25
Thu, Apr
0 New Articles

እቲ ሕልሚ ዀን እንታይ እዩ?

Message 3
Typography

ሰብ ካብ ቆልዑኡ ኸሎ እዩ ነቲ ክበጽሖ ወይ ክኰኖ ዝደሊ ነገር ዝሓልሞ። ሕልምን ድሌትን ወዲ ሰብ ድማ ቐዲሕካ ስለ ዘይውዳእ በመጠን ዕድመ ዝወሰካሉ እቲ ሕልምን ባህግታትን ከኣ ክንድኡ ይዓብን ይስስንን። ምሕላምን ምድላይን ባህግን እኳ ኩፉእ እንተ ዘይኰነ ግና እንታይ ንደልን ንሓልምን ግና ወሳኒ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ሕልምታትና ኩሉ ምስ ምድሪ ዝተኣሳስረ ብምኻኑ እዩ። እዛ ዘላ መንበሪ ዱንካና ንኹሉ ግዜ ናትና ስለ ትመስለናያ መስለኒ ኣዕኑድና ኣዕሚቑና ኢና ተኺልና ነቲ ነባርን ዘልኣለምዉን ነገር ዕሽሽ ንብሎ። እስከ ቐጺልና ሓደ ታሪኽ ክንርኢ እሞ ብኡ ኣቢልና ኸኣ ናብቲ መልእኽቲ ክንከይድ። 


 

ካብ መዓልታት ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ጫካ ሰለስተ ዝፋተዉ ኣግራብ ኣዕሩኽ ነበረ። ሓቢሮም ከኣ ሕልሞምን መጻኢኦምን እንታይ ክኸውን ከም ዝደልዩ ይዛተዩ ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ገረብ ከኣ ከምዚ ብምባል ትምኒቱ ገለጸ “ሓንቲ መዓልቲ ኩቡር ነገር ዝቕመጠሉ ሳንዱቕ ክኸውን ይደሊ እየ። ብኣዋርቕን ኣልማዝን ኩቡርን ነገር መልእየ። ብዝወቀበ ቕርጺ ማዕሪገ ነፍሲ ወከፍ ብጽባቐይ ተማሪኩ ክርኢ እየ” በለ። እቲ ኻልኣይ ገረብ ከኣ “ሓንቲ መዓልቲ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ክኸውን እየ። ነገስታትን ኩቡራትን ከኣ ከመላልስ እየ። ኩሉ ሰብ ከኣ ዓሪፉ ብኣይ ተኣማሚኑ ክገዓዝ እዩ” በለ ኣብ መወዳእታ እቲ ሳልሳይ  ከምዚ በለ “ ኣነ ኣብ ማእከል እዞም ኣብዚ ዘለዉ ኣግራብ ኣዚየ ዝነዋሕኩን ዝበርታዕኩን ክኸውን ይደሊ። ሰባት ኣንቃዕሪሮም ናባይ ክጥምቱ ከለዉ ቀረባ ኣምላኽ ምኻነይ ክፈልጡን ብኡኡ ኣቢሎም ከኣ ከድንቑኒ ይደሊ” በለ ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎም ሰለስቲኦም ሓቢሮም ናብ ኣምላኽ ጸሎት ኣዕረጉ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ኣግራብ ዝቖርጹ ናብቲ ጫካ መጹ። እቲ ቐዳማይ ቆራጻይ ናብቲ ሳንዱቕ ክኸውን ዝተመነየ ገረብ ጠመተ እሞ እዚ ገረብ ሓያል ይመስል  ስለዚ ነዚ ቖሪጸ ናብ ሓደ ጸራቢ ዕንጨይቲ ክሸጦ እየ ኢሉ ነቲ ቀዳማይ ገረብ ክቖርጾ ጀመረ። እቲ ገረብ ኣዚዩ ተሓጎሰ ከምይሲ እቲ ጸራቢ ዕንጨይቲ ከመይ ዝበለ መቐመጢ ኩቡር ነገር ከም ዝሰርሖ ስለ ዝፈለጠ። 

እቲ ኻልኣይ ገረብ ዝቖርጽ ሰብኣይ እውን ነቲ ዓባይ ጃልባ ክኸውን ዝተመነየ ገረብ ረኣዮ እሞ ብብርተዐኡ ተገረመ ነዚ ቆሪጸ ንጃላቡ ዝሰርሑ ሰባት ክሸጦ እየ ኢሉ ክቖርጾ ጀመረ። እዚ ካልኣይ ገረብ ድማ ከምቲ ቐዳማይ ብጻዩ እምብዛ ተሓጎሰ ከመይሲ ዓብይ ጃልባ ነገስታት ከመላልስ እየ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ።

