26
Fri, Apr
0 New Articles

መጽሓፍ እዮብ፡ "እቲ ጥምጥም" - "ኣዕሩኽ እዮብ" (Part 2)

Message 3
Typography

እቲ ጥምጥም 

ብዙሓት ኣንበብቲ ካብቲ ኣብ ምዕራፍ ሓደን ክልተን ዘሎ ዘደናግር ምርኢት ቀልጢፎም እዮም ናብ ዕቡይ መደረ ኣዕሩኽ እዮብ፡ ናብ ናይ ኣምላኽ ዕጹብ ናይ ባህሪ ግጥሚን ናብቲ (ምስቲ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ተነጻጺሩ) ብዘሰንብድ መንገዲ ኣዝዩ ውሑድ ጩራ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ እዮብ ይሓልፉ። ይኹንምበር፡ ድሕሪ ኩሉ ዝሰዓበ፡ ምርኢት ድሕረ ባይታ ምዕራፋት ሓደን ክልተን መደረኽ መሊኡ ከም ዘሎ፡ እዚ ብቀጻሊ ንገዛእ ርእስና ከነዘኻኽራ ይግባእ እዩ። ኣላዪ መድረኽ ኣቐዲሙ ባህሪ እቲ ጥምጥም ሓቢሩና ኣሎ።


 

ገለ ተንተንቲ፡ መጽሓፍ እዮብ ካብ ምዕራፍ 3 እንተ ትጅምር ምሓሸ ብዘስምዕ ንጹር ቃና፡ ንምዕራፋት ሓደን ክልተን ብናይ ሹቕረራ ዓይኒ እዮም ዝጥምትወን። ደራሲት ቪርጂንያ ዉልፍ ንሓንቲ መሓዛኣ ከምዚ ኢላ ጽሒፋትላ፡ “ትማሊ ምሸት ንመጽሓፍ እዮብ ኣንቢበያ። ኣምላኽ ኣብኡ ብዙሕ ዝተዓወተ መሲሉ ኣይረኣየንን።” መእተዊ መጽሓፍ እዮብ፡ ኣምላኽን ሰይጣንን ኣብ (ድሮውን ናይ ሽቑረራ ምልክት ኣብ ገጻት ትንተና መጻሕፍቲ ክትርኢ ዚከኣል እዩ) ውርርድ ኣብ ዚመስል ጉዳይ ተጸሚዶም የርእየና። እዚኦም ክልቲኦም - ኣምላኽ እቲ ክስዓረሉ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ቅድሚኡ ጨሪሕዎ ኣሎ - ኣብ ከቢድ ግጥም ተጸሚዶም ኣለዉ። መስኪናይ እዮብ ከኣ ካብዞም ክልተ ተወዳደርቲ ከበድቲ ሚዛን ኣየናዮም ይስዕር ክውስን ብከቢድ ጸበባ ክሓልፍ ተወሲኑሉ ኣሎ። ብሓደ ወገን፡ እዮብ፡ እቲ መምዘኒ ነጥብታት ክብድ ኢሉ፡ ነቲ ናይ ገነት ኤደን ቀዳማይ ፈተና ክደግሞ እዩ ማለት እዩ። ኣብ ገነት ይነብሩ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ካብኦም ብዙሕ ዘይሓተተን፡ በረኸቱ ግን ዘውሓዘሎምን ኣምላኽ ንክኣምኑ ኣዝዩ ብሉጽ ኩነታት ተዳልዩሎም ነበረ። እዮብ ግን ኣብ መሰክሕ ሲኦል፡ ኣዝዩ ክፉእ ኩነታት ገጠሞ፡ መርገም ኣብ ልዕሊኡ እናዘነቦ ከኣ ኣምላኽ ካብኡ ብዙሕ ሓተቶ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰይጣንን ተገጢሙ ዘሎ ጥምጥም ዋዛ ኣይኮነን። እቲ እዮብ ንኣምላኽ ዘፍቅሮ ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነስ “ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ኩሉንዶ ሓጺርካዮ ኣየሎኻን?” ዝብል ክሲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ባህሪ ኣምላኽ ዝቐንዐ ጸለመ እዩ። እዚ ክሲ እዚ ኣምላኽ ብገዛእ ርእሱ ክፍቀር ዚግብኦ ኣይኮነን፡ ሰባት ድማ ንኣምላኽ ዝስዕብዎ ካብቲ ምስዓቦም ገለ ጥቕሚ ስለ ዝረኽቡ ወይስ ኣምላኽ ንኽስዕብዎ “ብብላዕ” ስለ ዝሕዞምን እዩ ዘስምዕ መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ። ብኣረኣእያ ሰይጣን፡ ኣምላኽ ነቲ ምርጫ ብምድንጋር ጥራይ ክዕወት ዝኽእል ፖለቲከኛ ወይስ ውፍይቲ ሰበይቲ ዘይኮነስ “ዕስብቲ ሰበይቲ” ዘላቶ ማፍያ እዩ ዝመስል። ሰባት ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ፡ ከምቲ “ካብኣ ጠስሚን ጅብናን ስለ ዝረክብ ንላሙ ዘፍቅራ ሓረስታይ እዩ” ይብል ሓደ ቀሺ። ኩሉ እቲ ናይ እምነት ዓንድታት ምስ ተኣልየ፡ ግብረ መልሲ እዮብ ወይ ንክሲ ሰይጣን ከፍርሶ እዩ ወይ ድማ ከጽንዖ እዩ። ኣምላኽ በረኸቱ እንተ ኣቋሪጹ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ እዮብ ዝኸስሮ ብዙሕ ነገር ክህልዎ እዩ። ኩሉ ነገር ካብኡ ምስ ተወስደ እውን እዮብ ንኣምላኽ ክኣምኖ ድዩ?

