25
Thu, Apr
0 New Articles

ንመድሓኒ የሱስ ኣይንሰጐጎ

Message 2
Typography

ሓደ ጊዘ ሓደ ወናኒ ሆቴል ዓቢ ጋሻ ሎሚ ምሸት ክመሰካ እዩ እሞ ተዳሎ ዝብል መልእኽቲ በጽሖ። ወናኒ እቲ ሆቴል ከኣ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ጋሻ ኣዚዩ ዓቢ በዓል ስልጣን ምኻኑ ተረድኦ ስለዚ ኣሎ ዝብሃል ካብዝሓለፈ ብዝበለጸ ብዙሕ ምድላው ገበረ። ምሸት ምስ ኮነ ኸኣ ሓደ ብላይ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ ንማዕጽኡ ካሕኮሖ እሞ ናብቲ ዝደለዮ ቦታ ከይከይድ ከምዝመሰዮ ሕጂ ግና ኣብ ሆቴሉ ክዓርፍ ከምዝደሊ ነገሮ።


 

ወዮ ዋና ሆቴል ዓሪቑ ሎሚ ምሸት ዓቢ ዝኾነ ጋሻ ስለ ዘሎኒ ንዓኻ ዝኸዉን ቦታ የለን ስለዚ ከሕድረካ ኣይክእልን እየ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣነ እኮ ብጥርሑ ኣይኮንኩን የሕድረኒ ዝብለካ ዘለኹ ገንዘብ ክኸፍለካ እይ በሎ። እቲ ዋና ግና ሎሚ ምሸት ካብቲ ንስኻ ትኸፍለኒ ገንዘብ ንላዕሊ ክኸፍለኒ ዝኽእል ኣካል ስልዘሎ ንስኻ ከፍልካኒ ኣይከፈሊካኒ ንዓይ ዘምጻለይ ምንም ለውጥ ስለ ዘየለ ኣይሕድረካን እየ ኢሉ ነቶም ሰራሕተኛታቱ ክሰጎ ነገሮም።

እቲ ድኻ ዝመስል ሰብኣይ ከኣ ናብቲ ዝተመልሶ ቦታ ኸደ። ወየ ሰብኣይ ሙሉእ ምሸት ነቲ ዓቢ ክመጸካ እየ ዝበሎ ሰብኣይ ክጽበዮ ኣምሰየ እንተ ኾነ ክመጽኣ ኣይከኣለን። ዋና እቲ ሆቴል ዓቕሉ ምስ ጸበቦ እቶም ከምኡ ኢሎም መልእኽቲ ዝሰደድሉ ሰባት ተወከሶም። ከምዚ ዝብል መልሲ ኸኣ ተዋህቦ እቲ ዝበልናካ ዓቢ ጋሻ መጺኡ ኔሩ ንስኻ ግና ኣይተቐበልካዮን። ሰብኣይ ግር ኢልዎ መዓስ በሎም? እቲ ካብ ኣፍ ገዛኻ ዝሰጎግካዮ ሰብኣይ ንሱ እዩ በልዎ። ሰብኣይ ብጣኦሚ ሓዘነ ብዝገበሮ ግብሪ ኸኣ ተጣኦሰ።

እዚ ታሪኽ ዘምጻኽዎ ብዛዕባ ሓደ ንገር ክዛረብ ስለ ዝደለኹ እየ። ከምዚ ዓይነት ነገራት ኣትረዳኣናን እምበር ንሕና ደቂ ሰባት ንሓደ ዓቢ ዝኾነ ኣካል ካብ ኣፍ ገዛና ዝሰጎግናሉ ግዜ ብዙሕ እዩ። መዓስ ብኸመይ ዶ ንብል ኣሎና? እወ ነቲ ዘፍቀረና ስለኤና ኽብል ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱሱ ክንደይ ሳዕ ዲና እናዃሕካሓና ብዝተፈላለየ መንገዲ እናተዛረበና እምብለይ ካልኣ ካባኻ ዝበልጽ ኣሎኒ ኢልና ዝሰጎግናዮ? እስከ ሓደ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ወሲድና ክንሪኢ።

