20
Sat, Apr
0 New Articles

ነቲ ወዲ ውሰድዎ

Message 1
Typography
ሓደ ሃብታም ሰብኣይን ወዱን ኣሳእል ምእካብ ኣዚዮም የፍቅሩ ነበሩ፣ ካብ እቲ ኣስኣል ፉሉጥ ሰኣላይ ፒካሶ ክሳብ እቲ ጉንን ራፋኤል ዝሰኣልዎ ኩሉ ስእልታት ከኣ ኣከቡ፣ ኩሉ ግዜ ኸኣ ብሓንስብ ኮፍ ኢሎም ነቲ ዝኣከብዎ ስእልታት መዓልታዊ የድንቕዎ ነበሩ፣

ኣብ መንጎ ኣሜርካን ቪትናውን ውግእ ምስ ተባርዐ ድማ እቲ ወዲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ናብ ውግእ ከደ፣ ኣዚዩ ተባዕ ነብረ እሞ ኣብ ኩናት ከሎ ንኻልእ ሰብ ከድሕን ክብል ብጅግንነት ተሰወኣ፣ ኣብኡ ኸኣ ሞት ወዱ ሰምዐ እሞ ኣዚዩ ሓዘነን ጎሃየን፣

ድሕሪ ወርሒ ኣቢሊ ቅድሚ በዓል ልደት ማዕጾ ቤት እቲ ሰብኣይ ተኻሕኮሐ፣ ሓደ ጎበዝ መንእሰይ ከኣ ኣብ ኢዱ ሓደ ዓቢ ጥቕላል ወረቐት ሒዙ ደው በለ፣ ከምዚ ድማ በለ “ጎይታይ ንዓይ ኣይትፈልጡንን ኢኹም ኣነ ግና ካብቲ ወድኹም ብኽብሪ ዝተሰዋኣሉ ዓውደ ኩናት እየ መጺየ፣ ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ ንቡዝሓት ሰባት እዩ ኣድሒኑ፣ ንዓይ ተሰኪሙ ናብ ዉሑስ ቦታ እናወሰደኒ ከሎ ኸኣ እዩ ልቡ ብጥይት ተወጊኡ ሹዑ ሹዑ ዝሞተ፣ ብዛዕባኹም ኩሉ ግዜ እዩ ዝዛረብ. ብፍላይ ብዝዕባ እቲ ዝነበረኩም ናይ ስእሊ ፍቕሪ ኩሉ ሳዕ እዩ ዘዕልል”፣

እቲ መንእሰይ ነቲ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝነበረ ጥቕላል ወረቐት ናብኣም እናዘርገሐ “እዚ ዓቢ ስእሊ ከም ዘይኮነ  እፈልጥ እየ፣ ንፉዕ ሰኣላይ እውን ኣይኮንኩን እንተ ኾነ ወዱኹም እዛ ስእሊ እዚኣ ንዓኹም ክህበኩም ከም ዘሎኒ ሓቢሩኒ” በሎም፣ እቶም ኣቦ እቲ ወዲ ኸኣ ነቲ ጥቕላል ወረቐት ገንጸልዎ እሞ ብኢድ እቲ መንእሰይ ዝተሳእለ ናይ ወዶም ስእሊ ረኣዩ፣ ናብቲ ወተሃደር እናጠመቱ ኸኣ ብኸመይ ዓይነነት ስብእና ንወዶም ከም ዝሰኣሎ ብምግራም ጠመትዎ፣ ንብዓት ኣቦ እቲ ወዲ ኸኣ ከም ውሒዝ ክዛሪ ጀመረ፣ ነቲ ጎቦዝ መንእሰይ ከኣ ኣመስግንዎ ገንዘብ ክህብዎ ከኣ ደለዩ፣ እቲ መንእሰይ እዚ እሞ ንዕኡ ዝበቅዕ ኣይኮነን ዋግኡ ኸኣ ኣይውጽእን እዩ፣ እዚ ንዓኹም ናተይ ህያብ እዩ በሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ ስእሊ ወዶም ኣብ መንደቖም ኣንጠልጠልዎ፣

ኩሉ ግዜ በጻሕቲ ናብቲ ንሶም ዝኣከብዎ ናይ ፉሉጣት ሰብት ኣስእል ክርእዩ ክመጹ ከለዉ ኣቕዲሞም ዘርእይዎም ስእሊ ናይ ወዶም ነበረ፣ ኣቦ እቲ ወዲ ኸኣ ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፣ እቲ ዝኣከብዎ ኣስኣል ከኣ ናብ ዓቢ ዝኾነ ጨረታ ወረደ፣ ብዙሓት ምርኡያትን ጽልዋ ዘለዎም ሰባትን ከኣ ኣብቲ መጫረቲ ቦታ ተኣከቡ፣ ነቲ ስእልታት ምስ ረኣዩ ኸኣ ኣዚዮም ተመሰጡ ንኽዕድጉ ኸኣ ህንጥይነቶም ኣዚዩ ዓበየ፣  

