18
Thu, Apr
0 New Articles

‎ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ‎

Message 4
Typography

’የሱስ ግን ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኹሉ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ፣ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ……’’ ማቴ 4፣4

 

ሰብ ኣብ ምድሪ ክነብር ከሎ ዘድልይዎ መስረታውያን ባእታታት ኣለዉ። ሰብ ብዘይ እዞም መሰረታዉያን ነገራት እቲ ልሙድን ስሩዕን ናብራ ክመርሕ ኣይኽእልን እዩ። እዞም መሰረታውያን ነገራት ከም በዓል መግቢ፣ ክዳን፣ መጽለሊ…..ካልእን የጠቓልል። ሰብ ብዘይ መግብን ማይን ክነብር ይኹን ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዝግባእ መጠን ምስ ዘይመልኣሉ እውን እንተኾነ ኣደዳ ጥሜት ድኻምን ሕማምን ኮይኑ ናብ መልመስትን ሞትን እዩ ዝበጽሕ። እዚ ናይ ምድርን ግዝያውን እንድዩ፣ ነቲ በራስን ምድራውን ስጋ እዩ ዝጠቅም። ንሓደ ክርስትያን ወይ ኣማኒ ግን ኪንዮ እዚ ዝርአ በስባሲ ሰብ፣ ዘይርአን ንዘልኣለም ዝነበርን ውሽጣዊ ሰብ ኣለዎ። እዚ ሰብ እዚ ብመልክዕ ኣምላኽ ብናይ ሓቂ ቅድስናን ጽድቅን ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ይዓቢ፣ ይብርትዕ፣ ይነበር፣ ይደክም፣ … እዩ። ከምቲ እቲ ዝተፈጠሮ ኮይኑ ክነብር ዘድልዮ ነገርውን ኣለዎ። ኣብዚ ኣርእስቲ  እንብኣር ሓደ ካብቶም ነዚ ውሽጣዊ ሰብ ንኽነብርን ንኽብርትዕን ዝገብሩ ነገራት ክንርኢ ኢና።


ጻድቅ ግና ብእምነት እዩ ዝነበር፣ ንድሕሪት እንተተመልሰ ግና ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ’’ (እብ 10፣38)። እቲ ናይ መንፈስ ውሽጣዊ ሰብና ብእምነት ጥራይ እዩ ዝነበር። ብእምነት ይመላለስ፣ ብእምነት ይዓቢ። መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ርግጽ ምግባር ናይቲ ዘይርአ ድማ ምርዳእ ምዃኑ ይምህረና እዩ (እብ 11፣1)። ስለዚ ሰብ ክነበር እንተ ኾይኑ ክኣምን ኣለዎ። ክኣምን እንተኾይኑ ድማ ተሰፋ፣ ዘይረአ ትስፋ ክህልዎ ይግባእ። ሰብ ኣብ ስምዒትን ኣብ ዘይጭበጥ ነገርን ተስፋ ክገብር፣ ክኣምን ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ብዙሓት ጌጋታትን መስበርትን ኣብ ህይወት ሰባት ዝረኣየሉ ምኽንያት እቲ መሰረት ምንባሮም ዝኾነ እምነቶም  ኣብ ስምዒት፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌት፣ ኣብ ኩነታት ሰለ ዘበግስዎ እዮም። እምነት ክህሉ ተስፋ ወይ ቃል ክርስቶስ ክህሉ ይግባእ። ካብ ዝርአ ብምርኣይ ዝብገስ እምነት ንግዚኡ እዩ። ነዊሕ ስለ ዘይኸይድ ድማ ኣብ መገዲ ምሕላል ምድካምን ምማትን የስዕብ። እምነት ግን ነቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ዝተገጸ ቃል እንተ ዘይሰሚዑን እንተዘይ ተመጊቡን ናብ እምነት ማለት ናብ ናይ ብሓቂ እምነት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ነንመዓልቱ ዝኸውን ቃል እንተ ዘይተመጊብካ፣ ምንባርካ እንዳ ኣቋረጸ ኣብ ምሕላል ትኣቱ።

 

ሰብ: እቲ ደጋዊ ሰብ ከምቲ ክነብርን ኣብ ቀጻሊ ምዕባይ ክህሉን ካብ ኩሉ ድኻም በርቲዑ፣ እቲ ንቡር ናብራ ክመርሕ፣ ዕለት ዕለት ክምገብ ዘድልዮ። እቲ ኣብቲ ሰማያዊ ምንጪ ምንባርካን ዝኾነ ቃል ካብኡ ክትቅበል ይግበኣካ። ንነፍስኻ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ከምቲ ሕጂ ዝተወለደ ህጻን ክትብህጎን ክትሰትዮን ይግባእ። ከምቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ብዘደንቅ o…Mq ክወጹ ከለዉ ኣብ መገዲ ከንኣን ነፍሶም ተብልዖ ዝነበረት ናይ ሰማይ ማና: ሎሚ’ውን ንነፍስኻ ኣብ እምነትን ምብርታዕን ኮይና ነቲ ሰማያዊ መገዲ ክትከዶ ዝተገልጸ ቃል የድልያ እዩ። ናይ ትማሊ እምነት ንትማሊ ጥራይ እዩ። ሎሚ ክትነብርን ክትዓብን ሎሚ እምነት የድልየካ። ናይ ሎሚ ድማ ንጽባሕ ኣይከውንን እዩ እሞ፣ ንጽባሕ እውን ንጽባሕ ዝኸውን ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ንመንበሪኻ ዝኸውን ቃል ከድልየካ እዩ።

 

ሎሚ ነፍስኻ ብጥምየት ኣሕለልያ ነቲ መገዲ ክትከዶ ክሳብ ዘይትኽእል ኣብ ፍጹም ድኻምን ምሕላልን ኣብ ድቃስን ሞትን ዘላትሉ ምኽንያት ንጹር እዩ። ካብቲ ብግርህነት እንተ ኣንቢብካዮን እንተ ተቢልካዮን ንነፍስኻ ከድሕና ዝኽእል ሓይሊ እምነትካን መሰረት ምንባርካን ዝኾነ ቃል ኣዚኻ ርሒቕካ ሰለ ዘሎኻ ጥራይ እዩ። ክርስትያን ክነብር፣ ክኣምን ኣለዎ። ክኣምን ድማ ቃል ክርስቶስ ከንብብን ክምርምርን፣ ነቲ ኣምላኽ ብቃሉ ዝብሎ ድማ ክሰምዕ ኣለዎ። ካብ ድቃስካ ተባራበር እሞ፣ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ቃሉ ዘብርሃልካ ብርሃን ምኽንያት ምቕናዕ መንገድኻን ምብርታዕካን ግበሮ። ናይ ነፍስኻ መግቢ ቃል እዩ። እንተ ኣስተውዒልካሉስ ኣብ ጸልማት ዘብርህ ንህይወትካ ምሉእ ክመርሕ ዝኽእል ቃል…. መዓልቲ መዓልቲ ብልዓዮ። ልብኻን ግዜኻን ኣብቲ ነቶም ዝኸድሉ እኳ ዘይጥቀመ ሓላፊ መግቢ ኣይተጥፍኣዮ። ነቲ ናይ ዘልኣለም ሃብቲ ክኸውን ዝኽእል ቃል ክርስቶስ ግዜ ሃብ። ግቡእ ግዜ፣ ነፍስኻ ክትጥዕን ክትብርትዕን ክትርእያ ኢኻ። ካብዚ ምስ ትድሕር ግን እግዚኣቢሄር ብህይወትካ ደስ ኣይብሎን እዩ።