19
Fri, Apr
0 New Articles

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

Message 2
Typography

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ። ሰበ ብሓፈሻ ንናይ ሕትኡ መልሲ ከምዝደሊ ካብ ኩላትና ዝስወር ኣይኮነን። ኩሉትና ንሕና ክንምልሶ ዘይንኽእል ካባና ብዝበለጸን ብዘዓበየን ነገር መልሲ እንጽበየሎም ሕቶታት ማእለያ ዘይብሎም ቡዙሓት እዮም። ሰብ ከኣ ካብቲ ሓደ ጻዕሩን ግድሉን ብዝተኻእለ መጠን ንዘለዎ ውሽጣዊ ሕቶ ንምምላስ እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ዘለዉና ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ሕቶታት ከኣ እልፊ ቑጽሪ ዘይብሎም እምብዛ ቡዙሓት እዮም።

እስከ ንሕሰብ ነቲ ናይ ውሽጥና ዝዀነ ዓይነት ይኹን ሕቶ ተረዲኡ ብዝግባእ መልሲ ንዝህበና ኣካል ግብረ መልስና እንታይ እዩ? ኣብዛ ብሕቶን ብኸመይ ኮን ይፍታሕን ዝብል መንፈስ ዝመልኣት ዓለም ብባዕልኻን ብኽእለትካን ቀሲንካ ንምምልላስ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃውን በጺሑ ኣሎ።  

ሎሚ ባዕልኻ ተጋዲልካ ዘይመለስካዮ ሕቶ ህይወት፣ ሰባት ኣማኺርካ ዘይተቐበልካዮ መልሲ ናይ ነፍሲ ክምልስ ዝኽእል ኣካል ኣሎ ተበልኩ እንታይ ምበልካ? ብርግጽ ኣሎ! እቲ ዘገርም እዚ ናይ ሕቶና ምልኣት ዘለዎ ባዕሉ ሓቲቱ ባዕሉ እውን መላሲ እዩ። 

እስከ ብዛዕባ እዚ ናይ ውሽጥና ሕቶ ፈሊጡ እሞ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕልፍኘና ዘሎ ነገር ባዕሉ ሓቲቱ ዝምልስ ብዝበለጸ ክንርዳእ ናብ መጽሓፍ ቁዱስና ናብ ወንጌል የውሃንስ 6 ምዕራፍ ክንከይድ ኢና። የሱሱ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ናብ ባሕሪ ጥብራድዮስ ከደ። ቡዙሕ ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ይስዕብዎ ነበሩ። ብፍላይ ኣብዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ኣስታት 5000 ዝዀኑ ሰብኡት ነበሩ። ሕጂ ንሕሰብ 5ሽሕ ሰብኡት ጥራይ እዮም ክንደኦም ዝኸና ኣንስቲ እንተ ኣለዎ ህጻናት ከኣ እንተ ትወሲኽዎም ኣስታት 15000 ክበጽሑ ይክእሉ እዮም።
 

መድሓኒ የሱሱ ከኣ ነዚኣቶም ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ረኣዮም። እዞም ህዝቢ ደኺሞም ጠምዮም ነበሩ። ደቂ መዛሙርቲ የሱሱ እዚ ምስ ረኣዩ ንየሱሱ ክርስቶስ በጃኻ እዚ ዘለናዮ በረኻ እዩ፣ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰባት ናብ ዓድታት ኣትዮም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም በልዎ።  የሱስ ግና ዝገብሮ ዝፈልጥ ስለ ዝነበረ ንፊሊጶስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንጌራ ክበልዑ ካበይ ክንዕድገልሞ ኢና? በሎ። ዘገርም እኰ እዩ እቲ መላሲ ይሓትት ኣሎ። ካበይ ከንመጻሎም ኢና? ቡዙሕ ግዜ ኣምላኽ ዝሓተቶ ሕቶ ዝወሃቦ መልሲ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል እዩ። እዚ ነገር እዚ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ተደጋጊሙ ንርእዮ ታሪኽ እዩ። 

ንኣብነት መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ካህን ዘካርያስ መጽዩ ጸሎትካ ተሰሚዑ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ክትጠንስ እያ ምስ ተባህለ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሉ። ሳራ ክጠንሲ ኢኺ ንዓመታ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ምስ ተባህለት ስሒቓ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢላ። ማርታ ንሓዋ ኣልኣዛር ካብ ምውታት የሱሱ ከተስኦ ምስ መጸ ሞይቱ እዩ ከመይ ኢሉ ይትንስእ ኢላ። ኰታ ሰባት ኩሉ ግዜ ከመይ ኢሉ ይኸውን ምስ በሉ እዮም። ኣብዚ ኸኣ ፊሊጶስ ብመድሓኒ ምስ ተሓተ ብምግራም ነዚ ኹሉ ህዝቢ ናይ 200 ዲናር ምግቢ እንተ ንዕድግ ቆራርስ እኳ ኣይበጽሖምን ኢሉ መልሲ። ፊሊጶስ በቲ ዝለዓለ ዋጋ ምግቢ ተዓዲጉ እንተ ዝመጽእ እውን ዋላ ንኹሉ ነንእሽተይ መጥዓሚ እንተ ዝዋሃብ ኣይምኣኽለን እዩ ዝብል ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣይከኣልን ኣይከውንን ዘይሕሰብ እዩ ዝብል ዘሎ። ሰብ ደኣ ሰብ እንድዩ። ኣብዝ እውን ደቂ መዛምርቲ የሱስ ንጥሜት እቲ ህዝቢ ከዕግቡን ክምልሱን ከምዘይክእሉ ይዛረቡ ኣለዎ። 

እስከ ናብ ህይወትና ንምጻእ፣ ክንደይ ግዜ ኢና ሕቶና ዘይምለስ መሲልና ማሕተም ናይ ኣይከኣልን እዩ ዝለጠፍናሉ? ወይ በቃ ከምዚ እንተ ዝገብር ክንደዚ ወጻኢታት እንተ ዘውጽእ እውን ናትይ ነገር ኣብቂዑ እዩ ዝበልናኸ? ብፍላይ ህይወትና ምስ እዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣትሓሒዝና እሮማይ እዚ መወዳእታን መፍትሕን የብሉን ኢልና ዝደምደምናኸ? 

ናብቲ ታሪኽ ንመስለስ ካብቶም ደቂ መዛሙርቲ እንድርያስ ሓው ጴጥሮስ፣ ሓሙሽተ ጐጎን ክልተ ዓሳን ኣብዚ ኣለዋ እዚኣተን እሞ ንኽንድዚ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ በሎ። ዘገርም እኮ እዩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኩሉ ንትምህርትና እዩ። ንሕና ዘንሓልፎ ታሪኽ ከኣ ኣይተጻሕፈልናን። እዚ እድርያስ ዝበሎ ዘረባ ንሕና ኣብ መዓልታዊ ናብራና እንዛረቦ ዘረባ እኰ እዩ። እዚ ዘሎኒ ነገር እሞ እንታይ ይጠቅም? ኣበይ ከብጻሓኒ ናበይከ ከሳልየኒ እዩ? ግና ኸኣ እቲ ዘገርም ኣምላኽ ንኹሉ ፍጥረት ካብ ዘየለ ህልው ስለ ዝገበረ ነቲ ንሕና ንእሽቶይ እዩ ኣበይ ከየብጻሓኒ እንብሎ ነገር ናብ ዓቢ ዘዕግብን ዘጽግብን ጌሩ ክልውጦ ከኣሊ እዩ። 

መጽሓፍ ቁዱስና ኸኣ ናይዚ ኣብነታት መሊኡ እዩ። ንኣብነት እታ ንእሽቶ ሓርጭን መቐርሰሚቶ ዘይቲ ዝነበራ ሰበይቲ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በጃኻ ኣብልዕኒ ምስ በላ ኣይፋል ኣነን ወደይን ዘለዋና ንሳተን እየን በሊዕና ኸኣ ሙማትና እዩ በልቶ ደሓን ኣምጽዮ ጥራይ ኣምላኽ እስራኤል ምርባሕን ምብዛሕን ይፈልጥ እዩ ኢሉ ምስ ተዛረባ ቃሉ ሰሚዓ በቲ ንእሽቶይ ዝመስል ንዓመታት ኔራ። እረ ቡዙሕ ከንመጽእ ንኽእል ኢና እታ መበለት ሰይቲ ነብይ ዝነበረት ሰበይቲ እውን ብመቕርሰሚቶ ዘይቲ ዕዳ ከፊላ ካብ ባርነት ነጻ ወጺኣ ብሃብቲ ኣዕለቅሊቓ እያ። 