መጽሓፍ እዮብ ኣብ ጉዳይ ፍጹምነት ዝተንጠልጠለት እያ። እዮብ ፍጹምነት ኣምላኽ ኣብ ፍርዲ ከም ዝቐረበ ኮይኑ ይነብር ነበረ፡ ከመይ ኢሉ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ ፍትሓዊ ብዘይ ኮነ መንገዲ ንዓይ ኣሕሊፉ ይህበኒ ኢሉ እዮብ ይሓትት። ይኹንምበር፡ ኩሉ ኣስተዋጽኦ ክሲ እዮብ ኣብ ውሽጢ ኩነታት እቲ ምፍታን እምነት እዮብ ዘለዎ ምዕራፍ ሓደን ክልተን ዝተሰርዐ ዝዓበየ ፍርዲ ክረአ ይግባእ። ከምቲ ኣብ ሙዚቃ ሄንድል ዘላ ሓንቲ መስመር እትብሎ፡ ኣምላኽ “ብዋጋ ወይስ ፍርሒ ዘይድለ ፍቕሪ” እዩ ዝደሊ። ኣብቲ ኩሉ ዝርኢ መንበር ኣንባቢ ኴንና ከኣ፡ ኩሉ ዝውንኖ ክቡር ነገራት ሓደ ብሓደ ከጥፍእ እንከሎ፡ ኣብ ፍጹምነት እዮብ ምፍርኻሽ ክፍጠር ድዩ ወይስ ኣይክፍጠርን እዩ ክንርኢ ነቋምት።

