19
Fri, Apr
0 New Articles

መጽሓፍ እዮብ፡ ብርሃን ኣብ ጸልማት (Part 1)

Message 3
Typography

ከም ጋዜጠኛ መጽሔት፡ ስራሐይ ዛንታ ካልኦት ሰባት እናኣዘንተኹ ስለ ዝጀመርኩ፡ ገና ኣብቲ መጀመርታ ዕስራታት እንከለኹ እዚ ናይ ስቓይ ጸገም ጎፍ በለኒ። ዝተፈላለየ ንጽሑፍ ዝኸውን መበገሲ ሓሳባት እሃድን ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፡ እዚ ሃድነይ ናብ ዓራት ሽግር ዘጋጠሞም ሰባት መሪሑ፡ ምስ ሰብ ስቃይ ጎፍ ንጎፍ ብዙሕ እዋን ኣራኺቡኒ እዩ። ንዓርኩ ካብ መንጋጋ ሓደ ገዚፍ ድቢ ከድሕና ክብል፡ ድቢ ዝበጃጀሎ መንእሰይ፡ ኣብ ከረን ራኔር ንደቁ ብኣካላቱ ካብ ህቦብላ ውርጪ ከዕቁቦም ክብል ንገዛእ ርእሱ ንሞት ዘቃልዐ ኣቦ፡ ብሰንኪ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘጓነፎ ዓመጽ፡ ብነድሪ ኣንጻር እዚ ዓመጽ፡ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ናይ ገበን ናብራ ዘሕለፎ ሰብኣይ - እዚ ኩሉን ካልእን ዛንታታት ኣብቲ “ድራማ ኢን ሪል ላይፍ” ዝብል ተኸታታሊ ዓምዲ ሪደርስ ዳይጀስት ጽሒፈሉ ኣለኹ።

ነፍሲ ወከፍ ዘዘራረብኩዎ ሰብ፡ እቲ ዝሓለፎ መከራናብ ሓደ ኩርናዕ፡ ናብ ኣምላኽ፡ ከም ዘኾርኖዖም ኣዕሊሎምኒ ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ’ውን ኣብ ልዕሊ ቤት ክርስትያን ከቢድ ነቐፋ እዩ ዘዝንብ። ነቲ ነገር ኣዝዮም እዮም ዘጋድድዎ ኢሎም ንክርስትያናት ይነቕፍዎም። ሓደ ብሓደ ክርስትያናት ዘይጠቅም ርእይቶ ኣንጠልጢሎም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝበጽሕዎም ከኣ ይገልጹ። ገሊኦም፡ ኣምላኽ እዩ ዝቐጽዓካ ዘሎ ኢሎም ርእይቶኦም ይህብዎም። ኣይፋሉን፡ ኣምላኽ ኣይኮነን። ሰይጣን እዩ። ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ኣምላኽ ንክብሪ ክትኮኖ ኢሉ ኮነ ኢሉ እዩ መሪጹካ፡ ይብሉዎም ገሊኦም። ኣምላኽ ኣይኮነ፡ ሰይጣን ኣይኮነ። ብኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ዝነደረት ኣንስተይቲ ድቢ ኣብ መንገዲ ስለ ዘጓነፍትካ እዩ።

ከምቲ ሓደ ብህይወት ዝወጸ ዘዕለለኒ፡ “እዚ ብዛዕባ ቃንዛ ዝውሃብ ርእይቶ ብዙሕ እዩ ኣደናጊሩኒ። ካብኡ ድማ ዝሕግዝ ሓሳባት ኣይረኸብኩሉን። ብቐንዱ፡ ካብ ኣምላኽን ካብ ህዝቢ ኣምላኽን ምትብባዕን መተኣማመኒን እየ ዝደሊ ነይረ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክብሃል ይከኣል ድማ፡ ክርስትያናት ንብዙሕ ስቓይን፡ ንውሑድ ምጽንናዕ ጥራይ ኮኑኒ።”

