16
Tue, Apr
0 New Articles

ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን

Message 2
Typography
“ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ። ብኢብራይስጢ ቤት ሄስዳ ዚበሃል። ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ፣ ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት ዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ፣ እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ። እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቕሰ ማይ ዝኣተወ። ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሓዊ ነበረ፣ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ፣ የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ። ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ። ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ። በሎ፣ እቲ ሕሙም ከኣ። ጎይታይ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ። ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን፣ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ከኣ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ፣” ዮሃ.5።2-7



ቤት-ሄስዳ ብቛንቛ እብራይስጢ ናይ “ምሕረት-ቤት” ማለት እዩ፣ እቲ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ከኣ። “ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ኣብቲ ቤት-ሄስዳ ቐላይ። ማለት ቤት-ምሕረት። እንተኣቲኻ ትፍወስ ኢኻ” ዚብል ወረ ሰምዐ፣ ስለዚ ኸኣ። “ በቃ ናብቲ ቐላይ ኣትየ ክመሓር እየ፣” ኢሉ ተበገሰ፣ እዚ ሰብኣይ’ዚ ብመጀመርታ ናብ ቤት ሄስዳ ኪኸይድ ከሎ ምስ ብርቱዕ ተስፋ ከምዝኸደ ዘየጠራጥር እዩ፣
ካብ መባእታኡ ድኹም እንተኔሩ ሰብ ተማሊኡ ኔሩ ኪኸውን ይኽእል። ወይ’ውን ባዕለይ በሃሊ ድማ ስለዚመስል ንበይኑ ከይዱ ኪኸውን ይኽእል፣
ብዝኾነ ኣብቲ የሱስ ናብ ቤት ሂስዳ ዝመጸሉ ጊዜ ባዕሉ ናብቲ ቐላይ ኪመጽእ እዩ ዚጽዕር ኔሩ፣ ግናኸ ኣይክእልን ነበረ፣ ምናልባት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ’ውን ባዕሉ ናብቲ ቐላይ ኪኣቱ ይጽዕር ኔሩ ኪኸውን ይኽእል፣ ሰብ ኪሕግዞ ኣይንርእዮን፣ እዚ ሰብኣይ’ዚ “ባዕለይ” ብዚብል ኣእምሮ ተገዚኡ ኔሩ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ኪዕወት ኣጸጋሚ እዩ፣ ምኽንያቱ ኪዕወት ዘኽእሎ ክልተ መለኮታዊ ሕግታት ኣሎ፣ ቀዳማይ። ብእምነት ሓገዝ ኣምላኽ ምድላይ ኪኸውን ከሎ። ካልኣይ ድማ ካብ ሰብ’ውን ሓገዝ ምቕባል እዩ፣