ሓደ ግዜ የሱሱ ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ጌርጌሴኖን ትብሃል ሃገር ኣተወ። ኣብ ታ ዓዲ ምስ ኣተወ ኸኣ ሓደ  ሩኹስ ናይ ሰይጣን መንፈስ ዝኣተዎ እሞ ኸኣ ዝተጸለለ ኣብ መቓብር ዝነብር ሰብኣይ ረኸበ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብዝነበሮ ጽላለል ኣብ ብሙሉኣ እታ ዓዲ ዝፍለጥ ዝነበረ። ንቡዙሓት ሰባት ዘሸገረ ብሰንሰለት ዓጺን እኳ እንተ ኣሰርዎ ክትሓዘሎም ዘይከኣለ ዘሕምቖ ዘይተረኽበ ሰብኣይ እዩ ኔሩ። ምስ የሱሱ ከኣ ፊት ንፊት ተራኸቡ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዕል ኣምላኽ የሱሱ ክቐውም ፈጺሙ ኣይከኣለን። የሱሱ ከኣ ንደቂ ሰባት ንሓርነትን ንናጽነትን ስለ ዝመጸ ነዚ ሰብኣይ ነጻ ክገብሮ ሙሉእ ሰብ ክገብሮ ፈተወ ። እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ወዲ ህያው ኣምላኽ ስለምንታይ ተሳቔና ኣለኻ በጃኻ ናብዘን ሐሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና በልዎ። የሱስ ከኣ ኣብ ድላዩ ክሰዶም ከምዝኽእል ስልጣኑ ከርኢ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ።

እቲ ንዓመታት ኣብ መከራን ጭንቅን ዝነበረ ሰብኣይ ሓራ ወጽዩ።  ሰብ እታ ሓዲ ኸኣ ተገረመ እቲ ቓል ከምዚ ይብለና "ናብ የሱሱ ምጹ እቲ ሩኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ለጊዎን ዝነበርዎ ተቐሚጡ ተኸዲኑ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ሩኹስ መንፈስ  ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝኾነን ብናይቶም ሓሰማታትን ነገርዎም። ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም  ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ክኣቱ ከሎ እቲ ሩኹስ መንፈስ ዝነበሮ ሰብኣይ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ" ማሮቆኣ 5። 1-20። ብፍላይ እታ ካብ ወሰን ምድሮም ከልግሰሎም ለመንዎ ትብል ቃል ኣዚያ ተሰንብድን ተገርምን ቃል እያ። እቲ ሰናይ ዝገበረ የሱሱ እቲ ታሪኽ ዝለወጠ የሱሱ ካብቲ ቦታ ክእለ ተነጊርዎ። የሱሱ ከኣ ፍቓዶም ሰሚዑ ሪሒቕሎም። ዘሕዝን እዩ።

መቸም ኣብታ የሱሱ ዝረገጻ ዓዲ ክንደይ ሕሙማት እሱራት ዱኑሳትን ረዲኣኤት ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ማእለያ ከምዘይብሎም እዚ ዝተፈወሰ መርኣያ እዩ ይኹን እምበር የሱኡ ኣብቲ ዓዲ ሓርነትን በረኸትን ከይከውን ተኸልኪሉ።

