19
Fri, Apr
0 New Articles

“እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ ሓደ ወዲ፣ ንሱ ኣግሃዶ”

Message 4
Typography

ሓደካብቲ ንሰባት ብዙሕ ዘሸግሮምን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ነናቶም መግለጽታት ዝህቡሉን ኣምላኽ ከመይ እዩ ዝመስል? ዝብል ሕቶ እዩ።ቃል ኣምላኽ እግዚኣብሄር መንፈስ ከም ዝኾነን ንዕኡ ይመስል ኢልና ዝኾነ ምስሊ ኮነ ስእሊ ክንገብር ከም ዘይብልናን ኣበርቲዑየጠንቅቐና። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳት ከኣ ብመጠን እቲ ዝበርሃሎም ብርሃን ‘ኣምላኽ ከምዚ ይመስል' ይብሉ ኔሮም።ንሳቶም ምስቲ ዝነበሮም ድኻም ከምቲ ዝግባእ ይውክልዎ እኳ እንተ ዘይነበሩ ናይ ብዙሓት ካብኣቶም ባህርያት ብምጽናዕ ደሓንዝኾነ ምስሊ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብርሃም፣ ሙሴ፣ ዳዊት፣ ኤልያስ፣ ኤልሳእ . . . ገለ ካብ ባህርያት ኣምላኽከርእዩና ክኢሎም እዮም። ብምልኣት ክውክሎን ከርእየናን ዝኸኣለ ግን ኣይነበረን። ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ከኣነቲ ኣብዞም ቅዱሳን ዝነበረ ድኻም ስጋ ብምውሳድ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ኣምላኽ ፈጢሮም እዮም። ነዞም ኣብ ሓድሽ ኪዳንዘሎና ኣመንቲኸ ኣምላኽ ከመይ እዩ?


ኣብሓዲሽ ኪዳን ካብ ናይ ኣብርሃምን ሙሴን ወይ ካብ ናይ ዳዊትን ኤልያስን ባህርያት እናወሰድና ኣምላኽ ከምዚ እዩ ዝመስል ክንብልኣየድልየናን እዩ። ቃል ኣምላኽ "ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፣ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፣ ንሱ ኣግሃዶ።"ይብለና (ዮሃ.1፣18)።ጎይታ የሱስ ብስጋ ክሳብ ዝመጽእ ኣምላኽ ከምዚ እዩ ዝመስል ዝብል ምሉእ መግለጺ ስለ ዘይነበረ ሰባት ኣብ ብዙሕ ምድንጋርንኣብ ጸልማትን ይነብሩ ኔሮም። እቲ ብርሃን ዝኾነ የሱስ ምስ ተገልጸ ግን ብርሃን ንብዙሕ ስዉር ነገራት ስለ ዝገልጽን ጸልማትክሕዞ ስለ ዘይክእልን ነቶም ውሉድ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ዝሓስቡን ኣምላኽ ኣቦኦም ዝመስሎም ዝነበረን ፈሪሳውያን ውሉድ ድያብሎስከም ዝኾኑ ነጊርዎም (ዮሃ.8፣37-47)። እቲ ናይ ሓቅን መጽሓፍ ቅዱስ ዝዛረበሉን ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ እዩ፣ስለዚ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፍና ንቃል ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ ህይወት የሱስ ብምጽናዕንብምስትንታንን ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስል ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ጎይታ "ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ" (ዮሃ.14፣9)ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ስለዚ ንየሱስ ኣብ ቃሉ ክንርእዮን ኩሉ ህይወቱ ከነጽንዖን የድልየና።

ኩሉጽሑፋት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስን እዩ ዝዛረብ (ዮሃ.5፣39)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ብዛዕብኡ ብዙሕዝተዘርበሉ የሱስ (ዮሃ.1፣45) ብስጋ ስለ ዝተገልጸ እዞም ሎሚ ዘሎና ሰባት መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብነት ዝኾነናህይወትውን ረኺብና። ስለዚ ንመጽሓፍ ቅዱስና ካብ ምንባብ ሓሊፍና ንጎይታ የሱስ ናይ ህይወትና ኣብነት ክንገብሮ ይግብኣና።ንኣምላኽ ዝረኣዮ ዋላ ሓደ የለን እቲ ሓደ ወዲ ዝኾነ ጎይታ የሱስ ግን ገሊጹልና ስለ ዘሎ ንኹሉ ኣብ ህይወት ዝገጥመና ነገራትጎይታ እንታይ ምገበረ? ወይ ጎይታ ነዚ ኩነታት እዚ እንታይ ግብረ መልሲ ምሃበሉ? ኢልና ክንሓትት ይግብኣና። ኣብ ብሉይ ኪዳንኣምላኽ ቃሉ ሂቡ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ቃል ስጋ ኮይኑ፣ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣብ መንጎና ሓዲሩ። ንሓድሽ ኪዳን ዝበለጸኪዳን ዝገብሮ እምበኣር እዚ ናይ የሱስ ናይ ህይወት ኣብነት እዩ። ህይወት የሱስ ርኢናን ብብርሃኑ ተሓጊዝናን ኣምላኽ እንታይይፈቱ? እንታይ ይጸልእ? ነየናይ ነገራት ቀዳምነት ይህቦ? ካባና እንታይ ይደሊ? ብኸመይ ነሐጉሶ? . . . ንዝብል ሕቶታትመልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ጎይታ ነቲ ኣምላኽ ከመይ ይመስል ዝብል ሕቶና ብክልተ መንገዲ እዩ መሊስዎ። ኣምላኽ ከመይ ከምዝኾነን ኣምላኽ ከመይ ከም ዘይኮንነን ብምርኣይ። ሰባት ድኻም ስጋ ስለ ዘለዎምን ሚዛናውያን ናይ ዘይምዃን ሽግር ስለዘጥቅዖምን ኣብርሃም፣ ሙሴ ኮነ ዳዊት ብምልኣት ንኣምላኽ ከርእዩና ኣይከኣሉን። ጎይታ ግን ብምልኣት ስለ ዝገለጾ ኣምላኽ ከመይከም ዝመስል ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ብየሱስ ስለዝተገልጸ ንኣምላኽ ክርእዮ ዝደሊ ሰብ ካብቲ ፊደል ሓሊፉ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ህያው ዝኾነ የሱስ ክርእዮ የድልዮ።