እቲ ሳልሳይ ገረብ ዝቖርጽ ሰብኣይ ናብቲ ሳልሳይ ምስ ኣምላኽ ክቐርብ ዝደለየ ገረብ ምስ ቀረብ እዚ ገረብ ኣዚዩ እምብዛ ፈርሐ ከመይሲ እንተ ተቖሪጹ እቲ ዝሓለሞ ሕልሙ ከንቱ ክኸውን እዩ ማለት እዩ። እቲ ሰብኣይ ሕጂ እዚ ገረብ ምንም ኣይጠቕመንን እዩ ግና ቀሪጸ ናብ ገዛ ክወስዶ እየ ኢሉ ቆረጾ። 

እቲ ቐዳማይ ገረብ ናብ እንዳ ጸራቢ ዕንጸይቲ ምስ በጽሐ መመገቢ እንስሳታት ኽኸውን ተሰርሐ። ኣብ መብልዕ ማል ኣቐሚጦም ብሓሰር መልእዎ። ጸሎቱ ግና እዚ ኣይነበረን። እቲ ኻልኣይ ገረብ ድማ ሓንቲ ንእስቶይ ጃልባ ቁሩብ ሰባት ትጽዕን ተሰርሐ። እቲ ዝነበሮ ዓባይቲ ነገስታት እተመላለስ መረከብ ናይ ምኻን ሕልሙ ብኡኡ ቀሃመ። ነቲ ሳልሳይ ገረብ በበዓበይቲ ጌሮም ቆሪጾም ኣብ ሓደ ጸልማት ገዛ ደርበይዎ። ዓመታት ከኣ ሓለፈ ነቲ ዝሓለምዎ ሕልሞም ኩሉ ረስዕዎ። 

ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን ናብቲ መብልዕ ማል መጹ። እታ ሰበይቲ ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት ነቲ ሕጻን ኣብቲ መብልዕ ማል ወለደቶ ኣብቲ ካብቲ ቀዳማይ ገረብ ዝተሰርሐ መቐመጢ ሓሰር ከኣ ኣቐመጥዎ። እቲ ቐዳማይ ገረብ እቲ ዝተጠቐመጠ ህጻን እቲ ዝበለጻ ካብ ወርቅን ብሩርን ኣልማዝን ዝኸበረ ምዃኑ ፈለጠ ከመይሲ እቲ መድሓኒ ዓለም ዝኸነ የሱስ እዩ ሓቒፉ ዘሎ። ሕልሙ ብኣዚዩ ልዕሊ ትጽቢት ብዝዀነ መንገዲ ተፈጸመ። 

ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ገለ ሰባት በታ ካብቲ ካልኣይ ገረብ ዝተሰርሓት ጃልባ ጌርሞ ይጐዓዙ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም እውን ደቂሱ ነበረ። ኣብቲ ባሕሪ ከለዉ ልዕሊ ምቁጽጻሮም ዝዀነ ኣዚዩ ብርቱዑ ማዕበል መጺኡ ኣናወጾም። እቲ ገረብ ገና ነዚ ዝጻወር ሓይሊ ከም ዘይብሉ ተረድኦ። እቶም ሰባት ተቐላጢፎም ነቲ ደቂሱ ዘሎ ሰብኣይ ኣትንስእዎ እቲ ሰብ ድስልጣን ነቲ ማዕበልን ንፋስን ህዳእ በሎ። እቲ ማዕበል ተኣዚዙ ጸጥ በለ። እቲ ገረብ ኣብ ማእከሉ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶት ዝዀነ የሱሱ ተሰኪሙ ከም ዘሎ ኣስተውዓለ። 

ኣብ መወዳእታ ሓደ ሰብ ነቲ ሳልሳይ ገረብ ካብ ዘለዎ ጸልማት ኣውጽኦ። ንሓደ ሰባት ዘላግጽሉን ዝጸርፍዎን ዝነበረ ሰብ  ኣብ ዝባኑ ኣሰከሞ፣ ነቲ ሰብኣይ ድማ ኣብቲ ሳልሳይ ገረብ ኣብ ኣኽራን ሰቐልዎ። እቲ ገረብ ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ቀረባ ኣምላኽ ምኻኑ ተሰምዖ ከምይሲ እቲ ገንሸል ፋሲካ ዝዀነ የሱስ ኣብኡ ተሰቒሉ ከም ዘሎ ኣስተውዐለ። 

