19
Fri, Apr
0 New Articles

ንነፍሲ ዘዕርፋ የሱስ ጥራይ እዩ

Message 1
Typography
ኣምላኽ ነዚ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ዝርአ ዘሎ ህይወታዊ ኮነ ነገራዊ ንኽፈጥር ሽዱሽተ መዓልትታት እዩ ወሲዱሉ። ንዅሎም ፍጥረታት ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብ መበል 7ይቲ መዓልቲ ካብ ኵሉ ግብሩ ዓረፈ፡ በቲ ዝገበሮ ድማ ተሓጎሰ ይብለና (ዘፍ 2፡2-3)።
ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ቀንዲ መፍጠሪኡ ምኽንያት፡ ነቲ ከም ምስሉን መልክዑን ጌሩ ተመንዩ ዝፈጠሮ ሰብ ኢሉ እዩ ፈጢሩዋ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዩ ንሰብ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵሉ ክገዝእን ክመልኽን ክሕልዋን ስልጣን ዝሃቦ። ኣምላኽ ድሕሪ ንሰብ ምፍጣሩ፡ ኵሉ ናይ ምፍጣር ስርሑ ደው እዩ ኣቢልዎ። ካብዚ ንርድኦ እንተልዩ ድማ ኣምላኽ ንሰብ ልዕሊ ኵሎም ፍጥረታት ከምዝርእዮ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ሰብ ዋላ ሓደ ኣይፈጠረን።

ድሕሪ እዚ ኣምላኽ ንሰብ ናብ ሰንበት (ዕረፍቱ) እዩ ኣእቲይዎ። ሰንበት ብቋንቋ እብራይስጥ ሳባዝ (sabbath) እዩ ዝብሃል፡ ቃል ንቃሉ ክትርጎም ከሎ ድማ ﷽ዕረፍቲñ” ማለት እዩ። ኣምላኽ ንሰብ፡ በዛ ሰንበት ኣቢሉ ድማ ንዘልኣለም ኣብ ኤደን ገነት ዓሪፉ ክነብር እዩ ነይሩ መደቡ። ኣብዚ ከተስተውዕልዎ ዝደልዮ ሓደ ነገር ኣሎ። ኣምላኽ ንኣዳም ብሰንበት ኣቢሉ እዩ ናብቲ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ኣእትይዎ፡ እምበር ንኣዳም ኣምላኽ ሰንበት-ሰንበት ጥራይ ዝወሃብ ዕረፍቲ ኣይሃቦን። እንታይ ደኣ፡ ዘልኣለማዊ ዝኾነ ዕረፍቲ እዩ ሂብዎ። እዚ ማለት ሰንበት (sabbath) ኣፍ ደገ ናይቲ ዘልኣለማዊ ሰንበት (ዕረፍቲ) ማለት እዩ።

መደብ ኣምላኽ ንኣዳም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣዳም ብመገዲ ሄዋን ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህሎ ኦም ስለ ዝበልዐ፡ ካብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ከምዝወጸ ኢና ኣብ ዘፍ ምዕራፍ ሰለስተ ነንብብ። ብፍላይ ኣብ ፍቕዲ 10፡ እግዚኣብሄር ንኣዳም ﷽ኣበይ ኣሎኻ?﻾ ምስ በሎ፡ ኣዳም ድማ ﷽ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ፈራህኩ፡ ጥርሐይ ከኣ እየ ዘለኹ﻾ ከም ዝበለ ኢና ነንብብ። ኣብዚ ጥቕሲ፡ ኣዳም ነቲ ገጹ ብምርኣይ ውሽጡ ዕረፍቲን ሓጎስን ዝመልኦ ዝነበረ ኣምላኽ ካብ ትእዛዙ ስለ ዝወጸ፡



ብኣንጻሩ ፍርሂ እዩ ተሰሚዕዎ። ፍርሂ ድማ ምልክት ናይ ዘይምዕራፍ እዩ። ካብዚ ግዜ እዚ ጀማሮም ድማ እዩም እቶም ንሰብ ክሳብ ሕጂ ናይ ዘይምዕራፍ ምኽንያት ኮይኖም ዘለዉ፡ ከም እኒ ሞት፡ ውግእ፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ... ወዘተ ድማ ከጥቅዕዎ ዝጀመሩ።