ዌር ኢዝ ጎድ ወን ኢት ሀርትስ ነዚ ጸገም እዚ ኣብ ግምት ኣእትየ እየ ጽሒፈያ። ቃንዛ እቶም ዘዘራረብኩዎም ሰባት ቃንዛይ ኮነ፡ ሕቶኦም ከኣ ሕቶይ። ዳሕራይ፡ ከም ግብረ መልሲ፡ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ስቓይን ድማ ተወሳኺ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዓለ ኣማኢት ደብዳበታት ከም ሓብታ ክትቁጸር እትኽእል ዲስኣፖይንትመንት ዊዝ ጋድ እትብል መጽሓፍ ጸሓፍኩ። ምንም እኳ ብድሕሪኡ ጽሑፋተይ ናብ ካልእ ኣርእስትታት እንተ ኣቕንዐ፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኛ ገና ኣብቲ ናይ ፈለማ ዓመታተይ እንከለኹ ዝመላለሰኒ ዝነበረ ሕቶታት ሕጂውን ብዛዕባኡ ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን።

ናይ ቃንዛ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ፍትሕ ኣቢልካ፡ ኣብ ፋይል ኣርኒብካ እተቐምጦ ጉዳይ ኣይኮነን። ህቦብላ ኣብ ሓደ ከባቢ ክወርድ እንከሎ፡ ጎረቤት ብዛዕባ እቲ ዝሰንከለ ውላዱ ክርዳእ ኣንከሎ፡ ኣብ ቤተሰበይ ሓደ ሰብ መንሽሮ ከም ዘለዎ ዝሕብር ዘሰንብድ ውጽኢት መርመራ ሓኪም ክንገሮ እንከሎ፡ ገለ ምልክት ሕማም ናብ ሓኪም ክኸይድ ከገድደኒ እንከሎ ምስኡ ሕቶ ቃንዛ ይጎልሕ። ብደምን ናይ ናይ ኣካላት ፈሳሲን ጨምለቕለቕ ኢልና፡ ብንብዓት ተሓጺብና፡ ቅንዛ ኣጨኒቑናን ንውለድ። ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ድማ ንመውት። ኣብ መንጎ ልደትን ሞትን ከኣ “ንምንታይ?” እናበልና ንሓትት።

በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ንነብሰይ፡ ናብታ ሕቶ ስቓይ ምሉእ ብምሉእ እትዛረበሉ መጽሓፍ እዮብ ብዙሕ ጊዜ ክመላለስ እረኽባ። መጽሓፍ እዮብ፡ ክሳብ እዚ ቁሩብ ጊዜ፡ ብዛዕባ ስቓይ ጽቡቕ ገይራ እትዛረበሉ መጽሓፍ እያ ዝብል እምነት እዩ ነይሩኒ። መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ እንታይ እያ ኢልኩም ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እንተ ትሓቱኒ፡ ምንም ከይተወላወልኩ፡ መጽሓፍ እዮብ? መጽሓፍ እዮብ ደኣ ብዛዕባ እንታይ ከም እትዛረብ ዘይፈልጥ ሰብ መን ኣሎ? መጽሓፍ እዮብ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሉል ሓሳባት ብዛዕባ ቃንዛን ስቓይን እኮ እያ።

