24
Wed, Apr
0 New Articles

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

Message 2
Typography

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸንህጹጹን ነገር እንደልዮ ኣሎ። ነቲ ዘድልየናኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር ንምርካብ ከኣ ዘይተኣደነጻዕርን ተወፋይነትን ካብ ምግባር ዓዲ ኣይንውዕልንኢና። እስከ ሓደ ኣብነት ክህበኩም ንበል ኣዴኻወይ ኣቦኻ ወይ እውን ካብ ኣሕዋትካ ሓደ ሰብኣዚዩ ይጽልኦ ኣዚዩ ኸኣ ይጨንቀካ ናብ ሕክምናትወስዶ እሞ ነቲ ዝሓመመ ሓኪም ከኣ መድሃኒቱኣብ ከምዚ ከምዚ ስፍራ እዩ ዘሎ ንሱ እንተኣምጺኻሉ ክሓዊ እዩ ዝብል መልእኽቲ ይህበካ።ንስኻ ኸኣ ብጉያ ናብቲ ቦታ ትኸይድ ነቲ ዋናመድሃኒት ከኣ ትሓቶ እሞ እወ ኣሎኒ ይብለካኣዚኻ ኸእ ትሕጎስ እሞ ሃበኒ ኢልካ ኸኣ ትሓቶ።ኣይፋል ኣይህበካን እየ ኢሉ ድማ ይምልሰልካኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ትገብር መልስኻእንታይ እዩ?እቲግብረመልስን ኣቲ ልማኖን መቸመ ከመይ ከምዝኸውን ርድኡ እዩ። እስከ ሓደ ነዚ ዝመስልዛንታ ክንሪኢ። 

ሓደ ግዜ ጎይታናየሱሱ ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ጢሮስን ሲዶንንእትበሃል ሓደ መጸ። ሓንቲ ኣብ ወሰን እቲ ሓደትቕመጥ ዝነበረት ሰበይቲ ኸኣ ምምጻኣ የሱስናብቲ ዓዲ ምምጽኡ ሰመዓት። እዛ ሰበይቲ እዚኣኣብ ውሽጢ ቤታ ቡዙሕ ጉድ ሒዛ ትመላለስዝነበረትን ብፍላይ ከኣ እታ ትፈትዎ ጓላመሕደሪ ኣጋንንቲ ኮይና ብስቓይ ጓላ ትስቀብሕማም ጓላ ትሐምም ዝነበረት ኣደ እያ።ንሕሰቦ እዛ ሰበይቲ ዘለዋ ጭንቂ መከራ ኣደራዕ።ካብዚ ሕሱም ጋኒን ክትገላገል ክንደይ ፈቲናክተውን ትኽእል እያ። ብዘሎ ገንዘባ እውንወዲኣ ኣላ። ሕጂ ግና ዝሰማዓቶ ናይ ተስፋጨናጭል ስለ ዘሎ ክውን ንምጋብሩ ተጋይያ።እዛ ሰበይቲ ንየሱሱ ክርስቶስ ጸገማ ክትነግርድሌት ልባ ከተካፍሎ ዝከፈለት ከፊላ ናብኡመጽያ። ምስቲ ደንጋጺ ሩሕሩሕ ኣምላኽ ከኣፊት ንፊት ተራኸቡ። 

እዛ ሰበይቲእዚኣ ዓሌታ እስራኤላዊት ኣይኮነትን ንሳተምልኾም ኣምላኽቲ ኔሮማ እዮም። እታ ንሳኣምላኽቲ ትብሎም ትሰግዶምን ትስዋእሎምንግና ምንም ከምዘይኮኑ ክረድእዋ ከምዘይክእሉፈሊጣ እያ ስለዚ ኸኣ እያ ዝባና ሂባ ናብቲክረድኣ ዝኽእል የሱስ ስሙ ንምጽዋዕ ፈወሲንምቕባል መጸቶ። የሱስ ወዲ ዳዊት መሓርነኒጓለይ ብኣጋንንቲ ተታሒዛ ትሳቐ ኣላ መሓረኒበጃኻ ብምባል ጨደረት። 