ዋላ እኳ ሰብ ካብ ዕረፍቲ ኣምላኽ እንተወጸ፡ ኣምላኽ ንሰብ ካብ ዕረፍቲ ወጺኡ ንዘልኣለም ክነብር ኣይፈተወን። ናብዘን ክልተ ዕረፍቲ (ሰናብቲ)፡ ማለት እታ ሓንቲ ኣፍደገ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ዘልኣለማዊት ዕረፍቲ ምእንቲ ክመልሰና፡ መጀመርያ ንርእሱ ዝኸውን ህዝቢ እዩ ፈልዩ። እዚኦም ድማ እስራኤላውያን እዮም። ንዕኦም ድማ እተን ጽላሎት ዝኾና ሰንበት ሂብዎም፡ ንሳተን ግና ምሉእ ዝኾነ ዕረፍቲ ከምጽኣ ኣይከኣላን። እንታይ ድኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ሰንበት ክንፈልጦ መገዲ ጸሪገናልና። ንሳተን ከኣ እዘን ዝስዕባ እየን፤

1ይ ሰንበት (Sabbath)፡ ንሙሴ ኣብ ዘጽ 20፡8-11፡ ካብተን ዝተዋህብኦ 10 ትእዛዛት ሓንቲ ከምዚ ትብል እያ፡ ﷽ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ክፈጥር ከሎ ሽዱሽተ መዓልቲ ወሲዱሉ፡ በታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ሰንበት ዓሪፉ እዩ እሞ፡ ንስኹም ድማ ቀድስዋ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ኣይትዕየዩ ኢልዎም።

2ይቲ ሰንበት፡ እስራኤላውያን ካብታ ብባርነት ዝግዝኡላ ዝነበሩ ግብጺ ወጺኦም፡ ናብ ምድሪ ዕረፍቲ (ከንኣን) ዝኣተውዋ እያ። ኣብ እያሱ 21፡44 ﷽እግዚእብሄር ድማ ከምቲ ኵሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ብዅሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም...﻾ ይብል።

ኣብ እብ 4፡1-11፡ ነዘን ክልተ ዕረፍቲ ኣጠቓሊሉ ገሊጽወን ኣሎ። እታ ሓንቲ ሰንበት እታ 7ይቲ መዓልቲን፡ እታ ሓንቲ ሰንበት (ዕረፍቲ) ድማ እታ ብእያሱ ኣቢሎም ናብ ምድሪ ከንኣን ዝኣተውዋ እሞ ግዜያዊ (ምድራዊ) ዕረፍቲ ተዛሪቡ ኣሎ። ቀጺሉ ድማ እያሱ ነቶም ህዝቢ ንኵሉ ግዜ ከምዘየዕረፎም ብዳዊት ኣቢሉ ኣምላኽ ንህዝቡ ዕረፍቲ ኣዳልዩ ከምዘሎ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ። እዘን ክልተ ዓይነት ዕረፍቲ ንክርስቶስ እየን ዝውክላ፡ ጽላሎት ናይ የሱስ ድማ እየን። ንዕአን ከኣ ምስኡ ዘለወን ተዛማድነት ኣብ ታሕቲ ክንርኢ ኢና።

ብዛዕባ እታ 7ይቲ መዓልቲ፡ የሱስ ሓደ ካብቲ ናብዛ ምድሪ መምጽኢኡ ዕላማ፡ ናብ ዕረፍቲ ከእትወናን፡ ንሱ ድማ ዕረፍቲ (ሰንበት) ከምዝኾነ ንምፍላጥን እዩ። ኣብ ኣርባዕቲኤን ወንጌላት እንተ ኣንቢብና፡ የሱስ ብሰንበት ይፍውስን ካልእ ይገብርን ከምዝነበረ ኢና ንዕዘብ። ንምንታይ ብሰንበት ትፍውስ፡ ንሕጊ ሙሴ ተፍርስ ኣሎኻ እንዳበሉ ይዛረብዎ ነይሮም። ንሱ ድማ ሰንበት ምእንቲ ሰብ ከምዝተፈጥረት እምበር፡ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጠረን። ወዲ ሰብ ጎይታ ሰንበት እዩ፡ እንዳበለ ኣብ ማር 2፡23-28 መሊሱሎም ኣሎ። ኣይሁድ ንየሱስ ኣይተረድእሉን እምበር፡ የሱስ ኣነ እየ ዕረፍቲ እዩ ዝብሎም ነይሩ። ኣብ ማቴ 11፡18-30 ﷽ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ንዑ ናባይ ኣነ ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ ቀሊል፡ ካባይ ተመሃሩ ንነፍስኹም ድማ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም﻾ ኢሉ ኣሎ። እታ ሓንቲ ሰንበት (sabbath) ግዳማዎ ዕረፍቲ እያ ትህበኩም፡ ኣነ ግና ውሽጣዊ፡ ንሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ግዜ ዝነብር እየ ዝህበኩም ዝብሎም ዝነበረ። ንሳቶም ግን ኣይተረድኡሉን።