ንሕናውን ንኣምላኽ ብሕቶ ስቓይ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪብናዮ ስለ ዝኾንናሲ፡ ዛንታ እዮብ ኣብ ውሽጢ እዚ ዘበናዊ ወለዶ ናይ ምድንጋጽ ስምዒት ይፈጥር እዩ። ብኣንደበተ ርቱእነትን ብነድሪን ካብ ኣምላኽ መልሲ ክንረክብ ንደሊ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ከመይ ከም ዝበደሎ እውን ሓደ ካብቲ ንኣምላኽ ርእስና እንንቕንቐሉ ጉዳያት እዩ። ዛንታ እዮብ ደጊምና ነዘንትዎ፡ ጥቕሲ ንጠቕሰሉ፡ በቲ ናይ እዮብ ቃላት ተቓውሞ ከኣ ንጸናናዕ። እዮብውን ንገለ እቲ ብውሽጥና ዝስምዓና ምጉርምራም የቃልሖ። “ብለይቲ ነእዊ፡ ዝምልስ ግን የለን” ይብል በልትራንድ ራሰል።

ከምዚ ዚኣመሰለ፡ ንጸገም እዮብ ዘሎና ምድንጋጽ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ዘበናዊ ኣረኣእያና ዝገልጽ እዩ። እቲ ዝገርም፡ ኣብ ዘበናዊ ዛንታ እቲ ጥንታዊ ታሪኽ፡ ንእዮብ ከም ኣብ ሽግር ዝወደቐ ጀግና እዮም ዘቕርብዎ። ኢሊ ወዘል፡ ንኣምላኽ ስለ ዝተንበርከኸሉ ንእዮብ ክሳብ ምጉጣጥ ኣቢሉ ይበጽሕ። ካብቲ ናይ ናዚ ጭፍጨፋ ዝሞለቐ ወዘል፡ ከምዚ ብዘዋርድ መንገዲ ንኣምላኽ ዝንብርከኸሉ ሰብ ክዕገሶ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እቲ ሓቀኛ ናይ መወዳእታ ክፋል መጽሓፍ እዮብ ጠፊኡ እዩ፡ “እዮብ ከኣ ነግዛእ ርእሱ ከየዋረደ፡ ንጓሂኡ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወን ምሉእን ሰብ ኮይኑ ሞተ” ክብል ይቐሎ።

ሲ. ኤ. ለዊስ እቲ ክንድዚ ጸቒጥና ግብረ መልሲ ክንወስደሉ ዝገበረ ምኽንያት እንታይ እዩ ኣብታ “ጎድ ኢን ዘ ዶክ” እትብል ጽሑፍቱ የመልክተና።

ጥንታውያን ሰባት ንኣምላኽ (ወይውን ንካልኦት ኣማልኽቲ) ናብ ፈራዲኡ ከም ዝቐርብ ሰብ ኮይኖም እዮም ዝቐርብዎም ነይሮም። ንዘበናውያን ሰባት፡ እዚ ተራ ክልቲኦም ተገላቢጡ እዩ። ሰብ ፈራዲ ኮይኑ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ቦታ ክሱስ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣምላኽ፡ ውግእ፡ ድኽነትን ሕማምን ንምንታይ ከም ዝፈቅድ ንርእሱ ዝማጎተሉ ጭብጢ ክሳብ ዘቕረበ፡ ወዲ ሰብ ፍትሐኛ ፈራዲ እዩ። ሰብውን ክሰምዕ ድልዊ እዩ። እቲ ፍርዲውን ብምፍታሕ ኣምላኽ ክውዳእ ዝኽእል እዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ሰብ ኣብ ቦታ ፍርዲ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ቦታ ክሱስ ደው ምባሉ እዩ።  

ምንም እኳ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ጉዳይ ዘይፍትሓዊ ስቓይ ሕቶታት ክንሓትት እንተ ሓገዘና፡ ንሓደ ቀሊል ምኽንያት መልሲ ግን ኣይትህበናን እያ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እዮብ ዝሓሰበ ይሕሰብ፡ ምዕራፋት ሓደን ክልተን ከም ዘነጽርዎ ኣምላኽ ክፍረድ ስለ ዘይቀረበ እዩ። ክፍረድ ቀሪቡ ዘሎ እዮብ እዩ። - “ክንቅንዞ እንከሎና ኣምላኽ ኣበይ እዩ ዝኸይድ?” - ነዚ ጉዳይ እዚ መእተዊ እታ መጽሓፍ መዕለቢ ስለ ዝገበረሉ፡ መጽሓፍ እዮብ ንሕቶ ቃንዛ ዝኸውን መልሲ የብላን። እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ እምነት እዩ። እዮብ ኣበይ ኣሎ? ከመይ ዝበለ ግብረ መልሲኸ ከርኢ እዩ?