የሱሱ ግና ምንምመልሲ ኣይሃባን ከምዘይተገደሳአላ ኣፉ ሓቲሙስቕ በለ። ስለምንታይ የሱሱ ኣብዚኣ በጺሑ?እቲቐልጢፉ ዝሰምዕ ዝረድእ ኣምላኽ ኣፉ ሓቲሙ?ብዛዕባጸገማ ኣይተገደሰን ማለት ድዩ?ሽግራኣይዓጠጦን ማለት ድዩ?እዛሰበይቲ ኣሚና ዶ ኣይኮነትን መጽያቶ?ነቶምኣሚኖም ዝመጽዎ ሰባት ከይመለሰሎም ስቕ ይብልድዩ ኸኣ?ቅድሚእዛ ሰበይቲ ዝገበሮ ከምዚ ዝዓይነቱ ታሪኽዶ ጌሩ እዩ?ካልእንነዚ ዝኣመስለን ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ክመላለስይኽእል እዩ?ንሳግን ሓሳባ ብስቕታ የሱስ ከይተታሕዘ። ምሕታታምጭዳራ ምእዋያ ፈጺማ ኣያቃረጸትን። ደድሕሪኡካብ ምኻድ ኣያቃረጸትን።

እቲ ዘገርምንብዓታን ጭድርትኣን ነቶም ኣሰር ኣሰር የሱሱዝስዕቡ ዘለዎ ደቂ መዛሙርቱ ከይተረፈ ስለዝረበሾም ድዩ ስለ ዘደንገጾም ኣብ ክንዳኣኮይኖም ትገብር ግበራ በጃኻ ስማዓያ ደድሕሬናእናኸደት እኮ ረብሻትና ኢሎሞ። እንሓንሳብእኮ ኣሰራርሓ የሱስ ይገርም እዩ። ሰባትጭድርትኣ እናሰምዑ ከለዉ ንብዓታ ርእዮምእናደንገጹላ ኸለዉ የሱስ ግና ኣንጻር እዚነገር እዚ እዩ መሊስሎም። እንጌራ ዉሉድኣልዕሊልካ ንኽላባት ምሃብ ኣይግባኣን በሎም።እዚ ብዓይኒ ስጋ ነታ ሰበይቲ ጸርፊ እዩ ዝመስል።እሳ እወ እዛ ስበይቲ እዚኣ ምስ መን ትዛረብከምዘላ ትፈልጥ እያ። እትልምኖ ዘላ የሱሱከምዘይሕፍራ ኣሚና እያ። ስለዚ ንዘረባ የሱሱኣይተቓወመቶን ብኣንጻሩ ንሳ ኣብ ቅድሚእግሩ ተምበርኺካ ሰጊዳ ኣምላኽ ከኣሊ ኹሉምኻኑ ኣሚና እቲ ንሱ ዝሃቦ መልሱ ልክዕ ምኻኑኣሚና እወ ሓቕኻ ግናኸ ኣኽላባት ረፍራፍጎይቶቶም እኰ ይበልዑ እዮም ብምባል ንልቢመድሓኒኣን መፍቀሪኣን ተንኪፋ። የሱሱ ከኣኣንቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ ኪድ ጓልኪተፈዊሳ እያ ኢሉ ድሌት ልባ ሃባ ስብራት ልባጸግንላ ነገራ ኩሉ መኸተምታ ጌሩሉ።

እታ ብድኻምብስቓይ ብንብዓት ብፍርሒ ካብ ወሰን ምድሪዝመጸት ሰበይቲ እንሆ ሕጂ መልሲ ዓወትንፈውስን እልልታን ተስፋን ሒዛ ተመሊሳ እቲጉሩም የሱስ ጉሩም ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሑ እምነትሚሂርዩ ትዕግስቲ ኣዕጢቑ ሰዲድዎ ክብሪንየሱሱ።

ብዙሕ ግዜ ካባይጀመሪኩም ከምዚ ናይዛ ሰበይቲ ዝኣመሰል ኩነታትንሓልፍ ኢና። ኣእምሮና ኸኣ ስለምንታይ ዝብልሕቶ መሊኡ ንልብና ገዚኡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽኣብ ምግርምራምን ሓዘንን ዝኣተላኑ ሰዓትሒደት ኣይኮነን። ጾር ከቢድና ኣብ ቅድሚኣኡመጺና ተደፊኢና ክነስና ድሌት ልብና ክፍጽመልናንዕኡ ብንብዓት እንናነግገርናዮ ክነስናኣምላኽ ግና ንጉዳይና ኣቓልቦ ከሊኡ ስቕዝበለሉ ዝመስል እዋን ኣሎ።

