20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣብ ሂወት ክርስትና መከራ ዘይተርፍ እዩ !

Message 4
Typography

ኣብ ሂወት ክርስትና መከራ ዘይተርፍ እዩ። (ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈby zac poonen) ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ቃል ኣምላክ ከምዚ ይብለና፥"እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፣ ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ብምርኮን ብበዝባዝን ኪወድቁ እዮም። ( ዳንኤል 11=33) ኣብ መወዳእታ ግዜ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶም ከም ዝእሰሩን፥ከም ዝቕተሉን ቃል ኣምላኻ ይነግረና ሓቀኛ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ መከራ ይረኽብ እዮም።

ያዕቆብ ብሄሮድስ ተቐቲሉ እዩ(ግብ 12=2) መልኣኽ መጺዩ ኣየናጎፎን :ኣቤል ተቐቲሉ እዩ: ነብሲ ወከፍ ናይ ቡሉይ ኪዳን ነቢይ ብመከራ እዩ ሓሊፉ "ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም ሕጂው ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኮንኩም (ግብ 7=52) ዮውሃንስ መጥመቕ ተሰይፉ እዩ፥ጎይታና የሱስውን ተሰቒሉ እዩ፤ እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ እዩ፥ጳውሎስ ተስይፉ እዩ ፥ታሪኽ ከም ዝነግረና ጴጥሮስውን ኣብ መወዳእታ ተሰቒሉ እዩ፥ ዝኾነ መልኣኽ ከድሕኖም ኣይመጸን፥ክሳብ እንፈልጦ ክሎም ሃዋርያት ብዘይካ ዮውሃንስ ኩሎም ተቐቲሎም እዮም።

መጽሓፍ ቁዱስ ቅድሚ የሱስ ምምጽኡ ብንጹር ቤትክርስትያን በቲ ዓቢ መከራ ከም እትሓልፍ ይነግረና፥ቡዙሓት ብሉጻት ናይ ኣምላክ ቁዱሳን ኣብዚ ናይ ዓቢ መከራ ግዜ ክቕተሉ እዮም "ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ" (ራኢ 13=7)።ኣብዚ ዘመንዚ እውን ኣብ ኮምኒስት ሃገራት ገለ ናይ ጎይታ ቡሉጻት ቁዱሳን ተቐቲሎም እዮም።

መደብ እግዚኣብሄር ንነብሲ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ፥ግናኸ ሓደ ነገር ርጉጽ እዩ ኣብዛ ምድሪ ንኣምላኻ ክብሪ ምሃብ ጥራይ እንተ ኾይኑ ድሌታትካ ከም ፍቓዱ ክትመላለስ እንተ ኾይኑ ሓሳብካ እቲ ጎይታ ኣባኻ ክዓዮ ዝመደበ ከይወዳእካ ኣይትመውትን ኢኻ።

እቶም መንፈሳዊ ምርዳእ ዘለዎም ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዓልታት ሚንስትሪ ዕዮ ጎይታ ክህልወም እዩ፥ "እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፣ ........"(ዳን 11=33)

በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣብዚ መወዳእታ ግዜ "እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን ትዕቢተኛ ዓይኒ ሓሳዊት መልሓስ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ። ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ" (ምሳ 6=16-19) ንሕና ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣይንብኣስን ኢና፥ምስ ሰይጣን ጥራይ እዩ ቅልስና ፥ንቶም ተቋወምትና ንእግዚኣብሄር ጥራይ ንሕደገሉ ንሱ ንቲ ጉዳይ ኪሕዞ እዩ።

ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብዝኾነ ጉዳይ ምስ ሰብ ከይብኣስ ወሲነ እየ በዚ ውሳኔይ ተጣዒሰ ኣፈልጥን፥ ዝኾነ ሰብ ምሳይ ክብኣስ እንተመጺኡ ስቕ ይብል ወይ ድማ ተንሰኤ ይኸይድ።ሰባት ብደብዳቤ እንተ ኸሲሶምኒ መልሲ ኣህቦምን እየ፥ነኸምዚኦም ሰባት ምምላስ ፍጹም ግዜ ምብኻን እዩ፥ ምሕረት ጥራይ ይገብረሎም በይኖም ጥራይ ይሓድጎም፥ኣተኩረይ ኩሉ ዓቕምታተይ ምስ ስይጣን ንምቅላስ እዩ፥ኣምላኻ ንቶም ወኪላት ከሰስቲ ባዕሉ ንቲ ጉዳይ ክምዝሕዞ ተገንዚበዮ እየ፥ ሕነ ምፍዳይ ናይ ኣምላኻ ጥራይ እዩ። (ሮሜ12=19)

ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ቃል ኣምላክ ብዙሓት ኣብዚ ናይ መከራ ግዜ ግቡዛት ከም ዝኾኑ የነግረና "ምስ ወደቑ ኸኣ ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም፣ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም" (ዳን 11=34) ቡዙሓት ኣብ ማዕከል ቤተክርስትያን ከም ብሙሉእ ልቦም ንጎይታ ከም ዘፍቅርዎ ይዋስኡ፥ቡዙሕ ርእሶም ከም ዝፈርዱን፥ ፥ብዛዕባ መስቀል ምልዓል ቡዙህ ወ.ዘ.ተ ይዛረቡ፥ ግናኸ ኣብ ማእከል ዓለማውያን የዕሩኽቶም ፥ዘይተለወጡ ኣዝማዶም ናይ ሰብ ክብሪ ይደልዩ ብእኦም ተቐባልነት ኪረኽቡ ድማ ይሰርሑን ይዛረቡን።

ቡዙሓት ኣመንቲ ኣሎዉ ሱር ናይ ምረት ዘለዎም ንኻልኡት ኣብ ቤተክርስትያን እዉን ዘርክሱ(እብ12=13)፥ ግናኸ ኣምላኻ ንኽሎም ይዕገሶም ኣሎ በዚ ምኽንያት እዩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትያን ዘለዉ እንተ ዘይተነሲሖም ኣብ ሙዱብ ግዜ ክቃልዑ እዮም፣በዚ ድማ ክወድቁ እዮም ከምቶም ቅድምኤም ዝወደቑ።

ኣምላኻ እንተድኣ ፈሊጥናዮ ኣብ ፍቕሪ ክንስረትን ድማ ደው ክንብል ኢና "ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን" (ኤፌ3=17) ኣብ ቤትክርስትያንውን እቲ መሰረት ከመኡ፥ካልኦት እንተ ጸልኡና፥ እንጠለሙና፥ካብ ገዛ እውን እንተውጹና ምሕረት ክንገብረሎም ኢና ከንፍቅሮም ካልእ ዕድል እተረኸቡ ከነግልግሎም ኢና።ዕድላት ከርከብ ከሎ ክንጭብጦን ክንባርኾም ኢና፥ዝኾነ እንተኾነ ክፉኣት ክግብራን ኣይክእልን እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ክፉእ ባህሪ ክፉኣት ዚገብረና እንተድኣ ኾይኑ ከምቲ ሰብ ኣገልጋሊ ሰይጣን ኮይና ኣለና ማለት እዩ።

ኣብ መወዳእታ ምዓልታት እቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ ከይተረፈ ከም ዝወድቁ ቃል ኣምላክ ይዛረብ "እዝስ በቲ ምዱብ ጊዜ እዩ ዚኸውን እሞ፣ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪዅልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ፣ ኪወድቁ እዮም" (ዳን 11=35) ፥ነገር ግን ርእሶም እንተ ኣትሓቱ፥ርእሶም እተፈረዱ በዚ ተስፋ ኣሎዎም ክኹሉዑ፥ ክጸርዩ፥ ክጽዕድዉ ይኽእሉ እዮም።እቶም ንርእሶም ዘይፈርዱ ኣብ ኢድ ሰይጣን ክወድቁ እዮም ዋላኳ ኣብ ሓደ እዋን ኣርሒቆም ዝሓስቡን፥ መገዲ እግዛብሄር ዝፈልጡ እንተነበሩ።

ሎሚ ምዓልቲ ጸጋ እዩ እቶም ዝንስሑ፥ ርእሶም ዝፈርዱ፥ናብ ዝልዓለ መፈሳዊ ብራኸ ክበጽሑ እዮም፥ግናኸ ብመገዲ ብርሃንን ብቕንዕና ክንመላለስ ኣሎና፥እቲ ምኹላዕን ምጽዕዳውን ክሳብ መወዳእታ ግዜ ክቕጽል እዩ "...... ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪዅልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ፣ ኪወድቁ እዮም" (ዳን 11=35) እምብኣር ኣምላኻ ንመደቡ ንዓና ናብ ምስሊ ክርስቶስ እናለወጠ ክፍጽሞ ይኽእል እዩ፥ስለዚ ኣብዚ ናይ ምድሪ ሂወትና ቀሊል ግዜ ክህልወና ትጽቢት ክህልወና የብሉን ጎይታን የሱስ ክሳብ ዝመጽእ፥ኣብ ዓለም ቀጻሊ መከራ ኣሎና።

ትርጉም ዮሴፍ ደስታ

Translated by Yosief Desta