25
Thu, Apr
0 New Articles

ካብዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዓይነት ጓሳ ማሕበር ተጠንቀቑ!

Message 4
Typography

ሓቐናን ቁኑዑን ዝዀነ ማሕበር ጓሳ ንምርካብ እምብዛ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና። ጓሳ ማሕበር ወይ መጋቢ ቑኑዕ መራሒ፡ መምህር፡ ኣማኻሪን ከምኡ ድማ ኣብ ጉቡእ እዋን ገናሒ ወይ መስመር ዘትሕዝ ክኸውን ይግባእ።ማሕበር ክርስቶስ ድማ ብኣዚዩ ጥንቃቐ ዝተመልኣ ኣገባብን ብሓላፍነታዊ መንፈስን ቑኑዑን ቡቑዑን ዝዀነ መራሒ ጓሳ ክህልዎ ክትጽዕትን ግቡእ ሓላፍነት ክትወስድ ይግብኣ። ኣብዚ ዘመን እቲ እምብዛ ዘሕን ብቕጽሮም ዉሑዳት ዘይኰኑ ጓሶት ማሕበር ክንዮ ገዛእ ርእሶም ዘይሓስቡ፡ ካብ ንኣምላኽ ንላዕሊ ንገዛእ ርእሶም ዘቐድሙን ዘገልግሉን ማእለያ የብሎምን። እምብኣር ምእመንን ማሕበርን ካብዞም ሕጂ ንዝርዝሮም ኣርባዕተ ዓይነት ማሕበር ጓሶት ክጥንቀቑ ንምሕጸን።

ሸቓጦ

“ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡” 2ጢሞ 4፡ 1-3

ሸቓጢ ወይ መንፈስ ንግዲ ዘለዎ ማሕበር ጓሶ፡ ነቲ ሓቐኛ ወንጌል ፈጺሙ ኣይሰብኮን እዮ። ንኸምዚ ዓይነት ማሕበር ጓሳ፡ ምድሓን ልክዕ ከም ሓደ ዝሽየጥን፡ ዝግዛእን ኣቕሓ እዩ። ከምቲ ሓደ ነጋዳይ፡ ኣቑሑ ክሽየጠሉ፡ እሞ ክኸስበሉ ደጋጊሙ ዘወዓውዖ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ፡ ወንጌል ከም መሻቐጢ እናተጠቀመ፡ ካብቶም ሰማዕቱ ናይ እምነት ህያብ ኣምጽኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ሽግርኩም ኩሉ ክቕንጠጥ ክትርእዩ ኢኹም እናበለ፡ እዩ ዝሰብኽ። ነቶም ሰማዕቱ ድማ እምብዛ ክባረኹን፡ እቲ ዘይጠዓይ ወይ ዝተመሳቐለ ህይወቶም ናብ ንቡር ንኽምለስ ናይ እምነት ህያብ ክህቡ፡ ውህበቶም ብእምነት ከዛይዱ ይትኽትኾም። ዕላምኡ ሓደ እዩ፡ ልቢ ምእመኑ ኣሸፊቱ፡ ንገዛእ ርእሱ ሃብትን ንብረትን ክእክብ እዩ። እዚ ሸቃጢ ማሕበር ጓሳ ንቓል ኣምላኽ ከም መናገዲ እናተጠቀመ፡ ናብ ረብሕኡ ይቕይሮ። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ማሕበር ጓሳ ተጠንቀቑ።

ፖሎቲከኛ

“ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።” ሮሜ 16፡17

ፖሎቲከኛ ዓይነት ማሕበር ጓሳ ድማ ዕላምኡ ኩሉ ድማ ኣብ ሰባት ተቐባልነት ንኽረክብን ናእዳ ንምጥራይን እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት መራሒ ባህልን ጅግንነት ምስ እምነት እነሓዋወሰ እዩ ዝምህር። እዚ ፖሎቲከኛ ዝኾነ ማሕበር ጓሳ፡ ንማሕበር ክርስቶስ ምስ ዓለማዊ ኣትሓሳስባ ከሰማምዓን፡ ከሳንያን እዩ ዝደሊ። እቲ ንሱ ዝኣምኖ ኩሉ ምስቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይሳነን እዩ። ክንዮ ኣብ ሃገር ጽድቅን፡ ፍትሕን፡ ምንጋስ ዝግድሶ፡ እቲ ኣብ ሰባት ዘለዎ ተቐባልነትን ናእዳን እዩ። ዕላምኡ ንኹሉ ሰብ ጠውዩ ጠዋውዩ ናብቲ ናቱ ኣጀንዳ ምእታው እዩ።

