24
Wed, Apr
0 New Articles

ኣመዳድባ ሰራዊት ኣምላኽ ብገብረዝጊ ብርሃነ

Message 4
Typography

መጽሓፍ ኣስቴር ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዚገብሮ ሓደ ነገር ኣሎ ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ይኹን ሰይጣን ፈጺሞም ዘይተጠቕስሉ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ግና፡ ብስውር ኢድ እግዚኣብሄርን ምድሓን እግዚኣብሄርን በቲ ሓደ፡ ረቂቕ ዝኾነ እኩይ ናይ ጥፍኣት ምኽሪ ሰይጣን ድማ በቲ ሓደ ጎሊሖም ዝርኣይሉ መጽሓፍ እዩ። እግዚኣብሄር ፈጺሙ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ኣይተጠቐሰን፡ ብስዉር ግና ህልውና እግዚኣብሄር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ናይ መጽሓፍ ኣስቴር ንረኽቦ። ከምኡ ድማ ሰይጣን’ዉን ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን ዘሎ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ናይ መጽሓፍ ኣስቴር፡ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ እኩይ ናይ ጥፍኣት ምኽሩ ንኽፍጽም ክተግህ ከሎ ንረኽቦ። እግዚኣብሄር መንፈስ ስለ ዝኾነ ብየዒንትና ኣይንርእዮን ኢና፡ ብግብሩ ግና ይርአ። ሰይጣን ድማ ከምኡ  ስለ ዝኾነ ብስጋዊ የዒንትና ክንርእዮ ዘይከኣል እኳ እንተኾነ በቲ ክፉእ ግብሩ ግና ኣብ ባይታ ክንርእዮ ንኽእል። ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ፡ ሃማን ዝበሃል ኣብ መንግስቲ ፋርስን ሜዶንን ካብ ንጉስ ቀጺሉ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ማርዶካይ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ፍግም ኢሉ ስለ ዘይሰገደሉ ጥራይ ንዕኡን ንኹሎም ዓሌቱን ከጥፍኦም ብቑጥዓ ተላዓዒሉ። እቲ ዘይሰገደሉ ሰብኣይ፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ እኳ እንተነበረ፡ ሃማን ግና ኣብ ማርዶካይ ጥራይ ኢዱ ክዝርግሕ ኣብ ዓይኑ እተናዕቀ ኮይኑ ተራእይዎ። ስለዚ ድማ ንኹሎም ኣብ መንግስቲ ፋርስን ሜዶንን (ካብ ህንዲ ክሳዕ ኢትዮጵያ ኣብ 127 ሃገራት) ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከጥፋኦም ደልዩ። ብላዕሊ ክርአ ክሎ፡ እዚ ኩነታት፡ ናይ ክልተ ሰብኡት፡ ማለት ናይቲ ኣጋጋዊ ዝዓሌቱ ሃማንን ናይቲ ኣይሁዳዊ ዝዓሌቱ ማርዶካይን ምትህልላኽ ይመስል። ብላዕሊ ካብ ዝርአ ነገር ሕልፍ ኢልና ዉሽጣዊ ወይ መንፈሳዊ ምስጢር ናይቲ ኩነታት ክንርዳእ እንተ ፈቲናን ግና እቲ ዉግእ መንፈሳዊ እምበር ስጋዊ ከም ዘይነበረ ንርዳእ። እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰይጣንን፡ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ መንጎ ጽድቅን ዓመጻን ከም ዝነበረ ንርዳእ። ህዝቢ ኣይሁድ ኪዳን ኣምላኽ፡ ተስፋ ኣምላኽ፡ ሕጊ ኣምላኽ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ድማ ንህዝቢ ዓለም ንበረኸት ዝኸውን፡ እቲ ንህዝቢ ዓለም መድሓኒ ዝኸዉን፡ እቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነ መሲሕ (የሱስ ክርስቶስ)፡ ካብዚ ህዝቢ እዚ እዩ ክመጽእ። እዚ ምድሓን ኣምላኽ ክፍጸም ድሌት ድያብሎስ ኣይኮነን፡ ስለዚ ድማ እዚ መድሓኒ ዓለም ዝኾነ፡ ርእሲ እቲ ተመን (ድያብሎስ) ድማ ዝጭፍልቕ መሲሕ ናብዛ ዓለም ከይመጽእ ሰይጣን ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ተስፋ ኣምላኽ ዘለዎ ህዝቢ፡ ነዚ ኪዳን ኣምላኽ ዘለዎ ህዝቢ ብምጥፋእ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ ካብ ምፍጻም ንኽዓግት ሰይጣን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ፈቲኑ እዩ። እቲ መድሓኒ ዓለም ዝኾነ መሲሕ (የሱስ ክርስቶስ) ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ካብዚ ሕጊ ኣምላኽን ኪዳን ኣምላኽን ዘለዎ ህዝቢ ከይመጽእ ምእንቲ ንምዕጋት ሰይጣን ዝፈተኖ ሓደ ፈተነ፡ ነዚ ዓሌት እዚ ካብ ገጽ ምድሪ ምጽናት እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ፈተነኡ ብመንገዲ እቲ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ዝነበረ ንጉስ ፈርኦን ገይሩ ክትግብሮ ፈቲኑ። እዚ ንጉስ ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ከይበዝሑ እሞ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ብዝብል ምኽንያት፡ ንእስራኤላውያን ብሜላ ንምጽናት፡ ኩሎም ዝተወልዱ ህጻናት ኣወዳት እንተኾይኖም ኣብ ሩባ ክድርበዩ፡ ኣዋልድ እንተኾይነን ግና ብህይወት ክነብራ ሕጊ ኣውጺኡ። እዚ ሕጊ እዚ፡ ሙሴ ኣብ ዝተወልደሉ ግዜ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝነበረ ሕጊ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ብፈርኦን ዝወጸ ሕጊ እኳ እንተመሰለ፡ ብድሕሪኡ ግና ናይ ሰይጣን ኢድን ኣጀንዳን ዘለዎ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጽናት ዝዓለመ ረቂቕ ናይ ሰይጣን ውዲት ከም ዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኣጀንዳ እዚ ግና ከምቲ ሰይጣን ዝመደቦ ክዕወት ኣይከኣለን። እግዚኣብሄር፡ ካብ ትእዛዝ ንጉስ ንላዕሊ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሃ፡ ሺፍራን ጱዓን ዝሽመን ክልተ እብራውያን መሕረስቲ ኣተሲኡ፡ እቲ ረቂቕ ምኽሪ ናይ ሰይጣን ከም ዝፈርስ ገይርዎ። ኣብ ዘጽኣት ምዕራፍ 2 ተጻሒፍ ከም እንረኽቦ ድማ፡ እዘን ክልተ እብራውያን መሕረስቲ ንእግዚኣብሄር ብምፍራህ፡ ንትእዛዝ ንጉስ ሸለል ብምባል ነቶም ዝተወልዱ ህጻናት ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓዲገናኦም። ብሰንኪ እዘን ካብ ትእዛዝ ንጉስ ንላዕሊ ንእግዚኣብሄር ዘፈርሃ ክልተ እብራውያን መሕረስቲ ድማ እቲ ሰይጣን ከቢድ ምድላው ገይሩ መኺርዎ ዝነበረ ዓሌት ናይ ምጽናት መደብ ከምቲ ዝመደቦን ዝተመነዮን ከይተፈጸመ ተሪፉ። እግዚኣብሄር ድማ እዘን ተባዓት እብራውያን መሕረስቲ፡ ስለቲ ስለ ስሙ ዘርኣየኦ ፍቕሪን ንህይወተን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቐን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ስለ ዝገበራን፡ ባሪኽወንን ጽቡቕ ገይሩለንን። ሰይጣን ዘይድቅስ ጸላኢ እዩ። ሓደ ምኽሪ እንተፈረሶ ድማ ስቕ ዝብል ጸላኢ ኣይኮነን። ሓደ ምኽሪ እንተፈረሶ፡ ምቹእ ግዜን ባይታን ተጸብዩ ብካልእ ስልቲ ክመጽእ ይፍትን። ሰይጣን ዓበይቲ ናይ ጥፍኣት መደባት ክትግብር ክፍትን ከሎ ብሃውሪ ኣይኮነን ዝገብሮም። ድሕሪ ብዙሕ ምድላዋት፡ ምቹእ ግዜ፡ ቦታን ኩነታትን ተጸብዩ እዩ ነቲ ናይ ጥፍኣት እኩይ ምኽሩ ክትግብሮ ዝፍትን። ስለዚ ነዚ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ምጽናት፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ እቲ ምድሓን ኣምላኽ ከም ዘይግለጽ ናይ ምግባር መደቡ ንምትግባር ብዙሕ ምድላዋት ክገብርን ክመክርን ድሕሪ ምጽናሕ፡ እስራኤላውያን ብምርኮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ካብታ ናይ ተስፋ ምድሪ ወጺኦም ኣብ ፈቐዶኡ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፡ ናብታ ቅንዕቲ መንገዲ ዝመርሖምን ዝጥርንፎምን መራሒ ኣብ ዘይብሎም ኣብ ኣዝዩ ከቢድ እዋን፡ ነዚ ዓሌት ኣይሁድ ናይ ምጽናት እኩይ ምኽሩ ንምፍጻም እንደገና ተላዒሉ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ናይ ቅድም፡ ሕጂዉን ነዚ ረቂቕ ምኽሪ ዲያብሎስ ንምፍራስ ክልተ እሙናት ካብ ወተሃደራቱ ኣተንሲኡ። እዞም ክልተ ተባዓትን እሙናትን ናይ ጎይታ ወተሃደራት ድማ ማርዶካይን ኣስቴርን እዮም ዝበሃሉ። እግዚኣብሄር ነቲ ረቂቅ ምኽሪ ናይ ድያብሎስ ንምፍራስ ነዞም ክልተ እሙናት ወተሃደራቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣቐሚጥዎም። ማርዶካይን ኣስቴርን ክልቲኦም ንሓደ ዕላማ ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባር ተመዲቦም ዝነበሩ ሰራዊት ኣምላኽ እዮም። ክልቲኦም ኣኣብ ዝተመደብዎ ግንባር ብእሙንነትን ብትብዓትን ነቲ ውግእ እግዚኣብሄር ስለ ዝተዋግእዎ ድማ ነቲ ኣጀንዳ ኣምላኽ ናብ ፍጻመ ኣምጺኦሞ፡ ንኣጀንዳ ሰይጣን ኣፍሪሶሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ ምድሓንን ዕረፍትን ኣምጺኦም። ማርዶካይን ኣስቴርን ነቲ ወግእ ኣምላኽ ንኽዋግኡ ተመዲቦምሉ ዝነበሩ ቦታታት ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ኣስቴር ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ እዩ ነይሩ ምዱብ ቦታኣ። ማርዶካይ ግና ኣብ ደገ ቤት ንጉስ እዩ ነይሩ ምዱብ ቦታኡ። ቤት ንጉስ ናይ ምድራዊ ምቾት፡ ምድራዊ ክብርን ምድራዊ በረኸትን ምልክት እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ቤተ መንግስቲ ከምዚ ይብል፡ “እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፡ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፡ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ እንሆ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ።” ማቴዎስ 11:8። ኣስቴር ዝነበረቶ ቦታ እምበኣር ቤተመንግስቲ ኮይኑ፡ እዚ ማለት ድማ ምድራዊ ምቾትን፡ ምድራዊ ክብርን በረኸትን እናስተማቐረት እያ ትነብር ነይራ። ብኣንጻሩ ግና ማርዶካይ ኣብ ደገ ቤት ንጉስ እዩ ነይሩ ቦታኡ። እዚ ማለት ድማ ማርዶካይ ኣብ ማዕዶ እቲ ምድራዊ ክብሪ፡ ምድራዊ ምቾትን ምድራዊ በረኸትን እዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ነቲ ምድራዊ ክብሪ፡ ምድራዊ ምቾትን ምድራዊ በረኸትን ኣማዕድዩ ክርእዮ ይኽእል ነይሩ፡ ዘይከም ኣስቴር ግና ናይቲ ምድራዊ ክብሪ፡ ምድራዊ ምቾትን ምድራዊ በረኸትን ተማቓሊ ኣይነበረን። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ንክልቲኦም ህይወቶም ከኽፍሎም ዝኽእል ቦታ እዩ ነይሩ። እቲ ናብ ክልቲኦም ዝመጸ ፈተና ድማ ክሳብ ሞት ደሪኹ ዝመጸ ፈተና እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግና ክልቲኦም ቦቦታኦም ኣይሓደጉን። ኣስቴር፡ እቲ ንግስቲ ኮይና ተስተማቕሮ ዝነበረት ናይ ቤተ መንግስቲ ምቾትን ክብርን፡ መንነታን ዕላማኣን ከረስዓ ኣይከኣለን። ብተወሳኺዉን፡ ጉዳይ ህዝባ ሒዛ ኣብ ዘይእዋኑ ማለት ንጉስ ከይጸውዓ ናብ ውሽጣዊ መካበብያ ንጉስ ምቕራብ ብሞት ከቕጽዓ ዝኽእል ገበን እኳ እንተነበረ ንሳ ግና “እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ” ብምባል ብትብዓት ጉዳይ ህዝባ ሒዛ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪባ። ማርዶካይ ድማ ኣብ ማዕዶ እቲ ምድራዊ ምቾትን ክብርን ምቕማጡ ከምኡዉን ኣዝዩ ከቢድ ምፍርራህ ናይ ሃማን ፈጺሙ ቦታኡ ኣየግደፎን። ማርዶካይ ክሳዕ እታ ሃማን ንዕኡ ንምስቃል ሓምሳ እመት ዝምንውሑ ጉንዲ ዘዳለወላ ናይ መወዳእታ ሰዓት እኳ ካብታ ምድብቲ ቦታኡ ማለት ካብቲ ደገ ቤተ ንጉስ ምንቕ ኣይበለን። እዞም ክልተ ናይ ኣምላኽ ሰባት እምበኣር ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ዕላማኦም ብንጹር ስለ ዝፈለጡን ቦታኦም ድማ ስለ ዘይሓደጉን ንእግዚኣብሄር ኣኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ኮይኖም ኣኽቢሮሞ፡ ነቲ መደብ ኣምላኽ ድማ ናብ ፍጻመ ኣብጺሖሞ። ንሕናኸ ካብ ህይወት ኣስቴርን ማርዶካይን እንታይ ንመሃር? እግዚኣብሄር ሎሚ ንዓናኸ ኣበይ ኣቐሚጡና ኣሎ? ምናልባት ገሌና ብምኽንያት ትምህርቲ፡ ብስራሕ፡ ብስደት ወዘተ. . . ኣብተን ኣዝየን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት፡ ከም ኣስቴር ጣዕሚ ናይዛ ምድሪ እናስተማቐርና፡ ምቾት፡ በረኸትን ክብርን ናይዛ ምድሪ እናስተማቐርና ንቕመጥ ንህሉ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታ ንቕመጥ እንተሃሊና እምበኣር፡ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን። እንተኾነ ግና፡ በዚ ሓላፊ ጣዕምን ክብርን ናይዛ ምድሪ ተዓሻሺና እቲ ቀንዲ ዕላማና ክንርስዕ ኣይግባእን። ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ ዘለና፡ ንዕላማ ኣምላኽ እዩ እሞ ከም ኣስቴር ውግእ እግዚኣብሄር ክንዋጋእ ኣብቲ ዘለናዮ ድማ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንነብር ይግባእ። ብህይወትናን ብኣፍናን ድማ መሳኻኽር ጎይታ ክንከውን ይግባእ። ምናልባት ገሌና ከም ማርዶካይ ነቲ ምድራዊ ክብሪ፡ ምቾትን በረኽትን ኣማዕዲና ጥራይ ክንጥምተሉ ኣብ እንኽእል ብምድራዊ መለክዒ ድኻታት ኣብ ዝመስላ ሃገራት፡ ትሑት ዝኾነ መነባብሮ እናመራሕና ንነብር ንህሉ። ገሌናዉን ብስደት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንነብር ንህሉ፡ ገሌናዉን ምናልባት ኣዝዩ ትሑት ዝኾነ ንኻልኦት እኳ ክንዛረበሉ ዘሕፍረና ዓይነት ትሑት ዝኾነ ስራሕ እናሰራሕና ህይወትና ንመርሕ ንህሉ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታን ህይወትን እንተሃሊና፡ በዚ`ዉን ጎይታ ይኽበር። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ ወዘተ ናብ ኣምላኽና መሊሱ ከቕርበና እምበር ካብ ኣምላኽና ክፈላልየና፡ ቦታናዉን ከግድፈና ኣይግባእን። ከመይሲ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ግዝያዊት መጻንሒትና እምበር ናይ ዘለኣለም መንበሪትና ኣይኮነትን። ኣብ መወዳእታ፡ ደገ ንጉስ ንማርዶካይ በቲ ሓደ መዋግኢኡ ቦታ እዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ድማ መኽበሪኡ ቦታ ድማ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ክብድ ዝበለ ቦታ፡ ንምንባሩ ብዙሕ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ኩነታት፡ ኣብ ማዕዶ ምድራዊ ምቾት፡ ምድራዊ ክብርን፡ በረኽትን ኮንኩም ህይወትኩም እትመርሑ ዘለኹም ብሩኻት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ዘለኹሞ ቦታን ኩነታትን፡ መዋግኢኹም ጥራይ ዘይኮነ መኽበሪኹም ድማ እዩ። ከምቲ ማርዶካይ ኣብታ ጎይታ ዘቐመጦ ቦታ ማለት ደገ ንጉስ ኮይኑ ብእሙንነትን ትብዓትን ውግእ ጎይታ ድሕሪ ምውጋኡ ብኽብሪ ናብ ቤተ መንግስትቲ ዝኣተወ እሞ ዕዮኡን ኣልግሎቱን ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮይኑ ዝቐጸሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ጎይታ ኣቐሚጥኩም ዘሎ ቦታን ኩነታትን ኮንኩም ብትብዓትን ብእሙንነትን ነቲ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ተዋጋእኩም፡ ኣብቲ ምዱብ ሰዓቱን ግዚኡን፡ ናብቲ ጎይታ ዝረኣየልኩምን ዘዳለወልኩምን ምድራዊ ጣዕሚ፡ ምድራዊ ክብርን በረኽትን ክትኣትዉ ኢኹም። እቲ ውግእን ዕዮን ጎይታ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮንኩም ክትቅጽልዎ ኢኹም እዚ ማለት እቲ እግዚኣብሄር ዝርኣየልኩምን ዘዳለወልኩምን ምድራዊ ጣዕሚ፡ ምድራዊ ክብርን ምድራዊ በረኸትን እናስተማቐርኩም ማለት እዩ። ጎይታ ይባርኽኩም!! 05/11/2015