16
Tue, Apr
0 New Articles

ቃል ኣምላኻዊት እምነት

Message 4
Typography

እምነት ምስ ኣምላኽ ኣብ ዝህልወና ምምልላስ ኣገዳሲት እያ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባኣ ብዙሕ ንጹር ትምህርትታት ምሂሩ እኳ እንተኾነ ብዛዕባ እምነት ዘሎ ዝተፈላለየ ግጉይ ርድኢታት ግን ከምቲ ዝግብኣና ካብ ምዕባይ ከልኪሉና ይርከብ። ካብቲ ብዙሕ መግለጺታት ናይ እምነት ሓደ ኣምላኽ ከምቲ ዝበሎ ከም ዝኾነ ምእማን እዩ። እዚ ማለት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ሰባትን ዝተባህለ ኩሉ ሓቂ ምዃኑ ምርድኡን ምቕባሉን ማለት እዩ። ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ሰባትን ብግቡእ እንተ ዘየዛሚድናዮ ጥዕይቲ እምነት ክትህልወና ከምኡውን ንኣምላኽ ዘሐጉስ ናብራ ክንነብር ከሸግረና እዩ። ንእምነት ብክልተ ሸነኻት ክንገልጻ ንኽእል ኢና። እቲ ቀዳማይ ኣብ ስጋኻ ሰናይ ከም ዘየለ ምፍላጥን ብዘይ ጸጋ ኣምላኽ ንእኡ ባህ ከተብሎ ከም ዘይትኽእል ምእማን ክኸውን ከሎ (ሮሜ.7፣18-19 ፣ ዮሃ.15፣5) እቲ ካልኣይ ድማ በቲ ጎይታ ዝህበካ ሓይሊ ንኹሉ ከም ትኽእሎ (ፊል.4፣13) ምእማን እዩ ነዚ ክልተ ነገራት ብሚዛናዊ ኣተሓሕዛ እንተ ዘይሒዝናዮ ወይ በቲ ዘይክውንነታዊ ንኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ከም እምነት ዝምህር ትምህርቲ ክንዕብለል ወይ ከኣ ሕመቕና ጥራይ እናረኣና ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ጸልማት ህይወት ክንነብር ኢና። ስለዚ እምነትና በዚ ነገራት ክንመዝኖን ከመይ ከም ዘሎና ክንርኢን ይግብኣና።


 

