20
Sat, Apr
0 New Articles

እግዚኣብሄር ዚረድእ ኣምላኽ

Message 2
Typography

‘እንሆ : ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን

ሓጻር ኣይኮነትን ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ ።’ ኢሰ59:1

 

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ምእንቲ እቶም ዘፍቅርዎ ብቕድስና ዚመላለሱ ሰባት ይጣበቐሎም እዩ። ንሱ ረዳኢኦም እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እትረድእ ኢድ ንምድሓን ሓጻር ዘይኮነት : ኣእዳዉ ንምድሓን እቶም ብዘይሓልፍ ዘፍቅርዎ እየን ዝዓያ ። ንእግዚኣብሄር ገለ ከም ዝጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ : ግብ 17:25 ። እምበኣርሲ ኢዱ ንኣታቶም ንምድሓን እየን ዝዓያ ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ ። ኣብዚ ኸምነስተውዕሎ ዘሎና ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንኣና ከም ዝርድኣና ኮይኑ እዩ ተጻሒፉ ። ንእግዚኣብሄር እዝኒ ውን ኣለዎ : ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ጸሎት ጻድቃን እየን ። ክብሪ ንስሙ ። (1ጴጥ 3:10-12) ።

ሓደሓደ ጊዜ ረዳኢ ዘይብልካ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ : በቃ በይንኻ ኮይኑ ይስምዓካ ኣብዚ ዓለም ። ከምዚ ተሰሚዕኩምዶ ይፈልጥ ፧ ማለት : ብሕልፊ በዚ ምድራዊ ነገር ኣዚኻ ተስፋ ትቖርጽ : ‘ኣኺሉኒ’ እዩ ንብል ። ከምዚ ኣይትብሉን ዲኹም ፧ ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ዙፋኑ ኣሎ ። የሱስ ጐይታ እዩ  የሱስ ኣምላኽ እዩ ። ኣሜን ።

 ዳዊት ሓደ ጊዜ ከምዚ ምስ ኣጋጠሞ ‘ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ ረዲኤተይሲ ካበይ እዩ ዚመጸኒ ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ ።’ መዝ121:1-2 ኢሉ ። ኣብ ካልእ ድማ : ‘ነፍሰይ : ንእግዚኣብሄር ባርኺ : ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኩሉ ኸኣ ኣይትረስዒ : መዝ103:3 : ዳዊት ብበበይኑ ነገራት ተስፋ ምስ ዝቖርጽ ሓደ ካብቲ ዚገብሮ ዝነበረ ንነፍሱ ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ይሕድስ ነይሩ ። ስለዚ ክንገብሮ ዘሎና ነቲ ቃሉ ምእዋጅ እዩ ። እግዚኣብሄር ንኣና ንምርዳእ ህይው እዩ : ስለ ዝኣወጅና ኣይኮነን : ግናኸ ንርእስና ክንመልሳ እንተኾይንና ረዲኤትና ካበይ ምዃኑ ምዝካር : ከድልየና እዩ ። ነፍስኹም ኣብ ውሽጥኹም ከይትህውኸኩም እንተ ትደልዩ ኮይንኩም ተስፋ ኣምላኽ ብቓሉ ዘክሩ ። ገለ ነገር ከየጥፋእኩም እንተ ፈራህኩም ኣምላኽኩም ግን ህያው ዝለዝኾነ : ከምቲ ደቂ እስራኤል ብጸላእቶም ምስ ፈርሁ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤብን - ዔዘር ኮይኑ ክረድኣኩም እዩ ። (1ሳሙ7:12) ።

   ኣብ እብ13:5 ‘ንሱ ባዕሉ : ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ : ኢሉ እዩ እሞ : ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን : በቲ ዘሎኩም ዕገቡ ። ስለዚ ተቢዕና : እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ : ኣይክፈርህን እየ : ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ : ንበል።’ ሃሌሉያ ።

   ረዳኢ ዘይብልካ ኮይኑ ኣብ ዝስምዓካ እዋን ክትገብሮ ዘሎካ : ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ምምስጋን እዩ ። ‘ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ባርኺ : ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኩሉ ኸኣ ኣይትረስዒ :’ መዝ103:2 ። ዳዊት ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ረዳኢ ዘይብሉ ኮይኑ ኣብ ዝስምዖ እዋን : ብዘይካ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ : ምምስጋን እዩ ። ሰይጣን ከተመስግን ኣይደልየካን እዩ : ሰይጣን ክትጭነቕ ክትድቆስ እዩ ዝደሊ ። ያህዌ - ጃይራ : ጂሆቫ ጃይራ : እቲ ዝረድእ ኣምላኽ ግን ከተመስግን እዩ ዝደልየካ ። ንሱ ኣብቲ ተስፋ እተሳእኖ ረዳኢ እዩ ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብትን ኣዝየን ተስፋ ዝህባ ጥቕስታት : ‘ ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ እግዚኣብሄር ይእርንበኒ እዩ ።’ ‘ብእግዚኣብሄር ተስፎ : በርትዕ : ልብኻ ቀጥ ይበል : ኣጆኻ : እወ : ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር ።’ መዝ27:10-12 ። ምምስጋን ክትኣምን የኽእለካ እዩ ።