ብሓጺሩ ንንእሽቶይ ዘብዝሕን ዝባርኽን ኣምላኽ ከምዘሎ ንምዝኽኻር እየ እዚ ዘምጻኽዎ። ሕቶ ደቂ መዛሙርቲ የሱሱ ናትና ምኻኑ ባዕሉ መድሓኒ ይፈልጥ እዩ።  እቲ ዝገርም ኣምላኽ በቲ ንሕና እንቐርቦ ምኽንያታትን ዘይከውን ዝመስል ሓሳባትን ኣይደናገርን ኣይግረምን እዩ ዝገብሮ ባዕሉ ይፈልጥ እዩ። ምንም እኳ ደቂ መዛሙርቲ ነቲ የሱሱዝ በሎም ዓቐብን ዘይከውንን ተመሰሎም ኣብ መድሓኒ ግና ውድእ እዩ። ኣብ ህይወትና ኸኣ ንኽንምልሶ ገድሊ ንኽንከዶ ኸኣ ዓቐብ ዝዀነና ነገራት ማእለያ የብሉን። እዚ ከመይሉ ይኸውን? እዚ ክኸውን ኢልካ ንኽትሓሶብ እውን ዕሽነት እዩ? እንብለሉ እዋን እሞ ሕጂ ንዘክር? እቲ ንሕና ከምዚ እንተ ዝገብርእው እዚ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ እንብሎ ነገር ንኣምላኽ ቅጽበት ዓይኒ ምኻኑ ምእማን እንተ ንኽእል ክንደይ ሰናይ ኔሩ። 

እስከ ናብቲ ታሪኽ ክንምለስ ብድሕሪ ዘረባ እንድርያስ የሱስ ሓደ ነገር ሓቲትዎም ኣብዚ ኸኣ የሱስ ባዕሉ ሓታትይ ባዕሉ መላሳይ። በሉ ደሓን ንኹሎም ኣቐምጥዎም በሎም። እንታይ እዩ ክገብር ደልዩ? ሕቶ ኩሎም ሰባትን ደቂ መዛሙርትን እዩ። እንሓንሳብ እኰ ኣሰራርሓ ኣምላኽ ልዕሊ ምርዳእናን ኣተሓሳስባና እዩ። ንሕና ንኣምላኽ ከመይ ኢሉ ክገብሮ ይኽእል ዝብል ኣተሓሳስባ ካባና ኣሊና እቲ ዝበለና ክንገብር ምእዙዛት እንተ ንኸውን ብብዙሕ በረኸት ጸጊብና መዕለቢ ግላውን ኣህጉራዊ ጸገምናን ምረኸብና ኔርና። ግና እቲ ዘሕዝን ካብቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ንላዕሊ ኣተሓሳስባናን ርእዮታትናን እናኣመና ብኽሳራ መሊእና ንመላለስ። 

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ኣምላኽ ዝገብሮ ብልብና ኣሜን ኢልና ምቕባልና ጥርይ እዩ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕቶ መዕለቢ ከምጻሉ ዝኽእል።  ኣዴና ማርያም እታ ንመድሓኒ ኣብ ማህጸና ዝጾረት ብጽእቲ ክትበሃል ዘኽኣላ እኮ እዚ መንፈስ ስለ ዝነበራ እያ። ንሳ እውን ክጥጠንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ ምስ ተባህለት ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢላ እኰ ሓቲታ እያ። ተመሊስላ ኸኣ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ ዝገብሮ ተባሂላ ኣሜን ኢላ ተቐቢላቶ ኮይንላ ኸኣ። ሎሚ ኸኣ ከምቲ የሱሱ ንደቂ መዛሙርቱ ነቶም ሰባት ኣቐምጥዎም ዝበለዎ ንዓና ኸኣ ሕቶኹም ጾርኩም ድሌት ልብኹም ኣባይ ኣቐምጥዎ ይብለና ኣሎ። 

