19
Fri, Apr
0 New Articles

ለበዋ ኤሪ ወንጌል ን2008

Message 1
Typography
ቐዳማይ ክፋል

1 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽዱቁን ምድላይ ናይ በረኸታት እቲ ዝዓበየ በረኸት ምዃኑ ንፍለጥ፣


መቸም ኩኡ ጊዜ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝመጸሉ እዋናት ዘሎ ጸፋዕፋዕን መብጸዓታትን ኣዚዩ ብዙሑን ማእለያ ዘይብሉን እዩ፣ ተግባራውነቱን እቲ ለውጥን ግና ኣዚዩ ብጣዕሚ ሒደት እዩ፣ ሰባት ወትሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም እዮም ዝኣምኑ፣ ብፍላይ ገሊኣቶም ምስ

 ምልዋጥ ሓድሽ ዓመት ነገር ኩሉ ዝልወጥ እዩ ዝመስሎም፣ በዚ ከምዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ኣብ ዝቀላቐለሉ ጊዜያት ኣብ ዲቕ ዝበለ ስሚዒትን ካልእ ነገርን ዝኣትዉ፣ ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ሓደ ዓቢ ዝኾነ ቁም ነገር ኣሎ እዩ ንሱ ከኣ ትማሊ ክትልውጦ ዘይወሰናካ ደሓን ሓድሽ ዓመት ምስ መጸ ክልውጦ እየ ኢልካ ምግማት የዋህነት ጥራይ እዩ ክኸውን፣

ኩሉ ጊዜ ሓደ ሓቂ ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር እንተ ሃልዩ ሓድሽ ዓመት ናይ ትማሊ መቐጸልታ እምበር ካብቲ ናይ ዝሃለፈ ዝተፈልየ ኣይኮነን፣ እንታይ እየ ክብል ደልየ ትማሊ ክንገብሮ ፍቓደኛ ዘይኮና ክነስና ድሓን የርክበሉ እየ ምባልሲ ፋይዳን ቁም ነገር ዘይብሉን ምኻኑ ንምሕባር እየ፣ ዝኾነ ኾይኑ ናይ ትማሊ ካብ ሓለፈ ጽባሕከ እሞ እንታይ ክንገብር ይግባእ ኢልካ ምሕታት ግና ጥበብ እዩ እሞ ብናይ ትማሊ ዓወታትና ከይተዘናጋዕና ብናይ ትማሊ ውድቀትና ኸኣ ከይተዳሃልናን ተስፋ ከይቆረጽናን ንጽባሕ ራእይና ብምስፋሕ ነቲ ዝተዓወትናሉ እነስፍሓሉ ነቲ ዝወደቕናሉ ኸኣ ኣሪምና ከነስተኻኽሎ ንዳሎ፣ ትማሊ ብዓወት ስለ ዝሓልፍና ሎሚ እውን ከምኡ ይኾነልና ማለት ኣይኮነን ወይ ከኣ ትማሊ ስለ ዝወደቕና ጥራይ ሎሚ እውን ኣብ ውድቀት ክንህሉ ኣሎና እውን ኣይኮነን፣ ንኹሉ ውሳኔን ምጥንቃቕን የድልዮ እዩ፣

ትማልን ሎምን በበይነን ዝተፈላለያ መዓልታት እየን ስለዚ ሎሚ ንሕና ንዝመጽእ መዓልታት ካብ ሎሚ ጀሚርና ምድልዋትና ነነጣጥፍ፣ ኣብዚ ሓደ ዓቢ ሚስጥር ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣዚዩ ዱኹም ካብ ሓይሉን ፍልጠቱን ተበጊሱ ገለ ውሱን ነገር እምበር ኩሉ ክገብር ክኽእል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ምርዳኣ ሰናይ እዩ፣ ብፍላይ ከም መንፈሳውያን ነዚ ነገር እዚ ኣዚና ክንፈልጦ ይግባኣና፣ እዚ ክገብር እየ ምባል እኳ ሰናይ እንተ ኾነ ብዘይ ኣምላኽ ክትገብር ከም ዘይትኽእል ምፍላጥ ግና እቲ ዝበለጸ እዩ፣

መጽሃፍ ቁዱስ ተኾነ እውን ብዘይ ብኣይ ምንም ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እዩ ዝብለና ስለዚ ነዚ ሓቂ እዚ ፈሊጥና ብዘይብእኡ ምንም ክንገብር ከም ዘይንኽእል ተገንዚብና ነቲ ዝመጽእ ዓመት ክንኮኖ ዝግባኣና ክንከውን ኣብ ኣምላኽ ንወከል ደኣ፣ ሰብ ይሓስብ እዩ እግዚኣብሄር ከኣ ይፍጽም፣ ካልእ ኸኣ ቕድሚ ናብታ ትቕጽል ዓመት ምስጋርና ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ኣቐዲምና ንገዛእ ርእስና ንሕተት፣ እዛ ዝሓለፈት ዓመት እዚኣ ኣምላኽ ብዛዕባይ እንታይ ዓይነት ጸብጻብ ኮን መቕረበ? ብኣይሲ ተሓጊሱ ዶ ወይ ግሁዩ? ሕጂ ኸ እሞ እንታይ ክገብር ኣሎኒ? እስከ ህድእ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንፈትሽ፣