ብቐዳምነት ከኣ ነቲ ናይቲ ወዲ እቲ ሃብታም ዘለዋ ብኢድ እቲ ወተሃደር ዝተሳእለት ስእሊ ደው ኣበልዎ፣ እቲ ዘጫርት ሰብ ከኣ እምበኣር ጨረታና በዚ ናይዚ ወዲ ስእሊ ኢና እንጅምር በሎም፣ ነዛ ስእሊ ብጨረታ ዝወስዳ መን ኣሎ በለ? ኣብቲ ጉባኤ ጽጥታ ሰፈነ፣ ካብቲ ድሕሪት እቲ ኮፍ መበሊ ኸኣ ሓደ በጃካ እንዶ ናብቲ ካልእ ስእሊ ኣሕልፈና ነቶም ፉሉጣት ኣሳእል ኢና ክንገዝኦምን ክንጫረቶምን እንደሊ በለ፣ እቲ ዘጫርት ሰብኣይ እሞ ነዛ ስእሊ ብ100 ዶላር ብ200 ዶላር ዝወስዳ ይተዓወት በለ? ሓደ ካልእ ሰብ ብኣዝዩ ሓርቖት ዝመልኦ ጭድርታ  ንሕና ነዚ ክንጫረት ኣይመጻናን። ንሕና ናይ እቲ ፉሉጥ ቫን ጎግስ ስእሊ ኢና ደሊና በጃኻ እንዶ ናብቲ ናይ ብሓቂ ስእሊ ውሰደና በለ? እቲ ዘጫርት ሰብ ግና ዘረብኡ ብምቕጻል ነዛ ስእሊ ናይ እዚ ወዲ መን ይዕወተላ መን ይዕወት መን? ኢሉ ዘረብኡ ቐጸለ፣

ኣብ መጨረሻ ካብ ካብ ኣዚዩ ድሕሪት ቦታ ሓደ ድምጺ መጸ፣ እቲ ድምጺ ኸኣ ቕድሚ ነዊሒ እዋን ኮስካሲ ኣታኽልቲ ናይቲ ዋና ስእሊ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፣ ኣነ ድኻ እየ 10 ዶላር ኣላትኒ በዛ 10 ዶላር ኣነ ነዛ ስእሊ ክዕድጋ በለ፣ እቲ ኣጫራቲ ኸኣ 10 ዶላር በጺሓ ኣላ 20 ዶላር መን ይወስዳ እንበለ ዘረብኡ ቐጸለ፣ እቶም እኩባት ሰባት ከኣ ድምጾም ኣልዒሎም ብ10 ዶላር ሃብዎ ናብቶም ብሉጻት ስእልታት ኣስግረና በጃኻ፣ ካልእ የለን ብዓሰርተ ዶላር ክንህቦ ብ20 ዝወስዳ የሎን ኢሉ ዘረባ ወሰኸ፣

እቲ ጉባኤተኛ ኩሉ ኣዚዩ ተቖጠዐ፣ ንሳቶም ነቶም ኣብኡ ዝኣከቦም ብሉጽት ስእልታት እምበር ናይቲ ወዱ ዘለዋ ስእሊ ፈጺሞም ኣይደለዩን፣ እቲ ዘጫርት ዝነበር ሰብኣይ ክልተ ምስ ፈቐደ እታ ስእሊ ብ10 ዶላር ናብቲ ድኻ ሰብኣይ ተሸጠት፣ ሓደ ኣብ ቅድሚት ማለት ኣብቲ ካልእይ ተርታ ወንበር ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ግርም ሕጂ ናብቲ ቐንዲ ጨረታ ቡሉጻት ስእልታት ንኺድ በል ዓው ኢሉ፣ ኣቲ ዘጫርት ዝነበረ ሰብኣይ ግና ኣይትሓዙለይ እቲ ጨረታ ተወዲኡ እዩ በሎም፣

እዋእ እቶም ብሉጻት ኣሳእል ከ ናበይ ምስ ከዱ? በሉ እቶም ንጨረታ ዝተኣከበኡ ሰባት፣ ኣይትሓዝለይ ኣነ ነዚ ጨረታ እዚ ክገብር ከለኹ ሓደ ክገልጾ ዘይግብኣኒ ሚስጥር ተነጊሩኒ ኔሩ እዩ፣ እቲ ሚስጥር ከኣ ክሳብ እቲ ግቡእ ሰዓቱ ኣይገለጽክዎን፣ ነታ ስእሊ ናይቲ ወዱ ዘለዋ ጥራይ እየ ከጫርት ተነጊሩኒ፣ ነዛ ስእሊ ብጨረታ ዝተዓወተ ግና እቲ ኻልእ ስእልታት ኩሉ ብነጻ ክወሃቦ ከም ዝኾነ እየ ተነጊረ፣ እቲ ናይቲ ወዲ ስእሊ ዝዓደገ ኸኣ ኩሉ ስእሊ ክወስዶ በቒዑ ኣሎ፣ በሎም፣

ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ቅድሚ 2000 ዓመት ሂቡና፣ ልክዕ ከምቲ ኣጫራቲ ሕጂ እውን መልእኽቱ ነዚ ወዲ ነዚ ወዲ መን ይወስዶ ነዚ ወዲ? ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ወዲ ዝወሰደ ኩሉ እዩ ዝረክብ፣ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ እምበር ከይጠፍእ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ንዓለም ክሳብ ክንድዚ ኣፍቀራ፣ ከመይ ዓቢ ፍቕሪ፣ሎሚ እምበኣር ሓለፋ እቲ ቡሉጽ እንብሎ ነገራት ነቲ ዘፍቀረና ሓደ ንሱ ኸኣ እቲ ስለ ሓጥያትና ዝሞተ የሱሱ ንምረጾን ኣብ ልብና ንውሰዶን ሽዑ ኩሉ ክውሰኸና እዩ፣
ኣምላኽ ይባርኽኩም