24
Wed, Apr
0 New Articles

ብገለኳ ኣይትጨነቑ

Message 4
Typography

ቃል ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር ንህይወትና ብዘድሊ ነገራት ከም ዝሓልየልናን ከም ዝግደሰልናን ደጋጊሙ ተዛሪቡ ኣሎ። ጎይታ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት (ማቴ.5-7) ነዕዋፍ ሰማይ ብምርኣይ ገለ ትምህርቲ ክንወስድ ከም ንኽእል ነጊሩና ኣሎ። ኣዕዋፍ ሰማይ ከም ሰብ ዝዘርእኦ፣ ዝዓጽድኦን ኣብ ማዕከን ዝእክብኦን መግቢ የብለንን፣ እንተኾነ ግን ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና?' ዝብል ሕቶን ጭንቀትን ግን የብለንን።


 

ብኣንጻሩ ከኣ ሰብ ይብዛሕ ይውሓድ ዘእትዎ ነገር እናሃለዎ ብዛዕባ ጽባሕን መጻኢን ክጭነቕ ጊዜኡ የሕልፍ። ጎይታ ግን እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝኾንና ክርስትያናት ካብዚ ዝበዝሐ ሰብ ዝጭነቖን ከም ንቡር ዝወስዶን ጭንቀት ነጻ ክንወጽእ ይደልየና። ጭንቀት ከምቲ ዝመስለና ካብ ንገዛእ ርእስናን ንናትና ዘበለን ዘሎና ተገዳስነት ወይ ሓልዮት ዝመጽእ ኣይኮነን። ጭንቀት ካብ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዝሓለፈ እዩ። ጭንቀት፣ ህይወት ካብ መብልዕ ስጋ ከኣ ካብ ክዳን ከም ዝበልጽ ካብ ዘይምእማን ዝብገስ እዩ (ማቴ.6፣25)። ጭንቀት፣ ኣምላኽ ዘድልየካ ዘበለ ከም ዝህበካ ካብ ዘይምእማን ዝብገስ እዩ (ማቴ.6፣31)። ኣዕዋፍ ነቲ ክገብርኦ ዝግብአን ነገራት እናገበራ ይጽበያ እምበር ኣምላኽ ዘድልየን ከም ዘይከልአን ስለ ዝፈልጣ ኣይጭነቓን እየን። ‘ጭንቀት' እግዚኣብሄር ፈቃር ኣቦ ምዃኑ ካብ ዘይምእማን ስለ ዝብገስ ቃል ኣምላኽ ብዝኾነ ነገር ክንጭነቕ ከም ዘይብልናን ኩሉ ሓልዮትና ናብ ጎይታ ከነውድቖ ከም ዘሎናን ይነግረና (ፊሊ.4፣6 ፣ 1ጴጥ.5፣7)            

ኣብዚ ክትጭነቕ ዝድርኽ ነገራት እናበዝሐ ዝኸደሉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ዘመንውን እቲ ‘ብገለኳ ኣይትጨነቑ' ዝብል ቃል ኣምላኽ ኣይተለወጠን። ከም ሰባት እቶም ፍጹማት ዘይኮኑ ኣቦታትና ኣባና ከመይ ዝበለ ሓልዮትን ተገዳስነትን ከም ዘለዎም ይርድኣና እዩ። ምእንቲ ከይንጭነቕ እምብኣር እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ካብኣቶም ብዝበለጸ ከም ዝሓልየልና ክንፈልጥ የድልየና። ናይ ምድራዊ ነገራት ምምላእን ምጉዳልን ነቶም ተስፍኦም ኣብ ምድራዊ ነገራት ዘንበሩ ሰባት ከሐጉሶምን ከጨንቖምን ይኽእል እዩ፣ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ዘለዎ ክርስትያን ግን ኣቦኡ ብምድራዊ ነገራት ስለ ዘይትንከፍ ክጭነቕ ኣየድልዮን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኮራኹር ኣናብስ ዝስእኑሉን ዝጠምዩሉን ጊዜ ከም ዘሎ፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝጽበዩ ግና ሰናይ ዘበለ ከም ዘይጎድሎም ይዛረብ (መዝ.34፣9)። ጎይታውን መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊና እቲ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ምድሪ ንምንባር ዘድልዮ ነገራት ከም ዝውሰኸልና ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ.6፣33)። ስለዚ ቃል ኣምላኽ ካብ ዝሓልፍ (ከንቱ ካብ ዝኸውን) ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ስለ ዝቐልል ብምሉእ ልብና መንግስቲ ኣምላኽ ንድለ።

ቃል ኣምላኽ "ብገለኳ ኣይትጨነቑ" ወይ ድማ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።" ክብል ከሎ ኮፍ ኢልኩም ተጸበዩ ማለቱ ድዩ? ኣይኮነን። ኣዕዋፍ ሰማይ እሙናት ኮይነን መዓልታዊ ንጥፈታተን የካይዳ እምበር ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ ኢለን ደቂሰን ኣይውዕላን እየን። ንሕናውን ካብኣተን ክንመሃር ስለ ዝተኣዘዝና ክንሰርሕን እቲ ዝረኸብናዮ ብጥበብ ክንጥቀመሉን ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብኣና። ኣምላኽ ህኩያት ክንከውን ስለ ዘይደልየና ‘ክሰርሕ ዘይደሊ እንተሎ' ኣይብላዕ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (2ተሰ.3፣9-10)። ስለዚ ‘ኣይትጨነቑ' ማለት እቲ ዝግብኣኩም ጥራይ ግበሩ ካብቲ ዝተደወበልኩም ደረት ሓሊፍኩም ስራሕ ኣምላኽ ክትሰርሑ ኣይትፈትኑ ማለት እዩ። ኣይትጨነቑ፣ ኣምላኽ ዘድልየኩም ነገር ኣይከልኣኩምን እዩ ማለት እዩ። ስለዚ "ድሌትኩም ዘበለ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፣ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።" (ፊሊ.4፣6)። ኣምላኽ ዘድልየና ነገር ኣይከልኣና እዩ፣ ብጸሎት ናብኡ ድሌትና ምስ ኣፍለጥና ግን ገለ ንዓና ዘድልየና ዝመሰለና ግናኸ ዘየድልየና ነገር ክንፈልጥ ኢና። ስለዚ ድሌትና ብጸሎት ነፍልጦ እምበር ብገለኳ ኣይንጨነቕ። ጎይታ ይደግፈና! ኣሜን።