16
Tue, Apr
0 New Articles

መጽሓፍ ቅዱስ - ናይ ምድሓን ቃል

Message 2
Typography

ኣብ ህይወትካ ንመጀመርታ ጊዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዝካሉ መዓልቲ ትዝክሮዶ? ምናልባት ካብ ክርስትያናዊ ስድራቤት ዝመጻእካ እንተኴንካ ካብ ንእስነትካ ጀሚርካ ወለድኻን ኣያታትካን ከንብብዎ ትርኢ ኔርካ ትኸውን። ወይውን ክሳብ ዓቢ ሰብ እትኸውን ከተንብቦ ዕድል ዘይረኸብካ ክትከውን ትኽእል። ምናልባት'ውን ሃይማኖተይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይከይድን እዩ፡ ስለዚ ንኣይ ኣይምልከተንን እዩ ኢልካ ጊዜ ወሲድካ ክተንብቦ ሓሲብካ ኣይትፈልጥን። ወይ ድማ   ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ጽቡቕ መምሃሪ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን።


መጽሓፍ ቅዱስ ግና ቃል ኣምላኽ እዩ ቋንቋና ከነመሓይሸሉ ኣይኰነን ተዋሂቡና። ሓሳብ ኣምላኽ እዚ እንተ ዝኸውንሲ ሓደ ንፉዕ ናይ ቋንቋ መምህር ምለኣኸልና ነይሩ። እቲ ኩሉ ኣምላኽ ንሰብ ዝመኸሮ ምኽሪ ኣብዚ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ እታ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካላ መዓልቲ እታ ደብዳቤ ኣምላኽ ብኣድራሻኻ ዝተላእከትላ ደኣምበር ኣጋጣሚ ኣይነበረትን። 

 ጳውሎስ ብዛዕባዚ መልእኽቲ'ዚ ኪዛረብ ከሎ "ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ ንዝኣምን ዘበለ ኩሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ።" ሮሜ 1፡16፡ ከምኡውን ኣብ 1ቈረ 1፡18-19

"ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ" ይብል። 

 እቲ ንስኻ ከም ተራ ነገር ኰይኑ ዝራየካ ዘሎ መጽሓፍ ኣብ ውሽጡ እቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንወዲ ሰብ ዝሓሰቦ ሰናይ ምኽሪ ዘለዎ መግለጽ ፍቕሩን ሓልዮቱን ዝዀነ መልእኽቲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ዘይሓልፍ ቃል ተስፋታቱ ድማ ዘይልወጥ ብምዃኑ ኣብዚ መጽሓፍ እትረኽቦ ቃላት ብርግጽ ከድሕነካ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ግብ 10 ክንርኢ ከሎና መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ቀርነሌዎስ መጺኡ ንጴጥሮስ ካብ ዮጴ ክጽውዖ እሞ ዝድሕነሉ ቃል ክነግሮ ሓቢርዎ። ጴጥሮስ ምስ መጸ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እዩ ንቀርነሌዎስ ነጊርዎ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ኣዝማዱን ድማ ድሒኖም። 

 ስለዚ ክቡር ኣንባቢ ብዙሓት እዚ ሎሚ ቀሪቡልካ ዘሎ ዕድመ ዘይረኸቡ ከም ዘለዉ ሕሰብ። ኣብተን ንወንጌል ዕጹዋት ዝዀና ሃገራት መጽሓፍ ቅዱስ ምሓዝ ገበን ስለ ዘቝጽር ሰባት ጥሜት ቃል ኣምላኽ ከም ዘለዎም ከተስተውዕል ይግብኣካ። ንስኻ ግና ብዝሓሰረ ዋጋ ብጥራዩን ኣብ ኣፍ ደጌኻ ብቋንቋኻ ቀሪቡልካ ኸሎ ሎሚ ነዚ ብስራት እዚ ዕሽሽ እንተበልካዮ ናይ ህይወት ዋጋ ከኽፍለካ እዩ።

"እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ። እነሆ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልታት ክመጻ ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን" ኣሞ 8፡11