መዘናጊዒ

“ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ” ማቴ 6፡6

እዚ መዘናጊዒ ጓሳ ማሕበር እንኰ ኣተክሮ ዝግበረሉ ሰብ ክኸውን እዩ ዝደሊ፡ ንዕኡ መጽሓፍ ቁዱስ ልክዕ ከም ሓደ ንእሽቶይ ኣቕሓ እዩ ዝጥቀመሉ። ንሱ ዝኣምነሉ ሓደ ነገር እዩ፡ ንምእመናኑ ምዝንጋዕን ምስሓቕን፡ እዩ። ቤት ኣምላኽ ንዕኡ ከም ሓደ ናይ ቲያትር መድረኽ እያ። ስብከቱን ጸሎቱን ኩሉ ድራማዊ እዩ፡ ሰንበት ንዕኡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እምበር ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይኰነን።

ፈላለይቲ

“ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም።” 1ዮው 3፡15

ከም ክርስትያናት ኣዚና ነተኩሮሎምን ንኣምነሎምን ነገራት ኣለዉ፡ እዚ ፈላላዪ ዝዀነ ማሕበር ጓሳ ግና፡ ንሓደ ነገር ናይ ምምጣጥ ዘለዎ ተኽእሎ እምብዛ ዓቢ እዩ። እቲ ኣርእስቲ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ጓሳ ማሕበር፡ ሓደ ዶክትሪን ወይ ድማ ስነ ሓሳብ ልክዕ ከም ኣምላኹ እዩ። ክርስትና ንዕኡ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስን ኣይኮነን። ሰባት ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ወይ ምርዳእ ምስ ዝህልዎም፡ ንምውጋዶምን፡ ንምጽላሞምን፡ ካብቲ ሕበርት ንምእላዮምን እዩ ዝጋደል። ከምዚ ዓይነት ፈላለዪን መናቖትን ማሕበር ጓሳ ንማሕበር ወትሩ ምፍልላልይን ባእስን እዩ ዘምጽእ።

ሓቀኛ ጓሳ፡ ክብሪ ገዛእ ርእሶምን ዝናን ኣይደልዩን እዮም። ሓላፍነቶም ብግባእ ዝፈልጡ፡ ነቲ ኣብ 1ጢሜጥዎስ ተጻሒፉ ዘሎ መመርሒ ህያው ክገብር ብጸጋ ኣምላኽ ወትሩ ምስ ተዳደለ እዩ። ሓቀኛ ወንጌል ምስ ዝሰብኩ ማሕበር ኣምላኽ ትስስን፡ ነቲ ሓቐኛ ወንጌል ጎስዮም ገዛእ ርእሶም ኣማእኪሎም፡ ብዛዕባ ሓላፊ ነገር ምስባኽ እንተ ቐጺሎም ግና ምእመን ይጉዳእ፡ ማሕበር ድማ ኣይትዓብን። ህዝቢ ኣምላኽ ንመራሕቶም ከኽብሩ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ፡ ነቶም ዘይጥዑይ ምህሮ ዘምጹን ዘይቁንዓት መራሕቲ ከለልዩ ግና ወትሩ ንቑሓት ክዀኑ ይግባእ።

ካብ መርበብ ሓበሬታ ጎድ ቫይን ዝተረኽበ (http://www.godvine.com/read/beware-the-4-pastors-of-the-apocalypse-1090.html?utm_source=facebook&;utm_medium=fbpage&utm_campaign=gvupdate)

ትርጉም ብመርበብ ሓበሬታ ኤሪ ወንጌል።