ህጹጽ ጻውዒት ምሕጽንታ፡ ወገን ሓቂ ንዝዀና ንናይ ኤርትራ ወንጌላውያን ማሕበራት ኩላተንን መራሕተንን

Topic
Typography

ኣቀዲመ ሰላም ኣምላኽን ጸጋ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ንኹላህኩም ቅዱሳን ይኹን ይብል!

ኣቅደም ኣቢለ ኣብ ትሕቲ እዛ ሕጂ ዘቅርባ ዘለኹ መልእኽቲ ፖስት ዝገበርኩዋ ናይ ''ኢትዮጵያ ውያን ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያናት'' ንናይ ሓቂ ትምህርትን ንናይ ሓሶት ትምህርትን ንዘለዎም መርገጽ ኣብ ወርሒ መጋቢት22, 2017, ዘውጽእዎ መግለጺ ሼር ገይረ ኣለኹ። ብፍላይ ነዚ ጽሑፍ እዚ ሼር ዝገበርኩሉ ንጽል ዕላማ፡ ንሕና ካብ ሀገረ ኤርትራ ዝዀንና ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብዚ ነገር እዚ እንታይ ጽቡቅ ትምህርቲ ኪንወስድ ንኽእል ብዝብል ሰናይ ሕሊና ጥራይ እየ። ''መምሃሪ ኣይግበርካ መምሃሪ ነይኽላእካ'' ከም እተባህለ እዩ!

እምብባር ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ከቅርቦ ደሊየ ዘለኹ ጻውዒት ምሕጽንታ ምስቲ እዞም ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ነቲ ኣብ ምድሮም ንዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ወዲቅዎ ዘሎ መግደራ ንምምካት ዝወሰድዎ ኣገዳሲ ተበግሶ ዝተኣሳሰር እዩ።

ቅድሚኡ ግና ነቲ ከቅርቦ ደሊየ ዘለኹ ጻውዒት ምሕጽንታ መእተውን ጽኑዕ ባይታን/ground/ ዝዀነ ሓደ መሰረታዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኪዛረብ።

ካብቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዚፈጸሞ፡ ዘለኣለማዊ ሓቂ ሓደ፡ ሓድነት እቲ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዚፈጠሮ ሓደ ሓድሽ ሰብ እዩ።

''ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡'' (ኤፌሶን 2፡15)

እቲ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ''ሓደ ሓድሽ ሰብ'' ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ፡ እቲ ''ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን'' ዜየልቦ፡ እንታይ ደኣ ''ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን'' ዝዀነ ማሕበሩ እያ።

''ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።'' (ቈሎሴ 3:9-11)

''ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ።'' (1ይ ቈረንቶስ 10፡31)

ጐይታና የሱስ ኣብ መስቀል ቅድሚ ምሟቱን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ቅድሚ ምትንስኡን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገጽ ምድሪ ንዝነበሩ ደቂ ሰባት ኩሎም (=ንህዝቢ ዓለም ኩሉ) ኣብ ክልተ ዓበይቲ ጉጅለ ወይ ምድብ (Category) ይመቅሎ ነይሩ።

1ይ) ኣህዛብ (እዚ ኣብ ቈረንቶስ10 ጽር ኣውያን ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ኤፌሶን 2፡11-15 ኣህዛብ እዩ ዝብሎ)

2ይ) ኣይሁድ

ኣብቲ መጀምርታት ሓድሽ ኪዳን ግና ብናይ መስቀል ሞትን ትንሳኤ ጐይታ የሱስ ክርሶትስን ሓደ ሳይሳይ ምድብ (New & 3rd Category) ዝዀነ ፍሉይን ሓድሽ ህዝብን ተፈጥሩ! እዚ ሳልይ ምድብ ዝዀነ ህዝቢ እዚ እቲ ሓደ ሓድሽ ሰብ ወይ ድማ ኤክለሲያ ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ!