መድሓኒና የሱሱ ነዞም ሰባት ስለምንታይ እዩ ከይበልዑ ክሳብ ዝመሲ ምስኡ ክጸንሑ ደሊዩ? ስለምንታይ ካልእ መዓልቲ ንራኸብ ኢሉ በቦቶኦም ዘየሰናበቶም? እስከ ነዚ ናብ ህይወትና ንምጻእ። ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንነገራት ክሳብ ዝውድኡ ዝጽበ? ንሕሰብ እንዶ መድሓኒ ነቶም ሰባት ከምቲ ደቂ መዛሙርቱ ዝበልዎ ኣፋንይዎም እንተ ዝነብር ምድሓንን ክብሪ ኣምላኽን ምረኣዩ ኔሮም ዶ? ኣይፋል! ስለዚ ኣምላኽ ከኣ ብዙሑ ግዜ ብዝተፈላለየ ጐደና ምዕራፍ ህይወት ከሕልፍና ከሎ እቲ ዕላማ ሓደ እዩ ንሱ ኸኣ ናብኡ ክንቀርብን ምድሓን ክንረክብ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ክንርእን እዩ። ክሳብ እቲ ናትና ዘይተወደኣ ኣምላኽ ስርሑ ኣይጅምርን። 

ሕጂውን ናብቲ ናይ ውንጌል የውሃንስ 6 ምዕራፍ ንመለስ። ጐይታና የሱስ በተን ሒደት ጎጎን ዓሳን ንኣስታት ሃሙሽተ ሽሕ ስብኣይ ኣጽጊቡ ኣትረፍሪፉ። ሕቶ ናይ እኒ ፊሊጶስን ሃዋርያትን ከኣ መልሲ ጥራይ ኣይኮነን ረኺቡ ልዕሊ መልሲ እንተ ኣሎ እውን ዘትርፍርፍ መልሲ ረኺቡ። እቲ መድሓኒ ጉሩም መካር ዝተባህለ ኸኣ ዝገብሮ ስለ ዝፈልጥ እዩ። እየሱሱ ንሕቶ መልሲ ንሕማም ፈውሲ ንጥሜት ጽጋብ ንመከራ መውጽኢ ንጾር ከኣ መፍኮሲ እዩ። ነዚ መድሓኒ እዚ ኢና ሰዓቡ ንብል ዘሎና። 

ዳዊት እቲ ዘማራይ እውን እግዚኣብሄር ሰናይን ጥዑምን ምኻኑ ረኣዩ ይብለና። ኣብ ህይወት ሰብ እቲ ዝዓበየ ተኣምራት መድሓኒ የሱሱ ንሰብ ክትንክፎ ከሎ ጥራይ እዩ። እዞም ሰባት በቲ የሱሱ ዝገበሮ ተኣምራት ጸጊቦም ዓጊቦም ምግቢ ሰማይ በሊዕም ከይዶም። ሎሚ ኸኣ ኣነን ንስኻትኩምን ነቲ ዘይተመለሰ ሕቶና መልሲ ክንረኽብሉ እቲ ንሱ ዝብለና ንምስማዕን ናብኡ ንምቕራብን ፍቓደኛታት ንኹን። የሱሱ ዝምልስ መላሲ ጥራይ ዘይኰነስ ንባዕሉ መልሲ እዩ። ንሱ እቲ ባዕሉ ክገብረልና ዝደለዮ እሞ ኸኣ ዝፈለጦ ነገር ይሓተና ናትና ፍቓድን ድላይን ከኣ ይደሊ። እቲ ዘሕዝን ናትና ናይ ደቂ ሰባት እቲ ዘድልየና ክንረክቦ ኸኣ ዝግብኣና ሳኣኒ ኣሜን ምባልና ይተርፈና። 

ንኣብነት ኣብ ታሪክ ሓድሽ ኪዳን የሱሱ ዝፈወሶም ሰባት እስከ ንርኣ። እቶም ዕውራት ናብ የሱስ መጽዮም ወዲ ዳዊት መሓረና ይብልዎ። የሱስ ክርስቶስ ከኣ እንታይ ከም ዝደልዩ እኳ ይፈልጥ እዩ ግና ይብሎም እንታይ ክገብረልኩም ትደሊ ኣለኹም ኢሉ ይሓቶም ንሶም ከኣ የዒንትና ክፈተልና ይብልዎ ይኸፍተሎም ከኣ። ሎሚ መድሓኒ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣለኹም ይብለና ኣሎ? መልስና ኣንትይ ኣዩ? ጐደሎና ንኣምላኽ ነርእዮ እምበር ከምቲ ኣዳም ጐደልኡ ንምሽፋን ዝተጋደለ ኣይንጋደል። ኣምላኽ ጥራይና ብመንፈሳዊ ጥሜት ተሓሊልና ክሰደና ኣይደልን እዩ። ከምቲ ነቶም ሓሙሽተ ሽሕ ኣጽጊብ ኣንጀርቢቡ ዝስደደም ሎሚ እውን ንዓና ብመንፈሳዊ በረኸቱ ኣንጀርቢቡ ንድሌትና ብሰናይ ነገር ኣጽጊቡ ክሰደና ይደሊ ኣሎ። 

