19
Fri, Apr
0 New Articles

‎ጊዜና ብኸመይ ረቢሕናሉ?‎

Message 2
Typography

መዓልቲ ንመዓልቲ ዓመት ከኣ ንዓመት እናተክአ ጊዜ ከየስተውዓልናሉ ይኸይድ ኣሎ። ጊዜ በቲ ዝተሓገገሉ ስሩዕ መገዲ ይኸይድ ስለ ዘሎ ናይ ጊዜ ምኻድ ኣዛራቢ ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ መወዳእታ ዓለም ኮይኑ ናይ ጊዜ ጉዕዞ ከም ዝውዳእን ናይ ዘለኣለምነት ህይወት ከም ዝጅመርን ከኣ ርግጽ እዩ። ጊዜ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ስለ ዘለዎ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንጊዜና ከመይ ብጥንቃቐ ክንጥቀመሉ ከም ዘሎና ይምህረና።


ንኣብነት ኣብ ኤፌ.5፣17 ‘ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት ተመላለሱ።’ ይብል። እምበኣርከስ ጊዜና ብኸመይ ንጥቀመሉ ከም ዘሎና ክንምርምር ይግብኣና። ሰባት ንጊዜ ብወርቅን ብገንዘብን ይምስልዎ እዮም። ንሕናኸ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ንምግባርን ንክብሪ ኣምላኽ ንምንባርንዶ ንጥቀመሉ?

እስኪ ንህይወትና ክጠቕማ ዝኽእል ቀሊል ሕቶታት ንሕተታ? ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ቅድሚኡ ብዝበለጸ ብፍርሃት ኣምላኽ ዓብየዶ? ኣተሓሳስባይ ብቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ተለዊጡ? ከም ፍቓድ ኣምላኽ ተመላሊሰዶ ወይስ ዘዝተራእየኒ ክገብር ጊዜይ ኣሕሊፈዮ? ንኣምላኽን ንብጻየይን ኣብ ምፍቃር ዝርአ ለውጢ ኣምጺአዶ? ንሰባት ብግብርን ብሓቅንዶ ወይስ ብቃልን ብልሳንን ጥራይ እየ ዘፍቅሮም ኔረ? ብስራት ምድሓን የሱስ ክርስቶስ ብናብራይን ብቃለይን ንካልኦት ኣካፊለዶ ወይስ ከም ዘይምልከተንን ከም ናይ ካልኦት ሓላፍነትን ብምቑጻር ጊዜይ ኣብ ድቃስ ኣሕሊፈዮ? ምስ ኣምላኽዶ ወይስ ምስ ሰባትን ነገራትን ዘሕለፍክዎ ጊዜ ይበዝሕ? ምስ ቃል ኣምላኽ ዝነበረኒ ጊዜኸ? የንብቦ፣ የጽንዖ፣ የስተንትኖ፣ ኣብ ልበይ ይዓቑሮን ይገብሮንዶ ኔረ ወይስ ንኣእምሮይ ጥራይ እዩ መሊእዎ? ህይወት ምስ የሱስ ብዝያዳ ዘስተማቐርኩሉዶ ወይስ ትርጉም ክርስትና ዝጠፍኣኒ ጊዜ ኔሩ? ብመንፈስ ቅዱስ ይምራሕን ይነብርንዶ ኔረ ወይስ ብስጋን ብስምዒትን ክመላለስ ኣሕሊፈዮ? እዚ ዓመት ዝያዳ ዓሚ ትሕትና ዝለበስኩሉዶ ወይስ ብትዕቢት ተነፊሐ ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቕኩሉ ዓመት ኔሩ? ኣብዚ ዓመት እንታይ ዓይነት ግብራዊ ተመኩሮ ዘለዎ ትምህርቲ ተማሂረ? ፍጹም ምምሃር ኣብየ ብርእሰይ ዝነበርኩሉ ዓመትዶ ኔሩ ይኸውን? ኣብ ምምራሕ ሓዳረይ ከመይ ኔረ? ንቤተይ ከምቲ ዝግባእ ጌረዶ ናብ ኣምላኽ ኣቕሪበያ? ደቀይ ብፍርሃት ኣምላኽ ንኽዓብዩ ዋጋ ከፊለሎምዶ? ንስድራቤተይ፣ መሳርሕተይ፣ መማህርተይ፣ ጎረባብተይን ብቐረባ ዝፈልጡኒ ሰባትን ናብ ጎይታ መሪሐዮምዶ? ኣብ ምድሪ ከም ጋሻን መጻእተኛን ኮይነዶ ተመላሊሰ ወይስ ብዛዕባ ሰማያዊ ቤተይ ንምሕሳብ ዝኸውን ጊዜ ኣይረኸብኩን? ብሓፈሽኡ ህይወተይ ንኣምላኽ ዘሐጉስዶ ኔሩ ወይስ ዘጉሂ ? 