እምባኣር ሎሚ ካብ ሞትን ትንሳኤ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንነጀውም ጀምርካ ማለት እዩ ኣብ ዓለም ሰለተ ምድብ ህዝቢ ኣሎ፡

1ይ) ኣህዛብ

2ይ) ኣይሁድ

3ይ) ኤክለሲያ ኣምላኽ

ኣብዚ ብሞትን ትንሳኤ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እተፈጥረ ሓደ ሓድሽ ሰብ፡ እዚ ማለት እታ ናይ ኣምላኽ ኤክለሲያ (=ማሕበር ህያው ኣምላኽ---1ይ ጢሞቴዎስ 3፡15) ፡ ''ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።''!

ሓድሽ ኪዳን ነዚ ማሕበር (=ኤክለሲያ) ዝብል ቃል ብኽልተ መልክዕ ይጠቅሶ፡ ብናይ ንጽል ቁጽርን ብናይ ብዙሕ ቁጽርን። እዚ ማለት ''ማሕበር'' ይብል። ''ማሕበራት'' ድማ ይብል።

እንታይ እዩ ፍልልዩን ምትእስሳሩን!?

እታ ማሕበር ክርስቶስ ክልተ መልክዕ ወይ ድማ ገጽ/two aspects) ኣለዋ። ክርስቶስ ክልተ እተፈላለያ ማሕበራት የብሉን ፈጺሙ። ማሕበሩ ሓንቲ ጥራይ እያ። እዛ ሓንቲ ማሕበር እዚኣ ግና ክልተ ገጻት ወይ ክለተ መልክዕ ኣለዋ። ንሱ ከኣ ኣድማሳዊ መልክዕን ዞባዊ መልክዕን ይባሃል።

ኣድማሳዊ መልክዕ እታ ማሕበር ኣምላኽ

እቲ ኣድማሳዊ መልክዕ እታ ማሕበር ኣምላኽ፡ ካብ መዓልቲ ጰንጠ ቈስጠ( በዓል ሓምሳ---ግብሪ ሃዋሪያት2፡1-4) ኣትሒዙ ንዝነበሩ ኩሎም ኣመንቲ፡ ኪሳዕ ዳግም ምጽኣት ጎይታ የሱስ ንዝድሕኑ ኩሎም ኣመንቲ ኣጠቃሊላ ዝሓቘፈት ኣብ ሰማይን ኣብ ምሉእ ኣድማስን ሓንቲ ጥራይ ዝዀነት ማሕበር እያ፡፡ እዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ስፍራ ኪትእከብ ኣይትኽእልን እያ ብጀካ ኣብታ እትመጽእ ዓለም! ነዛ ማሕበር እዚኣ ሓድሽ ኪዳን እታ ሓንቲ ስጋ ክርስቶስ ኢሉ ድማ ይጽዋዓ።

ግብራዊ መልክዕን መግለጽን እታ ሓንቲ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣምላኽ => እተን ዞባዊ ማሕበራት ኣምላኽ

 

እታ ሓንቲ ጥራይ ሰማያዊ ማሕበር ክርስቶስ ግብራዊ መልክዕን ግብራዊ መግለጽን ኣለዋ። ግብራዊ መልክዓን መግለጺኣን ድማ፡ ኣብ ኣየር፣ ኣብ ወርሒ፣ ኣብ ጸሓይ፣ ወይ ኣብቶም ካልኦት ፕላኔታት ዘይኰነስ ኣብተን ከተማታት ምድሪ እዩ። ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ሓንቲ ከተማ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ጥራይ ኢና እንረክብ። ከተማ እቲ ፍሉይ ዶብ/ቀጽሪ/ ወይ ዞባዊ መዕቀኒ እታ ሓንቲ ዞባዊት ማሕበር ኣምላኽ እዩ ማለት እዩ። ክርስቶስ ከም ዘይምቀል (1ይ ቈረንቶስ 1:13)፡ እታ ዞባዊት ማሕበር ኣምላኽ ድማ ብጀካ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ብኻልእ ብዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይትመቃቀልን ኣይትፈላለን ኣይትከፋፈልን እያ።