ሕጂ’ውን ብዛዕባ ስቓይ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ሕጂ’ውን ናብ መጽሓፍ እዮብ እየ ዘብል። ብፍላይ ድማ እቲ ዝዓበየ ክፋል እዚ መጽሓፍ (ምዕራፋት 3-37) ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ እዚ እዩ ዝኾልል። እዘን ምዕራፋት እዚኤን እዚ እዩ ኢልካ ክትዛረበሉ እትኽእል ፍጻመ ኣየዘንትዋን እየን። እዘን ምዕራፋት፡ ሓሙሽተ ብቐሊሉ ዝንድሩ ሰባት፡ እዮብ፡ እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን፡ እቲ ብዙሕ እዋን ስቕ በሃሊን ኤሊሁ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ስቓይ ዘፍስስዎ ርእይቶ ጥራይ ይገልጻ። እቶም ዘዘራረብኩዎም ሰባት ዝዛረቡሎም በጻሕቲ ሕሙማት ኣጸቢቖም ዝመስሉ ኣዕሩኽ እዮብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መስኪናይ እዮብ ዝዘነበ “ውንጫፎ ኣእማንን ኲናት ዘርዕድ ዕድልን” ንምንታይ ኣጋጠመ ክፈትሑዎ ይህቅኑ። ንሳቶም፡ እቶም በጻሕቲ ዘፍረይዎ፡ ካብኡ ብዙሕ ዘይፍለ ፍረ፡ ንእዮብ ጭንቂ ኣብ ምውሳኽ ጥራይ ክዕወቱ ከኣሉ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ከም እዮብን ኣዕሩኹን ዝበሉ፡ ውፉያት ኣመንቲ ንርዱእ ምኽንያት ኣምላኽ ብጥዕናን ሃብትን ክባርኾም ስለ ዝጽበይዎ፡ ስቓይ ክጎንፎም እንከሎ ኣዝዮም እዮም ዝስንብዱ። መጽሓፍ እዮብ፡ እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ብሉይ ኪዳን ከም ውሁብ ዝውሰድ፡ ክንዮ እዚ “ናይ ኩንትራት እምነት” ዝኸይድ ሓደ ስጉምቲ ይሓልፍ። ሰናይ ግበር፡ ኣምላኽ ድማ ክባርኸካ እዩ። ክፉእ ግበር፡ ክትቅጻዕ ከኣ ኢኻ። ብሓቂ ድማ፡ ብዙሓት ምሁራት፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ርእሲኣ ዝወረደ ተኸታታሊ ዕንወት ክትቕበሎ መጽሓፍ እዮብ ኣጸቢቑ ሓጊዝዋ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ንምንታይ እዩ “እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ” ክንድዚ ዚኣክል መከራ ክወርዶ ዝኸኣለ? እዚ ጥንታዊ ዛንታ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንብምሉኡ እቲ ሃገር ዝሳቕዮ ዝነበረ ሕቶታት ኣፍ ክኾኖ ከኣለ።

ብሓቂ፡ መጽሓፍ እዮብ ኣብ ሕቶ ስቓይ ጸቒጡ ይዛረብ እዩ፡ ይኹንምበር ፍጹም ብዘይተጸበኻዮ መንገዲ እዩ ዝዛረበሉ። መጽሓፍ እዮብ፡ ብኣዝዩ ድሙቕ መንገዲ እቲ ብህጹጽ ክምለሰልና እንደልዮ ሕቶታት ይሓትት፡ ድሕሪኡ ግን ነዚ ሕቶታት እዚ ንጎኒ ገድፉ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንርእየሉ ዝግባእ ካልእ ኣንፈት የመልክተና። ከም መብዛሕትኡ ክፋላት ብሉይ ኪዳን፡ መጽሓፍ እዮብ እቲ ንሕና ክንረኽቦ ኣለና ኢልና እንሓስቦ ቀሊል መልሲ ከሊኡ፡ ተስፋ የቑርጸካ። ጸኒሑ ግን፡ ብዘይተረዳኣካ መንገዲ፡ ናብቲ ቅሉዕ ክውንነትን ዘሀንጢ ብርሃን ተስፋን ዝምልክቱ ሓድሽ ኣንፈት ኣመልኪቱ የዕግበካ።

ጊዜ ኣልቦ ዛንታ

ጆን ካልቪን፡ መጽሓፍ እዮብ ኣዝያ ስለ ዝመሰጠቶ ካብ ዝሰበኾ 700 ስብከታት እቲ 159 መጽሓፍ እዮብ ማእከል ዝገበረ ነበረ። ድሕሪ ካልቪን፡ ንህጹጽነት እዚ ጉዳያት ታሪኽ ኣጉሊሕዎ ኣሎ። ንሕና ኣብዚ ዘበናዊ እዋን እንነብር ዘሎና ድማ ንመጽሓፍ እዮብ ክንጸግቦ ኣይከኣልናን ኣሎና። ርእሰ ነገር ዘይፍትሓዊ ስቓይ ከኣ፡ ምስዚ ስቓይ ዝሕላገቱ፡ ክልተ ኲናት ዓለም ዝረኣየ፡ ክልተ መጥቃዕቲ ቦምብ ኣቶሚክ ዝሓቖፈ፡ ልዕሊ ዓቐን ዘመተ ምጽናት ዓሌት ዝነበሮ መዋእልና ኣጸቢቑ ዝሳነ እዩ ዝመስል። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ህይወት ኣብ ዙርያኡ እናጸበበት እንከላ ብብኽያት ዝግዕር፡ መስኪናይ ሽማግለ እዮብ፡ ምስ ፍትዊ ቅቡል ዘበናዊ ኣተሓሳስባ ዝገጥም ይመስል።