ኣምላኽ ትማሊ ኾነ ሎሚ ንዕኡ ንበይኑ ጥራይ እዩ ዝደልየና ካብኡ ወጻኢ ካልኣ ዋናና ክኸውን ኣይደልን እዩ፣ እቲ ፍቓድ ግና ኣብ ገዛእ ርእስና እዩ ዘሎ፣ ስለዚ ዓሚ ዋና ካልእ ኔሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ሕጂ ግና ከነስተካኽሎ እቲ ዕድል ተዋሂብና ኣሎ፣ እምበኣር ኩቡራት ሰማዕትና ነዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ኣብ ህይወትና ክንላመመደን ዝግባኣና ነገራት ኣለዋ እሞ ብዛዕበኣን ክንዛረብ ኢና፣ ቅድሚ ኩሉ ከም ዝብልናዮ ግና ከምቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ተባሂሉ ዘሎ “ብመንፈሰይ እምበር ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን” ዝብል ንሕና ብሓይሊ ኣምላኽ ተደጊፍና እምበር ብኽእለትና ተደጊፍና ተግባራውያን ክንገብረን ከም ዘይንኽእል ኣርጊጽና ንፍለጥ ዓቕምና ድሩት እዩ ሓይልና ውሱን እዩ ስለዚ ነዚ ፈሊጥና ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፣

ኩቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ኣገልግሎት ኤሪ ወንጌል ኣብዛ ትመጽእ ዓመት ከኣ ኣምላኽ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ንላዕሊ ክንፈልጠን ዝደልየና ነገራት ኣለዋ እየን ንዓኣተን ከኣ ሓደ ብሓደ ኣብዘን ሰሙናት እዚኣተን ክንርእየን ኢና፣ ንምግባረን ከኣ ኣምላኽ ይሓግዝ፣

1 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽዱቁን ምድላይ ናይ በረኸታት እቲ ዝዓበየ በረኸት ምዃኑ ንፍለጥ፣

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሓደ ጊዜ ንደቂ መዛሙርቱ ክምህሮም ከሎ ከምዚ ኢልዎም ነበረ “ቕድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽዱቁን ድለዩ ሽዑ ኩሉ ይውሰኸልኩም” ማቴ 6።33 ጎይታ የሱስ ከምዚ ዝበሎም ካብ ሃውሪ ተበጊሱ ወይ ከኣ ስቕ ኢሉ ኣይኮነን ቅድሚ እዚ ቓል እዚ ምዝራቡ ዝበሎም ነገር ኔሩ እዩ፣ ንሱ ከኣ ንደቂ መዛሙርቱ እቲ ንደቂ ሰባት ኣድላዪ ዝኾነ ነገራት ከም እኒ ምግቢ ክዳን ካልእን ብምጥቃስ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ኣድላዪ ነገር እዚ ከም ዝግደስን ንደቁ ከኣ ከም ዝሓልየሎምን ምስ ተዛረቦም ግና ልዕሊ እዚ ሓላፊ ነገር እዚ ነቲ ንዘልኣለም ጸኒዑ ንዝነብር መንግስትን ጽድቅን ኣምላኽ ከቕድሙ እሞ ብዛዕባ እዚ ሓላፊ ዝኾነ ጉዳይ ከኣ እቲ ኣብ ሰማይ ዝተቐመጠ ኣምላኽ ከም ዝሓልየሎም እዩ፣ ብጽኑዕ ትእዛዝ ዝነግሮም ዘሎ፣

ንሕና ኣመንቲ ንኣምላኽ እምበር ንገዛእ ርእስና ኣብ ዝኾነ ጊዜን ዓመትን ከይንነብር ተኣዚዝና ኢና፣ ንሕና ብህይወት ዘሎና ነቲ ዝሞተልናን ዝተንሰኣልናን ህያው ወዲ ኣምላኽ ክነብር ከም ዝግብኣና ቃል ኣምላኽ ኣርጊጹ እዩ ዝነግረና፣ ስለዚ ኸኣ ቅድሚ ኹሉን ካብ ኩሉን ንላዕሊ ንኣምላኽ ክንደልን ንዕኡ ኸኣ ከነቐድምን ቃል ኣምላኽ ዝነገረና፣

ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2008 ኸኣ ምሕጽንታን ትእዛዝን ኣምላኽ ንዓና ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ብፍጹም ኣይክእልን እዩ፣ እስከ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓለፍናዮ ኩነታት ኩሉ ንዘክር ሳዕቤን መከራና ኸኣ እንታይ ምዃኑ ንሕሰብ እሞ መንገድና መርሚርና ናብ ፈጣሪ ንመለስ፣

ሓደ ጊዜ ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ኣምላኽ ነገርን ጉዳይን ኣወንዚፎም ነቲ ናቶም ዘበለ ኹሉ ምስ ኣቐደሙ ኣምላኽ ብነብዪ ሃጌ ጌሩ ዝተዛረቦም ቃል ኣሎ እዩ እስከ ሓቢርና ነንብቦ “እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ ግዜ ቤት እግዚኣብሄር እትስራሓሉ ጊዜ ኣይበጽሔን ይብል ኣሎ፣ ግናኸኣ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይቱኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፣ ዚብል ቓል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሃጌ መጸ፣ እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ እስከ ብልቡኹም መገድኹም ሕሰቡ፣ ንስኻትኩም ቡዙሕ ዘራእኩም ሒደት ኣእቶኹም በላዕኩም ኣይጸገብኩምን ሰቴኹም ኣይረወኹምን ተከደንኩም ኣይመቑኩምን እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዓሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ” ሃጌ 1።2-5፣

 ሳዕቤን እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ዝወረደ መርገም ቐንዲ ምኽንያት ናይ ኣምላኽ ሓዲጎም ናብቲ ንዕኦም ዘገድሶምን ዘረብሖምን ጉዳይ ስለ ዝጎየዩ እዩ፣ ሎሚ ኸ ንሕና ከመይ ኮን ንኸውን እስከ ንሕሰብ ንገዛእ ርእስና ኸኣ ንሕተት፣ ምናልባት እዚ ዓመት እዚ ካብ ናይ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብቲ ንሓና ዘርብሓናን ዝጠቕመናን ነገር ጎይና ክንከውን ይከኣል እዩ ስለዚ ነዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከ ብኸምኡ ንቐጽል ማለት ድዩ? ኣይፋል ኮታ ኣምላኽ እንተ ዝድግፈና፣

ኣምላኽ ወሲኹ ንደቂ እስራኤል ኣብ ትንቢት ሃጌ ክዛረቦም ከሎ ከምዚ ይብሎም “እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ ገና ሓደ ጊዜ ብሓጺር ጊዜ ክኸውን እዩ ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ፣ ንኹሎም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ ናይ ኩላቶም ኣህዛብ ኩቡር ነገር ከምጽእ እየ፣ ኣነ እውን ነዛ ቤት እዚኣ ክቡር ነገር ክመልኣ እየ ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፣ ቡርር ናተይ እዩ ወርቂ ከኣ ናተይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት” ሃጌ 2።6-8፣

እዚ ዝኸውን ኣብና ዝፍጸም ግና ንሕና ናትና ሓዲግና ነቲ ናይ ኣምላኽ ከነቐድም ከሎና ጥራይ እዩ፣ እዞም ከምዚ ዝዓይነቶም ምእመን ከኣ እዮም ቤት ኣምላኽ ብኽብሪ ክትመልእ እንከላ ኣህዛብ ክነቓነቑ እንከለዉ ነገስታት ካብ ዝፋውንቶም ወሪዶም ነቲ ጎይታ ክብሪ ክሰግዱ ከለዉ ተጻረርቲ ቐስቶም ተሰይሩ ንድሕሪት ተመሊሶም ክሃድሙ ከለዉ መሳደድቲ ብኻባ ሕፍረት ተኸድኖም ክወጹ ከለዉ ዝርእዩ ስለዚ ንሕና ኸኣ ተኻፈልቲ እዚ ነገር ንምኻን ሎሚ ወሲና ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ንምድላይ ድልዎት ንኹን፣

ዳዊት ነዚ ነገር እዚ ምስ ኣቐደም እኳ እዩ እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን ኣብ ልሙዕ ሻኻ የውዕለኒ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ እውን ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ በትርኻን ምርኩስካን የጸናናዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ ክፉእ ኣይፈርህን እየ፣ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ፣ ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኹሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘልኣለም ክነብር እየ ዝበለ፣

 እዚ ቓል እዚ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ስለ ዝተጻሕፈ ጥራይ ዝበሃል ቃል ኣይኮነን ወይ ከኣ ብኣእምሮና ስለ ዝሸምደድናዮ እንዛረቦ ጥቕስታት እውን ኣይኮነን ነዚ ቓል እዚ ብትብዓት ክብልዎን ክዝምርዎን ዝኽእሉ ሰባት እቶም ንኣምላኽን ንጽድቁን ዝደልዩን ዘቐድሙን ሰባት ጥራይ እዮም ስለዚ ንሕና እውን እዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መዝሙርናን ጸሎትናን እዚ ክኸውን ንኣምላኽ ንምስዓብ ንቑረጽን ንወስንን፣  

ምእንቲ ኣምላኽን ንኣምላኽን ኢልና እንኸፍሎን እነቐድሞን ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ ዝኾነ ዓስቢ ኣለዎ፣ ኣምላኽ ዝገበርናዮ ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን እሞ ናይዚ ዝመጽእ ዓመት ውሳኔና ኸኣ እዚ ይኹን፣ እዚ ኸኣ እዩ ናይ በረኸታት እቲ ዝበለጸ በረኸት፣