26
Fri, Apr
0 New Articles

መዝገብ (ገንዘብ)

Message 3
Typography

  መዝገብ (ገንዘብ)ገንዘብ ዘለዎ ሰብ  

  ይውን ልዕሊ ሰብ   
  ሓሓሊፉ ይዋሰብ  
 ገንዘብ ዘይብሉ ሰብ  
   ይውን ትሕቲ ሰብ  
    እንዳሓደረ ይዕሰብ'። 
  'ገንዘብ እንተሎ  
   ኣብ ሰማይ መገዲ ኣሎ'።

 

እዚኣቶምን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምስላታትን ኣብ ዓለምና ብተደጋጋሚ ዝስምዑ ኣበሃህላታት እዮም። መዝገብ (ገንዘብ) ማለት ኵላትና ከም እንድርኦ፡ እንውንኖ ብዝሒ ንብረት፡ ጥረ ገንዘብ፡ ወይ ከኣ ክቡር ነገራት ከም ወርቂ ኣልማዝ እዩ። እቲ ብዙሕ ዝውንን ድማ ብመዔቀኒ ዓለም ሃብታም ይበሃል። መዔቀኒ ናይ ሃብቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሃገርናኳ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ዘለዉ ብመጓሰ ዝመሓደሩ ሰብ ገጠር ናይ ሃብቶም መዔቀኒ ብዝሒ ከብቲ እዩ። እገለ ክንድዚ በትሪ ኣለዎኦ እንተደኣ ተባሂሉ፡ ብሃብቱ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ይኽበር (ሐደ በትሪ ከባቢ 100 ከብቲ እየን)። ኣባይቶም ኣከዳድንኦም ኣመጋግባኦም ጽሬቶም ርኢኻ ግን ብመምዘኒ ኣብ ከበሳ ዘሎ ሓረስታይ፡ ድኻ  ኾይኖም ይርኣዩ እዮም፡ እቲ ምንታይ ካልእ ይትረፍሲ መረባዕ ስለ ዘይብሎምን ክዳኖም ስለ ዘየጽረዩን።

 

 ገንዘብ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ልዑል ተራ ኣለዎ። እቲ ቅኑዕ ጐድኑ ገዲፍና፡ ብፍላይ ዓለም ንገንዘብ እትህቦ ግጉይ ስእሊ ክንርኢ ኢና። ሓደ ሰብ ብዝሒ ገንዘብ እንተደኣ ኣልይዎ፡ መን ምኻኑ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ዝፈልጥ ለባም ጥበበኛ  ንፉዕ ህርኩት ለዋህ ንኡድ እዩ። ሓደ ሰብ ሓሳ“ዋ ፈራሕ  ጃዊ  ዘይእሙን ጠላም

 

 ደንቈሮ እኳ ክነሱ፡ ካብ ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ዝተላዕለ፡ ከም ሓያል ጅግና ብርቱዕ ፈላጥን መስተውዓሊን ኰይኑ ይርኤ እዩ። ብዝሒ ገንዘብ ናይ ተድላን ሓጐስን ዕረፍትን ምንጪ  ኾይኑ ድማ ይሽረፍ። ብሰንኪ እዚ ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰባት ተቀሪጹ ዘሎ ግጉይ ዝኽነ ስእሊ፡ ማለት ገንዘብ ኵሉ እዩ ዝብል፡ ሰባት ካብ ዝኾነ ካልእ ንላዕሊ ክእክብዎን ክድልብዎን ይርኣዩ እዮም።

 

 ርግጽ'ዩ መዝገብ / ገንዘብ/ ሃብቲ፡ እግዝኣብሄር ንደቂ ሰባት ምእንቲ ክንሕጐስ ኢሉ ዝሃበና በረኸት እዩ። 1 ጢሞ 6፡17። ስለዚ ሰብ ሃብቲ ምጥራዩ ወይ'ውን ሃብቲ ክረክብ ኢሉ ምጽዓሩ ብቀንዱ ጌጋ ኣይኰነን። እቲ ጌጋስ፡ በቲ ዓለም ንገንዘብ ሂባቶ ዘላ ግጉይ ስእሊ ተታሊልና ኣብኡ ምስ እንምርኰስን እንውከልን እዩ።

 

 ኣብ ሉቃ 12፡16-21፡ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ከም ዘይኮነት፡ ንረድእ ጐ.የ.ክ. ዝሃበና ጽቡቕ ምስላ እሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከም ዝኾነ ኵሉ ሰብ ጻዕረኛን ነቲ ዝጸዓረሉ ገንዘብ ከመይ ገይሩ ከም ዝጥዋመሉ ዝሓስብ  ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ጽዒሩ ገንዘብ ብምድላቡ ሃብታም ዝብሎ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ገንዘብ ብዘለዎ ዝንቡዕ ኣመላኽታ ግን ዓሻ ተባሂሉ ኣሎ። ብሓጺሩ 'ዓሻ ሃብታም' ሰብኣይ እዩ ነይሩ።

 

እምበኣር እቲ ዕሽነት ዘሎ ኣብቲ ኣመላኽታ እዩ።

 

 -እምነትናን ትውክልትናን ኣብ  ገንዘብ ምግባርና

  -ንገንዘብ ከም ዝለዓለ ናይ ውሕስነትናን ምንጪ ሓጐስናን ጌርና ምውሳድና

  -ገንዘብ ናይ መጻኢ ዕድመና ዋሕስ ምግባርና

  -ንገንዘብ ካብ ጽድቂ ኣምላኽን መንግስቱን ንላዕሊ ምድላይና

  -ብብዝሒ ገንዘብና ለባማትን መስተውዓልትን ክቡራትን ኴንና ክንርኤ ምድላይና።

 

 ገንዘብ ግን እንታይ እዩ? ገንዘብ ጠቓሚ እኳ ኽነሱ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘሎና ግን ኣይኰነን። ኤረ ሰራቂ ዝሰርቖ፡ ሓያል'ውን ዝግብቶ፡ ካባና ዝውሰድ ጠፋኢ ነገር እዩ። ማቴ 6፡19። ንኽሉ ሕቶ ናይ ሰብ ክፈትሕ ዓቕሚ ዘይብሉ እዩ። ሉቃ 12፡15 እዮ 20፡20።

 

መን ደኣ እዩ እቲ 'ለባም ሃብታም' ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኘ ሃብታም ዝኾነ ሰብ? እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጽድቁን ልዕሊ ኹሉ ዝደሊ ሰብ (ማቴ 6፡33)፡ እምነቱ ትውክልቱ ውሕስነት ህይወቱን ናይ መጻኢ ተስፍኡን፡ ምንጪ ኹሉ ሓጐሱን ዕረፍቱን ንጐ.የ.ክ. ጥራይ ዝገበረ ሰብ እዩ። መዔቀኒ ናይ ሓቂ ሃብትና እምበኣር እቲ ሓላፊ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ መምዘኒታት ኣሎ። ሎሚ

 

-ብፍርሃት ኣምላኽ ሃብታማት ዲና? ኢሳ 33፡6

  -ብፍጽምቲ እምነት ሃብታማት ዲና? ያእ 2፡5

  -ብሰናይ ግብሪ ሃብታማት ዲና? 1 ጢሞ 6፡18

  -ብኽሉ ቃልን ብኽሉ ፍልጠትን ብኹሉ ብእኡን ሃብታማት ዲና?1 ቈረ1፡4-6

 

 ኢልና ርእስና ኽንሓትት ከኣ ይግብኣና እዩ። ሽዑ ገንዘብ ገዲፍና ንኸይድ ሰባት ዘይይኰንናስ፡ ገንዘብን በረኸትን ኣብ ቅድሜና ክጽበየና፡ ኣብ ድሕሬና ከኣ ባዕሉ ክኽተለና እዩ። ማቴ 6፡19-21

 

 እሞ ንኣምላኽዶ ንፍራህ ወይስ ንሕና ብገንዘብ ንፈራሕ? ኣብ ክርስቶስዶ ንወከል ወይስ ኣብ ገንዘብ? እቲ ምርጫ ንዓና ዝግደፍ እዩ።'ኣብ ግፍዒ ኣይተወከሉ፡ ብዘመተ ኸኣ ከንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፡ ሃብቲ እንተበዝሔ ልብኹም ኣይተውድውሉ' መዝ 62፡10።

 

 'ንኣምላኘን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኮነልኩምን እዩ' ማቴ 6፡24።///