እተን ኣብ ከከተማኡ ሓሓንቲ ማሕበር ጥራይ ኰይነን ዚቘማን ዝግለጻን ዞባውያን ማሕበራት ኣምላኽ፡ ንሳተን እተን ግብራዊ መልክዕን ግብራዊ መግለጽን እታ ሓንቲ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣምላኽ እየን። እታ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ሓንቲ ከም ዝዀነት፣ ከም ዘይትምቀልን ከም ዘይትፈላለን ኩሉ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ እዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ከከተማኡ ሓንቲ ማሕበር ጥራይ ኰይና እያ እትግለጽ። ከተማ ግብራዊ መግለጺኣ፡ግብራዊ መልክዓ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ከተማ ከባቢያዊ መዕቀኒ ስፍሓታን መዕቀቢ ሓድነታን እዩ። እተን ናይ ሓድሽ ኪዳን ማሕበራት ብኸተማ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ብዓሌት፣ ብሕብሪ ቈርበት፣ ብሃገር፣ ብቛንቋ፣ ብዶክትሪን፣ ብእተፈላለዩ ምህሮታት፣ ብዓይነት ቅዲ መርሕነት፣ ብናይ መራሕቲ ወይ ዓየይቲ ወገናዊነት፣ ወዘተ ኣይተፈላለያን ፈጺመን።

ኣነ ብውልቀይ ብምሉእ ሕልናይ፣ ብምሉእ ልበይ፣ ብኹሉ ነፍሰይን ብኹሉ ሓይለይን ነዚ ፈጺሙ ዘይልወጥ ክርስቶሳዊን ሃዋሪያዊ ሓቂ እዚ ጥራይ እየ ኣርጊጸ ዝኣዝምንን ኣነጺረ ዝምህርን።

ዋላ እኳ ነዚ ሓቂ እዚ ሰዓቢ ክርስቶስ እየ ዝብል ኩሉ ይኣምኖ፣ ይቅበሎን ይትግብሮን እዩ ኢለ እንተ ዘይኣመንኩ፡ ኩሉ ሰብ ኪኣምኖ፣ ኪቅበሎን ኪእዘዞን ዘለዎ ዘይልወጥ ሰማያዊ ሓቂ ከም ዝዀነ ግና ኣይጠራጠርን እየ።

ነዚ ዘይልወጥ ክርስቶሳዊ ሓቂ እዚ ብዘይ ውልውል ኣብ ዝእዘዝ ወለዶ፡ ዝኸውን ፍሉይ ሰማያዊ በረኸት ድማ ኣሎ።

1ይ) እተን ኣብ ከከተማኡ ዘለዋ ዘቦዊ ማሕበራት ኣምላኽ ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮን ዝሓንጸጾን ሰማያዊ ዕቤት ገጸን ይውንጨፋን ይሰብራን! እወ፡ እተን ኣብ ከከተማኡ ዘለዋ ዘቦዊ ማሕበራት ኣምላኽ ናብቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝደልዮን ዝሓንጸጾን ሰማያዊ ዕቤት ገጸን ዝውንጨፋን ሰይረን ዚኣትዋን፡ ነቲ ሰማያዊ መለኮታዊ ሓድነት እቲ ''ሓደ ሓድሽ ሰብ'' ተጠንቂቀን ምስ ዚሕልወኦን ዚዕቅበኦን ጥራይ እዩ። (ብዛዕባዚ ዮሃንስ 17 ብጥንቃቄ ኣንብብ) ኣብቲ እቲ መለኮታዊ፣ ሰማያዊ፣ ክርስቶሳዊ ሓድነት ኣብ ዘይብሉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብኡ እቲ ኣምላኻዊ ሰማያዊ ዕቤት የለን ፈጺሙ፡ እንታይ ዳኣ ይህሉ? ''በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው'' ዝድፋእ ኣብ ደረጃ መንፈሳዊ ህጻንነት/ቁልዕነት/ እተሓጸረ ህይወት ዝሓዘ ህዝቢ!

''ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።'' (ኤፌሶን 4፡14-15)

2ይ ) እቲ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱ ዝመኸሮ መለኮታዊ ሰማያዊ ምዕባይ ኣብ ዘለወን ዞባውያን ማሕበራት ኣምላኽ፡ እቶም ኩሎም ዓየይቲ ሓሶትን እቲ ናይ ሓሶት ምህሮታቶምን ስፍራ ይስእን! ናይ ሓሶት ዓየይትን ናይ ሓሶት ምህሮታትን ብነጻነት ኣብ እተፈነወሉ ክርስትና ሕብረተ ሰብ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝመኸሮ ዚዓይነቱ መንፈሳዊ ዕቤት ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ እዩ።

ሓደ ምሉእ ኰይኑ እተወልደ ህጻን ናብ እኹል ሰብኣይ ገጹ ዝዓቢ፡ ጥዑይን እተመጣጠነ ዓይነት መግቢ ብግቡእ እናተመገበ ኣብ ስቱርን ዘይተበከለ ኣከባብን ዝነብር እንተዳ ኰይኑ ጥራይ እዩ። ክልቲኡ እዩ ብማዕረ ዘድልዮ፡ ኩሉ ሳዕ ጥዑይ እተመጣጠነ መግቢ የድልዮ፡ ብማዕረ'ዚ ድማ ጥዑይ ኣየር ዘለዎ፣ ተጓዳእቲ ቫይረስ፣ባክተሪያ ዘይብሉ ዘይተበከለ ከባቢ የድልዮ!

ልክዕ ከምኡ ድማ ኣብ ሓንቲ ከተማ እተወልደት፣ እተተኽለትን ዝቘመትን ሓንቲ ዞባዊት ማሕበር ኣምላኽ፡ እቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ትምህርቲ ሃዋሪያት ጥራይ ዘይኰነስ ብናይ ሓሶት ዓየይትን እተፈላለየ ምህሮታቶምን ዘይሓድሽ ኪዳናዊ ልምምዶምን ዘይትበከለ ኣትሞስፈር/ሃዋህው፣ ኣየር፣ ከባቢ፣ ጠፈር/ ኰላይ እዩ ዘድልያ!

''ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።'' (ኤፌሶን 4፡11-16)

ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ ዝደሓኑ ''ወንጌላውያን'' ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣመንቲ ኣለዉ። ስለቲ ኣዚዩ ብዙሕ ዝቁጽሩ ካብ ጣኦታቱ ተመሊሱ ብክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ዝኣመነ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ዕዙዝን ዘየቋርጽን ምስጋና ይብጻሓዮ። ይኹን ደኣ እምበር ብዛዕባ ልምምዳትና ባዕሊና ኣብ ርእስና ትኽክል ምእንቲ ኪንፈረድ፡ ብዕምቈት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝዀነ ግምገማ ኪንገብር ይግባኣና እዩ። ኣይኰነን ዓለም ኪትፈረድ ከላ ፍርድና ኪበዝሕ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ምድሪ እትዮጵያ ብክርስቶስ ኣሚኑ ዘሎ ክርስትያን ሕብረተሰብ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ጥንቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝመኸሮ ዓይነት ዕቤት ኣሎዶ!? ብዘየ ወላውል መገዲ እቲ መልሲ፡ ያ ኣይፋል ዝብል እዩ!

ስለ ምንታይ? እቲ ምኽንያት ንጹርን ብሩህን እዩ!

1ይ) ኣብቶም ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዘለዉ ድሑናት ኩሎም እታ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጻ ዘላ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ብንጹር ዘቅረብኩዎ፡ ሃዋሪያዊ ሓድነት ስለ ዘየለ!

2ይ) ዓየይቲ ሓሶትን ናይ ሓሶት ምህሮታቶምን ብነጻነትን ማንም ያዕ ከይበሎምን ብጽኑዕ ከይመጐቶን ንነዊሕ ዓመታት ከም ድላዮም ኪዕንድሩ ስለ ዝጸንሑ።

ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ፡ምስ ሓደ ከም ዝኸማይ ብናይ ጎይታን ቤት ኣምላኽን ጓሂኡ ዚዓዘዘ ክቡር ሓው ኣቀድሚ ኣቢለ ይዛረብ ነበርኩ። ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈለይ፡ ''Bold decision by ethiopian evalglical Churches. Though it is good decision, but they took years to come to this decision.... ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበር ብሰንኪ እዚ ግዕዙይ ትምህርትን ካልእ ዘይግቡእ ናይ መንፈስ ቁዱስ ኣጠቓቕማን ኣብ ከቢድ ውድቀት ወዲቓ ትርከብ ኣላ። ናይ ኢኤርትራ ማሕበር ድማ ኣንፈታ ናብኡ ኣቢላ ድሮ ኣትያ ኣላ።ንባዕሉ እቲ ሕብረት ከምዚ ዛመሰለ እምነት ንዘለዎም እዩ ሓቒፉ ዘሎ።...ብዙሓት ኣብ ጽፍሒ ኣገልግሎት ተቐሚጦም ዘለዉ ኣሕዋት ዋላ ብቐረባ ዝፈልጦም ክንዮ መጓሰኦም ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ሕብረት ወይ ድማ ክሓከካ ሕኸኸኒ ዘገድሶም ሙኻኑ እዩ።''

ህጹጽ ጻውዒት ምሕጽንታ

ንናይ ኤርትራውያን ወንጌላውያን ማሕበራት ኩለንን ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት ንዘለዉ ኩሎምን፡ብኣኽብሮት እዚ ዝስዕብ ኪብል ይፈቱ፡

ቅድም ኣብዚ ህይወት እዚ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ከም እንነብር ደኣ እምበር ንኹሉ ጊዜ ነበርቲ ከም ዘይኰና፣ ካብዛ ህይወት ኢዚኣ ምስ ሓለፍና ድማ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ከሎና ዝገበርናዮ ኩሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘፍርህ ጐይታ ጸብጻብ እንህብ ሰባት ከም ዝዀና፡ ንርእሰይ ኰላይ ሓዊሰ ንነፍሲ ወከፍና ከዘኻክር እፈቱ።

ብምቅጻል፡ እንተዀነ እንተዀነ፡ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ብንጹር ኣቀሚጠዮ ዘለኹ ሰማያዊ ዘይልወጥ ክርስቶሳዊ ሓድነት እታ ናይ ሓቂ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ምውልዋል ቀልጢፍና ንመለስ።

ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኪኸብር፡ ነቲ ንዓመታት ዘዕፈርናዮን ናይ እተፈላለየ ሕንፍሽፍ፣ዕግርግር፣ ሕልኽላኽ ፣ ድብልቕልቕ (Confusion) ግዳይ ዝገበርና ፍልልይታትና ንድሕሪት ደርቢና ናብ ዞም ዝስዕቡ ሓድሽ ኪዳናዊ ዘይልወጡ ሓቂታት ንመለስ።

1ይ) ናብቲ ሓድሽ ኪዳናዊ ሓድነት፡ (ዮሃንስ 17 ፣ ኤፌሶን2፡15 ፣ ኤፌሶን 4፡4-16)። ንሱ ከኣ ሓድነት እቲ ሓደ ሓድሽ ሰብ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ንሕድሕዳ ናይ ዶክትሪን፣ ናይ ምህሮ፣ ናይ ዓይነት ቅዲ ምምሕዳር፣ ናይ ቛንቋ፣ ናይ ወገን፣ ምፍልላይ ዘይብላ ሓንቲ ማሕበር ኣብ ሓንቲ ከተማ፡ ናብ ዝብል ጽሩይ ሓድሽ ኪዳናዊ ክርስቶሳዊ ሓቂ ቀልጢፍና ንመለስ!

2ይ) ናብቲ ሓድሽ ኪዳናዊ ራእይ፡፡ (ማቴዎስ 16፡18 ፣ ግብ.26፡19 ፣ ኤፌሶን 2:19-3፡1-6) እዚ ማለት ኣሕቢርካ ምህናጽ እታ ከተማ ዚዶባ/ዚቀጽራ/ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ናብ ዝብል ጽሩይ ሓድሽ ኪዳናዊ ክርስቶሳዊ ሓቂ ቀልጢፍና ንመለስ!