ንመጽሓፍ እዮብ ከጽንዓ ብዝተደረኽኩሉ መጠን፡ ብኡኡ መጠን ኩሉ ጊዜ ካብ ምዕራፍ ሰለስተ ንድሓር ከም ዝኾነት ሓሲበ ኤንብባ ከም ዝንበርኩ እግንዘብ። ስለዚ ከኣ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ እዮብ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተመሊሰ እንደገና ክግምግሞ ኣድለየኒ። ኣብኡ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዛንታ፡ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ሰብ፡ ምፍታን እምነት በቲ ዝኸፍኤ መልክዑ ዝፈጥር ከቢድ መስገደል ክጽመም ርእየዮ።

ደቂ ሰባት ብሓቂ ነጻ ድዮም? ሰይጣን በዛ ሕቶ እዚኣ ኣቢሉ ንኣምላኽ በድሆ። ብርግጽ፡ ንታሕቲ ከነንቆልቁል ነጻነት ኣሎና። ሰይጣን ንባዕሉ፡ ኣዳም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚነበረ ሰብ ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ንላዕሊ ክንሓኩር፡ ንኣምላኽ ድማ እንትርፎ ንገለ ምኽንያት አረውን ብዘይ ምኽንያት ክንኣምኖ ነጻነትን ክእለትን ኣሎና ድዩ? ሰብ፡ ኣምላኽ ጸላሊኡ ኮይኑ ክረኣዮ እንከሎ’ውን ከይተረፈ ንኣምላኽ ክኣምኖ ይኽእል ድዩ?  ወይስ እምነት ከም ካልእ ነገራት ፍረ ከባቢን ኩነታትን እያ?

እቲ ዘበናዊ ቢሄቭየሪስት ኤድዋርድ ኦ. ዊልሰን ንሰናይ ግብሪ ማዘር ተረሳ ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስን፡ ኣብ ዘልኣለምነት ዘለዋ እምነትን ዘይነቓነቕ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሉ ይገልጾ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ሽልማታ ከም እትወስድ ስለ ዝኣመነት ኣብዚ “ስሱዕ” መሰረት ተደጒፋ ድማ ግብርታታ ገበረት፡ ይብል። ፍጹም ልግስነት ዝብሃል የለን በሃልቲ እዮም ዊልሰንን ካልኦት ሊቃውንቲ ቢሄቭየራል ሳይኮሎጂ። ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ገለ ከም እንረክብ ተስፋ ስለ ዚገበርና ብኣምላኽ ንኣምን ማለቶም እዩ።  

ኣብቲ መእተዊ ምዕራፋት መጽሓፍ እዮብ፡ ሰይጣን ንገዛእ ርእሱ ከም ቀዳማይ ዓብዪ ቢሄቭየሪስት እዩ ዝግለጽ። እዮብ፡ ብኣምላኽ ንኽኣምን ተደሪኹ እዩ፡ ኢሉ ድማ ይማጎት። እቲ ኣወንታዊ ሽልማት እንዶ ይተኣለ፡ እምነት ከኣ ልኹስስ ኢላ ክትወድቕ ክትርእዩዋ፡ ከኣ ይብል። እቲ ምንም ዘይፈለጠን ኩሉ ዝተሸፈኖን እዮብ ኣብቲ እንኮ ተዋጋኢ ዘለዎ ናይ ዘበናት ውግእ፡ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ከኣ ይቐርብ።

 

