24
Wed, Apr
0 New Articles

 በጀካ ኣምላኽ

Message 4
Typography

ብዘረባ ዘረባ ኣብ ሓደ ገዛ ቡን እናስተና እናዕለልና ከሎና ብዛዕባ ኣምልኾ ዝብል ኣርእስቲ ተላዕለ። ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ኩሉ ኸኣ ሓሓሳቡ ከፍስስ ጀመረ። እቲ ገዛ ድማ ኣብ ክልተ ተኸፍለ፣ ገለ ፍጹም ኣምልኾ ክወስድ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ ንኻልኦት ምምላኽ ሓጥያት እዩ ክብሉ ከለዉ። ገለ ድማ እወ እዚ ልክዕ እዩ እንተ ዀነ ንቑድሳንን መልኣኽትን ከንኽብሮምን ክንሰግደሎምን ብስሞም ጸዊዒና ክንድሕን ንኽእል ኢና ዝብል ዘረባ ናይ ካልእት ድማ ተሰምዕ። ኣብቲ ቤት ከኣ ፍጹም ክትዕ ኰነ። ሎሚ እስከ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክንዛረብ ኢና።

እቲ ሓደን እንኰን መሰረት እምነትና ክስረተሉን ክንስዕቦን ዘሎና መጽሓፍ መጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እዩ። እዚ ካብ ኣምላኽ ንዕኡ ክንፈልጠሉ ዝትዋህበ መጽሓፍ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ንኣምላኽ ክንፈልጠሉ እንኽእል መጽሓፍ ብፉጹም የሎን። ሰባት ንኣምልኾኦም ክጥዕም ተባሂሉ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ብምምጻእ ነዚ ቑዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጹሑፍ እኳ ክቕይርዎ እንተ ፈተኑ፣ ንባዕሎም ብዘጻወድዎ መፈንጠራ ኣብ ማሕለኻ ክኣትዉ እንተ ዘይኰይኖም ነዚ ቓል እዚ ክልውጥዎ ኣይከእሉን እዩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ ቃለይ ክሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል ኢሉ ኣሎ እሞ በዚ ዘይሓልፍ ቃል ኣቢልና መሰረት እምነት ውሽጥና ተፈተና ሰናይ እዩ።

ቃል ኣምላኽ ብንጹር ንመን ከነምልኽ ከም ዘሎና ይነግረና። ክብርን ስግደትን ዝግብእ ሓደ ኣምላኽ ምኻኑ ቀሊዑ የርእየና። ኣብዚ እዋና ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ዝምለኹን ዝኽበርሉን ዝስገደሎም ዘሎ ኣምላኽቲ ይኹን ቁዱሳትን ሰባት ማእለያ ዘይብሎም ክንዲ ጸግሪ ርእሲ ዝምብዝሖም እዩ። መዓልታዊ ዝውሰኹ ሓደሽት ኣማልኽቲ እውን ማእለያ የብሎም። ኣብዚ እዋን እዚ ካብቲ ወሪድና ዘሎ መከራን ስቓይን እቲ ምኽንያት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣምልኾ ነዘውትር ስለ ዘሎና ዶ ዀን ይኸውን?

ዘመንን ግዜን ንቓል ኣምላኽ ኣይልውጦን እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ንዘልኣለም ጸኒዑ እዩ ዝነብር። ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እቲ ህይዋ ቃል ግና ንዘልኣለም እዩ ዝነብር። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ክቡር ቃል ድማ እቲ እንኰ ኣምልኾን ስግደትን ክወስድ ዝግብኦ መን ምኻኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ኩላትና ንፈልጦ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣምላኽ ንሙሴ ዝተኣዋህበ 10 ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ። እታ ቐዳመይቲ ኣብኣ ተጠቂሳ ዘላ ትእዛዝ ድማ ከምዚ ትብል “ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።” ዘጸ 20፣1-6 እዚ ጽንዑ ትእዛዝ እዚ ምጥሓስ ማለት ክሳብ ወለዶታት ዝኸይድ መቕጻዕቲ ምምጻእ ማለት እዩ። እዚ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ንኻልኦት ኣምልኽቲ ምምላኽ ወይ ምስጋድ ከም ኡውን ምግልጋል ማለት እቲ ንኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ዝግባእ ክብርን ፍቕርን ሰሪቕካ ንኻልእ ምምጣው ማለት እዩ። ፍጥረት ኩሉ ብኣምላኽ ንኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ ነዚ እዩ ኣብ ቆሎሴ 1፣16 “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዚርኤን ዘይርኤን ዝፋናት ኰነ ወይስ ጒይትነት ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት ኲሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ ኲሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።” ዝብለና። ሎሚ ዝዀነ ዓይነት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ እንገብሮ ኣምልኾ ኩሉ ኣብ ህይወትና ዘምጻልና መርገም ጥራይ እዩ።