3ይ) ናብቲ ሓድሽ ኪዳናዊ መሪሕነት፡፡ (ግብ.14፡23 ፣ግብ. 20፡17-32) እዚ ማለት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መሪሕነት እትመሓደር ከተማ ዚቀጽራ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ናብ ዝብል ጽሩይ ሓድሽ ኪዳናዊ ክርስቶሳዊ ሓቂ ቀልጢፍና ንመለስ!

4ይ ) ሓድሽ ኪዳናዊ ትምህርቲ። (ዮሃንስ 7፡16-18 ፣ ግብ.2፡42 ፣ ሮሜ 16፡17-18) እዚ ማለት እታ ካብ ክርስቶስ ብምልኣት እተቀበልዋ እሞ ክሳዕ መወዳእታ ብዓቢዪ እሙንነት ዚሓለውዋ እሞ እታ ከተማ ዚቀጽራ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣብ ከም ሓደ ሰብ ኰይና ኣብ ትሕቲኣ እትጓሰ እንኮ ትምህርቲ ሃዋርያት ቀልጥፍና ንመለስ!

ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎና እሞ ንሕና እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና እንብል ሰባት ማለት እዩ፡ ብውሕዱ ክልተ ዓበይቲ ጉድለታት ተረኺቡና ኣሎ።

1ይ) ቀዳምይ በቶም ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ኣውራ ዝዀኑ ሰማያዊ መለኮታዊ ሓቂታት ሓደ ኪነስና፡ ንሕና ግና ካብ ድንቁርና ድዩ ዋላስ ካልእ ኣይፈልጥን ብናእሽቱ ነገራት ብምፍልላይናን፡ ርጉም ሃዳኒ ከም ዘጋጠመን ደቂ ዛግራ ፋሕጭርንጋሕ ብምባልናን!

ናይ ፈሪሳውያን ውድቀት እዚ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ምስቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናኣሽቱ ነገራት ኣዛቢዖሞ!

''ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ።'' (ማቴዎስ 23፡23-24)

ሓቂ ኪንዛረብ እንተዳኣ ኰይኑ፡ ንሕና ነቲ ''ክርስቶስ ዶ ተመቂሉ እዩ?'' (1ይ ቈረ.1፡13) ዝብል ዓቢዪ ሰማያዊ ደወል ጸማም እዝኒ ሂብና፣ እዚ ዘይባል ምፍልላይ ኣብ ንሕድሕድና፣ ሻራን፣ ወገናዊነትን ወዘተ ...ኪንድዚ ዝግዝፎም ዓበይቲ ሓጢኣታት ዊሕጥና፡ ''ብዕሽርና እሙናት ኪንከውን ኣሎና! ኣሕዋተየ፡ ገንዘብ ኣምላኽ ኣይንስረቅ! እዚ ዓቢዪ ሓጢኣት እዩ" ወዘተ እናበልና፡ ኪንዲ ቃርማ ንዝዀኑ ሓጢኣታት መጢጥና መጣጢና ኪንዲ ግመል ኪሳዕ ዝዀኑ ዝወጣጠርና ወለዶ ኢና! እዚ ከኣ ፈሪሳዊነት፡ ማለት ዓቢዪ ዕሮት እዩ!

''ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።'' (ኤፌሶን 4፡4-6)

ኣብዚ ሸውዓተ ዓበይትን ዘይልወጡን መለኮታዊ ረቛሒታት ሓድነት እቲ ፍሉይ ሰማያዊ ህዝቢ ኣምላኽ ተዘርዚሮምልና እነዉ!

1. ሓንቲ ተስፋ

2. ሓደ ስጋ

3. ሓደ መንፈስ

4. ሓደ ጐይታ፡

5. ሓንቲ እምነት፡

6. ሓንቲ ጥምቀት፡

7. እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን!