ኣዕሩኽ እዮብ

ድሕሪ ምዕራፍ ክልተ፡ ሰይጣን ኣብታ መጽሓፍ ቅልቅል ኣይብልን እዩ፡ ኣዕሩኽ እዮብ ንርእይቶኡ ወኪሎም ስለ ዝቐረብሉ ምቕልቓል እውን ዘድልዮ ኣይነበረን። ብኣዝዩ ዘደንጹ ክእለት ኣቀራርባ ድራማቲካዊ ምጸት፡ መብዛሕትኡ እቲ ልዑል ዝመስል (ግን ናይ ሓሶት) ስነ መለኮት ካብ ከናፍር እቶም ሃይማኖታውያን፡ ውፉያት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብዘጸምሉ መግናሕቲ ኣምላኽ ኣፎም ዝሕዙ ሰባት ይወጽእ። 

እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ እዮብ፡ ክሳብ ውሱን ደረጃ ከኣ ኤሊሁ፡ እዚ ናይ ብሄቭየሪስት ኣረኣእያ የሰጉሙ። ምምዝዛንን ኩሉ ዓይነት ኣእምሮን፡ ፍትሓዊ ኣምላኽ ንሰባት ብፍትሒ ከም ዝዳንዮም መን ይስሕቶ? ኢሎም ይካትዑ። ነቶም ዝእዘዙን እሙናትን ከኣ ኣምላኽ ይንእዶም። ነቶም ዝብድሉ ከኣ ይቐጽዖም። ነዚ ኣሉ ክብሎ ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዚ ከኣ፡ ናብቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ስነ-መጎታዊ ስጉምቲ፡ እዚ ሕሉፍ ስቓይ እዮብ ሓደ ክፉእ፡ ንስሓ ዘይተኣትወሉ ሓጥያት ኣሎ ማለት እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ይበጽሑ። እዮብ ክሳብ ክንድዚ ክሳዱ ምትራር እንተ ዘቋርጽ፡ እንተ ዝንሳሕ ከኣ ኣምላኽ ብርግጽ ምመሓሮ፡ ናብ ናይ ቅድም ክብሩ ከኣ ምመለሶ ነይሩ፡ ኢሎም ኣብ መጎተኦም ይጸንዑ።

ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ብሓባር ይንዕቆም እዩሞ ኣዕሩኽ እዮብ ብጽቡቕ ዝለዓሉ ኣይኮኑን። ይኹንምበር ቀለልቲ ሰባት እውን ኣይኮኑን። ብሓይሊ ተኻራኺሮም እዮም፡ እቲ ብምኽንያት ዝተሰነየ ክርክሮም እውን ምስቲ መእሰሪ ዘይነበሮ ነድሪ እዮብ ዘውዳድር የብሉን። ሎሚ ምዕራፋት ሰለስተ ክሳብ ሰላሳን ሸውዓተን ጥራይ እንተ ዝህልወና ነይሩ፡ ነቶም ስለስተ ኣዕሩኽ ከም ናይ ሓቂ ጀጋኑ እታ መጽሓፍ ወሲድናዮም ምሃለና ኔርና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንምንታይ እየ ከምዚ ዝብል ዘሎኹ? እቲ ሓሳባቶም ሕጂውን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ይጋዋሕ ኣሎ ዝብል ቀሊል ምኽንያት ጥራይ እዩ።