ሎሚ እዚ ታሪኽ ቃል ኣምላኽ እዚ ኣባና ኣብዞም ሕጂ ዘሎና ወለዶ ደቂ ኣዳም ሓንሳብ ዘይኮነስ ተደጋጊሙ ዝኽሰት ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ገባሩኢ ጹቡቕና የሱስ ነቲ ሰላምናን ደሓናን ዝደሊ ጎይታ ነቲ ንረዲኤታና ዘይዱንጊ ጎይታ ብኻልእ ነገር ተታሒዝናን ተታሊልናን ካብ ህይወትና ናብራና ከልግስ ግዲ ዝበልናዮ እዋን ዉሑድ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ውሳኔ ምውሳና እውን ዝኸሰርናዮም ክሳራታት ዝጎደሉና ነገራት እንሓልፎም ዘሎና ሓጎጽጎጻት ሒደት መዓስ ኮይኖም? የሱስ ናብቶም ናቱ እስራኤላውያን ምስ መጹ ኣይተቐበልዎን ኣብ ዘመኖም ከኣ ዓቢ ክሳራ ከሲሮም። እዛ ዓዲ እዚኣ ከኣ እቲ የሱሱ ኣብ ማእከላ ዝገበሮ ተኣምራትን ክገብሮ ዝሓሰበ ተኣምራትን ሳእን ምስትውዓላ ዓቢ ክሳራ ኸሲራ ሓሊፋ ኣምላኽ ካብዚ ኸምዚ ይሰውረና።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሱሱ ክርሕቐሎም ዝደለዩ ኸንዲ ምኽንያት ካብቲ የሱሱ ዝገበሮ ንላዕሊ ብዛዕባ እተን ኣብ ቀላይ ዝጠሓላ ሓሰማ ግዲ ስለ ዝበሎም እዩ። ብዙሕ ግዜ ንየሱሱ ካብ ህይወትና ከልግሰልና እንደልዮ ኸንዲ ምኽንያት ኣብ ልብና ካብኡ ንላዕሊ ዝሓዝናዮ ሓላፊን በራስን ነገር ስለ ዘሎ እዩ። 

እቲ ብሩኹሳት መናፍስቲ ዝተኣስረ ሰብኣይ ክብሩ ካብተን ዝጠሓላ ሓሰማታት ንላዕሊ ይዓብን ይኸብርን እዩ። ግና እንትርፎ ንሱ እቶም ካልኦይት ኣይተረድኦምን። ንሕና ቡዙሕ ግዜ እንጓገዮ ነገር እቲ ንሕና ሒዝናዮ ዘሎና ኣብ ልብና ኸኣ ዓቢ መሲሉና ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ነገር ካባና ከም ዘይዓቢ ስለ ዘይንፈልት ኢና። ኣምላኽ ከኣ ብፍቓድና ኣብ ህይወትና ኣትዩ ክዓይ ክሳብ ዘይፈቐድናሉ ሰዓትን ግዜን ኣባና ድላዩ ክገብር ፍቓደኛ ኣይኮነን።

የሱሱ ካብ ምድሮም ከልግስዎ ምስ ኣዘዝዎ ምስኦም ክካታዕ ኣይንርእዮን ፍቓዶም መሊኡ እዩ ዝወጸ ስለዚ ኸኣ እዩ ንሃዋርያት ንወንጌል ክልእኾም ከሎ ከምዚ ዝበሎም "ኣብዝኾነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም ኣብኡ እቲ ቡቑዕ መን ምኻኑ ሕተቱ ክሳዕ እትወጹእውን ኣብኣ ተቐመጡ። ናብ ቤት ምስ ኣተኹም ሰላም በሉ እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ኾይና ሰላምኩም ይሕደራ ዘይትበቅዕ እንተ ኾይና ግና ሰላምኩም ናባኹም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበልኹም ድማ ወይስ ኣብቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ከተማ እቲኣ ዉጺእኩም ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞርና ከም ዝቐልል ብሃቂ እብለኩም ኣለኹ" ማቴ 10።11-15።

ሎሚ ንየሱስ ካብ ደንቤኣኢን ሃገርን ስለ ዘውጸኦ ጥራይ ኣብ ውሽጠን ዝረኣ ኢኮንዮምያዊ ማሕበራዊ መንፈሳዊ ስጋዊ ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን ክንደይ ኮን እዩ? እዘን ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሃገራትን ዓድታትን ኩሉ ግዜ መሕደሪ ሩኹሳት መናፍስቲ ኮይነን እየን ዝርከባ። እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ሕንፍሽፍሽን ቁስልን ከም ዝተበተነ ማእዶ ፋሕ ኢልና ናብትን ናብትን እንበልና ምጥርናኡ ጠፍኢና ኣብ ዓብ ሕንፍሽፍሽ ዘሎና እውን እቲ ምኽንይታ ንየሱኡስ ክርሕቕን ከይቀርበናን ስለ ዝደለና እዩ እቲ ምኽንያት ፈቲና ጸሊእና እዚ እዩ።