ኣብ ዘምናት ኩሉ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘይሃውቦም ሰናይን ጹቡቕን ነገር የሎን። ልዕሊ ኹሉ እኳ እቲ ሓደ ወዱ ንምድሓና በጃ ክኸውን ወፍይዎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓዲግና ተወሰኽቲ ኣምላኽቲ ቁዱሳን እንብሎም ወይ ጻድቃን ምንዳይናን ስሞም ጸዊዕና ክብሪ ምሃብናን ንልቢ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ነግሁዮ ከምዘሎና ይስቆረና ዶ ይኸውን እቲ ፍርዲ ዓቢ እቲ ኣብ ህይውትና ዝመጽእ ዘሎ ክሳርን ኣበሳን ክንድምንታይ ዓቢ ምዃኑ ነስተውዕሎ ዶ ኣሎና? ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝተዛረባ ኣሎ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” እምብኣር ኣምላኽ እቲ ዘይረኣ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ዝተጋህደ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓቐኛ መንፈስ ኣቲኻ ጥራይ ሓቐኛ ኣምልኾ ክትህቦ ከም ዝግባእ ባዕሉ እቲ ተበጃዊ ይዛረብ ኣሎ። ንኣምላኽ ሓደ እኳ ዝርኣዮ የልቦን እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣብኡ ዝነበረ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣግሃዶ። ንሱ እዚ ኣምላኽ ክነሱ ሰብ ኰይኑ ዝተጋህደ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ድማ እዩ ነቲ ሓቐኛ ኣምላኽ ከንምልኾ ክንክእል በቲ ዝኸፈሎ ናይ ደም መስዋእቲ ኣቢሉ ዝገልጸልና። ነዚ እዩ ኣብ ማቴዎስ “በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እወ ኣቦየ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን” ዝብለና ስለዚ ንምምላኽ ኣቦ ተዀነ እውን ብዘይ የሱስ ኣቢላክ ክትገብሮን ክትዓሞን ኣይከኣልን እዩ።

ንመለስ ናብ ታሪኽ ናይ እራኤላውያን። ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ብጀኩኡ ካልእ ኣምላኽቲ ከምልኹ ከም ዘይብሎም ብጽኑዕ ኣዚዝዎም እዩ። ብፍላይ ብጽንዕቲ ኢዱ ካብ ግብጺ ምስ ኣውጾም ዝሃቦዎ ክብርን ኣምልኾን ዓቢ ኔሩ። ሙሴ ምስ ኣምላኽ ክዘራረብን ሕጊ ካብ ኣምላኽ ክቕበልን ናብ ከረን ደየበ ኣምላኽ ድማ ብጻብዑ ዝተጻሕፈ ሕጋጋት ሃቦ፣ ካብቲ ሕጋጋት ሓደ እታ ዝረኣናያ ካልኦት ኣምላኽቲ ኣይተምልኽ ትብል እያ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ሙሴ ገና ካብ ከረን ከይወረደ ኸሎ ህዝብ እስራኤል ሓደ ጹዩፍ ዝዀነ ነገር ክገብሩ ተላዓዓሉ ከምዚ ይብለና “እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጎየ ምስ ረአየ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እቲ ሰብኣይ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተንስእ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና በልዎ። ኣሮን ድማ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጥኩም ኣምጹኡለይ በሎም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ ዎ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም በሉ።” ዘጻ 32፣1-4 ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እብኣር ኩራ ኣምላኽ ኣዚዩ ዝነደደ ንሙሴ ድማ ከምዚ በሎ “ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገብሩ ሰገዱሉን ሰውኡሉን ከአ ዎ እስራኣኤል እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣኣቶም እዮም ድማ በሉ” ዘጸ 32፣8 ብርግጽ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ካልኦት ኣምላኽቲ ምምላኽ ንኣምላኽ ሰማይ ምብዳል እዩ። ንኣምላኽ ምብዳል ማለት ከኣ ፍርዲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምእካብ ማለት እዩ፣ ሰብ ምስ ሰብ እንተ ተባእሲ ኣምላኽ ይዓርቆ ሰብ ምስ ኣምላኽ እንተ ተባኢስይ ግና ከቢድ እዩ።