ዘገርም ስእላዊ መግለጺ ዘለዎ ታሪኽ እዩ። ሕልሚ እዞም ኣግራብ በቲ ንሶም ዝደልይዎን ዝብህግዎን ዘይኰነስ በቲ ኣምላኽ ዝደልዮ መንገድን ኩነትን እዩ ተፈጺሙ። እቲ ቐዳማይ ገረብ የሱስ ተወሊድሉ እቲ ኻልኣይ ገረብ ተኣምራት ተፈጺምሉ እቲ ሳልሳይ ገረብ የሱስ ብሞቱ ከቢርሉ። 

ሎሚ ኩላትና ዝተፈላለየ ሕልምታትን ባህግታትን ከም ዘሎና ዘወላውል የብሉን። ብዙሕ ግዜ እቲ ዝሓለምናዮን ዝበሃግናዮን ዝተመነናዮን ግና ከምቲ እንደልዮን እንብህጎን ኣይከውንን በዚ መዳይ እዚ ተስፋና ኩሉ ይጽልምት መጻኢና ኩሉ ብሓዘንን ጓህን ይመልእ። እዚ ኣካይዳ ሰብኣዊ እንድዩ ኣምላኽ እቲ ኣብ ሰማይ እዚ ዝፋኑ እውን በዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ሰባት ኣይግረምን እዩ። ግና እቲ መልእክቲ እዚ እዩ ክንዮ ሕልምናን ራኢናን ኣምላኽ መደብን ሓሳብን ከም ዘለዎ እዩ። 

ሕልማታት እቶም ኣግራብ እንተ ኣተኪርናሎም ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘተኮረ እዩ ኔሩ። ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ እሞ ኣተኩረና ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብ ዋኒን ርእስና ዶ ኣይኮነን? ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ መጀመርያ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ ሹዑ ኩሉ ክውሰኸኩም እዩ ይብለና። ሰባት ግና ነዚ ገልቢጥናዮ ኣሎና። እቲ ናይ ኣምላኽ ኩሉ ሓዲግና ኣብ ዋኒን ባህጊ ልብና ኰለል ብምባልና ዘይዕሩፍን ዘይርጉኡን ህይወት ንመርሕ ኣሎና። 

ሓደ ኣጉስቲኖስ ዝተባህለ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክዛረብ ከሎ “ኣብ ልቢ ሰብ ሓደ ዓቢ ሃጋፍ ቦታ ኣሎ ንሱ እንትርፍ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ካልእ ክመልኦ ኣይክእልን እዩ” ብምባል ሕልሚ ሰብ ብኣምላኽን ብመንፈሱን እምበር ብኻልእ ከም ዘይምላእ የተንብህ። ኣምላኻዊ ሕልሚ ብኣምላኽ ከይተመልኣ ኣይተርፍን እዩ። እቲ ስጋዊ ባህጊ ግና ብስጋዊ መዳይ ተመሊኡ በኒኑ ከም ትክን ንፋስን ይተርፍ ነዚ እዩ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ኣብ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ ነቐዝ ኣብ ዘይነቕዞ ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር ብልዒ ኣብ ዝበልዖ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንዓኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” ብምባል ዊንታ ልብና ካብዚ ምድራዊ ራእይ ሓሊፉ ኣብቲ ዘልኣለማዊ ክንገብር የተሓሳስበና። እቲ ካብ ኩሉ ነገር ኣብሊጹ ዘመን ህይወቱ ኩሉ ነቲ ዝመቶሉ የሱስ ክውፊ ፍቓደኛ ዝኰነ ሰብ ክንደይ ብጹእ እዩ። 