እስከ ሕጂ ኸኣ ኣንጻር እዚ ዝኾነ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ንርኣ። የሱሱ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ብሰማርያ ክሓልፍ ግዲ ኾኖ እሞ ናብ ሰማርያ ምስ በጽሄ ኣብ ሓንቲ ማይ ዝቕደሓላ ዔላ ኮፍ በለ። ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረኸበ እሞ ናይ ልባ ኹሉ ገሊጹ መድሓንን መሲሕን ምኻኑ ነገራ ሰበይቲ ኸኣ ተገሪማ ዕትሩኣ ዓዲጋ ናብታ ኸተማ ኣተወት እሞ ነቶም ህዝቢ ዝረኣየቶን ዝሰማዓቶን ኩሉ ነገረቶም።

እቶም ህዝቢ ኸኣ ግልብጥ ኢሎም ናብ የሱስ መጸኡ እቲ ጹሑፍ ሽዑ ከምዚ ይብለና "ስለቲ እታ ሰበይቲ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል ካብታ ከተማ ቡዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጽእዮም ምሳታቶም ክቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ  ወዓለ" ይብለና ወንጌል ዮውሃንስ 4 ኩሉ ኣንበብዎ።

ዘገርም እዩ እዞም ህዝቢ ነቲ ምንጪ ህይወትን ሰላምን ዝኾነ የሱሱ ምስ ረኸብዎ ክሰድዎ ኣይደለዩን ከመይሲ ነገር ኩሉ ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ተረድእዮም እዮም። የሱኡ ከኣ ምስኦም ንኽልተ መዓልቲ ዊኦልሎም። ርግጸኛ እየ የሱሱ ኣባታ ኸተማ ብምውዓሉን ብምቕናዩን ጥራይ እታ አተማ ክንደይ ሰላም ክንደይ ተኣምራት ክንደይ ምጽንናዕ ኮን ሰፊንዋ  ይኸውን? ዝሓዘነት ነፍሲ ተጸናኒዓ ኣላ ዝሓመመት ነፍሲ ተፈዊሳ ብሕቶ ዝተመልኣት ነፍሲ እውን ሕቶኣ ተመሊስላ ታሪኽ እታ ሕስሪ ኸተማ ተቐየሩ። ከምይ ዘይልወጥ ዘይቕየር የሱሱ እምበር እዩ ኣብ ሕምብርቲ እታ ኸተማ ትቐሚጡ።

ሎሚ ከም ሃገር ከም ውልቒ ሰባት ከም ቤትሰብ ኮታ ኩላትና ነዚ ናይ ከተማ ሳውራውያን ምርጫ ክንመርጽ ኣሎና። ነዚ ኣምላኽ ኽብሪ ካብ ዶብና ኣፍደገና ክእለየልና ክንልምኖ ዘይኮነስ ምሳና ክኸውንን ክውዕልን ክንልምኖ ኣሎና። ኣምላኽ ምሳና ክኸውን ባህጊ ልብና ሃረርታ ውሽጥና ድሊት ኩለመናና ክኸውን ይግባኣ።

ዳዊት እቲ ለባም ናይ ኣምላኽ ሰብ ነዚ ስለ ዝተረደኣ እዩ ኣብ መዝሙር ዳዊት 27 4-5 "ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ክሓብኣኒ ኣብ ውሽጢ ድዱንኑ እውን ኪኽውለኒ ኣብ ከውሒ ልዕል ከብለኒ  ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ መቕደሱ እውን ንምምርማር ሙሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣለኹ ይብለና። 