ሎሚ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ብምምላኽና ጥራይ ንልቢ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ነግሁይ ከም ዘሎና እንተ ዝርድኣና ሰናይ እዩ። ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ወይ ቁዱሳንን ጻድቃንን እንብሎም ወይ ክኣ እንሰግደሎም ምስልን ስእልን እንተሎ ዀይኑ ኣምላኽ ንርኽስ ነገር የሕሊፉ ከም ዝህበና ኣይንዘንግዕ። ሃዋርያ ጳውሎ ኣብ መልኽቲ ሮሜ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ሃዋህው ገሊጽዎ ኣሎ ከምዚ ድማ ይብል “ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ - ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ ኣሜን - ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም።” ሮሜ 1 2425

እስከ ናብ ደቂ እስራኤል ንመለስ ፍርዶም ከመይ ከም ዝነበረ ንርኣ ኣምላኽ ክርኡ ስለ ዝነደድ ክውድኦም ሓሰብ ካብቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ኣስታት 3000 ሰብኡት ወደቑ ጸሊም ነጥቢ ኣብ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ኔሩ። ሎሚ ካብዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍርዲ ኣምላኽ ከነምልጥ ንኣምላኽ ሰማይን ምድርን ንምምላኽ ብጐይታ የሱስ ናብኡ ንቕረብ።

እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ማረኽቶምን ጨቆንቶምን ዝወድቁ ዝነበሩ ንኣምላኽ ምምላኽ ሓዲጐም ካልኦት ኣምላኽ ከምልኹ ስለ ዝጀመሩ እዩ። ሎሚ ንኣምላኽ መዓረ ቑዱሳንን መልኣኽትን እናሰራዕና ንጐዓዝ ሰባት እቲ ፍርድና ዓቢ ምኻኑ ፈሊጥና ካብዚ ግናይ ኣካይዳና ንመለሰ። መልኣኽቲ ዀኑ ቁዱሳን ሰባት ወይ ጻድቃን ኢልና እንጽውዖም ሰባት ኣምልኾን ስግደትን ክወስዱ ግቡእ የብሎምን ጥራይ ዘይኰነስ መሰል እውን የብሎምን። ፍጡር ኩሉ ንኣምላኽ ከኽብርን ከምልኽን ዝተፈጥረ እዩ። ብዛዕባ ኣማልኽቲ እንተ መጻና ክስገደሎምን ክምለኹን ከም ዘይግብኦም ዝንግረና ንጹር ጥቕሲ መጽሓፍ ቁዱስና ኣሎ። ንሱ ድማ ሃዋርያ ዮውሃንስ ኣብቲ ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝኸውን ራእይ ኣብ ዝርእየሉ ዝነበረ እዋን መልኣኽ እግዚኣብሄር ምስ መጾ ዝተፈጸመ ነገር እዩ ከምዚ ይብል “እዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ በለኒ።” ራእ 22፣8-9 ሎሚ እዞም ኣስማቶም ጸጽዊዕና እንሰግደሎምን ከም መድሓንቲ እንዝክሮምን ብዛዕባ ኣምልኾን ስግደትን ዝመጸ ግብረ መልሶም እዚ ንዮውሃንስ ዝበሎ እዩ። መልኣኽቲ ኣገልገልቲ እቲ ልዑል ኣምላኽ ክዀኑ ዝተፈጥሩ እምበር ክምለኹን ክስገደሎምን ኣይግባኣን ነዚ እዩ ኣብ እብራውያን እስኪ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ? ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ከም ብሓድሽ ድማ ኣነ ኣቦ እዀኖ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ ዝበሎ? ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዂሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ ኲላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ ይብል።ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ መላእኽቱ ንፋሳት ኣገልገልቱውን ሃልሃታ ሓዊ ዚገብር ይብል” እብ 1፣6-7 እዞም መልኣኽቲ ኣምላኽ ክሎም 24ሰዓታት ንኣምላኽ ሰማይ ዘምልኹ እዮም።