ከምቲ ሓደ ጊዜጽዮን ዝበለቶ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ረሲዒኒእዩ እናበልና ኣብ ርእሲ ዘሎና ቑስሊ ተወሳቒቁስሊ ዝተወሰከና ሰዓት ቀሊል ኣይኮነትን።ግና ኣምላክ ስቕ ምባሉ ብዛዕባና ስለ ዘይግደስድዩ?ሓንሳብሓንሳብ ንንበሮ ናብራ ናይ ዕድልን ኣጋጣምንእዩ እምበር እንታይ ደኣ ንኻልኦት እናሰለጦንእናሓሾምን ንዓይከ ኢልና ኣብ ከቢድ ተስፋቁርጸት ንኣቱ ኢና። እቲ ዘገርም ግና ስቕ ናይኣምላኽ ዓቢ መልሲ እዩ። የስሱ ነታ ካብ ሩሑቕመጽያ ትልምኖ ዝነበረት ሰበይቲ ስቕ ዝበላኣብ ርእሲ ቑስላ ቑስሊ ክውስኸላ ዘይኮነስመመሊሱ ናብኣ ከቕርባ ስለ ዝደለየ እዩ።

ኣምላኽመዓስን ኣበይን ድሌትና ይህበና ልማኖናይሰምዓና ይፈልጥ እዩ። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜስቕ ዝብለና ዘሎና ኩነታትን ጸገምን ዘይፈልጥንጊ ዘይብሎን ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ እንታይ ደኣንሱ ካብቲ ንሕና እንሓስቦን እንደልዮን ንላዕሊሓደ ዘይተጸበናዮ ዓቢ ነገር ክገብር ስለዝደለየ እዩ። ብዙሕ ግዜ ዘሎና ድሌትን ጾርንንሰባት ከሰልጭዎም ይኽእል እዩ’ ከምቲ ደቂመዛሙርቲ የሱሱ ብጋዓር እታ ሰበይቲ ዝተረበሹሰባት ከኣ ልኾ ከምኡ በቲ ኣብ ኣምላክ ዘሎናውሽጣዊ ገዓርን ብኽያትን ክጭነቑን ኽሰላቸውንይኹእሉ እዮም እቲ ኣብ ሰማይ ዝፋን ኣኣምላኽግና ከምኡ ኣይኮነን ስለዚ ኸኣ ኢና ነዚ ፈሊጥናወትሩ ከይተሓለልና ለይትን መዓልትን ናብእይምግዓርን ማዋይን ከነቃርጽ ዘይግብኣና።

ኣምላኽነገርና ኣብ ፍጻሜ ከይብጸሐ ድሌት ልብናከይመልኦ ሃረራታ ዊንታና ከይፈጸመ ጾርናኹሉ ከይራገፈ ጭንቅና ኹሉ መኸተምታ ከይገበረብፉጹም ኣይዓርፍን እዩ። ቃል ኣምላኽ እውንብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብ ሉቃስ 18።7‘ኣምላኽዶግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑሕሩያቱ ፍትሒ ኣየወጻሎምን እዩ?ይጽመሞደኸ?ቐልጢፉፍትሒ ኸምዜውጻሎም እብለኩም ኣለኹ…’ ይብለና።ኣምላኽ ሰሚዑ ዘስቕጥ ጎይታ ኣይኮነን። ሓቂእዩ ቕጽበታዊ ዝኾነ መልሲ እትደልየሉ ሰዓትኣሎ ይኹን እምበር ንስኻ ስለ ዝደለኻ ይኸውንማለት ኣይኮነን ከመይ ተበልና ክንዮ እቲ ኣነንስኻን እንርእዮ ነቲ እንደልዮ ነገር እዩየሱሱ ዝጥምት። 

ከምቲኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣነ ንስኻትኩምን ኣብኣእምሮና ዝሓዝናዮ ስለምንታይ ዝብል ከበድቲዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉና እዮም ግና ኸኣምላኽ ኣብ ከምዚ እዋን ከሎና ስለምንታይናዝርድኦ ኣምላኽ እዩ። ምንም እኳ ነቲ ዘሎናስለምንታይ ዝብል ሕቶ ከምቲ ንሕና እንደልዮንበቲ እንጽበዮ መንገዲ እንተ ዘይተመስለሰግና ኸኣ ኣምላኽ ኩሉሳዕ ኣብ ሰዓቱ ክንዮስለምንታይና ከቢድ ጸርናን ሓሊፉ ታሪኽክሰርሓልና እዩ።

ሓደጊዜ እውን ከምዛ ናይሳ ሰበይቲ ዝበለ ነገርንደቂ መዛሙርቲ የሱሱ ገጢምዎም ኣሎ እዩ።እሱ ኸኣ ሓደ ጊዜ የሱሱን ደቂ መዛሙርቱን ኣብጃልባ ተሰቒሎም ይኸዱ ነበሩ ኣብ መንጎ ኸኣሓደ ብርቱዕ ማዕበል ኣጋጠሞም። ኣብዚ ናይጭንቅን ስቓይን ሰዓት ከለዉ ኸኣ የሱሱ ክርስቶስኣብታ ጃልባ ደቂሱ እዩ ኔሩ። ደቂ መዛሙርቱብዘይ ሓገዝ የሱሱ ብዙሕ ፈቲኖም ግናኸ ጻዕሮምብዘይፍረ ተረፈ። ኣብ መወዳእታ ግና ንየሱስግዲ ዶ የብላክና እዩ ኢሎም ኣተንሲኦሞ። የሱስክርስቶስ ክቃለሱ ክጭነቑ ከለዉ ኣይፈለጠንድዩ?ኣይፍልፈሊጡ እባ እሞ እንታይ ድኣ?ምክንያቱንሱ ዝገብሮ እንታይ ከምዝኾነ ዝፈልጥ ኣምላኽእዩ። ንደቂመዛሙርቱ ኸኣ እንቱም ጉዱላትእምነት እዩ ኢልዎም ከመይሲ ንሱ ምስኣምምህላው ከይፈለጡ ኣብ ጭንቅን ጥርጥርንምእታዎም እዩ።

ብርግጽኣብ ማዕበላት ዝበዝሓና እዋናት ኣምላኽ ጸጥዝበለ ኾይኑ ዝስማዕና እዋን ኣሎ። ኣብዚ እዋንእዚ ኸኣ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተላዕለ እንፍትኖምፈተነታት ቡዙሓት እዮም ግና መብዛሕቱ ግዜብዘይ ፍረ እዮም ስለዚ ካባና ዝድለ ነገርእንታይ እዩ ክሳብ እቲ ዝመጸና ምጽባይን ናብኡርድኣና ኢላን ምጭዳርን እዩ። ምድንጋይ መልስናሕቶና ጾርና ኩሉ ንሰናይ ምኻኑ ኣይንረስዕ።

ኣምላኽካብ ድሌትናን ባህግናን ንላዕሊ እዩ። እስከናብታ ሰበይቲ ንመለስ ሓንሳብ ብዛዕባ ዘድልየዘበለ ንየሱሱ ምስ ለመነቶ እሞ ኸኣ ስቕ ምስበለ እንታይ እያ ጌራ?ተሓሊላተስፋ ቖሪጻ?ንድሕሪትተመሊሳ?ኣግሮምሪማ?ኣይፋልእንታይ ደኣ ካብ ቀደም ብዝገደደ ኣብ እግሪየሱስ ክርስቶስ እያ ወዲቓ ልማኖኦ ኣበርቲዓየሱሱ ከኣ ሰሚዒዋ።

