27
Sat, Apr
0 New Articles

ተበቲኑ ዚብትን

Message 4
Typography

ኣብዛ ምድሪ ንዅሉ ብሓፈሻ፣ ንመንፈሳውያን ክርስትያን ከኣ ብፍላይ ፈቐድኡ ከምዚብተኑ ዚገብር ኣዝዩ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። መንፈሳዊ ክርስትያን ፈቐዶ ዓድታትን ሃገራትን ኪብተን ከሎ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዚጥምቶ ሓደ ነገር ኣሎ። ንዕኡ ‘ኣበይ ኣለኻ?’ ጥራሕ ዘይኮነስ ‘ከመይ ኣለኻ?’ ድማ እምብዛ የገድሶ እዩ-ኪርእየካ ስለዚደሊ። ኣበይ ከምዘለኻ ንኺሓትት ንዘለኻዮ ግዙፍ (ጆግራፍያዊ) ቦታ ኣይኮነን ቀዳምነት ዚህብ። ኣበይ ከምዘለኻ ኪሓትት እንተኾይኑ ዘለኻዮ ህይወት እዩ ዜገድሶ። ህይወትካ በሪሁ እንተልዩ ‘ኣበይ ኣለኻ?’ ኣይብለካን እዩ። ህይወትካ ጸልሚቱ እንተልዩ ግና ‘ኣበይ ኣለኻ?’ ይብለካ። ኣዳም መብራህቱ ስለዝጸልመተ እግዚኣብሄር ‘ኣበይ ኣለኻ?’ ኢሉ ኪሓቶ ከሎ ንርኢ፣ ግናኸ እግዚኣብሄር ዝበርሀ ህይወት ኪህልወና ይደሊ። ዝበርሀ ኸኣ እዩ ዜብርህ።


ኣብዚ ከመሓላልፎ ደልየ ዘለኹ ሓሳብ፣ ብዛዕባ ‘በሪህካ ምብራህ’ እዩ። ክርስትያን ኵሉ ኪበርህ ናይ ግድን እዩ። ሽዑ ኸኣ የብርህ። ሓደ ጊዜ ነቶም በሪሆም ዝነበሩ ቀዳሞት ኣመንቲ፣ ኣብ የሩሳሌም ዘየንብሮም ኵነታት ተኸሲቱ፣ ሽዑ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ኪብተኑ ግድነት ኰኖም። ግናኸ ኪብተኑ ከለዉ ካብኦም ዘይተፈልየ ነገር ኔሩ-ምስኦም እተበተነ- ንሶም ድማ ዝበተንዎ። ንሱ ኸኣ ቃል ወንጌል እዩ። (ግሃ.8፣1-4) ኣዝዩ ዜገርም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ የሩሳሌም ፈጺሞም ኮፍ ኪብሉ ኣይክእሉን ኔሮም። ግድነት ኪወጹን ኪብተኑን ኔርዎም። ስለዚ ድማ ተበተኑ። ግናኸ! ኣብ እተበተንዎ ዘበለ ድማ ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። እዚ ንእግዚኣብሄር  ዜስምር ኣበታትና እዩ።

 

ምብታን’ ዚብል ቃል ክትሰምዖ ጥዑም ኣይመስልን። ብመነጸሪ ‘ምንጋር ወንጌል’ እንተርኢኻዮ ግና ጣዕሚ ኣለዎ። ወንጌል ኬድካ ብስራት ምብታን (ምንጋር/ምዝራእ) ስለዝኾነ፣ ዚብትን ከኣ ዚኸይድ ስለዝኾነ ኣብ መዝገብ ቃላት ወንጌል፣ ‘ምብታን’ ዚብል ጣዕሚ ኣለዎ! እቶም ንጎይታ ዜስምሩ ኸኣ እቶም ቃል ወንጌል ዚብትኑ (ዚዘርኡ) እዮም። ኣበየናይ ክፍሊ ናይ’ዛ ምድሪ (ብስራሕ፣ ብትምህርቲ፣ ብኣገልግሎት...ወዘተ) ወይውን ኣበየናይ ክፍሊ ናይ ዓለም ተበቲንና ኣሎና ብዘየገድስ ቃል ወንጌል ብግቡእ ክንብትን እግዚኣብሄር ይደልየና። ሎሚ እግዚኣብሄር ‘ተበቲኑ ዚብትን’ ይደሊ ኣሎ። ከምቲ ሓረስታይ ብእምነትን ብድፍረትን ዘርኡ ናብ ግራቱ ዚብትን ከኣ ዘርኢ ወንጌል ብእምነት ክንብትንን ክንዘርእን ይደልየና።

 

ከምቲ ቃሉ ዚብሎ ሎሚ እንተዘይሰልቸወና፣ ጽቡቕ ምህርቲ ኽንዓጽድ ኢና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ቅዱሳኑን ድማ ዓስቢ ክንወሃብ ኢና። ኵሉ ክርስትያን ኪብትኖ ዘለዎ ዘርኢ ወንጌል ኣለዎ። እዚ ስራሕ ናይ ካህናት፣ መነኮሳት፣ ጓሶት ነፍሳት ወይ ካልኦት ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽን ጥራሕ ጌርካ ዚውሰድ ኣይኮነን። ስራሕ ኵሉ ክርስትያን እዩ። ሓሓንሳእ ኣብቲ እተበተንናሉ ቃሉ ክንብትን ከቢድ ጌርና ንርእዮ። ሓደ ጊዜ ንሓደ መሳርሕተይ ናይ ምሕዳስ ወንጌል ንኽነግሮ ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑኒ ነበረ። ምኽንያቱ ከም ተራ ቅኑዕ ሰብ እምበር ከም መንፈሳዊ (እተሓደሰ) ክርስትያን ኣይፈለጠንን ነይሩ። ብዙሕ መዓልታት ከኣ ኣንጻር እተሓደሱ (ኣመንቲ) ክርስትያን ባዕሉ ኣርእስቲ እናልዓለ ይዛረበኒ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ከበስሮ ወሰንኩ። ምስ ተዛረብክዎ እምብዛ ሰንቢዱ። ግናኸ ካልኣይ መዓልቲ ክደግመሉ ኣየድለዮን። ሽዑ ምሕዳስ ከምዘድልዮ ተረዲኡ ወሲኑ።

 

ኣሕዋተየ ንሕና ኣይኮናን እንረትዕን ነቲ ዝዘራእናዮ ቃል ከምዚእመን እንገብርን። እቲ ብኣና ዚሰርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ ንሰባት ዚረትዕ። ስለዚ ፈቐድኡ እኳ እንተተበተንና፣ ቃል ወንጌል ድማ ምብታን ኣይዘንግዕ። እግዚኣብሄር ጸጋኡ የብዝሓልና።

ጕንዲ ወይኒ - ሓምለ 2009