ብዛዕባ ብእያሱ ዝረኸብዋ ዕረፍቲ ድማ ምድራዊትን ግዜያዊትን እያ ነይራ። የሱስ ዝብል መጸዊዒ ብግሪኽ ኾይኑ፡ ብእብራይስጢ ድማ እያሱ እዩ፡ ትርጕሙ ኸኣ እግዚኣብሄር መድሓኒ ማለት እዩ። ከምቲ እያሱ ንእስራኤላውያን ንምድሪ ከንኣን (ዕረፍቲ) ዘእተዎም፡ የሱስ ድማ ንዓና ናብቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ከእትወና እዩ (እብ 4፡9-10)። ኣብኣ ውግእን ሕማምን ብኽያትን ሞትን ... ወዘተ የለን። ናብቲ ቅድሚ ኣዳም ምውዳቑ ዝነበሮ ህይወት፡ አረ ካብኡ ዝበልጽ ክእትወና እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብዞም ጥቕስታት ተመልከት። ራእ 7፡16-17፡ ራእ 21፡4፡ ኢሰ 49፡10፡ መዝ 23፡1-2።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ፡ ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ዕረፍቲ ኣንቢርዎ ከም ዝነበረ፡ ካብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ከምዝወጸ፡ ኣምላኽ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ጽላሎት ናይ ዕረፍቲ ዝኾና፡ ናይ ሰንበት ዕረፍቲ ሕጊ ከምዝሃቦምን። ብእያሱ ድማ ግዜያዊ ዕረፍቲ ከምዝረኸቡ፡ እዚአን ድማ ናይ የሱስ ጽላሎት ከምዝኾና ርኢና ኣሎና።

ቀጺልና ድማ ነፍሲ ብኣምላኽ እምበር ብነገራት ከምዘይትዓርፍ ክንርኢ ኢና። ኣዳም ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህሎ ምስ በልዐ፡ እቶም ኵሎም ፍጥረት ኣብዛ ምድሪ ምስኡ ዝነበሩ ዋላ ድሕሪ ምውዳቑ ምስኡ ይቕጽሉ ኣለዉ። ካብኡ ዝረሓቐ፡ እቲ ዕረፍቱ ዝኾነ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ምስኡ ዘይቀጸለ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ኢሰ 59፡2-3 ﷽ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎ ኮይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ£” ዝበሎ፡ ሓጥያት ስለዝኸልከሎም እዩ። ሰብ ካብዚ ግዜ ውድቀቱ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ማለት ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ዘይተቐበለ፡ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ተኪኡ፡ በዞም ኣብ ዓለም ምስኡ ዝቕጽሉ ዘለዉ ነገራት ክዓግብ ይደሊ ኣሎ። ንኣብነት ትምህርቲ፡ ስልጣን፡ ዝሙት፡ ገንዘብ፡ ብልዒ፡ መስተ፡ ሃይማኖት፡ ስፖርት፡ ሙዚቃ... ወዘተ። እዚኦም ግን ንሰብ ግዜያዊ ዕረፍቲ ደኣ እምበር ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ክህብዎ ኣይከኣሉን። በዚ ድማ እዮም ሰባት ኣብ ዓለም ምንባር ትርጕም ዝስእንሉ ዘለዉ። ﷽ዓለም ትሽዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ﻾ እንዳበሉን ድማ ዝዛረቡ ዘለዉ። ብተመሳሳሊውን፡ ሰሎሞን ኣብ መክ 1፡8 ﷽ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን፡ እዝኒ ብምስማዕ ኣይትመልእን እያ﻾ ኢሉ ዘሎ። እዚ ማለት ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ዋላ እንተትውንን ክትዓግብ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለቱ እዩ።