እምባኣር በዞም ሸውዓተ ዓበይቲ ሓቂታት እዚኣቶም ሓደ ካብ ኰንና፡ ነቶም ፈላልዮምና ዘለዉ ዛዕባታት ምልስ ኢልና ንመለከቶም እሞ፡ በዞም ነገራት እዚኣቶም ንህዝቢ ክርስቶስ ኪሳዕ ኪንድዚ እንመቃቅሎ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ነኺስና ምሓዝና ኣዚዩ ከሕፍረና እዩ።

2ይ ) እቲ ካልኣይ ጉድለትና ፡ ነቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣውራ ዝዀኑ ሓቂታት ዘዛብዕን ዝሰባብርን፣ ነቲ እንኮ ሓድሽ ኪዳናዊ ትምህርቲ ዝብርዝን ዘበላሹን፡ እተፈላለየን ካብቲ ናይ ኢዛቤል ዘይፍለን ምህሮታት ስቅ ኢልና ብምርኣይና እዩ!

''ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።'' (ሮሜ 16፡17-18)

እዚ ኣብዚ ኪትዕዘብዎም ዝብል ዘሎ ቃል፡ ብእንግሊዘኛ ''Mark'' እዩ ዝብል። ብግሪክ ''skopeō'' እዩ ዝብል። ትርጉሙ ድማ፡ ምልክት ግበሩሎም ማለት እዩ!

(to look at, observe, contemplate ፣to mark፣ to fix one's eyes upon, direct one's attention to, any one፣ to look to, take heed to thyself)

ጳውሎስ ነዚ ቃል እዚ ንኽልቲኡ ንኣዎንታውን ኣሉታውን ኣመልኪቱ እዩ ተዛሪብሉ። ኣብዚ ኣብ ሮሜ ነቶም ናይ ሓሶትን ጠበርቲ ዓየይቲ ኣመልክቲ፡ ኣብ ፊሊጲ ግና በቲ ኣዎንታዊ መልክዑ ጠቂስዎ ኣሎ።

''ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ።'' (ፊሊጲ 3፡17)

ኣብዚ እዛ ''ኣስተብህሉ'' እትብል ዘላ ቃል እያ! ኣብቶም ብትኽክልን ንክርስቶስ ብምምሳል ዝመላለሱ ኣስተብህሉ!

''ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ። '' (ራእይ 2፡20)

እህ ህ ህ ህ! ህምምምምም! ''ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ''!!!

ኣብ ፈቀድኡ ሽንጥሮታትን ከቢድ ምድራዊ መከራን ስደትን ክርስቶስ ዝረኸበ መንእሰይ ወለዶ፡ ሎሚ ብእተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ናይ ድያብሎስ መጻወድያ ተጠሊፉ ይወድቅ ኣሎ።

1ይ) እቲ ጥዑይ ትምህርቲ ብግቡእ ዝመገቦ ስለ ዘይረኸበ ግዳይ እተፈላለየን ዘመናዊን ምህሮታት ሓሶት ይኸውን ኣሎ።

2ይ ) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብፍላይ ካብቶም ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት ዘለኹም ኣካላት ንጹር ዝዀነን ተሪር ሓበራዊ መርገጽ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ካባኻትኩም ይሰምዕ ስለ ዘየሎ፡ ኣየናዩ እዩ እቲ ምህሮ ሓቂ፡ ኣየናዩ እዩኸ እቲ ምህሮ ሓሶት ርግጽ ኰይኑ ኪመሚ ኣዚዩ ጨኒቅዎ ኣሎ።

እዚ ከም ክሲ ኣይትቁጸርዎ፡ ኩላህኩም ከም ሓደ ሰብ ከምኡ ኢኹም ማለትናውን ኣይኰንናን፡ ግን ቡዙሓት ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ግብረ መልስኹም ዘለዎም ሚዛን ከንጸባርቁ ከለዉ፡"መብዛሕትኹም ኣሕዋትና እንድዮም! እቲ ትምህርቶም እሞ እንታይ ብዙሕ ዘሰክፍ ገይጋ ኣለዎ ድዩ!? ወዘተ '' ከም እትብሉ እዩ። ገለኹም እምውን ነቲ ግጉይ ትምህርቶም ዋላ ሓደ ተቛውሞ ከየርኣኹም ምስኦም ሓቢርኩም እተገልግሉን ትገላገሉን ኢኹም ፡፡ እዚ ከምዚ ዚዓይነቱ መርገጽኩም እዚ ድማ ንብዙሓት ይጐድእ ኣሎ!

