መሊኦም ሓራ ዘውጽኡና ኣሕዋት ክንደልዮምን ግዶም ክንገብርን ይግብኣና እዩ።

      ኣብ ዘመንና በዚ ቀልጢፉ ዘይልለ ውድቀት ምእንቲ ክንወድቅ ሰይጣን ዝጻወቶ ተራ ከምዘሎ ትፈልጡ ዶ? ሎሚ ኣብ ኩላተን ኣብያተ ክርስትያናት ሓደ ነገር ተኣታትዩ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ወረ ሓሶት ምንዛሕ እዩ። ወረ ሓሶት ምንዛሕ ክብል ከለኹ ንሰብ ዘይእምነቱ ምሃብ፡ እዚ ማለት ብሕጊ ሙሴን ነብያትን መዛሙራት መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ዝኣምን ክነሱ ምህሮ መናፈቅነት ከም ዘለዎ ምንዛሕ፡ ግ.ሃ24*14፡ ምጥቃን፡ ዘይትምህርቱ ምልጋብ፡ ብዘይገበሮ ምጽላም ወዘተ... እዩ። በዚ ከምዚ ሜላ ነቶም ዝመስከሩልና ሰባት ዘረስዑና እረ ሽሞም ንምዝካር እኳ ክሳዕ እንፍንፉኖም፡ ዝገበሩና ንክንደይና እዮም? ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበሩልና ብዛዕባኦም ብሓሶት ስለዝመላእና ግና እከይ ዝገበርናዮምን ዘይኢዶም ዝፈደናዮምን ክንደይ ኢና?

      እምበእርሲ መወዳእታና ምእንቲ ክጽብቅ ሕጂ ንነሳሕ ኣሕዋተየ ንመርምር እምበር ብሳኦላዊ ምህሮ ኣይንስከር። ሳኦል ኣብ ዳዊት ካብ ዝነበሮ ቅንኣት ዝተላዕለ ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ ዳዊት ገባር ክፉእ ከምዝኾነ ሰቢኽዎም ነበረ፡ ዝተቀበልዎ ድማ ነበሩ፡ 1ሳሙ22*6-8፡ ሓደ ካባታቶም ድማ ናባል እዩ። ዳዊትን ሰቡ ንናባል ንዘለዎ ኩሉ መካበብያኦም ነበሩ፡ ለይትን መዓልትን ድማ ይሕልውዎም ነበሩ፡ ካብ ኣባጊዕ ናባል ሓንቲ እኳ ኣይጠፍኤትን፡ ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ግና ዳዊት ኣባጊዕ ክህቦ ሰባት ናብ ናባል ምስ ሰደደ፡ ናባል ድማ፡ ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሰይከ መን እዩ? ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቁ ገላው ብዙሓት እዮም። እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይ ወሲደስ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ክህቦም እየ? ኢሉ መለሰ፡ ብሓቂ ዶ ንጉስ ዳዊት ሽፍታ ነይሩ እዩ? ንሱስ ግምባር ጐልያድ ኣንሂሉ ንእስራኤል ሓርነትን ዕረፍትን ዝኣወጀ ንንግስነት ተቀቢኡ ክነሱ ንጉስ ሳኦል ሓለቃ ሽሕ ገይሩ እንተሰደዶ ብፍቕሪ ዝተኣዘዘ፡ ነቲ ተንኮል ዝወድየሉ ሳኦል ብኢዱ በገና እናሃረመ፡ ስቃዩ ዘርሕቀሉ ሰብ ድኣ ነበረ። እታ ናባል ዝመለሳ ምላሽ ንንጉስ ዳዊት ዘይትግባእ ስለዝነበረት፡ ኣምላኽ ንናባል ከመይ ከምዝቀዘፎ ኣንቢብናዮ ኣሎና። 1ሳሙ25*1-40።

     ፍቁር ኣንባቢ ሓቂ እዩ ኣብ ደቂ ሰባት ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ቀደም ሓቂ መስኪሩልካ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ከንቱ እምነትን ኣብ ሓሶትን እንተሎ እኳ፡ ክትመልሶ ድለ እምበር ቀልጢፍካ ኣይትርሓቆ። ብፍልጠት ክትመልሶ እንተዘይ ከኣልካ ብብርክኻ ዋጋ ክፈል፡ ሰባት ስለ ዘጸለምዎ ኣይትርሓቆ፡ እቲ ብዛዕብኡ ዝበሃል ባዕልኻ ብጽሓዮ። እቲ ዝነበረ እዩ መሊሱ ዝነብር እሞ እቲ ብዛዕብኡ ዝብሉኻ ዘለዉ ወይ ሓቂ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ ወይ ድማ ጸለመ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

      ደቂ ነብያት ብዛዕባ ኤልያስ ንኤልሳእ ክሳዕ ዝሓፍር ዶ ኣይተዛረብዎን እዮም? ሎሚውን ከምኡ ዝበለ ነገራት ኣሎ። እሞ ነቶም ኣምላኽ ብኣእዳዎም መንፈሱ ዝሃበና ብእኦም ውን ናብ ምድሓን ዘምጽኣና ብእኦምውን ዝጓሰየና እግሪ ዘትከሉና ኣሕዋት ኣይንሕፈር። የግዳስ ንድለዮም እሞ፡ ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል መለኮታዊ ሕቶ ቅኑዕ ምላሽን ንጹሩ ጸብጻብን ንሃብ። ......... ይቅጽል።