ሰብ ኣብዚ ምድሪ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮም ንጥፈታት ንኽሕጎሰሎምን፡ ብእኦምውን ንኽዓርፍ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚኦም ግዜያዊ ዕረፍቲ እዮም ዝህብዎ፡ በዚ ድማ እዮም ብዙሓት ከም ሰሎሞን ንዓለም ምንባራ ጣዕሚ ዝሰኡንላ። ሰብ ብኣምላኽ ከም ዝዓግብ ገይሩ እዩ ተፈጢሩ፡ ብዘይ ምእዛዙ ግና ነቲ ብኣምላኽ ክዓርፎ ዝግብኦ፡ ብነገራት ክትክኦ ይደሊ ኣሎ። እዚ ድማ ተገላብጦሽ እዩ። እቲ ሰማያዊ ሕጊ ኣብ ማቴ 6፡33 ﷽መጀመሪያ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኵሉ ድማ ይውሰኸልኩም﻾ እዩ ዝብል። በቲ ዝውሰኽ ክትዓግብ እንተደሊኻ ነገሩ ከምዚ እዩ፡ መጀመሪያ ፈረስ ድሕሪኡ ሰረገላ ክኸውን ዝግብኦ፡ መጀመሪያ ሰረገላ ድሕሪኡ ድማ ፈረስ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ፈረስ ንሰረገላ ክስሕባ እምበር ክደፍኣ ኣይክእልን እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣብ መዝ 16፡4 ﷽ጻዕሪ እቶም ናብ ካልእ ዝጎዩ ክበዝሕ እዩ﻾ ዝብለና። ብዘይ ክርስቶስ እትገብሮ ኵሉ ጻዕሪ እዩ ዘምጽኣልካ እምበር ዕረፍቲ ኣየምጽኣልካን እዩ።

በዚ ሓሳብ ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ሰብ ንጉስ ሰሎሞን እዩ። እግዚኣብሄር ንንጉስ ስሎሞን ከም ሑጻ ባሕሪ ዝምብዝሑ ጥበብ እዩ ሂብዎ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ብገንዘብ ኣዝዩ ሃብታም ከምዝነበረ፡ ኣዝዩ ጥበበኛ ስለዝነበረ፡ ብጥበቡ ድማ ንግስቲ ሳባ ከምዝተገረመት፡ ክሳብ ሽሕ ዝኣኽላ ኣንስቲ ከም ዝነበርኦ፡ ኣብቲ መዓልታዊ ዝምገቦ ዝነበረ መግቢ ብዙሓት እንስሳታት ይሕረዱ ከምዝነበሩ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ይበልዕ ከምዝነበረ ኣብ 1 ነገ 4፡21-34፡10 ከምኡ ድማ ኣብ 2ዜና 4፡14-17፡9 ተጠቒሱ ንረኽቦ። እዚ ኵሉ ከዕግቦ ኣይከኣለን። ﷽ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝግበር ናይ ከንቱነት ከንቱ﻾ ኢሉ እዩ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ገሊጽዎ ዘሎ። ብፍላይ ድማ መጽሓፍ መክብብ ካልኣይ ምዕራፍ ከተንብብዎ እዕድመኩም።

ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ንብዙሓት ናብ ጎይታ ከይመጹ በቲ ዘንድድ ፍቕራ ማሪኻ ሒዛቶም ዘላ ዓለም እያ። ከምኡውን ንኣመንቲ ካብ ደንበ ኣምላኽ ናብ ደንበ ሰይጣን ትጽንብር ቀንዲ መሳርሒ ሰይጣን ኮይና ዘላ ዓለም እያ። ዓለም በዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ሙዚቃ፡ ስፖርት፡ ሃይማኖት፡ ትምህርቲ፡ መስተ፡ ሓሽሽ፡ ሽጋራ፡ ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ፊልም ወዘተ ዝኣመሰሉ ንነፍሲወከፍ ከከም ዝንባሌኡ ዝኸውን ፍትወት እንዳሃበት ብዛዕባ ኣምላኽ ከይሓስቡ ዕድል እያ ትኸልኦም ዘላ። እንተኾነ እዚኦም ንሰብ ሙሉእ ዝኾነ ዕጋበት ክህብዎ ኣይክእሉን እዮም፡ ምኽንያቱ ናይ ዓለም ሰላም ኣርቲፊሻል እዩ። ኣብ ዮሃ 2፡15-17 ﷽ዓለምን ፍትውታን ክሓልፍ እዩ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ንዘልኣለም ይነብር﻾ ይብል። ዓለም ንርእሳ ዝኾነ ሰላም ዘይረኸበት፡ ንሰብ ግዜያዊ ሰላም እንተዘይኮይኑ ሙሉእ ሰላም ክትህብ ኣይትኽእልን እያ። ምኽንያቱ፡ ንሳ ንሓዊ እያ ትሕሎ ዘላ (2ጴጥ 3፡7)። የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ﷽ሰላም እህበኩም፡ ሰላመይውን ይሓድገልኩም፡ እቲ ኣነ ዝህበኩም ከምቲ ዓለም ትህቦ ኣይኮነን﻾ ዮሃ 14፡27። ዓለም ትህቦ ሰላም ግዜያዊ እዩ እሞ፡ ኣንቱም ብፍቕሪ ዓለም ተኣሲርኩም ጣዕሚ ናይዛ ምድሪ ጠፊእኩም ዘሎ፡ የሱስ ይጽውዓኩም ኣሎ። ንሱ መስፍን ሰላም እዩ፡ ንግስነቱን ሰላሙን ድማ መወዳእታ የብሉን። እቲ ምንጪ ሰላም ዝኾነ ቃሉ ሰሚዕኩም ህይውት ክትረኽቡ ይደሊ ኣሎ። ﷽ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ከም ወሓዚ...﻾ ምኾነ ይብልዩ እሞ፡ ህይወት ሕረ (ኢሰ 48፡18)። መስተ፡ ዝሙት፡ ሙዚቃ፡ ሃይማኖት ወዘተ ዝኣመሰሉ ሰላም ኣይህብኹምን እዮም። ብዘይ ዋጋ ብናጻ ከምዘለኹምዎ ናባኡ ክትመጹ ይጽውዓኩም ኣሎ። ኣቱም ኣትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ንዑ ናባይ ኣነ ከዕርፈኩም እየ፡ እንዳበለ እዩ እሞ፡ ንዑ ናብ የሱስ ህይወት ይሕሸኩም።