እቲ ትንቢታዊን ዘልኣለማዊን ባህሪ እዛ መጽሓፍ ብሓቂ ከተስተውዕልዎ፡ ንክርክራት ቢልዳድ፡ ኤሊፋዝን ዞፋርን ብመንጽር ናይዚ ዘበን ኣተሓሳስባ ገምግምዎ። ኣምላኽ ሓጥያት ንኽቀጽዕ ኢሉ መቕጻዕቲ ይሰድድዶ? ዝኾነ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ዝነበረ ክርስትያን እዚ ዘረባ እዚ ሰሚዑ ይፈልጥ እንተ ኾይኑ ሕተትዎ። ኣምላኽ ንቅኑዓት ሰባት የበልጽጎም፡ ንክፉኣት ግን ሰንከልከል የብሎም - ዝብል ኣዝዩ ተሪር ክርክር ኣዕሩኽ እዮብ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፈሳዊ ተለቪዥን ኣብ ዝረኣኹሉ ጊዜ ዝሰምዖ እዩ። እዚ ዓይነት መንፈሳዊ መደባት፡ ብዛዕባ ናይ እዮብ ዓይነት፡ እቲ ክኸውን ዘለዎ ምዃን ክኣቢ እንከሎውን ዝጽመም ዓይነት እምነት ምንም ዝብሎ የብሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ እምነቶም ንምድጋፍ ከምቲ ኤሊፋዝ ዝገበሮ “ቃል ፍልጠት” እውን ክጠቕሱ ይኽእሉ እዮም። ኤሊፋዝ፡ ነቲ ናቱ ዓይነት ሓሳባት ዝገለጸሉ መንፈስ ኣብ በይኑ ከም ዝረኸቦን፡ እዮብ እውን ተኣምራት ክገብረሉ ናብ ኣምላኽ ክምለስ ከም ዘለዎን ንእዮብ ኣተንብሃሉ (እዮብ 4፡12-17፡ እዮብ 5፡8-10)።

ብሓጺሩ፡ ኣዕሩኽ እዮብ ነቲ ስዉር ኣሰራርሓ ኣምላኽ ክማጎቱሉ ኢሎም ዝተንስኡ፡ ርእሶም መጽደቕቲ ሃሜናውያን ኮይኖም ይቕልቀሉ። በቲ ቅቡል ትምህርትን ማይ ዘየሕልፍ ክርክራቶምን ተኣማሚኖም ከኣ ኣብ ልዕሊ እዮብ ይፈርዱ። ንዓኣቶም እቲ ጉዳይ ምንም ሕርኽርኽ ዝብል ነገር የብሉን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንገዛእ ርእሱ ንጹህ እየ ኢሉ ዝከራኸር ሰብን ኣብ መንጎ እቲ ፍትሓዊ ምኻኑ ዝፈልጥዎ ኣምላኽን ኣብ ዝግበር ምርጫ እዮብ እንታይ ዓይነት መከላኸሊ መርትዖ ክረክብ ይኽእል? ጆርጅ ማክዶናልድ ንኣረኣእያ ኣዕሩኽ እዮብ ምስ ኣረኣእያ እቶም ልዕሊ እቲ ከም ቆልዑ ኣብ ቅድሚ ህላውነት ኣምላኽ ምቕራብ ዝያዳ ኣብ ቅድሚኡ ስርዓት ምፍጻምን ምሕላው ስርዓትን ዘገድሶም ፈሪሳውያን የነጻጽሮም። እዮብ ግን ልክዕ ከም ዝቖሰለ ቆልዓ፡ ምኽንያት እቲ ቃንዛኡ እንታይ እዩ ክሕበሮ መሰሉ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይከራኸር።

ሃይማኖታዊ ባህሪኦም ኮይኑ፡ እቲ ምንዳሩ ኣዝዩ ኣሰምበዶም። እቲ ንኣምላኽ ክሓትት ምድላዩ፡ አረውን ምስቲ ኩሉ ዝኽእል ፊት ንፊት ክዘራረብ ምድፋሩ!  ሓንቲ ዘበናዊት ተለጣፊት መልእኽቲ ነዚ ናይ ምስትንዓቕ ኣጠማምታኦም ጽሙቕ ኣቢላ ትገልጾ፡ “ካብ ኣምላኽ ርሑቕ ከም ዘሎኻ እንተ ተሰሚዑካ፡ መን ከም ዝረሓቐ ኣይጠፍኣካንዩ።” 

 ይቕጽል !!!

መጽሓፍ እዮብ፡ ብርሃን ኣብ ጸልማት (Part 1) ንምንባብ ኣብዚ ጠዉቁ