ከምቲ ኣርኪባልድ ማክለይሽ፡ ኣብታ ጀ. ቢ. እትብል ተዋስኦኡ ዝገበሮ፡ ከምኡ ከኣ ሮበርት ፍሮስት ኣብ ዘ ማስክ ኦቭ ሪዝን ዝተጠቕሙሉ፡ ነይል ሲሞን፡ ንኩነታት እቲ ናይ እዮብ ዛንታ ኣብታ ጎድስ ፌቨረይት እትብል ተዋስኦኡ ተጠቕመሉ። ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ከኣ፡ ደራሲት ሙሬል ስፓርክ ኣብ ዘ ኦንሊ ፕሮብለም ንዛንታ እዮብ ኣብ ዘበናዊ ኩነታት ቀዪራ ነቲ ታሪኽ ኣሐዲሳቶ ኣላ። ደራሲ ኣማድዩስ እውን ኣብታ ተዋስኦ ንዘተኣታተዎ ክግመት ዘይከኣል ምልዋጥ ዋሕዚ ዛንታ፡ እቲ ደራሲ ነቲ ጉዳይ በቲ ሓደ ግልባጡ ስለ ዝዛረበሉ እዩ። እዮብ፡ ኣን ንጹህ ሰብ እንከለኹ ንምንታይ ፍርዲ ኣምላኽ እቕበል ኣለኹ እናበለ ይሓትት። ጸሓፊ ሙዚቃ ሳሌሪ ከኣ፡ እቲ በሊሕ ቆልዓ ሞዛርት ንምንታይ ካብ ኣምላኽ ክንድዚ ሞገስ ክቕበል ከኣለ ኢሉ ይሓትት።

ብሉጽ ስራሓት እዚ እዋን ነቲ መበቆላዊ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ዘልዓሎ ሕንቅልሕንቅሊተይ ይፍትሽ። ኣዕሩኽ እዮብ፡ ፍትሓዊ፡ ፈቃርን ሓያልን ኣምላኽ፡ ኣብ መሬት ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ብምንኣድ፡ ነቶም ክፉእ ዝገብሩ ብምቕጻዕ ሕጊ ይስዕብ እዩ ኣብ ዝብል ኣትሪሮም ተኸራኸሩ። ዳርጋ ኩሉ እዞም ለፍለፍቲ ኣዕሩኹ ዝበልዎ ዘረባ ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ክጽመቑ ይከኣል እዩ። እዮብ ይሳቐ ካብ ሃለወ፡ በዲሉ ክኸውን ኣለዎ፡ እዩ ምጉቶም።

እዚ ነቲ ንነፍሱ ኣጸቢቑ ዝፈልጣ እዮብ፡ እቲ ሓቂ ክውሓጠሉ ኣይከኣለን። ከምዚ ዝበለ መዓት መከራ ዝግብኦ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን። ንዓና እውን ብተመሳሳሊ እቲ ሓቂ ክውሓጠልና ኣይኽእልን እዩ። ኣብ ህይወትና ምኽንያት ክንህበሉ ዘይንኽእል ስቓይ ንርኢ ኢና። ኣብ ጊዜ ናዚ ዝሃለቑ ኣይሁድ፡ ግዳያት ጥሜት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ክርስትያናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገራት እስላም። እቶም ሕጂውን ነቲ ጽፉፍ ቅማረ ኣዕሩኽ እዮብ ዝስዕቡ ሰባት - ሃይማኖታዊ ፈነወታት ገለ ኣንፈት ክህቡና ይኽእሉ እንት ኾይኖም ማለት እዩ፡ እዚኦም ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡ ነዛ ክንዓትብ እተገድደና እንኮ ሓቂ እዚኣ ከስተውዕሉላ ጽቡቕ ይመስለኒ። እታ ኣዝያ ተባዕ*** ክስትያናዊት እትብሃል ክፍለ ዓለም፡ ኣፍሪቃ፡ ንምንታይ እታ ካብ ኩለን ዝጠመየት ኮይና። ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣዝዩ ዘይክርስትያናዊ ዝብሃል ዞባ፡ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ዓረብ ዘሎ፡ ዞባ ዓለም እቲ ዝሃብተመ እዩ። (ሮበርት ሹለር ዘ ፖሲቢሊቲ ቲንከርስ ባይብል ከዳሉ እንከሎ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ከስምረሉ ዝኸኣለ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጥቕስታት ጥራይ ነበረ።)