ነቶም ጎይታ ፈሊጥኩም ክነስኹም፡ ግና ብፍቕሪ ዓለም ዝተኣሰርኩም፡ እዚ መልእኽቲ ንህበኩም። እቶም ዓለም ትጥቀመሎም መስሓቢ፡ ዝሙት፡ ሙዚቃ፡ ቢዝነስ (ምዕቡል ስርቂ) ﷽ነቲ መንፈሳዊ የዒንትኻ ብሓሶት የዕዊሩ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣውጺኡ ናብ ዓዘቕቲ ፍቕሪ ገንዘብ ዝሽምም እየ ዝብል ዘለኹ እምበር፡ ንኹሉ ቢዝነስ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ﻾ ወዘተ፡ በዚኦምን ንዕኦም ዝኣመሰሉን ጣዕሚ ተጠቒዕኩም፡ ከም ዴማስ ካብ ደምበ ኣምላኽ ዝወጻኹም፡ ካብቲ ዓለም ትህቦ ጣዕሚ፡ ጎይታ ዝህበኩም ጣዕሚ ይበልጽ። ከምቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ነገር ጣዕሚ ዘለዎ፡ ጎይታ ድማ ጣዕሚ ኣለዎ። ጴጥሮስ ኣብ ማቴ 16፡4፡ ኣብቲ ከረን ምስ ደየቡ፡ ናይ ጎይታ ጣዕሚ ኣዝዩ ተረዲእዎ፡ ﷽ንዓኻ ንሙሴ ንኤልያስ ዳስ ክንሰርሕ ጽቡቕ እዩ﻾ ኢልዎ ኣሎ። ኣብ 1ጴጥ 2፡2 ﷽እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተዄንኩም﻾ ኢሉ ኣሎ። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጣዕሚ ኣብ ጎይታ ዘሎ ጣዕሚ ከም ዝበልጽ ስለዝተረድኦ ከኣ እዩ ከምዚ ዝበለ። የሱስ ኣብ ዮሃ 6፡68፡ ብዘረብኡ ብዙሓት ንድሕሪት ምስተመለሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ﷽ንስኹምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም?﻾ ምስ በሎም፡ ጴጥሮስ ﷽ንስኻ ናይ ዘልኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ካባኻስ ናበይ ክንከይድ?﻾ ዝበሎ። ብተመሳሳሊውን ዳዊት ንእግዚኣብሄር ስለዝጥዓሞ፡ ኣብ መዝ 34፡8 ﷽ንዑ እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጠዓሙን ርኣዩን﻾ ኢሉ ኣሎ። ድሕሪ እዚ፡ ናይ እግዚኣብሄር ምስ ናይ ዓለም ጣዕሚ ከነጻጽር ከሎ፡ ኣብ መዝ 84፡10 ከምዚ ኢሉ ኣሎ ﷽ካብ ሽሕ መዓልቲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ፡ ኣብ ድንኳን ረሲኣ ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላዊ ደገ ምዃን ይሕሸኒ።﻾ ሓደ ክርስትያን ንጎይታ ምስ ተቐበለ፡ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ እዩ ዝቕመጥ። ኤፌ 2፡6-7፡ ቆሎ 3፡3። እዚ ጣዕሚ እዚ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን እዩ። ኣብ እብ 6፡4 ﷽ጣዕሚ እታ ትመጽእ ዓለም ዝጠዓመ﻾ ይብል። ሰሎሞን ﷽ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝግበር ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ﻾ ይብል። ሰሎሞን ኵሉ መሊኡሉ ከሎ፡ ብእኡ ኣይዓገበን፡ በዚ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝግበር ክትዓግቡ ትደልዩ እንተሊኹም፡ ዕሽነት እዩ። ኣሳፍ ኣብ መዝ 73 እቲ ንሱ ዝጠዓሞ ኣቃሊሉ ብምርኣይ፡ ኣብ ፍቕዲ 3 ﷽ራህዋ ረሲኣን ምስ ረኣኹ ንደፋራት ቀናእኩሎም﻾ ኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ምዕራፍ እንተሪኢና፡ ኣሳፍ በቲ ግዜያዊ ዕረፍቲ ናይ ረሲኣን ተማሪኹስ፡ ንኣምላኽ ብምስዓቡ ከንቱ ኮይኑ ከምዝተሰምዖ፡ ደሓር ግን መወዳእትኦም ሕማቕ ከም ዝኾነ ምስ ፈለጠ፡ ﷽ኣነ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ﻾ ክብል ከሎ ኣብ ፍቕዲ 28 ነንብብ። ኣቐዲሙውን፡ ኣብ ፍቕዲ 25  ﷽ኣብ ሰማይ ብጀካኻስ መን ኣሎኒ፡ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን﻾ ከምዝበለ ኢና ነንብብ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ሉቃ 15፡11-32 ተጠቒሱ ዘሎ ጥፉእ ወዲ፡ ዋላ እኳ ነቡኡ እቲ ዝግብኣኒ ብጽሒት ሂብካ ኣፋንወኒ እንተበሎ፡ ነቲ ኣብ ቤት ኣብኡ ዝረኸቦ ጣዕሚ ኣብ ዓለም ክረኽቦ ኣይከኣለን። በዚ ድማ እዩ ናብ ቤት ኣቡኡ ክምለስ ዝደለየን ዝተመለሰን። ስለዚ ኣቱም ናብ ዓለም ዝተመለስኩም ብሩኻት ኣሕዋተይ፡ ኣምላኽ በተን ምሕረት ዝመልኣ ኣዒንቱ ይቋመተኩም ኣሎ እሞ፡ ናብ ኣምላኽ ክትምለሱ ብምሕረት ኣምላኽ ንምሕጸነኩም። ነቶም ኣብ ደንቢኡ ዘሎና ድማ፡ እቲ ንሕና ረኺብናዮ ዘሎና ዕረፍቲ ብማንም ከምዘይትካእ ፈሊጥና፡ ኣብቲ ንነፍሲ በይኑ ጥራይ ዘዕርፋ ጎይታ ክትጸንዑ ንላወበኩም።     
  
EbenEzer Magazine 3