ልብኻ ካብ ወርቅን ብሩርን ሃብትን ንላዕሊ የሱስ ክውለደሉ ክንግሰሉ እንተ ትፈቅድ ክንደይ ምጸበቐልካ? ኣባታ ናትካ ዓለም ኣብታ መርከብ ህይወትካ ንየሱስ ክሰቐላ እንተ ትፈቅድ ንማዕበላትን ሾምቦቦታት ዓለምን ክንደይ ኰን ብዓወት ምስ ሰገርካ? ነቲ ክብርኻን ሞጎስካን እትብሎ የሱስ ወሲዱ ንኽብሩ እንተ ዝሰቕሎ እሞ ንስኻ ኸኣ ንሓጥእያትን ዓለምን ስጋን ምስኡ ክትስቀል ፍቓደኛ እንተ ትከውን ክንደይ ኰን ኣዚኻ ቀረባ ኣምላኽ ምኻንካ? ሕልምኻ ኣብ እንጌራ ጥራይ ኣይኹን ከመይሲ ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኰነን ዝነብር ብቓል ኣምላኽ እውን ይነብር እዩ። ስለዚ ነቲ እንጌራ ህይወት ዝዀነ የሱስ ብማና ሰመያዊ ቀለቡ ነቲ ሕልሚ ሓሊሙ ዘይውድእ ውሽጥኻ ክመልኦ ብእምነት ውሰዶ። ካብቲ ቐዲሕካዮ ዝውዳእ ዔላ ህይወት እሞ ኸኣ ተደጋጋሚ ማይ ጥራይ ክትሰቲ ሓይልኻ ኣይተወድእ ነቲ ህይወት ማይ ዝዀነ ጽምኣዮ እሞ ካብ ውሽጥኻ ባህታ ሩባ ወሓዚ ነባሪ ራእይ ክፍልል ዓወትካ ኣብ ላዕልን ኣብ ምድርን ክረጋገጽ እዩ። 

ሕልምታትካ ኩሉ ኣምላኽ እንተ ዘይብሉ ኩሉ ከንቱ እዩ። ዝደለኻዮ ተረኸብካ ዝረኣኻዮ ተበጻሕካ ዝተመነኻዮ ተጨበጥካ እቲ ዘፍቀረካ ስሌኻ ዝሞተ የሱሱ ኣብኡ እንተ ዘየለስ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። እቲ ፈቃር መድሓኒ ነዚ ፈሊጡ ሰብ ብዘሎ ዓለም ረቢሑ ገዛእ ርእሱ እንተ ኣጥፈኣስ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ ብምባል፣ ጻዕሪ ሰብ ብዘይ የሱስ እንታይ ከም ዝመስል የረድእ። ቃል ኣምላኽ ኣንግሂኹም ምትንሳእኹም ኣመሲኹም ምድቃስኩም እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ እዚ ንፍትዋቱ ኣብ መደቀሲኦም ከሎ ይህቦም ኢሉ ይዛረብ። ከምዚ ምባሉ እቲ ኣምላኻዊ ቃል ንስራሕን ጻዕርን ድዩ ዝንዕቕ ወይ ኮፍ በሉ ደቅሱ ድዩ ዝብለና ዘሎ? ኣይፋል እንታይ ደኣ ኣነ ዘይብሉ ጉያን ጻዕርን ሕልምን ራእን ባህግን ከድክመኩም ከኽስረኩም እንተ ዘይኰይኑ ፋይዳ የብሉን ኣባይ ዕረፉ ንዓይ ዝዀውን ሕልምን ባህግን ይሃልዉኹም ኣነውን ከዕርፈኩም እየ እዩ ዝብለና ዘሎ። እምበኣር  ክንዮ ሓላፊ ትምኒትናን ባህግታትናን ኣምላኻዊ ይኹን። 

ናብቲ ካልእ መዳይ ሕልምታትና ንመጻእ። ኣብቲ ታሪኽ ኣግራብ ሓደ ነገር ርኢና ንሱ እንታይ እዩ እቶም ኣግራብ ዝሓለምዎን እቲ ዝገጠሞም ኩነትን በበይኑ እዩ ወረግ ኣንጻር ሕልሞም እዩ ኔሩ ግና እቲ ባህጎም ኣብ ሰዓቱ በቲ ንሶም ዝተጸበይዎ መንግዲ ዘይከነ ብብሉጹ ጐደና ተፈጻምነት ረኺቡ። ሎሚ ብዙሕ ግዜ መንገድና ኩሉ ዝሓርፈፈ ክንበጽሖ ዝሓሰብና ዝተቖጽየ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ናብ ሓደ መንፈሳዊ ርትዒ ንምጻእ ንሱ እውን ኣነን ንስኻትኩምን ምስ ኣምላኽ ወጊና እንሓልሞ ሕልምን እንብህጎ ድሌትን ክንዮ ንሓስቦ እምብዛ ኣዕዚዙ ኣባና ብኡኡ ክፍጸም ክንርእዮ ኢና። ራእይናን ውሽጣዊ ትምኒት ልብና ንኽብሪ ክኸውን ከሎ ክንርእዮ ኢና። መንገድታትና ካብ መንገዲ ኣምላኽ ሓሳብና እንተ ዀነ ካብ ሓሳቡ ዝተፈልየ እዩ።  እቲ ዝሞተ ዝመሽመሸ ዘኽተመ በቃ ተወዲኡ እዩ ዝተባህለ ኣብ መድሓኒ ህያው እዩ። ኣሰራርሕኡ ክንዮ እንግሞቶ ዓቢ እዩ። 