እምነት ኣምላኽ ነቲ ዝበሎ ከም ዝገብሮ ርግጸኛ ምዃን ስለ ዝኾነት ካብ ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ዝተፈልየት እያ። እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ ዝተሰረተ ክውንነታዊ ኣተሓሳስባ እምበር ካበይ ከም ዝመጸ ብዘይፍለጥ ጽቡቕ ዝበሃል ሓሳብ ክንህውትት ኣይደልየናን እዩ። ናይ ነገራት ምፍጻምን ዘይምፍጻምን ብእምነት ዝተገብረ ምዃኑን ዘይምዃኑን መለክዒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዓለም ካብቶም ኣመንቲ ንላዕሊ ብኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ዝተዓወቱ ሰባት ኣለዉ። ናቶም ዓወት ኮነ ‘እምነት' ግን ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ እምነት ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን። ጽቡቕ ምምናይ ጽቡቕ እዩ፣ ከምቲ ዝተመነኻዮውን ጽቡቕ ክገጥመካ ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ብዛዕባ ዘይተዛረበሉ ነገር እምነት ክህልወና ግን ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ እንተ ለሚንናዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚሑ ከም ዝህበና፣ እቲ ኣብ ምድሪ ንምንባር ዘድልየና ኩሉ ከም ዘዳልወልናን ተዛሪቡ ኣሎ። ብዛዕባዚ ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ። ብንጹር ብዛዕባ ዘይተጻሕፈ ነገር ግና ምኽንያት ምንዋጽ እምነትና ምእንቲ ከይኮነና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እምነትና ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ሓይሊ ኣምላኽን እምበር ኣብ ጥበብ ወይ ፍልስፍና ሰባት ክትስረት ኣይግባእን እዩ። ብፍልስፍና ሰባት ዕዉት ዝበሃል ህይወት ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣምላኽ ባህ ዘብል ህይወት ግን ኣብ ስጋኻ ሰናይ ከም ዘየለ ከይፈለጥካን ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ከይገበርካን ክትነብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ ንእምነትና ክንመዝን ከሎና እምበኣር ነገራት ይሰልጠልካ ኣሎዶ ዘይኮነስ ኣምላኽ ይሕጎሰልካዶ ኣሎ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣሎና። እታ ቃል ኣምላኻዊት ሓቂ በዓል ጳውሎስን ብዙሓት ብድሕሪኦም ዝነበሩን ዝመሃርዋ እቲ ዘመን ክሳብ ክንደይ ጸንኪሩ ብዘየገድስ ልዕሊ ጊዜ እትወጽእ እምነት እያ። እታ ብጥበብ ሰባት ዝተገብረት እምነት ግና ምስ ኩነታት እትለዋወጥ እያ። ጊዜ ዝስዕራ እምነት ቃል ኣምላኻዊት ኣይኮነትን። ብኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ተዓብሊላ እትስበኽ እምነት ከኣ ጊዜ ክስዕራ እዩ። ድሕሪ ደጊም ክንዲ ዝተመነና ጽቡቕ ንመነ ሓፈሻዊ ኩነታት ዓለም ናብ ዝገደደ እምበር ናብ ዝሓይሽ ክኸይድ ከም ዘይኮነ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ይምህረና እዩ። እዚ ብፍሉይ ንገለ ውሑዳት ዘይኮነስ ኣምላኽ ብንጹር ንኹሎም እቶም ህይወቶም ከም ፍቓዱ ክመርሑ ዝደልዩ ሰባት ዝገለጾ ሓቂ እዩ። ንስኻ ዕቑር ዓቕሚ ኣሎካ፣ ከምዚ/ከምቲ ክትገብር ትኽእል ኢኻ . . .  ዝብል ትምህርትታት ቃል ኣምላኻዊ መሰረት የብሉን። ኩሉ እቲ ንስጋና ከም ሰናይን ንኣምላኽ ባህ ንምባል ዝኸውን ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎን ጌሩ ዝምህር ትምህርትታት ኣንጻር ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ከም ፍልስፍና ህይወት ክምረጽ ይከኣል ይኸውን፣ ምስ ቃል ኣምላኻዊት እምነት ክንሓዋውሶ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ተስፋኻ ኣብ ምድሪ ከመይ ጌርካ ጥጡሕ ናብራ ከም ትነብር እንተኾይኑ ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ የዋጽኣካ እዩ፣ ንኣምላኽ ባህ ንምባል ግን ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። እቲ ሓቀኛ ወንጌልን እቲ ካብ ምድራዊ ናብራ ሓሊፉ ካልእ ጥቕሚ ዘይብሉ ፍልስፍናን በዚ ክንፈልዮ ንኽእል ኢና። ጥዕይቲ እምነት ክትህልወና እንተ ደሊና ነቲ ባህ ዘብል ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ኩሉ ክገብር ከም ዝኽእልን ዝጠቅስ ንስጋና ምቹእ ዝኾነ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብ ስጋና ገለ ሰናይ ከም ዘየልቦ ዝጠቅስ ሓቂውን ክንቅበሎን ክንኣምኖን ይግብኣና

ብኣንጻር እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሓሳብ ቃል ኣምላኻዊት እምነት ከይትህልወና ዝዕንቅፈና ካልኣይ  ርድኢት ከኣ ኣብ ስጋና ገለ ሰናይ ከም ዘየለ ጥራይ ምፍላጥ እዩ። ኣብ ስጋኻ ገለ ሰናይ ከም ዘየለ ምፍላጥ ሓደ ክፋል እምበር ምሉእ ምርዳእ ናይ እምነት ኣይኮነን። እዚ ዘይምሉእ ርድኢት ጥራይ እንተልዩና ነቲ ንነብሮ ዘሎና ካብቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ኣዝዩ ዝተሓተ ናብራ ከም ጽሕፍቶ ወሲድናዮ ክንነብር ኢና። ነዚ ሓደ ሓቂ እዚ ጥራይ ምፍላጥ ክሳብ ዕለተ ሞትና ወይ ክሳዕ ምጽኣት ጎይታ ስዑርን ዘየመስግንን ህይወት ሒዝና ክንነብር ኢና። ኣነ ድኹም እየ፣ ዋላ ሓንቲ የብለይን . . . ዝብል መግለጺታት በቲ ጎይታ ዝህበኒ ሓይሊ ግና ንኹሉ እኽእሎ እየ ብዝብል ቃል ኣምላኻዊ ሓቂ እንተ ዘይተሰንዩ ናብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ዘይምእማን ሓጢኣት ከብጽሓና እዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኮኑ ሰባትውን ኣብ ስጋኦም ሰናይ ከም ዘየለ ይፈልጡ እዮም፣ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ መንገዲ ሰኣን ምፍላጦምን ምቕባሎምን ግን ኣብ ምድንጋር ዝመልኦ ህይወት ይነብሩ። ንሕናውን ነዚ ምሉእ ሓቂ ክሳዕ ዘይፈለጥናዮ ከማታቶም ክንሽገር ኢና። ሕሉፍ ተመኩሮና፣ ህሉው ኩነታትናን ኩነታት ከባቢናን ንእምነት ዝድግፈና ነገራት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኣንጻር እዚ ኩሉ ነገራት ነቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዝገለጾ ሓቂ ክንቅበል እንተ መሪጽና ግን ዕዉት ናብራ ክንነብር ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ "ኣቱም ደቀየ፣ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፣ እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፣ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፣ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ጻድቕ፣ እዩ።" ይብል (1ዮሃ.2፣1)። ነቲ ኣብ ኣቦ ጠበቓ ከም ዘሎና ዝገልጽ መልእኽቲ ሓጢኣት ምእንቲ ከይንገብር እዩ ጽሒፍዎ። ስለዚ ከምቶም ንጎይታ ዘይፈልጡ ሓጢኣት ምግባር ንቡር ወይ ቅቡል ጌርና ክንወስዶ የብልናን። ኣብ ስጋኻ ጽቡቕ ከም ዘየለ ብዝፈለጥካዮ መጠን ሓይሊ ኣምላኽ እንተ ዘይተቐቢልካ ንሓጥያት ከም ቀሊል እናወሰድካዮ ናብ ዝገደደ ክትበጽሕ ይከኣል እዩ። ብመሰረት መልእኽቲ ዮሃንስ  ብዛዕባ ሓጢኣት ዘሎና ፍልጠት ምሉእ ስለ ዘይኮነ ሓጢኣት የብለይን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና (1ዮሃ.1፣10)፣ ካብቲ ሓጢኣት ምዃኑ ዝፈለጥናዮ ነገራት ግን ሓራ ክንወጽእ ንኽእል ኢና (1ዮሃ.2፣1)። ካብቲ እንፈልጦ ሓጢኣት ሓራ ንክንወጽእ ከኣ ሓይሊ ኣምላኽ የድልየና። ሓጢኣት ምዃኑ ካብ ዘዝፈለጥካዮ ነገራት ሓራ እናወጻእካ ምኻድ በቲ ጎይታ ዝህበካ ሓይሊ ክኸውን ዝከኣል ሓቂ እምበር ሓሶት ወይ ጽቡቕ ትምኒት ኣይኮነን ስለዚ ኣብ ስጋኻ ሰናይ ከም ዘየለ ምፍላጥ ጥራይ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኮነ ፈሊጥና በቲ ጎይታ ዝህበና ሓይሊ ኩሉ ከም ዝከኣል ክንርዳእ ይግብኣና።

እዚ ዝጠቐስናዮ ፈፍርቂ ሓቂ ዝሓዘ ግጉይ ርድኢታት ንብዙሓት ዘሸግረና ነገር እዩ። ሳዕቤኑ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ ምሉእ እምነት ክህልወና እምበር እዚ ካብቲ ይሓይሽ ክንብል ኣየድልየናን እዩ። ክልቲኡ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል እዩ፣ ስለዚ ካብ ክልቲኡ ሓራ ክንከውን ኣሎና። ረብሓ ገዛእ ርእስና እናደለና ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዘይተጻሕፈ ምድራዊ ነገራት ክንተሓዝ ኮነ ብድኻምና ተስፋ ቆሪጽና ርእስና ኣድኒንና ክንነብር ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ኣብ ቃሉ ዝተገልጸ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ፈሊጥና ብርግጽነት ንንበር።    

ጎይታ ኣዒንትና የብርሃልና!