   ኣብ መወዳእታ ብናይ መልእኽቲ እብራውያን ክንዛዝም : ኣብ እብ 13:13-15 : <<ነታ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር : ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ : ሕጂ ጸርፉ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ ። እምበኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና : ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር : ነቕርብ ። >> ይብል ። ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ይኹን ። ጐይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም ።    


 

ኣርእስቲ ጸሎት

 

 

  ኣቱም ኣሕዋትና : ኣብ ጸሎትኩም ነዘን ዝስዕባ ኣርእስቲ ጸሎት ኣብቲ ናይ ወትሩ ጸሎትኩም ክትዝክሩ ንጽውዓኩም ኣሎና ። በዚ ጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ክንቀርብ ከሎና : እቲ ንኣምላኽ ዘስምሮ እንታይ ምዃኑ ክገልጸልና እዩ ። ንእኡ ዘጉሂ ዘበለውን ንኣናውን ከጉህየና እዩ ።

  ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ማለት ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ ማለት እዩ ። መንግስቲ ኣምላኽ ንድለ ማለት ከኣ እግዚኣብሄር ናባና ክመጽእ ምጽዋዕ ማለት እዩ ። እዘን ክልተ ብሓደ እየን ዝኸዳ : ነታ ሓንቲ ምሕዳግ ኣይክኣልን : ክልቲአን ብሓንሳብ እየን ።

  እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ደጋጊሙ ከምዚ ይብል <<ናባይ ተመለሱ : ኣነ ኸኣ ናባኻትኩም ክምለስ እየ>> (ዘካ1:3 , ሚል3:7) ። ገጽ እግዚኣብሄር እንደሊ : ገጹ ስለ ዝሓብኣልና ወይ ገጹ ክትረክብ ኣሸጋሪ ነገር ስለ ዝኾነና ኣይኮናን ። ንሱ ኣይክሓድገካናን እዩ ። ግናኸ ካብ እግዚኣብሄር መገድና ስለ ዝረሓቐ : ስለ ዝወደቕና : ካብኡ ኣዚና ስለ ዝሸፈትና ገጹ ክንደሊ ይግብኣና ።

   እምበኣርሲ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ስለ ዘየለ : ብምሕረቱ ኩሉ ናብኡ ክምለስ ይጽውዕ ኣሎ ።

1.  ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ :

መዝ 24:6 ‘ እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም : ንገጽካ ዚደልዩ : ዎ ኣምላኽ ያእቆብ ።‘

 

2.  ንእኡ ክንደሊ ንልብና ከንቅሖ : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

መዝ 27:8 ‘ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ : ንገጸይ ድለይዎ : ይብለኒ ኣሎ ።’

 

3.  ስለ ዝሓመሙ ሰባት : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

‘የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ : ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም : ሕሙማቶምውን ኣሕወየ ።’ ማቴ14:14 ።

 

4.  ንክርስቶስ ምፍላጥ ዝበለጸ ምዃኑ ክገልጸልና : ብፍላይ እቶም ብብዙሕ ነገር እንጭነቕን እንጉህን ስለዚ ነገር : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።       ሉቃ 10:41-42 ።

 

5.  ስለ ወተሃደራት : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ። ማቴ8:5-13 ።

 

6.  ስለ እሱራት ኣሕዋትና ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

<<ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም : መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም ። >>

እብ 13:3 ።

7.  ስለ ድኻታት ህዝብና : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

‘ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ : ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር ፧ ’ 1ዮሃ3:17 ።

 

8.  ስለ ደቀንስትዮ ኣሓትና ስለ ዘድልየን ዘበለ ኹሉ : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ። ‘ሽዑ የሱስ : ኣቲ ሰበይቲ : እምነትኪ ዓባይ እያ : ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ : ኢሉ መለሰላ ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሓወየት ።’ ማቴ 15:28

 

9.  ንኩሎም ቅዱሳን ናይ ኣምላኽ ሰባት ናብ ሓድነት ከምጽኦም : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

‘ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ኪደሊ ተኣከበ : እወ : ካብ ኩለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ መጹ ።’ 2ዜና 20:4 ።

 

10. ኣብዚ ጊዜ ዝስደዱ ንኣሽቱ : መንእሰያት : ዓበይቲ ሒደት ኣይኮኑን ። ኣስተውዕሉ : እዞም ዝስደዱ ተሓጔሶም ኣይኮኑን ዝስደዱ ዘለዉ ። ስደት ከብቅዕ : ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ ።

ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ይኹን : መልሲ ጸሎትና ክንር ኢና ።

ጐይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም ።