19
Fri, Apr
0 New Articles

ሰናይ ሕልና

Message 2
Typography

እዚ ሕልና እዚ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ምስተጠመቕና ዝውሃበና እዩ(1ጴጥ 3:21) ። ቃል ኣምላኽ ኣነጺሩ ከምዝብሎ ከምቲ ቅድሚ ዳግም ምውላድና ብበደልናን ብኣበሳናን ምውታት ዝነበርና: ከምኡውን ሕልናና ቅድሚ ብጥምቀት ንክርስቶስ ኣብ ሞቱን ኣብ ትንሳኤኡን ምሕባሩ ምዉት ግብሪ እዩ ዘፍሪ ነይሩ(እብ 9:14) ።እዚ ሕልና'ዚ ሳላ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታት ዝውሃብ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ሕልና ምእንቲ ክህልወና ኢዩ ዝውሃበና: ማለት ኩነታት ሕልና ቅድሚ ኩሉ ክተኻከል ዘለዎ ምስ እግዚኣብሄር ኢዩ ። ሕልናና ዝውቀሰሉ ሓጢኣት ብደም የሱስ ክርስቶስ ክውገድ ኣሎዎ ። ሕልና ምስ ጥምቀት ኣትሓሒዙ ዝገልጾ ነገር እንተኣልዩ ድማ ክንጥመቅ ከሎና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወትሩ ጽሩይ ሕልና ሒዝና ክንመላለስ መብጽዓ ንገብረሉ ህሞት ሰለዝዀነን እዩ ። ብኻልእ ኣበሃህላ እታ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኣብ ዳግም ምውላድና ዝህበና ሰናይ ሕልና ክንዕቅባን ብንጽህናን ክንሕልዋን ክነዕብያን ኣምላኽ ካብና ሰለዝጽበ ኢዩ ።

 እዚ ሕልና እዚ መሰረት ናይ ኩሎም ድሒርና ንርእዮም ዓይነታት ሕልናታት እዩ ። ሰናይ ሕልና ምንጪ ሰናይ ኣካይዳን ሰናይ ግብርን ኢዩ(1ጴጥ 3:16-17) ። ሰናይ ሕልና ኣብ ህይወት ኣማኒ ዓቢ ተራ ዝጻወት ጥራይ ዘይኰነስ ንእግዚኣብሄር'ውን ክብሪ ዝህብ ኢዩ ። ሓደ ኣማኒ ብሰናይ ሕልና ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን በቲ ውጽኢት እምነቱ ዝዀነ ሰናይ ተግባር ኣፍ እቶም ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ተዓቢሱን ንኣምላኽ ክብሪ ክህቡን ይገብር: ብተወሳኺ በቲ ብክርስቶስ ዝኸውን ሰናይ ኣካይዳ ብርሃና ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ክበርህን ነቶም ነዛ እምነት ዘካፍኡ ክሓፍሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምስጉንን ዝገብር እዩ(ማቴ 5:16, 1ጴጥ 2:12-15, 3:16-17) ። ሰናይ ሕልና ዘለዎ ክርስትያን ንከባቢኡ ናይ ምጽላው ሓይሊ ኣሎዎ: እዚ ማለት ድማ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነቲ ኩቡር ደሙ ኣፈሲሱ ገንዘቡ ዝገበሮ ኣምላኹ ንሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ክቡር ኣቕሓ እዩ ዝኸነሉ(2ጢሞ 2:20) ። ብተወሳኺ ህይወቱ ንሱ ከይተዛረበ ኢዩ ወንጌል ዝሰብኽ ማለት ብዛዕባ ርእሱ ብዙሕ ምዝራብ ኣየድልዮን ኢዩ: ምክንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዝተጋህደ እንታይነት ፍርሃት ኣምላኽ ብግቡእ ዝርዳእ ጽሩይ ዝዀነ ሕልና ሰለዘለዎ እዩ (2ቈረ 5:11) ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ቈረ 4:1-2 ገለ ባህሪያት ናይዚ ሕልና ዝውንን ኣማኒ ጠቂስልና ኣሎ:

  • ብተንኰል ዘይመላለስ ።
  • ንቃል ኣምላኽ ሓሳዊ ዘይገብር: እዚ ማለት ድማ ከምቲ እቲ ቃል ዝተገልጸሉ ዝነብር ወይ ከምቲ ዝብሎ ዝነብር: ከምቲ ዝነብሮ ድማ ዝብል እምበር ነቲ ህይወት ሰባት ክቕይር ዝኽእል ህያው ቃል ኣምላኽ ንህይወቱ ክቕይር ካብ ዘይምፍቃድ ዝተላዕለ ነቲ ቃል ሓይሊ ዘይብሉ ሓሳዊ ገይሩ ነቶም ኣብ ውሽጢ ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዘየርኢ ።
  • ነውርን ሕቡእ ነገርን ዝሓደገ: ብኻልእ ኣብሃህላ ካብቲ ናብ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጻኡ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ናይ ህይወት ቅዲ ፈጺሙ ዝወጸ ።

ሓደ ሰብ ብጐይታ ኣሚኑ ገና ንስባት ሕማቕ ኣብነት እንተድኣ ይኸውን ኣሎ ኰይኑ: እዚ ንዛረበሉ ዘሎና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናብኡ ምስተመልሰ ዝሃቦ ሰናይ ሕልና ሰለዘይተጠንቀቐሉን እቲ ኣረጊት ሰብ ተባሂሉ ኣብ ቅድሳት ጽሑፋት ተጠቂሱ ዘሎ ኣዳማዊ ባህሪኡ ሰለዝዓብለለ እዩ ። ሰለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኩነታት ሕልናኡ ክምርምር ይግበኦ ። ሕልና ባህሪ ደቂ ሰባት ዝቕርጽ ሰለዝዀነ: ኣካይዳና ይኹን ተግባርና ምስ ጥዕና ናይ ሕልናና ዝተተሓሓዘ እዩ ። ንሕና ብመንፈስ ምውታት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ሕልናና እውን ምዉት ነይሩ(ኤፌ 2:1-2, እብ 9:14) ።መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያ ጴጥሮስ ገይሩ ዝበለና ነገር እንተሃልዩ ጥዕናኡ ዝሓለወ ብምኽሪ ኣምላኽ ዝተመልአ ሰናይ ሕልና ክህልወና ኢዩ ዝመኽረና(...ሰናይ ሕልና ይሃልኹም ። 1ጴጥ 3:16-17) ድሒርና ከምንርእዮ ምኽሪ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰናይ ሕልና ምህላዉ እዩ ። ሰናይ ሕልና ንዝጸልኡና ጽቡቕ ክንገብርን ከንፍቕርን ስለ እቶም ዝጽርፉናን ዝስጉና ክንጽሊ ይኽእለና(1ጴጥ 2:19,ማቴ 5:44-45) እዛ ሕልና እዚኣ ሓለፋ ካልኦት ሰባት ዝገብርዎ ነገራት ክንገበር ሓይሊ ትህበና ።