25
Thu, Apr
0 New Articles

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና”

Message 4
Typography

ደቀ መዛሙርቲ ጎይታ ጸሎት ክምህሮም ምስ ሓተትዎ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ ኢሉ ዝጅምር ጸሎት ምሂርዎም። እዚ ነቶም ንዘመናት ንእግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ ዘፍርህ ኣስማት ክጽውዕዎ ዝጸንሑ እስራኤላውያን ቀሊል ነገር ኣይነበረን። እቲ ኩሉ ዝኽእል፣ ኩሉ ዝፈልጥን ኣብ ኩሉ ዝነብርን ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ ኣቦኦም ክኸውን ዓቢ ነገር እዩ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኔሩ እቶም ነቲ ሓቂ ዝተቐበልዎ ከኣ ተባሪኾም። ንሕናኸ ነዚ ሓቂ እዚ ተቐቢልናዮ ንነብርዶ ኣሎና? እቲ ሓደኳ ኣብ ዘይቀርቦ ልዑል ስፍራ ዝተቐመጠ ኣምላኽ ኣቦና ምዃኑ ንኣምንዶ?


ሰባት ብኣንጻር እቲ ቃል ኣምላኽ ዝምህሮ ሓቂ ሃይማኖታውያን ናይ ምዃን ዝምባለ ስለ ዘሎና ነቲ ጎይታ የሱስ ብ’ኣቦ’ ዘላለየና እግዚኣብሄር ኣቦ በቲ ካልእ ኣስማቱ ክንጽውዖ እዩ ዝቐለና፣ እዚ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ‘ኣቦና’ ኢልና ናብ ናይ ምጽላይ ትብዓት ዘይምብጻሕና እዩ። ነቲ ብስጋ ዝወለደካ ኣቦኻ ‘ኣቦይ’ እምበር ‘ኣቶ፣ ዶክተር፣ ኢንጅነር . . . እገለ’ ኢልካ ከም ዘይትጽውዖ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ከኣ ‘ኣቦ፣ ኣባ፣ ኣቦይ’ ኢልካ ክትጽውዖ ትኽእል ኢኻ። ገሊኣቶም እግዚኣብሄር ከምዚ ጥራይ እዩ ስሙ፣ ስለዚ በዚ ስም እዚ ጥራይ ክንጽውዖ ኣሎና ይብሉ እዮም። እቲ ንኣምላኽ ዘግሃዶ ሓደ ወዱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ግን ክንጽሊ ከሎና ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ ኢልና ክንጽሊ ከም ዘሎና ምሂሩና ስለ ዘሎ ኣብ ቃሉ ክንጸንዕ ይግብኣና። ካልኦት ድላዮም ኢሎም ይጸውዕዎ እቶም ብጎይታ መሰል ውልድነት ዝተቐበልና ግን ኣቦ ኢልና ናይ ምጽዋዕ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ።

 

ንቃል ኣምላኽ ተኣዚዝና ኣቦና ኢልና ከይንጽውዖ ካብ ዝገብረና ነገራት ሓደ ናብ ድኻምናን ስንፍናናን ምጥማት እዩ። ውሉድ ኣምላኽ ንምዃን ዝገበርናዮ ጽቡቕ ግብሪ ኣሎ ድዩ? ብመንፍዓቱ ውሉድ ኣምላኽ ክኸውን ዝኸኣለ ሰብ ኣሎ ድዩ? ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ኣቦና ንምባሉ እንተ ዘይደፈርና ኣየገርምን እዩ። ካብ ሓጢኣትና ብምንሳሕ ብጎይታ እንተ ኣሚንና ግን እቲ ንእግዚኣብሄር ‘ኣባ፣ ኣቦ’ ክንብሎ ዘኽእለና መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝወሃበና ‘ኣባ፣ ኣቦ’ ኢልና ምጽዋዕ ኣይከብደናን እዩ። ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ትብዓት እንተ ዘይረኺብና እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ጸሎት ክንጽልዮ ኮነ ምስኡ ጥዑይ ዝምድና ክህልወና ኣይክእልን እዩ።

 

ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኢልካ ክትጽውዖ ምኽኣል ንሱ ንጽቡቕካ ከም ዝሓስብን ዝኸብዶ ነገር ከም ዘይብሉን ርግጸኛ ክትከውን ይገብረካ። ንሱ ካብ ኩሉ ምድራዊ ነገራት ዝለዓለ ስለ ዝኾነ በቲ ኣብ ምድሪ ዝኸውን ነገራት ኣይቅየድን እዩ። ኣቦና ስለ ዝኾነ ድማ ኣንጻር ሰብኣዊ ስነመጎት (Human Logi።) ከንብረና ይኽእል እዩ።  እግዚኣብሄር ኣቦኻ ከም ዝኾነ ዝህልወካ ናይ ልቢ ርግጽነት እምበኣር ካብ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ጭንቀትን ፍርሃትን የናግፈካ ኣብዚ ምንዋጽ ዝበዝሖ ዘመን ከኣ እሙን ምስክር ጎይታ ክትከውን የብቅዓካ። ሎሚ ዓለም ብብዙሕ ነገራት ብፍላይ ድማ ብቁጠባዊ ቅልውላው ትጭነቕ ኣላ። እቶም ሃብታማት ዝበሃሉ ሃገራትውን እቲ ዝትንከፍ ዘይመስል ዝነበረ ማሕፉዳኦም ስለ ዝጎደለ ሕልፊ እቶም ድኻታት ይጭነቑ ኣለዉ። ንሕና ክርስትያናት ግን ጉዳይና ኣሕሊፍና ነቲ ንኩሉ ነገራት ዝቆጻጸር ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣቦና ክንህቦ እምበር ብኩነታት ክንጭነቕ ኣይግብኣናን እዩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ኣቦኻ እንተኾይኑ ንሱ ንኹሉ ስለ ዝቆጻጸሮ ንዕኡ ጥሒሱ ክጎድኣካ ዝኽእል የለን። ኣብ ዓለም ከም ዘለዉ ሰባት ብቁጠባዊ ቅልውላው ክንትንከፍን ማሕፉዳና ክጎድልን ይኽእል እዩ። ከምቲ ሃዋርያት ዝበልዎ ‘ብእኡ ንነብር፣ ንወሳወስን ንህሉን’ እንተኾንና ግን ልዕሊ ኩነታት ክንወጽእ ንኽእል ኢና። ዝሓሊን ዝግደስን ኣቦ ኣብ ሰማያት ስለ ዘሎና ከይተጨነቕና ክንነብር ፍቓዱ እዩ።