እዚ ኩሉ ሕቶ ርእስና ንምውቃስ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነበርናዮ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይተመላለስናሉ ህይወት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ተመሊስና ኣብዘን ብቕድሜና ዘለዋ እዋናት ንናይ ዘልኣለም ህይወት ዘብቅዕ ጉዕዞ ንምጉዓዝ ንኽንሕልን ከዘኻኽረናን ከበራትዓናን ዝቐረበ እዩ። እታ መዓልቲ ምትንሳእን ምምላስን ሎሚ ስለ ዝኾነት ሎሚ ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ጽባሕ ዘይናትና ምዃና ኣጸቢቕና ነስተብህል። የሱስ ዝመጽኣሉ ጊዜ ኣይፍለጥን እዩ፣ ቀሪቡ ከም ዘሎ ግን ዘማትእ ኣይኮነን፣ ስለዚ ተዳሊና ክንጸንሕ ይግብኣና። ኣብ የሱስን መንገዱን ንኽንጸንሕ ክንጋደል ኣሎና። ቃሉ “ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ . . . ” ይብል (ሮሜ.13፣11)

ከምቲ ንጉስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 39፣4 ዝጸለዮ “ዎ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።” ኢልና ክንጽሊ ግቡእ እዩ። ዳዊት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምዚ ኢሉ ካብ ጸለየ ንሕና ግዳ ኣብዚ ሰብ ብዛዕባ ሰማያዊ ነገር ምሕሳብ ገዲፉ ኣብ ሓላፊ ምድራዊ ነገራት ተጸሚዱሉ ዘሎ ህዉኽ ዘመን ዘሎና ሰባት ክንደይ ኣበርቲዕና ብዛዕባ ጊዜን መዓልታትን ህይወትና ክንጽሊ ዘይግብኣና? ኣብ ምድሪ ዘሎና ጊዜ (ዕድመ) ኣዝዩ ሓጺር ምዃኑ እንተ ዘይተረዲኡና ኣጠቓቕማ ጊዜ ክርድኣና ኣጸጋሚ እዩ።

ሙሴ ባርያ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘለዎ ዕድመ ሓጺር ምዃኑን ክሳዕ ዘሎ ድማ ንረብሓ ኣምላኽ ከውዕሎ ከም ዘለዎን ዝተረድኦ ሰብ ኔሩ። ኣብ መዝ.90፣10 “መዓልታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ከኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሓልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።” ኢሉ። ኣምላኽ ከምዚ ናይ ሙሴ ዝበለ ምስትውዓል ይሃበና። ኣሜን። ኣብዚ ምድሪ ንሓጺር ዘመን ከም እንነብር ምስ ዝርድኣና ጥራይ እዩ ንዘሎና ጊዜ ብግቡእ ክንጥቀመሉ እንኽእል።

የሱስ ሎሚ እንተ ዝመጽእ ኣብ ምንታይ ኩነታት ምጸናሕክዎ? መዓልታዊ ዝተዳለወ ህይወትዶ ኣሎኒ? የሱስ መዓስ ከም ዝምለስ ስለ ዘይንፈልጥ ኩሉ መዓልቲ ድልዋት ክንከውን ማለት ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ እናነበርና ክንጸንሕ ይግብኣና እዩ። ከምተን ዘይተን ምሉእ ዝነበረ ሓሙሽተ ደናግል ኣብ መንፈስ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስን እናተመላለስና ክንጸንሕ ይግብኣና። ሽዑ ካብ መጀመርታና መወዳእታና ክጽብቕ እዩ።

ተዋሂቡና ዘሎ ጊዜ ንኽንዳለወሉ ዝተዋህበና ስለ ዝኾነ ንኣምላኽና ነቲ ገንሸል ፋሲካና ዝኾነ የሱስን ነታ ሓዳሽ የሩሳሌምን ኣብ ቅድሜና ጌርና ብእምነት ንቕድሚት ክንግስግስ ይግብኣና። ናይዚ ዘመን ጊዜኻን ህይወትካን ዝበልዕ ከንቱ ነገር ክገዝኣና ክንሓድጎ ኣይግብኣናን። ኩሉ ክሓልፍ እዩ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ። ኣሜን። እዛ እትስዕብ ናይ ሙሴ ጸሎት እናጸለና መወዳእታና ምእንቲ ክጽብቕ ብልብና መገድና ክንሓስብ ኣምላኽ ይደግፈና። 

“ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ክንቆጽር ምሃረና።” መዝ.90፣12 

“መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፣ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። . . . ” ማቴ.6፣19-21

ጎይታ የሱስ ኣብቲ ኣገደስቲ ትምህርትታት ዝመሃረሉ ናይ ከረን ስብከት ልብና ኣብቲ መዝገብና (ሃብትና) ዘለዎ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ህይወትና ዋጋ እንህቦ ነገር ንልብና ስለ ዝቆጻጸሮ ሃብትና (መዝገብና) ኣብቲ ብልዒ ዘይበልዖን ሰረቕቲ ኩዒቶም ዘይረኽብዎን ኣብ ላዕሊ ክንገብሮ ከም ዘሎና ከኣ መኺሩና። 

ልብኻ ኣብቲ መዝገብካ ዘለዎ ስለዝኸውን ህድእ ኢልካ ህይወትካ ብምምርማር መዝገብካ ኣበይ ጌርካ ከም ዘሎኻ ክትፈልጥ ይከኣል እዩ። ንጎይታ ክንስዕብ ድሕሪ ምውሳንና መዝገብና ኣብ ሰማይ ክንገብር ከም ርዱእ ዝውሰድ እኳ እንተኾነ መዝገብካ ኣብ ሰማይ ምግባር  ብኸምኡ ዝመጽእ ኣይኮነን። ሰዓብቲ ጎይታ መዝገቦም ኣብ ምድሪ ክገብርዎ ስለ ዝኽእሉ ጎይታ የሱስ ልብና ኣበይ ክኸውን ከም ዝግብኦ (6፣19-21)፣ ካብ ብልዒ ህይወት ካብ ክዳን ከኣ ስጋ ከም ዝበልጽ (6፣25)፣ ኣብ ምድሪ ንምንባር ብዘድልየና ነገራትውን ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ምሂሩ ኣሎ። ንህይወትካ ብቃል ኣምላኽ ብምምርማር እምበኣር መዝገብና ኣበይ ጌርና ከም ዘሎና ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ቃል ኣምላኽ ካብቲ ንኸዶ ዝነበርና ግጉይ መገዲ ጥፍኣት ተነሲሕና ብየሱስ ድሕሪ ምእማንና ጥራይ ሓቀኛታት ኣመንቲ ክንከውን ከም ንኽእል ይምህረና። ካብ ክፉእ ግብሪ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ካብ ምዉት ግብሪውን (ኣምላኽ ዘይሰምሮ ብፍቓድ ርእስና ዝግበር ጽቡቕ ግብሪ) ክንንሳሕ ድማ ይእዝዘና (እብ.6፣1-2)። መዝገብና ኣብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ከይንገብር ዝዕንቅፈና እምበኣር ኣብ ንስሓ ካብ ምውት ግብሪ ዘሎና ዘይቅኑዕ ርድኢት እዩ። ‘ጎይታ በጃኻ ኣሀብትመኒ’ ካብ ምባል ሓሊፍና ‘ንስኻ እንተ ዘይደሊኻ ክህብትም ኣይደልን እየ’ ኢልና ንጽሊ ክንደይ ኮን ንኸውን? ቅድሚ ናብ ጎይታ ምምጻእና ናብተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት ክንከይድ፣ ብዙሕ ገንዘብ ክንገብር፣ ኣሎ ዝበሃል ትምህርቲ ክንመሃር ወዘተ . . . ንምነ ኔርና ንኸውን፣ ድሕሪ ናብ ጎይታ ምምጻእናኸ? ነዚ ኩሉ መደባትና ‘ፍቓድካ እንተ ዘይኮይኑ ክገድፎ ድሉው እየ’ ናይ ምባል ትብዓት እንተ ዘይብልና ካብ ምውት ግብርና ከም ዘይተነሳሕናን መዝገብና ኣብ ምድሪ ከም ዘሎን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ዋጋ እትህቦ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ምግባር እንተ ዘይኮይኑ መዝገብካ ኣብቲ ብልዒ ዝበልዕዎን ሰረቕቲ ዝረኽብዎን ቦታ ጌርካዮ ከም ዘሎኻ ርግጽ እዩ።