እቲ ዝበለጸ ዕቤትን ክብርን ሰብ ኣብቲ ንሱ ዝደለዮ ነገር ምብጻሕ ዘይኰነስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሓሰበሉ ስፍራ ምብጻሕ እዩ። እቲ ዘገርም ሰብ ኣብ ሓደ ደረጃ ንምብጻሕ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር እሞ ኣብኡ ምስ በጽሐ ብኡ ከይዓገበ ካልእ ይደሊ እዚ መስርሕ ህይወት ሰብ እዩ። ኣምላኻዊ መንፈስ እንተ ዘይተሓዊስዎ ክሳብ ትንፋስ ዘላ ከምኡ እዩ ክቕጽል። እዚ ፈሊጥና ኢና ዝጭበጥ ጉዑዞ ናብራ ክንመርሕ እሞ ድማ ኣብቲ ዝበለጸ ላዕላዋይ ሰማያዊ ጥርዚ ሕልሚ በጺሕና መጠቀሚ ክብሪ ኣምላኽ ንምዃን ገዛእ ርእስና ነቲ ሓለፋ ትምኒትናን ራኢናን ዝሰርሕ ኣምላኽ ክንውፊ ዝግብኣና። ንሱ ካብቲ ንሕና እንሓስቦን እንግምተን ንላዕሊ ብገይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣብና ክገብር ዝክእል ኣምላኽ እዩ። ከመይሲ ንሱ ኣምላኽ ኩሉ ስጋ ኰይኑ ገለ ስለ ዘይጨንቆ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዘለዉ ኣብ ዓቢ ክብሪ ዝበጽሑ ሰባት ናይ ኩሎም ታሪኾም ሓደ ብሓደ እንተ ኣጽኒዕናዮ ዘገርም ታሪኽ ኢና ንርኢ።ንኣብነት ዮሴፍ እንተ ርኢናዮ ኣብ ንእስነቱ ዝሓለሞ ሕልምን ዝገጠሞ ናብራ ህይወትን በበይኑ እዩ። ኣምላኽ ዘሕለሞ ሕልሚ ንጉስ የዜፍ ዝዀነ ህይወት ባርያ። ግና የሴፍ ዝሓለሞ ሕልሚ ካብ ኣምላኽ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣብ መወዳእታ ተዓዊቱ። እቲ ሚስጥር እንታይ እዩ ኔሩ ዮሴፍ ምስ ኣምላኽ ኔሩ ንኣምላኽ ተገዚኡ ብኣምላኽ ተኣሚኑ በቲ መንገዲ ኣምላኽ ከይዱ ኣብ ስምረት ኣምላኽ በጺሑ። 

እምበኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ክንዮ ሕልምታትና ንኣምላኽ ነቐድም። ክንዮ ባህግና ባህጊ ኣምላኽ ኣባን ኩውን ክኸውን ህይወትና ንወፊ። ብድሕሪ እዚ ክንዮ ትጽቢትናን ድሌታታናን ኣምላኽ ብናቱ መንገዲ ክዓይን ክሰርሕን ከሎ ክንርኢ ኢና። ብድሕሪ እዚ ንተስፋ ምቑርጻ ዝባና ሂብና ብተስፋ መሊኢና ሰብ ተስፋ ኰይና የሱስ ኣባና ከቢሩ ንህይወት ኣብዛ ምድርን ኣብታ ትመጽእ መንግስትን ከነስተማቕራ ኢና። ሕልምታትና ክንዮ ትጽቢትና ራኢና ክንዮ ግምትና ገድሊ ትምኒትና ክንዮ ምስትውዕልና ክውን ኮይኑ ክፍጸም ክንርኢ ኢና። ብኣምላኽን ንኣምላኽን ዝዀነ ባህጊ ዘለዎ ሰብ ብጹእ እዩ።