እዚ ማለቱ ዳዊት ኣምላኽ ካባይ ክርሕቕ ኣይደልን እየ ካብ ጎነይ ክፍለ ኣይብህግን እየ። ብዘይብኡ ክብሪ ከምዘይብለይ ይፈልጥ እዩ። ካብኡ ወጻኢ ምስላት ከምዘይለ ይፈልጥ እዩ። እሱ ዘይብሉ ዓወትን በረኸትን ከምዘይስዕበን ይርዳኣ እየ እዩ ዝብል ዘሎ። ምስ ኣምላኽ ኩሉሳዕ ክኸውን ደልዩ። ደጊሙ ደጋጊሙ ኸኣ ኣምላኸይ ካባይ ኣይትርሓቕ እናበለ ዝዝምር ። ንሕና ኸ? ምስ መን ክንከውንን ክንውዕልን ንደሊ ባህግና እንታይ እዩ ምስ ኣምላኽ ዶ ወይ ምስቲ ገዛኣ ርእስና ቸቢጣቶ ዘላ ሓላፊ ነገር? ስለዚ ልሚ ብምንታይ ብምንታይ መንገዲ ኮን ኢና ንየሱሱ ክርስቶስ ካብ ህይወትና ክእለየልና ወይ ከልግሰልና ንሓቶ ዘሎና? ሎሚ ፈውሲ ምጥዓይ ምጽንናዕ በረኸት ምትእኽኻብ ምሕዳስ ክመጸልና ንየሱሱ ምሳና ክውዕል ኣብ ኩሉመናና ምሳና ኽኸውን ንጸውዓዮ ሽዑ ታሪኽ ክልወጥ ተኣምር ክኸውን ክንሪኢ ኢና።

ከም ምስ የሱሱ ምንባር ዝጥዕም እንታይ ኣሎ? ካብ ምስኡ ምኻን ዝበልጽ ከ እንታይ ኣሎ? ኣምላኽ ምስ ሰባት ክኸውን ኩቱር ድሌት ኣለዎ ግና ኽ ብግዲ ኣይኮነን። ሎሚ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ክሰርሖ ዝደሊ ስራህ ክልውቶ ዝደሊ ነገር ዓቢ እካ እንተ ኾነ ንሕና ግና ምሳና ክኸውን ከምንም ስለ ዘይቆጸርናዮ ንኻሊኢት ትኹን እካ ቦታን ዕድልን ኣይንህቦንን ኢና።

የሱሱ ዘለዋ ቤት ግና ክንደይ ሰላምን ዓርነትን ኣለዋ መስለኩም። ርኣይ እሞ እቲ ንዓመታት ዝተጸለል ሰላም ዝሰኣነ ናይ ምንባር ትርጉም ዘይነበሮ  የሱስ ኣብታ ኸተማ ምስ ኣተወ ግና ታሪኽ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓደ ብሓደ ኩሉ ተለዊኡ ኣረጊት ዛንትኡ ተቐይሩ ሰብ ኮይኑ ኣሰር ኣሰር የሱሱ ክስዕብ ከኣ ወሲኒ። ኣዝቢ እዋን እዚ ነገርና ዝቕይርን ሑሱር ታሪኽና ዝክይርን ንዝከበደና ዘቕልልን ንዝጸበባና ከርሁ ዝኽእልን ነቲ ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ ኸኣ መርገጺ እግሩ ዝኾነ ኣምላኽ ምስ ኣንፈቕደሉ ጥራይ እዩ።

ክሳብ መዓስ ብሕቶና ክንመላለስ ክሳዕ መዓስከ ምስ ማእሰርትና ክንጓዓዝ? እንታይ ገዲስና ኸ መፍትሕ ከሎ ብዕጹው ዝኾነ ማዕጾ ንመላለስ? እሞ እንታይ ንግበር መልሱ ቀሊል እዩ ነቲ ኣብ ህይወትና ከይኣቱ ዝኸልከልናዮን ዘርሓቕናይን የሱሱ ደጊምና ንደልየካ ኣሎና ብዘይብኣኻ ህይወት ትርጉም የብልናን እሞ ተመለሰና ንበሎ። ነቲ ሓደ ግዜ ዘይረብሕ መሲሉና እናዃኻሓና ኣይተድልየናን ኢኻ ዝበልናዮ የሱሱ ሕጅ ግና ተድልየኒ ኢኻ ንበሎ። ንሱ ኸኣ ኣብቲ ንሕና ንዓ ዝበልናሉ እዋን ደበኽ ክብለልና እዩ።