 ብሓቂ፡ እዮብ ብርቱእ ኣንደበት ዝሓተቶም ሕቶታት ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ኣይሃሰሱን። እኳ ደኣ ኣዝዮም ዓው ኢሎምን ወጨጭቲን ኮይኖም ኣለዉ። ኣርእስቲ ልብ ወለድ ሙሬል ስፓርክ፡ ዘ ኦንሊ ፕሮብለም፡ ካብ ሓንቲ፡ ሓደ ሰናይ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ስቓይ ክፈቅድ ይኽእል ዝብል ዝርርብ ዝተወስደት ሓረግ ዝተረኽበት እያ። “ብሓቂ፡ ክንዛረበላ ዝግብኣና እንኮ ሕቶ እያ” ይብል እቲ ቀንዲ ገጸ ባህሪ። ሕቶ ቃንዛ ናይዚ ዘበን እዚ ውሕጠት፡ ስነ መለኮታዊ ክሪፕቶናይት ጊዜና እዩ። እቲ ጥንታዊ ሰብኣይ እዮብ ድማ ከምቲ ክኸውን ዝግባእ ገይሩ ገሊጹዎ ኣሎ።

ይኹንምበር፡ ኣብ ዘበናዊ ስነ ጽሑፍ’ውን መቓልሕ ይምለስ፡ ብዛዕባ ቃንዛ ክጽሕፍ እንከለኹ ኣብ እዮብ ምምርኳሰይ እውን ብዘየገድስ፡ እንትርፎ ሒደት ገጻት እዮብ ገዲፍካ፡ መብዛሕትኡ ክፋል እዛ ኣብ ቃንዛ ዘተኩር ምዃኑውን እንከይ ገደሰ፡ መጽሓፍ እዮብ ፍጹም ብዛዕባ ሕቶ ቃንዛ ኣይኮነትን ዝብል መደምደምታ እዩ ዘሎኒ። እቲ ንስቓይ ዝምልከት ዝርዝራት እታ መጽሓፍ፡ (ንሱ ድማ ነዚ ዛንታ እዚ ዘቕውም) ኣካል እዚ ዛንታ እምበር ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ዛንታ ኣይኮነን።

ምቁር ሕብስቲ፡ “ብዛዕባ” እንቋቑሖ፡ ሓርጭ፡ ጸባን ቅብኣት መኸሸኒ ምቁር ሕብስትን ኣይኮነን። ብሓቂ፡ ሓደ ከሻኒ ነዚኦም ምቁር ሕብስቲ ንምስንካት ይጥቀመሎም እዩ። እቲ ደራሲ፡ ነዚ መቕውም እዚ ኣብ ዕላማኡ ይጥቀመሉ እምበር፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ መጽሓፍ እዮብ እውን “ብዛዕባ” እዚ ዝርዝራት*** ስቓይ እዚ ኣይኮነትን። ብሓፈሻ ክትረአ እንከላ፡ መጽሓፍ እዮብ ዛንታ እምነት ሓደ ሰንደልደል ዘብል ፈተና ዝሓልፍ፡ ብሓዊ ክፍተን ዝተሓረየ ሰብኣይ መጽሓፍ እያ። እቲ ናቱ ግብረ መልሲ ድማ ንኹሉ ኣብዛ መሬት ዝነብር ሰብ ደኣ’ምበር፡ መልእኽቱ ብስቓይ ንዝሓልፉ ሰባት ጥራይ እውን ኣይኮነን።

ነቲ ኣብ ጉዳይ ስቃይ ዘተኲር ምዕራፋት 3-37 መጽሓፍ እዮብ ቀዲምዎ ዝመጽእ፡ እቲ ኣብ ምዕራፋት ሓደን ክልተን ዝዝንቶ ዛንታ እታ መጽሓፍ እዩ። እዚ ዛንታ እዚ ድማ፡ ንዓውደ ንባብ እቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ኩሉ ነገራት ይጸልዎ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ናይ ምርኣይ ኣካላትና*** ሓንቲ ቀጣን “ባህርያዊ” ብርሃን ክኣቱ ይፈቅድ። ብዛዕባ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝኸውን ነገር’ውን ርግጽ ዝኾነ ፍልጠት የብልናን። መጽሓፍ እዮብ ግን ንሓጺር ጊዜ ነቲ ዝሸፈነና ነገር ይቕንጥጠልና። ከምቲ ኣገልጋሊ ኤልሳእ ዝነበረ፡ ሃንደበት ድማ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ “ሰረገላታት ሓዊ” ክርኢ ዝኸኣለ፡ ንሕናውን በዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቢልና ብዙሕ እዋን ካብ ኣዒንትና ዝኽወል መለኮታዊ ምንቅስቓስ ንርኢ።

ንመጽሓፍ እዮብ ከም ናይ ገበን ተዋስኦ፡ ከም መንዩ እቲ ገበነኛ ዝትርኽ ናይ መርመራ ዛንታ ምውሳዱ ሓጋዚ እዩ። እቶም ተዓዘብቲ፡ እቲ ኣላዪ መድረኽ ነታ ተዋስኦ ኣብ ዝገልጸሉ ጋዜጣዊ መግለጺ (ምዕራፋት 1-2) ቅሩብ ቅድም ኢልና ተረኺብና ኣሎና። ኣቐዲምና ድማ ኣብታ ተዋስኦ መን እንታይ ከም ዝገበረ ፈሊጥና ኣሎና፡ እዚ ኣብ መሬት ዝፍጸም ውልቃዊ ተዋስኦ ድማ፡ ምንጩ ሓደ ሰማያዊ ተዋስኦ፡ እዚ ድማ ንናይ እዮብ እምነት መን ወነነ ኣብ ሰማይ ዝተገብረ ቅልስ ምኻኑ ተረዲእና ኣሎና። እዮብ ንኣምላኽ ክኣምኖ ድዩ ወይስ ክኽሕዶ እዩ?

ደራሲ መጽሓፍ እዮብ ተዋስኦ ንምጽሓፍ ተባሂሉ ዝተፈጥረ ጸሓፊ ተዋስኦ እዩ። ነቲ ፍጻመ እቲ ዛንታ ኣብ ክልተ ምዕራፋት ኣፋንዩ፡ ቅልጥፍ ኢሉ ኣብቲ ባህርያዊ ቋንቋ ዝርርቡ ኣቢሉ የተኩር። እቲ መገረጃ ከኣ ይዝርጋሕ፡ ዳሕራይ እቲ መጋረጃ እንደገና ክቕንጠጥ እንከሎ ከኣ እቶም ተዋሳእቲ ኣብታ ተዋስኦ ተሓጺሮም፡ ንሕና እቶም ተዓዘብቲ ዝፈለጥናዮ ኩሉ ዝፈልጥ ኣጠማምታ ተነፊግዎም ኣብቲ መድረኽ ይረኣዩ። ምንም እኳ፡ መልሲ እቲ ሕቶታት መን ገይርዎ ንፍለጦ እምበር እቲ ኮኾብ መርማሪ ዝፈልጦ የብሉን። ካብ መጀመርታ ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዝተፈጸመ ምርኢት እንከይ ፈለጦ፡ ኣብ መቕውም እቲ ተዋስኦ ይሽመም። ስቓይ ስለ ዝዓዘዞ፡ ንሕና ተዓዘብቲ ድሮ ንዝፈለጥናዮ ነገር ክረክብ ኢሉ ጊዜኡ ከጥፍእ ንርኢ። ንሱ ብገልዒ ገይሩ ኣካላቱ ይሓክኽ፡ ዳርጋ ኩሉ ብስቓይ ዝሓልፍ ዘሎ ሰብ ዝሓቶ ከቢድ ሕቶታት ከኣ ይሓትት። ንምንታይ ከምዚ ገጠመኒ? እንታይ እየኸ በዲለ? ኣምላኽከ እንታይ እዩ ክብለኒ ደልዩ?    