ሎሚእውን እንደልዮ ዝለዘይተመለሰልና። ንስቓይናመዕረፊ ስለ ዘይረኸብናሉ ጥራይ ዶ?ኣምላኽኣይግደሰልናን እዩ ማለት እዩ?ሕጂእውን ኣይፋል ስለምንታይ ግና ክሳብ ኣብዚዝዓይነቱ ደረጃ ንበጽሕ ኣምላኽ ስቕ ዝብል?ኣምላኽናቱ መንገዲ ኣለዎ መንገዱ ኸኣ ከም መንገድናሓሳቡ ኸኣ ከም ሓሳብና ኣይኮነን። ዝገብሮዝፈልጥ ዝዓዮ ዘስተውዕል መዓስን ኣበይ ክኸውንከምዘለዎ ኸኣ የስተውዕል እዩ። እንሓልፎጎደና ኹሉ ንሱ ናብን ዝበለጸ መንገዲ ክመርሓናኢሉ እዩ እዚ ዘሕልፈናን ዘስግረናን።ኣምላኽናብኡ ክንቀርብ ቐሪብና ኸኣ ተኻፈልቲ እቲንግዚኡ ዝኸውን በረኸት ዘይኮነስ ነቲ ዘላለዋዝኾነ በረኸት ክንካፈል እዩ ዘደልየና ስለዚከምታ ሰበይቲ መመሊስና ደኣ ኣብ እግሪ የሱስክንወድቕ ይግብኣና እምበር ብኹነታትና ተሰኒፍናልብና ተስፋ ቖሪጹ ንድሕሪት ክንምለስ ኣይግብኣናንእዩ።

‘የሱስኣብ ያሪኮ ምስ ደቂ መዛሙርቱን ምስ ቡዙሕሕዝብን ክወጽእ ከሎ ኸኣ በርጢሜዎስ ወዲጤሜዎስ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጢ ይልምን ነበረ።የሱስ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ ዓውኢሉ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ ኪብል ጀመረ።ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ ንሱ ግና እታወዲ ዳዊት ምሓረኒ እናበለ ኣዚዩ ጨደረ። የሱሱድማ ደው ኢሉ ጸውዕዎ በለ። ነቲ ዕውር ከኣጸዊዖም ኣጆኻ ተንስእ ይጽዋዓካ ኣሎ በልዎ።ተንሲኡ ባርኖሱ ኣውጺኡ ናብ የሱሱ መጸ። የሱሱከኣ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣለኻ ኢሉመለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ ረቡኒ ክርኢ ብሎ።የሱስ ከኣ ኪድ እምነትካ ኣሕወየትካ በሎ።ብኡብኡ ረኣየ። ኣብ መንገዲ እውን ሰዓቦ”ማሮ10፣46-52።

ኣብዚኽንርኢ ዘሎና። እዚ ዓይነስውር ድኻ ብሰብዝተረሰዐ ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓስበ ብዛዕባየሱሱ ምምጽኡ ምስ ሰመዖ ጨደረ ኣእወየ ሰባትስቕ ከብልዎ ፈቲኖም ኩነታት ኣንጻሩ ተላዕሊነገር ግና የሱሱ ጭድርትኡ ሰሚዑ ታሪኹ ለዊጡሓድሽ ሰብ ጌርዎ።

ጉዳየይንጉዳይኩምን ነገረይን ነገርኩምን የሱሱ መዕለቢከይገበረሉ ከም ዘይዓርፍ ርዱእ እዩ ስለዚምጭዳርና ኣይነቃርጽ። ድምጽና ናብ ኣምላኽምልዓልና እዩ ናትና ዓወት። ኣብ ዝፋን ኣምላኽምቕራብና እዩ ናትና ኽብሪ። ንብዓትና ኣብቅድሚ ፈጣሪ ምፍሳስ እዩ ዕረፍትና። ከምኣምላኽ ጌሩ ንውሽጥና ዝርድኦ ከምኡ ጌሩ ኸኣስብራትና ዘስተውዕሎ ብፉጹም የለን። ኣምላኽናብኡ መጺና ብፉጹም ኣይሕፍረናን እዩ። ንሱከም ሰብ መልሲ ሰብ ኣይኮነን ዘለዎ ሓለፋእቲ እንሕና እንድልዮ ኣቢጹሑ ናትና ግርማንክብርን ዝደሊ ኣምላኽ እዩ።

እንሓልፎኩሉ ዝመረረ ተመረር ዝጸልመተ ኸኣ እንተጽልመተ ምጭዳርና ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ኣይነቃርጽብጸገምና ክንዋሓጥ ስቓይና በርቲዑ ክንጉዳእስቕ ኢሉ ኣይክርእየናን እዩ። ኣብ ሕብእ ኮይናዝነብዓናዮ ንብዓት ኩሉ ንሱ ይርኣዮን ይፈልጦንእዩ። ስለዚ ፍትዋተይ ኣብ ዘለናዮ ኩነታትኮይና ክሳብ ፍትሒ ዘውጻልና ክሳብ ዝረድኣናናብኡ ምጭዳር ኣይነቃርጽ።