መዝገብና ኣበይ ጌርና ከም ዘሎና ክንፈልጥ እንተ ደሊና ኣብ ህይወትና ዋጋ እንህቦ ነገራት እንታይ ምዃኑ ከነስተብህል የድልየና። ካብ ኣብ ብዛዕባ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ንምምዕባል ዘገድሰና ነገራት ንላዕሊ ብዛዕባ እቲ ንጊዜኡ ዝጠቕመና ጥራይ ንግደስ እንተሊና መዝገብና ኣብ ምድሪ ጌርና ምህላውና ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። እስኪ ከም መንፈሳውያን እነዕልሎ ዕላላት ኩሉ ንዘክሮ። ካብቲ ተባሪኹ/ኻ ዝብል ኣገላልጻና ጀሚሩ ህይወትና ኣብ ምድሪ ዘተኮረን ብምድራዊ ነገራት ዝተታሕዘንዶ ኣይኮነን? ኩሉ ሓሳብካን ጻዕርኻን ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ትህብትም፣ ከመይ ጌርካ ናብ ሃገራት ምዕራብ (ብፍላይ ኣሜሪካ) ትኸይድ፣ ከመይ ጌርካ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ትመሃር፣ ከመይ ጌርካ ነቲ/ታ እትደልዮ/ያ መጻምድቲ ትረኽቦ ጥራይ እንተኾይኑ መዝገብካ ኣብ ምድሪ ጌርካ ኣሎኻ። ትኸፍሎ ዋጋ ብዘየገድስ ክትህብትም፣ ናብ ወጻኢ ክትከይድ፣ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃር ትደሊ እንተሊኻ መዝገብካ ኣብ ምድሪ ጌርካ ኣሎኻ ሰዓቢ ክርስቶስ ክትከውን ከኣ ኣይትበቅዕን ኢኻ። ጎይታ ከም ድላይካ እናጠዋወኻዮ እትኸይድ ዘይንጹር ትምህርቲ ስለ ዘይመሃረ ሎሚውን እቲ ነቶም “ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” ከምኡውን “ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ” ዝበልዎ ሰባት ዝሃቦም መልሲ እዩ ዝደግመልና (ሉቃ.9፣59-62)። ቅድም ዝስራዕ ነገር ዘለዎ ሰብ ሰዓቢ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እቶም ኣብቲ ጎይታ ዝመሃሮ ምስላ ዘራኢ ዘለዉ ኣብ ማእከል እሾኽ ዝወደቑ እቶም መዝገቦም ኣብ ምድሪ ብምግባሮም ፍረ ከይፈረዩ ዝተሓንቁ እዮም። እቲ ዘርኢ ኣብ ማእከል እሾኽ ድሕሪ ምውዳቑ ምስቲ እሾኽ ብሓባር ዓብዩ ኣብቲ ክፈርየሉ ዝግባእ ጊዜ ግን በቲ እሾኽ ተሓኒቑ። ጎይታ ነቲ እሾኽ ‘ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣ፣ ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን’ ብምባል ገሊጽዎ (ሉቃ.4፣19)። ካብ ምዉት ግብሪ (ኣምላኽ ዘይብሉን ዘይሰምሮን ጽቡቕ ግብሪ) ከይተነሳሕካ  ዝጅመር ጉዕዞ ክርስትና ኩሉ መዝገብካ ኣብ ምድሪ ብምግባር ዝኽየድ ጉዕዞ ስለ ዝኾነ ንጎይታ ዝኸውን ፍረ ክትፈሪ ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዘይብሉን ዘይሰምሮን ግናኸ ሰባት ዘድንቕዎን ቅኑዕ ዝመስሎምን ነገር  ጎይታ ከይንፈሪ ዝሓንቀና እሾኽ ከም ዝኾነ ተዛሪቡሉ። ብዛዕባ ሃብቲ ዘሎና ርድኢት ካብቲ ቅድሚ ምእማንና ዝነበረና ዝተፈልየ እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ጸሎትና ‘ከምዚ ሃበኒ፣ ከምቲ ከኣ ድገመኒ’ ካብ ዝብል ናይ ቆልዑ ጸሎት ኣይክወጽእን እዩ። ካብኡ ሓሊፉውን ከምቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ኮይንዎ ዘሎ ‘ኦ ጎይታ ንቁጠባ ዓለም ኣበራብሮ’ ዝብል ስጋዊ ጸሎት ክንጽሊ ኢና። መዝገብና ኣብ ላዕሊ እንተ ጌርና ግን ኣምላኽ እቲ ዝናወጽ ምእንቲ ክናወጽ እቲ ዘይናወጽ ከኣ ምእንቲ ክጸንዕ ግብሩ ይገብር ከም ዘሎ ፈሊጥና በቲ “ኮራኹር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ኣይጎድሎምን።” (መዝ.39፣10) ዝብል ቃሉ ክንጸናናዕ ኢና። “. . . ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፣ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፣ ሰረቕቲ ኩዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፣ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፣ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፣ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፣ ሰረቕቲ ኩዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ. ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።” (ማቴ.6፣19-21)