ንተዓዛቢ፡ ናይ እዮብ ናይ መርመራ ሕቶታት፡ መልሱ ይፈልጦ ስለ ዝኾነ ዘካራኽር የብሉን። እዮብ እንታይ እዩ በዲሉ? ምንም። ኣምላኽ ባዕሉ ንእዮብ፡ “ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ ካብ ክፉእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ኢሉ መስኪሩሉ እዩ (እዮብ 2፡3)። እዮብ ደኣሞ ንምንታይ ይሳቐ ኣሎ? ኣቐዲምና እዮብ ይቕጻዕ ከም ዘየለ ፈሊጥና ኣሎና። ካብዚ ኣዝዩ ንዝረሓቐ ዕላማ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ናይ ዓብሊለ ዓለማት ጥምጥም ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ደኣ ተመርጸ። እዮብ ነቶም ብሉጻት እቲ ዘርኢ ዝውክል ሰብዩ። እምነት ሰብ ሓቀኛን ስስዐ ዘይብሉን፡ ኣብ ህያባት ኣምላኽ ዘይተሰረተ ክኸውን ከም ዝኽእል ንሰይጣን ከርእዮ ኢሉ ኣምላኽ ሓረዮ። ርግጽ፡ ከምዚ ዝበለ ጥምጥም ዓብሊለ ዓለማት ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ኣለዎ። ይኹንምበር፡ እዚ ዓይነት ጸገማት እዚ ካብቲ ሰባት ዘይተሓስበ ስቓይ ክወርዶም እንከሎ ዝገጥሙዎ ዓይነት ጸገማት ፍልይ ዝበለ እዩ።

ድሕሪ መጋረጃ ዝኾነ ምዕራፍ ሓደን ክልተን ብጩራ ብምርኣይ፡ ደራሲ መጽሓፍ እዮብ እንትርፎ - እዮብ ኣብዚ ኩነታት እዚ እንታይ ክገብር እዩ? - እትብል ሓንቲ ሕቶ ገዲፉ ንኹሉ ናይ ትረኻ ወጥሪ ንጎኒ የጸግዖ። ሕጽር ብዝበለ፡ እታ ናይ እምነቱ ሕቶ ጥራይ ከይተመለሰት ትተርፍ ማለት እዩ። እዚ ንብሉጽነት እታ መጽሓፍ ምስክር፡ እታ መጽሓፍ ድማ ንምንታይ ከም ስነ ጽሑፍ ነባሪት ክትከውን ከኣለት ኣንፈት ዝህብ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ምዕራፋት ሓደን ክልተን ረሲዕና ኣብቲ ውልቃዊ ስቓይ እዮብ ክንውሓጥ ንኽእል ኢና። ንሱ ምስቲ ዓቐን ዘይብሉ ስቓይ ብዘለዎ ሓይሊ ስለ ዝቃለስ፡ እታ መጽሓፍ ክሳብ እንውደኣ ሕቶታቱ ሕቶታትና ይኸውን።

ኣብ ዘረባኡ፡ እዮብ ኣብ ዓለም ኣሎ ዝብሃል ኣብነታት ዘይፍትሓውነት ይዝርዝር። እቶም ነዚ ዛንታ ብምሉኡ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ መዛዘሚ ክፋሉ እንፈልጦ፡ ጽልዋ እዚ ቃላት ቃንዛ ከየቕለብናሉ ክንተርፍ ዝከኣል እዩ። መከራኸሪ ነጥቢታት እቶም ቀንዲ ተጻረርቲ ኣምላኽ ንኣብነት፡ ማርክ ትወይን ለተርስ ፍሮም ዘ አርዝ ወይስ በርትራንድ ራሰል ዋይ ኣይ ኣም ኖት ኤ ክሪስችያን - ኣብ ማእከል መጽሓፍ ቅዱስ ተሰኒዱ ክረኽቦ እየ ዝብል ትጽቢት ዘለዎ ሰብ የለን። ይኹንምበር፡ ብሉይ ኪዳን ባህሪኡ ከምዚ እዩ። ከምቲ ዊልያም ሳፋየ ዝበሎ፡ “መጽሓፍ እዮብ ሓጎስ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ እዩ፡ ባህታ እቶም ጸረፍቲ ኣምላኽን፡ ሓደ ዓይነይ መጸናንዒ መናፍቓንን እዩ።”


ይቕጽል !!!