ብዛዕባ ንሰባት ምስጋድን ምምላኽን ከምዘይግባእ ድማ ቃል ኣምላኽ ወሲኹ ብንጹር ይነግረና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስን ባርናባስን ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን ከይዶም ወንጌል ሰበኹ ኣብኡ ድማ ሓደ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ኣእጋሩ ዝመተ ሰብኣይ ኣብ መነገዲ ረኸቡ እሞ ብስም የሱስ ፈወስዎ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብኣጋሩ ደው ኢሉ ቖመ። ኣብቲ ኸተማ ድማ ዓቢ ምግራም ከነ። እቶም ሰብ ከተማ ድማ “ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም በሉ። ንበርናባስ ድያ በልዎ ንጳውሎስ ድማ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ ሄርሜስ። በልዎ። ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ።” ዘገርም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ዝሰርሖ ስራሕ ኣምላኽ፣ ክብሪ ክወሃቦ ዘለዎ ኣምላኽ ግና እዞም ህዝቢ ኣምልኾ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ከቕርቡ ደለዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት እዮም እገለ ኣብ ዘመኑ ከምዚ ጌሩ ከምዚ ደጊሙ ከምዚ ሰሪሑ እንተባህለ በብስሞም መስዋእቲ ዝቐርብ ንስሞም ብኣምልኾተ መንፈስ ዝዝከር። እኒ ጳውሎስን ባርነባስን ግና እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ማለት ሰብ ክምለኽን ክስገደሉን ነውርን ምንጪ መርገምን ምኻኑ ስለ ዝፈለጥ ኣዚዮም ተቖጥዑ ከምዚ ድማ ይብሉ “ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን እቶም ሃዋርያት እዚ ምስ ሰምዑ ክዳውንቶም ቀደዱ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ እናበሉ ኣቱም ሰብ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም። ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን። እዚ ኢሎም ከኣ ከይስውኡሎም ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም።” እዚ ታሪኽ ኩሉ ኣብ 14 ኢና እንረኽቦ።

ሃዋርያ ጳጥሮስ ንእንዳ ቀርኔልዮስ ወንጌል ክሰብከሎም ምስ ከደ ኰነ ድማ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ ተንስእ ኢሉ ኣተንስኦ። ኣብዚ እዉን ሰባት ስግደይ ከም ዘይግብኦም የመልክት።

እምብኣር ካብዚ ኩሉ ዝረኣንዮ መልኣኽቲ ዀነ ሰባት ስግደትን ኣምልኾን ከም ዘይግብኦም እዩ እንተ ጌርናዮ ድማ ዝገደደ ፍርድን መርገምን ከም ዘምጻልና ኣይንስሓት። ሎሚ ነቲ በይኑ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ ስልጣን ንዘለዎ መድሓኒ ጐይትና የሱስ ክርስቶስ ከንምልኽን ክንሰግድን ይግብኣና፣ ኩሉ ብርኪ ንዕኡ ክሰግድ ልሳን ዘበለ ድማ ጐይታ ምኻኑ ክምስክር ይግብኦ እዩ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ እዋን ነቶም ካብኡ ወጻኢ ንኻልእ ዘምልኽ ሰባት ብኣዚዩ ዘስካሕክሕ ፍርዲ ክፈርዶም ምኻኑ ቃል ይነግረና ስለዚ ንሱ ነቲ ናይ ዘልኣለም ኣምላኽ ብዘይ ካልእ ወሰኽ ነምልኮ ንስገደሉ። ከምይሲ ኣምላኽ ንሱ ሓደ በይኑ እዩ በቲ ዝልኣኾ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእማን ከኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ እሞ። ንዕኡ ብምሉእ ልብናን ሓይልናን ነፍስናን ነፍቅሮን ንገዘኣዮን ነገልግሎን። ብዛዕባ ንኻልኦት ምምላኽ መርገም ከም ዘምጽእ ዝጠቅስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቁዱ ማእለያ ዘይብሉ ምጠቐስና ምስ ግዜና ግና ኣብዚ ይኣኽለና። ነዚ ዘምጸናዮ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ መርትዖታት ከነስተዕል ኣምላኽ ንልብና ይኽፈት።