እዚከ ንገላትያ 2፡ 11-21 ከዘኻኽረኩም!

''ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝንኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም አሎኻ፡ ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን። ሰብ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና። ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጥኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኤርኢ አሎኹ። ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።''

ንምንታይ ጳውሎስ ንጰጥሮስ ስቅ ኢሉ ዘይረኣዮ!? ከም ሓቂ ምስዚ ሕጂ ኣብ ማእከልና ብድፍረት ዝመሃር ዘሎ፡ ትምህርቲ ''ዘይንቡር ጸጋ'' እሞ ኸኣ ብብዙሓት ኣገልገልቲ ስቅ ኢሉ ዝረኤ ዘሎ፡ ምስቲ ጰጥሮስ ዝገበሮ ምግባዝ ተነጻጺሩ ፍልልዩ ናይ ሰማይን ናይ ምድር እዩ! እዚ ሕጂ ዝመሃር ዘሎ መንሽሮ ዝዀነ ትምህርቲ ሓሶት ይኸፍእ! ግናኸ ስቅ ኢልኩም ትሪእዎ ኣለኹም!

ዓገብ! ዓገብ! ዓገብ!

እዚ ከምዚ ዓይነት መርገጽ ኸኣ ነቶም ዚጋገዩ ዘለዉ ኣይጠቅሞም! ነቶም ኪጋገዩ ዘይደሉ ግናኸኣ ንጹር ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣይጠቅም!

ኣሕዋትካ ደኣ ይኹኑ እምበር፡ እታ ናይ ሓቂ ፍቅሪ እኮ ነሕዋታ ትገንሕን ነቲ ገይጋኦም ድማ ኣበርቲዓ ትቃወምን እያ! ንገይጋን ንሓቂን ሓቚፋ እትኸይድ ሓቀኛ ፍቅሪ የላን።

እቲ ናይ ሓቂ ፍቅሪ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። ኣብ ኣምላኽ ድማ ጸልማት የለን። ኩሉ ጊዜ ጸልማት፣ ሕንፍሽፍሽን፣ሕልኽልኽ፣ ዕግርግርን ድብልቕልቕን ኣብ ዘሎዎ ኣምላኽ ብርሃን ይኹን እዩ ዝብል! ቃሉ ብሓይልን ብስልጣንን ይለቅቅን ይእውጅን ማለት እዩ! ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ድማ ፍጹም ምፍድልላይ ይኸውን ማለት እዩ!

ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኣዕንትኹምን ኣእዛንኹምን ካብ ትምህርቲ ሃዋሪያት ፈጺሙ እተፈልየ ብዙሕ ዝዓይነቱ ትምህርትታት ይመሃር ኣሎ!

''ናይ ቃል እምነት ምንቅስቃስ (Word Of faith movement)'' ተባሂሎም ዝፍለጡ መማህራንን ኣመንትን፡ ካብ ዝምህርዎ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታት ገለ ገለ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

1. ''ሰብ መንፈስ እዩ፡ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ይነብር ዝብሉ፣ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ ንሕናውን መንፈስ ኢና፡ ስለዚ ከኣ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ!

2. ንሕናን ክርስቶስን ሓደ ኢና፡ ከምቲ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ዚኣተዎ ንሕናውን እቶም ዳግም እተወልድና ብዘይ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ኪናቱ ንኽእል ኢና ዝብል፣/ ሓደ ሰብ ከም ዝበሎ፡ ''We are sons of God because of and through the Son of God, and any attempt to insist that we are sons of God in the same manner as the Son of God—thus appealing to have access to God directly apart from the Son of God—is a doctrine of the devil that began in the Garden.''

3. ብንጹርን ብድፍረትን ማለት እዩ፡ ከምቲ ክርስቶስ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ ዝነበረ፣ እቲ ቀዳማይ ኣዳምውን ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፡ ንሕናውን ልክዕ ከም ኡ ብስጋ እተገልጽና ኣምላኻት ