19
Fri, Apr
0 New Articles

ምስማዕ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ

Message 4
Typography

 ሰባት ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዝተፈላለየ ነገራት ይገብሩ እዮም። ንኣምላኽ ከተሐጉሶ ምድላይን ምጽዓርን እኳ ጽቡቕ እንተኾነ ቃሉ ብምምርማር እንታይ ከም ዘሐጉሶ እንተ ዘይፈሊጥካ ግን ከምቲ ንንጉስ ሳኦል ዝገጠሞ እቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ኢልካ ዝገበርካዮ ነገር ዘየሐጉሶ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሳኦል ነቲ እግዚኣብሄር ክገብሮ ዝኣዘዞ ዕሽሽ ብምባል ንኣምላኽ የሐጉስ እዩ ዝበሎ ነገር ምስ ገበረ እግዚኣብሄር ብመንገዲ ሳሙኤል ጌሩ "ንእግዚኣብሄርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጉሶ እዩ፣ እንሆ፣ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፣ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።" ኢልዎ (1ሳሙ.15፣22)


 

እግዚኣብሄር ንሳኦል ንኣማሌቕ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፣ ካብ ቆልዓ ክሳዕ ህጻን፣ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፣ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ፈጺሙ ከጥፍኦ ኣዚዝዎ። ሳኦልን እቲ ህዝብን ግን ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቓውያን ኮነ ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ከጥፍእወን ኣይፈተዉን። ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግን ፈጺሞም ኣጥፊኦሞ። ሳኦል ኮነ እቶም ህዝቢ ነተን ዝጸበቓ ኣባጊዕን ኣሓን ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ክስውእወን እምበር ንካልእ ዕላማ ኣይነሓፍወንን። እንተኾነ ግን እዚ ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስ መደቦም ነቲ "ንኣማሌቕ ተዋግኣዮ፣ ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፣ ኣይትንሓፎ" (1ሳሙ.15፣3) ዝብል ትእዛዝ ብምጽራር ዝተገብረ እዩ ኔሩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ዘሐጉስዎ ኣጉህዮሞ። ዝሓርር መስዋእቲ ኮነ መስዋእቲ ሕሩድ ምቕራብ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓንቲ ሕማቕ ኣይነበሮን። ምስ ምፍጻም ቃሉ ክነጻጸር ከሎ ግን ካብ መስዋእቲ ምቕራብ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘካ ምግባር ከም ዝበልጽ ተዛሪቡ። ንሕና እንተ ዘይተረድእናውን ኣምላኽ ነቲ ዝእዝዞ ነገር ዝብለሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ንኣማሌቕ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ ክብል ከሎ ኣብኡ ንመስዋእቲ ብቑዓት ዝኾና ጽቡቓት ኣባጊዕን ኣሓን ጠፊአንኦ ኣይኮናን። ሓደ ካብቲ ክእዝዞ ከሎ ዝተዛረቦ ዘረባውን ‘ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ' ዝብል እዩ። እዚ ማለት ‘ዋላ እኳ ንመስዋእቲ ብቑዓት ዝኾና ጽቡቓት ኣባጊዕን ኣሓን እንተለዋ ንዓኣተንውን ኣይትንሓፈን' ማለት እዩ። ሳኦል ኮነ እቲ ህዝቢ ካብ ንቃል ኣምላኽ ንርድኢቶም ክስዕቡ ስለ ዝመረጹ ነቲ ዝተኣዘዝዎ ትእዛዝ ብከፊል ጥራይ ተግቢሮሞ። ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን ፈጺሞም ከጥፍእዎ ከለዉ ነቲ ብሉጽን ጽቡቕን ግን ንሒፎሞ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝእዝዘና ብምልኣት እምበር ፍርቁ ወይ ሰለስተ ርብዑ ክንእዘዞ ስለ ዘይደሊ በዚ ሳኦልን ህዝቡን ዝገበርዎ ነገር ሓዚኑ። ንኣማሌቕ ፈጺሞም እንተ ዘጥፍእዎ ንመስዋእቲ ትኸውን ሓንቲ በጊዕ እንተ ዘይትነብሮምውን ኣምላኽ ቅር ኣይምበሎን። ብነብይ ሳሙኤል ጌሩ ከኣ ከምቲ ዝሰማዕካዮ ምግባር ካብ ብዙሕ ጽቡቕ ዝመስል መሰረታዊ ዘይኮነ ነገራት ከም ዝበልጽ ምሂርዎም።

ንሕናኸ ከምቲ ዝሰማዕናዮዶ ንገብር ኣሎና ወይስ ነተን ኣምላኽ ዝሓረመን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ንንሕፈን ኣሎና? ዘመንና ከምዚ ናይ በዓል ሳኦል ልዙብ ኣካይዳ ዝምረጸሉ ህላውነት ኣምላኽ ዘይብሉ ምምልላስ ዝበዝሓሉ ዘመን እዩ። ከምቲ ናይ ሳኦል ካብ ንቃል ኣምላኽ ንርእይቶ ሰባት ዝስምዓሉ ጊዜ ስለ ዘሎና ክርስትና ኣብቲ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ እታ ናብ ህይወት እተብጽሕ መንገዲ ምሉእ ምእዛዝ እትሓትት ጸባብ መንገዲ ምዃና ስለ ዝምህር ብዙሓት ነቲ ሕሩም እናነሓፉ ምንባር እንተመረጹ ክገርመና የብሉን። ነቲ ሕሩም ከጥፍኦዶ ክንሕፎ ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍና ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ።

ከምዚ ኣብ 1ሳሙ.15 እንርእዮ ነቲ ዝተሓርመ ተጥፍኦዶ ትንሕፎ ዝውስነካ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ ምትእምማን እዩ። ብኣምላኽ ዝተኣማመን ሰብ ንሰባት ኣይፈርህን እዩ፣ ሓደ ካብቲ ንሳኦል እዚ ምኽንያት ውድቀቱ ዝኾነ ውሳኔ ክወስድ ዝደረኾ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ዘይምትእምማንን ንሰባት ምፍራህን እዩ። ሳኦል ባዕሉ "ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተኣዘዝኩ፣ ንትእዛዛት እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሓሊፈ እየ እሞ፣ ሓጣእኩ።" ኢሉ (ጥ.24)። ፍርሃት ንኣምላኽ ካብ ዘይምእማን ዝብገስ ሓደገኛ ነገር እዩ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከኣ ኣለዎ። ሰባት ነቲ ሕሩም ናይ ምንሓፍ ዝንባለ ስለ ዘለዎም ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሕሩም ንምንሓፍ ክንፍተን ኢና። ነቲ ሕሩም እንተ ኣጥፊእናዮ ከም ዓያሱን ዘይለባማትን ክንሕሰብ ከምኡውን መኻይድናን ፈተውትናን ክውሕዱ እዮም፣ ኣምላኽ ግን ምሳና እዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ሕሩም እንተ ንሒፍናዮ ብዙሓት ክፈትዉና፣ ክንእዱናን ከም ሰፊሕ ልቦና ዘለዎም መንፈሳውያን ክርእዩናን እዮም፣ ኣምላኽ ግና ካባና ክርሕቕ እዩ። ስለዚ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ ከም ዝበልጽ፣ ብምልኣት ዘይምእዛዝ ቀሊል ከም ዘይኮነን ንሰባት ካብ ምኽባሮም ሓሊፍካ ምፍርሆም ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎም ክንፈልጥ ይግብኣና። "ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፣ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር" (ምሳ.29፣25)

                              ጎይታ ይደግፈና!