ኣብ እምነት እንተዝኣቱ ኔሩ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ከይሓወየ ኪጸንሕ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ምኽንያቱ ቃል-ኣምላኽ ንዚኣምን ኵሉ ይከኣሎ እዩ ስለዚብል፣ ስለዚ ምናልባት ሓይሊ ኣምላኽ ዘንጊዑ። ናብቲ ማይ ጥራሕ ኣድሂቡ ኔሩ ኪኸውን ይኽእል፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ሰብ ከምዘድልዮ ዘንጊዑ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፣ ንጉስ ሰለሞን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ። “ሓው ከኣ ንጸገማ ይውለድ” ይብለና፣ ንሰብ። ሰብ የድልዮ እዩ፣ በይንኻ ምዃን ጽቡቕ ኣይኮነን፣
...ናብ ገጽ 2 ይቕጽል

ብዛዕባ’ዚ ናይ ቤት ሂስዳ ሰብኣይ። “ሰብ ኣይነበሮን ይኸውን” ኢለ ክሓስብ ከለኹ። ኣዝየ እድንግጸሉ፣ ሕመረት መልእኽተይ ንኸመሓላልፍ ከኣ እድገፍ፣ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ክሕግዞ ዚኽእል መቕርብ ፈጺሙ ኣይነበሮን ክትብል ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ። ኣብታ ጎይታ ናብ ቤት ሄስዳ ዝመጸላ ጊዜስ ዚሕግዞ ከም ዘይብሉ’ዩ ተዛሪቡ፣ ኣዝዩ’ዩ ዚገርመኒ፣ እዚ ሰብኣይ’ዚ ኪህልዎ ብዚኽእል ኣሉታዊ ጠባይ ሓገዝቱ ድንጋጾም ዓጽዮምሉ--ርሒቖሞ--ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ተጻዋርነት ሰብ ድሩት እዩ፣ ብዙሕ ጊዜ ሰባት ብዛዕባ ዝመግደሩ ወይ ብዛዕባ ኣዝዮም ዝኣረጉ ሰቦም። እንተዝመውት ምሓሸ መዕረፍና’ኳ ኪብሉ ንሰምዕ ኢና፣ ንኸምዚ ዝበለ--ንነዊሕ ዝሓመመ ሰብ--ክትኣሊ ብሓቂ ተጻዋርነት ይሓትት እዩ፣
ካልእ ብዛዕባዚ ሰብኣይ ዚገርመኒ ድማ ኣሎ፣ ካብቶም ኪህልዎ ዚኽእሉ ቤተሰቡ እኳ ሓቦ ዚብል እንተተሳእነ ካብቶም ኣብቲ ቐላይ ዚመጹ። እሞ ንነዊሕ ዓመታት ምሕማሙ ዝፈለጡ ወላውን ኣብቲ ቐላይ ሓውዮም ዝኸዱ ኪሕግዝዎ ኣይተረኽቡን፣ “ከማና የማስልካ።” ኢሎም ጥራሕ’ዮም ዚኸዱ ኔሮም፣ ኤረ እቲ ነቲ ፈውሲ ሒዙ ዝመጽእ መልኣኽውን ኪሕግዞ ኣይተረኸበን፣ እዚ ሰብኣይ’ዚ እንታይ ኮን ይኸውን ብሰብን ብመላእኽትን ሓገዝ ከምዘይረክብ ዝገበሮ?
ናብቲ ቐላይ ኪኣቱ ቐጻሊ ይፍትን እዩ። ግናኸ ካልኦት ከምዚቕድምዎ ድማ ይፈልጥ’ዩ፣ ዚሕግዞ ሰብ የብሉን። ዚሕግዞ ሰብ ከምዘድልዮ ግና ይፈልጥ’ዩ፣ ክርስቶስ ናብቲ ቐላይ ምስ መጸ ዝሓተቶ ሕቶ ዜገርም እዩ፣ “ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ፣ ክሓዊ እንተዘይደሊ ደኣ ንምንታይ ናብቲ ቐላይ ምመጸ? ኣነ ግን ሓደ ነገር ይርደኣኒ፦ እዚ ሰብኣይ’ዚ እቲ ተኽእሎታት ከምእተዓጽወ’ዩ ዚፈልጥ፣ ኣእምሮኡ ድማ ብምዕጻው ተኽእሎታት እዩ መሊኡ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ነቲ ጎይታ ዝሓተቶ ሕቶ ብቐጥታ ክንዲ ዝምልስ ናብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመልኤ ነገር ይቐንን፣ “ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን” ድማ ይብል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ኪሓዊ ተኽእሎ ከምዘየሎ’ዩ ዚዛረብ ዘሎ፣ ሕጅውን ዚገርመኒ ነገር ኣሎ፣ ኪሓዊ ተኽእሎ ከምዘየሎ ተረዲእዎ ክነሱ ባዕሉ ናብቲ ቐላይ ኪወርድ ቀጻሊ ይፍትን--ዓቕሚ ግን የለን፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ “ጸብጻቢ ፍውሳት” ኮይኑ ተሪፉ፣ ዘዝመጸ ሓውዩ ይኸይድ ንሱ ግን ተቐባልን መፋነውን ኮይኑ ኣብኡ ይነብር፣ ዓመታት ሓሊፉ፣ እታ ተስፋኡ ክትጽንቀቕ እኳ ዝተረፋ ኣይነበረን፣ 
ፍቑር ሓወይ። ፍቕርቲ ሓብተይ ኣብዚ እግዚኣብሄር ንዓይን ንዓኻትኩምን ዝብሎ ቃል ኣለዎ፣
ቅድሚ ዓመታት ወይ ቅድሚ ኣዋርሕ ኪኾነልካ ብብርቱዕ ተስፋ እተጸበኻዮ ነገር ይህሉ ይኸውን፣ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ሄስዳ ንመጀመርታ ኪኸይድ ከሎ ተስፋኡ ከመይ ኔሩ ይኸውን እሞ ሕሰብ፣ ተስፋኻ ድማ ከምኡ ብርቱዕ’ዩ ኔሩ፣ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ግና ዝነበረካ ተስፋ ኪፍጸም ተኽእሎ ከምዘየሎ ደምዲምካ ትህሉ፣ ዘይዕውት ፈተነታት ጥራሕ ትገብር ትህሉ፣ 
ሎሚ ብብዝሒ ዚስማዕ ዘረባ ኣሎ፣ ሰባት። “ሎሚ ወይ ሰብ ወይ ገንዘብ ኪህልወካ ኣለዎ።” ይብሉ ኣለው፣ ከምቲ ናይ ቤት ሄስዳ ሰብኣይ ሰብ ኮነ ገንዘብ እንተዘይብልካ ግን ስላሳን ሸሞንተን ዓመት ትሓምም። ወይ ነገርካ ከይተወድኤ ትነብር ማለት እዩ፣ እዚ ኣብ ዓለም ስነ-መጎታዊ (logical) እዩ፣
ፍቑር ሓወይ። ፍቕርቲ ሓብተይ፦ ሎሚ። “ገንዘብ ዝኸፍለለይ እንተዝረክብ ከምዚ ምገበርኩ ኔረ፤ ገንዘብ ዝኸፍለለይ እንተዝረክብ ናብዚ ከምዚ ዝበለ ቦታ ምኸድኩ ኔረ፣ ወይ ድማ ዝዛረበለይ ወይ ዘስልጠለይ ሰብ እንተዝረክብ ከምዚ ወይ ከምቲ ምገበርኩ ኔረ…” እናበልካ። ግን ከኣ ሰብ ኮነ ገንዘብ ዘይብልካ ብምዃን’ዶ ዝተዓወቱ ሰባት እናጸብጸብካ ተቐሚጥካ ኣሎኻ?
ንስኻ። ዓቕሚ የብልካን። ኪሕግዘካ ዚኽእል ዘመድ ኮነ ፈታዊ ድማ የብልካን። እንተለውኻውን ናይ ገዛእ ርእሶም እምበር ናትካ ኣይዓጦምን እዩ፣ ኵሎም ድንጋጾም ዓጽዮምልካ እዮም፣
ድንጋጹ ዘይዓጸወልካ ደንጋጺ ኪበጽሓካ። ከም ካልኦት በጻሕቲ፦ “ምሕረት የውርደልካ” ኢሉ ኣይኮነን ኪፋነወካ፣ ንሱ፦ “ክትሓዊዶ ትደሊ?” ኢሉ ከም ዝሓተቶ። ብዛዕባ’ቲ ትደልዮ ይፈልጥ እኳ እንተሃለወ። ከምቲ ናይ ቤት ሄስዳ ሰብኣይ ጸገምካ ግለጸሉ እሞ። በቲ እተጸበኻዮ መገዲ ዘይኮነስ ብናቱ መገዲ ነገርካ ኪፈትሕ እዩ፣ 
ብ ኣድሓኖም ሕዱግ