18
Thu, Apr
0 New Articles

ስለምንታይ ንዓይ?

Message 4
Typography

ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍና ማእለያ ዝይብሉ ዘይተመለሰ ሕቶ ክህሉ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣእምሮና ብስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክዋጠር ከሎ ኣብ ህይወትና ዘምጾ ስነ ኣእምራውን መንፈሳዊ ነውጽን ቀሊል ኣይኮነን። ካልእ ተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ናትና ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ሰባት ደጊሞም ነቲ ስለምንታይና ስለምንታይ ክውስኽሉ ከለዉ እምብዛ ከም ዝኸብደናን ዘናውጸናን ዘጥራጥር የብሉን። ሓደ እዋን ሓንቲ ሓፍቲ ዉላድ ብዘይምውላዳ ብዙሕ ትሓዝንን ትምረርን ነበረት። እዛ ሰብ እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪን እምነትን እምብዛ ዓብን ዓሚቑን እዩ ኔሩ።  ሰባት ንዘይ ምውላዳ ዝህብዎ ትንተና ማእለያ የብሉን። ገለ እምነት ከም ዝጐደላ እሞ እምነት ክህልዋ ክጽሊ ከም ዘለዋ ክምዕድዋ ከለዉ ገለ ኸኣ ምስ ሓጥያት ወይ መርገም ምትሕሓዝ ከይህልዎ እናበሉ ይምዕድዋን ይዛረብዋን ነበሩ። እዛ ሓፍቲ ከምኡ እውን ብዓልቤታ ዝሓልፍዎ ኣደራዕ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሙዃኑ ንሶም ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። ከምዚ ናይዛ ሓፍቲ ዝኣመሰለ ዝተፈላልየ ጾር ዘሎና ሰባት ማኣለያ ከም ዘይብልና ፍሉጥ እዩ። ግና ስለምንታይ? ሓጥይትና ካብ ናይ ካሎት ስለ ዝዛየደ? እምነት ስለ ዘይብልና? ኣምላኽ መዳለዊ ስለ ዝዀነ? ሓደ እዋን ንጐይታና መድሓኒና ዘጋጠሞ ሓደ ጉዳይ ኔሩ። ጐይታ ክሓልፍ ከሎ ሓደ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብ ረኣየ። የሱስ ኣፉ ከይከፈተ ግና ደቂ መዛምርቱ እቲ ኣብ ልቦም ዝተዓቑረ ትንተና ክትንትኑ ጀመሩ። እዞም ሰባት እዚኣም እዚ ዓይነስውር ስለምንታይ የዒንቱ ከምዝሰኣነ ድሮ መሊሰሞ ኣለዉ። ብሰንኪ ሓጥያት ሙኻኑ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ። እቲ ቑሩብ ዘይተመለሰሎም ጉዳይ። እቲ ገጢምዎ ዘሎ ዑረት ብሰንኩ ድዩ ወይ ወለዱ። እቲ ተሓታቲ ባዕሉ ድዩ ወይ እቶም ናብዛ ዓለም ዘምጽዎ ወለዱ። ነዚ ሕቶ እዚ ድማ እዮም ንመድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ሓቲቶሞ። ካብ ጐይታ ዝረኸብዎ መልሲ ግና ፉሉይ ንሓሳቦም ዘይድግፍ እኳ ዳኣ ብኣንጻሩ እዩ ዝነበረ። ከምዚ ክብል ድማ መሊስሎም “የሱስ ከኣ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር ንሱ ኣይበደለ ወለዱ ኣይበደሉ።” በሎም። ዘገርም እዩ። እዚ ሰብኣይ ዕዉር ኰይኑ ዝተወልደ መታን ክብሪ ኣምላኽ ስራሕ ጐይታ ኣብኡ መታን ክገሃድ እዩ ኢልካ ዘረባ ኣሎ? እዚ ሰብኣይ እዚ እኰ ኣብቲን ዝሓለፈን ዓመታት ኩለን ብመከራን ስቓይን ኣደራዕ ዝሓለፈ ሰብ እኰ እዩ። ግና ኩሉሳዕ ስራሕ ኣምላኽ ክንዮ ሓሳብናን ግምትናን እዩ ነዚ ድማ እዩ ኣብ ኢሰያስ 559 “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር።ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል መገድታተይ ካብ መገድታትኩም ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።” ኣምላኽ ክንዮ እቲ ንሓልፎ ዘሎናን ሰብ ዝብሎን እዩ ዝርኢ። ንኣምላኽ እናኣመናዮ ክነስና ገጹ ኣናደለና ከሎና ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ከም ውቅያኖስ እናንጀርበበ ከሎ ብዝተፈላለየ ንህይወትና ዘይጥዕም ጐደናን ብዘይተመለሰ ሕቶ ተተመላለስናን ኣምላኽ ኣብና ክገብሮ ዝደለየ ዓቢ ግብሪ ስለ ዘሎ እዩ እምበር ኣንጻርና ኰይኑ ዝባኑ ስለ ዝሃበና ኣይኮነነ። “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና።” ሮሜ 828 ተባሂሉ ኣሎ እሞ ኣምላኽ ነገራት ኩሉ ንኽብሩ ክጥቀመሎምን ስርሑ ክሰርሓሎም ዘምጾም ጉዳይ ሙኻኖም ኣይንስሓት። ንሓልፎ ዘሎና ሓርፋፍ መንገዲ ሓልፋ ካልኦት ስለ ዝደኸመና ወይ ድማ እምነትና ዝጐደለ ኰይኑ ክስምዓና ይከኣል እዩ። ወይ ድማ እንሓልፎ ዘሎና መሪር መከራ ብሰንኪ ሓጥያትና ዝረኽበና ዘሎ ኣደራዕ እናመሰለና ተስፋ ክንቆርጽ ይከኣል እዩ። ግና እዚ ዓይነት ስሚዒታት እዚ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ክገብሮ ዝደለየ ግብሩ ክዓግቶ ከም ዘይክእል ምፍላጥ ከድልየና እዩ። እዮብ ኣዚዩ ብዙሕ መከራን ስቓይን ኣደራዕን ምስ ሓለፈ እሞ ድማ ብስለምንታይ ልቡ ብሕቶ ምስ ተዋጠረ ኣብቲ መወዳእታ ምስ ኣምላኽ ፊት ንፊር ምስ ገጠሞ ዝተረድኣ ሓደ ሓቒ እዚ እዩ። “ኲሉ ኸም እትኽእል ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን እፈልጥ ኣሎኹ።ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ? ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ።” እዮብ 432 እወ ንፍልጠት ኣምላኽ ዘጸልምቶ የለን። ስለዚ ኣጆኹም ብኣምላኽን በቲ ኣብ ህይወትኩም ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ እናሓሰብኩም ደው በሉ። ከም ኣመንቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢድና እናወጣወጥና ንስለምንታዮም ስለምንታይ እናወሰኽና እሾኽ ክንኮንም ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ኣብ ሎሊ ስለምንታዮም መልሲ ዘለዎ ኣምላኽ ከም ዘሎ ፈሊጥና ክንድግፎምን ከነበርትዖምን ክንጽልየሎምን ይግባእ።