እቲ ሓታቲ ባዕሉ ክምልስ እንታይ ትደልዩ ኣለኹም ይብለና ኣሎ። ሎሚ ድሌትና ንምርካብ ናብ ዝተፈላለየ ነገር ምቁማትና እንትረፎ ክሳራ ዘምጻልና ፋይዳ ከም ዘይብሉ ሪኢናዮ ባዕልና ምስክር እውን ኢና። እቲ ዝሓይሽ ብዛዕባና ዝሓስብ ስለኢና ኸኣ ቡሉጽ ዘለዎ ኣምላኽ ግና እንትናይ ኰን ትደልዩ ይብለና ኣሎ። ጸውዓኒ እሞ ክምልሰልካ ዘይትፈልጦን ዓቢን ስውርን ነገር ክንግርካ እንበለ የድህየና ኣሎ። ንኽባርኸና በረኸት ሒዙ ይጽበየና ኣይገርምን! 

እቲ ቓል ክዛረብ ከሎ ድሌት ልቦም ሃብካዮም ልማኖ ከናፍሮም ከኣ ኣይከላእካዮምን እዩ ዝብል። እወ እቲ ዝሓሊ ኣምላኽ ስሌና ስለ ዝግደስን ዝጥንቀቐን ወትሩ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኢሉ ካብ ምሕታት ኣይቓርጽን እዩ። ንሱ ሕቶ ናይ ውሻጠና ይፈልጥ ልብና እህህ ዝበለሉ ጉዳይ ኸኣ ይርዳእ ኣብ ግዜኡ ኸኣ ክሳብ ንጸገብ ብዘዕግብ ኣመላልሳ ሕቶ ይምስስ። ቓሉ ክዛረብ ከሎ ሓለፋ እቲ ንሕና ንልምኖን እንሓስቦን እምብዛ ኣዕዚዙ ክገብር ዝከኣሎ ኣምላኽ ምኻኑ እዩ ዝነግረና። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እውን ንስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም ንውልድኩም ጹቡቕ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ናይ ሰማይ ኣበኹም ደኣ ክንደይ ኣብዚሑ ዘይህበኩም እዩ ዘበለ። 

ሎሚ መልሲ ናይ ሕቶና ንሱ እዩ ብዛዕብናን ኩነታትናን ከኣ እንታይ ከም ዝገብር ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዝሓተና ሕቶ ምላሽ ዝህብ ንሱ ምኻኑ ጥራይ ይፈልጥ እዩ። ግና ናትና ፍቓድ ይደሊ። በቲ ዘሎና ክንዓግብ ከንንጀርብብ ከንትረፍረፍ ሎሚ ምንጻህ ሓጥያት ረኺብና ናብ መድሓኒ የሱስ ንምጻእ። 

ሓደ ግዜ ኣምላኽ ንነቢይ ህዝቄል ዝበሃል ናብ ሓደ ቦታ ዓጻጽምቲ ወሰዶ እሞ ኣንታ ወዲ ሰብ እዚ ዓጻጽምቲ ህያው ክኸውን ድዩ? በሎ ንሱ እቲ ነቢይ ኸኣ ጐይታይ ንስኻ ትፈልት ኢልዎ። እወ እቲ ዝፈልጥ ኣምላኽ መልሱ ስለ ዝፈልጦ ኸኣ ነቲ ምውት ነገር ህያው ጌርዎ። ሎሚ እውን  ህያው ኣምላኽ ነዚ ነገርካ ህያው ከም ዝገብሮ ትፈልጥ ዶ ዝብል ቃል ምስ ኣስመዐ ነቲ ኣብ ህይወትና ሞት ተዘሪእሉ ዘሎ ኩሉ ናብኡ ኣምጺና እወ ንስካ ትፈልጥ ንበሎ። ከምቲ ሃዋርያት እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ዝበልዎ ሓሳብ ኣይንድገሞ። እቲ ሓታቲ ባዕሉ ክምልሶ ምዃኑ ንእመን።