18
Thu, Apr
0 New Articles

ጸጋ ኣምላኽ ንምንታይ ተገሊጹ?

Message 4
Typography
ቃል ኣምላኽኣብ ሓድሽ ኪዳን ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝተገልጸን ንኹሉ ሰብ ምድሓን ከም ዘምጽአን ይዛረብ፣ ቲቶ.2፣11። ጸጋ ኣብ ብሉይ ኪዳንዘይነበረን ነቲ ኣብ ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎ ኣምላኽ ንሰባት ዘዳለዎ ህይወት ምእንቲ ክንነብሮ ዝተገልጸ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ (ማቴ.19፣8)።እግዚኣብሄር ብምሕረት ምሉእ ስለ ዝኾነ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰባት ብሰሪ ትሪ ልቦም ፈጺሞም ምእንቲ ከይጠፍኡ ብመንገዲ ሙሴ ጌሩዝፈቐዶ ነገራት ኔሩ እዩ። 

ሽዑዘኽእል ጸጋ ስለ ዘይነበሮም ከከም መንፍዓቶም ይነብሩ ኔሮም። ብእኡ መጠን ከኣ እቶም ብዘይ መንቅብ ክመላለሱ ዝኸኣሉ ነቲጽድቂ ገዛእ ርእሶም ይሕበኑሉ ኔሮም። ናይ ብሉይ ኪዳን ጽድቂ ግን ካብ ናይ እገለስ ናይ እገለ ክዳን ይረስሕ (ኢሳ.64፣6)፣ካብ ናይ ዮኣብ ናይ ኣብኔር ወዲ ኔርን ናይ ዓማሳ ወዲ የተርን ጽድቂ ይበልጽ (1ነገ.2፣32) ካብ ምባል ሓሊፉ ገጽእግዚኣብሄር ክትርኢ ዘብቅዕ ኣይነበረን።

ኣምላኽንሰብ ኣዝዩ ስለ ዘፍቅሮ ከምቲ ፍጹም ፍቓዱ ምእንቲ ከንብረና ኢሉ ብየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሓቅን ኣምጺኡ። ጸጋ ምድሓንንኸምጽእ ተገሊጹ፣ ቲቶ.2፣11። ምስ ምድሓን ካብ ምንታይ ዝብል ነገር ክመጽእ ንቡር እዩ። የሱስ ጸጋን ሓቅን ሒዙብምምጻእ ካብቲ ብዘይ ጸጋ ክንድሕኖ ዘይንኽእል ዝነበርና ኩሉ ነገራት ኣድሒኑና። ጸጋ ካብቲ ብዘይ ጸጋ ክንድሕኖ ዘይንኽእልንኸድሕነና እዩ ተገሊጹ። እቲ ቀንዲ ብጸጋ መልሲ ዝተረኽበሉ ከኣ ምልኪ ሓጢኣት እዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ እኳ እንተዘይኮነ ሰብቅድሚ ምምጻእ የሱስውን ንብዙሓት ነገራት መፍትሒ ረኺብሎም እዩ። ብድሕሪኡውን ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 2000 ዓመታት ፍልጠትሰብ  እናወሰኸ ብምኻዱ ሰብ ንብዙሕ ግድላት ክፈትሕ ክኢሉ እዩ።ሓደ ሰባት ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ክፈትሕዎን ክመልክዎን ዘይከኣሉ ነገር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ግን ሓይሊ ሓጢኣት እዩ። ወንጌልብስራት ወይ ጥዑም ዜና ዝበሃል እምበኣር ምድሓን ካብ ፍርዲን ምድሓን ካብ ሓይሊ ሓጢኣትን ስለ ዝምህር እዩ። ኣብ ማቴ.1፣21መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ክዛረቦ ከሎ "ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፣ ስሙ የሱስክትሰምዮ ኢኻ።" ኢልዎ። የሱስ ማለት ካብ ሓጢኣት ዘድሕን ማለት እዩ። የሱስ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ፣ ጸጋንሓቅን ሒዙ፣ ዘረባ ጸጋ እናተዛረበ ኣብዛ ምድሪ ተመላሊሱ።

ሕድገትሓጢኣትን ምሕረትን ኣብ ብሉይ ኪዳንውን ኔሩ እዩ። ከምቲ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ  ጸጋ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ክትነብሮ ዘኽእለካ ሓይሊ ኣምላኽ ስለዝኾነምስኡ ዝመጽእ ካብ ምሕረት ምርካብን ስርየት ሓጢኣትን ዝበልጽ ነገር ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ሮሜ.6፣14 "ትሕቲጸጋ እምበር፣ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፣ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፣ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩእምበር፣ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፣ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።"ይብለና።

ጸጋኣምላኽ እምበኣር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ከመላልሰናን ካብ ዘይክርስቶሳዊ ባህርያት ሓራ እናወጻእና ንክርስቶስ ናብ ምምሳልከዕብየናን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ኩሉ ምድራዊ ጣዕሚን ምቾትን ብበረኸት ኣምላኽ ዝርከብ ነገራት እዩ ኔሩ። ብማተርያላዊነገር ምህብታም፣ ብምሉእ ጥዕና ምንባር፣ ብኣረኣእያ ዓለም ኣዚኻ ምርኡይ ኮንካ ምንባር . . . ብዙሓት ጸጋ ዘይብሎምንክህልዎም ዘይክእልን (ዕቡያት ብምዃኖም) ሰባትውን ስለ ዘለዎም ጸጋ ኣምላኽ ዘድልዮ ነገራት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ገሊኦም ባሮትኣምላኽሲ ብምኽንያት ድኻም ስጋኦም ጸጋ ስለ ዝበዝሓሎም ብድኻሞም (ብስጋዊ ሕማም) ተመኪሖም እዮም (2ቆረ.12፣7-10)።ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ንኸመላልሰናን ንክርስቶስ ከምስለናን ከም ዝመጸ ተረዲእና ጸጋኣምላኽ ኣብ ህይወትና ክግለጽ ክንጽሊ ይግብኣና። ጸጋ ኣምላኽ፣ የድሕን፣ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድካ ከኣ ኣብዛ ዓለምእዚኣ ብጥንቃቐ፣ ብጽድቅን በምልኾን ክትነብር ይምህር፣ ቲቶ.2፣11-13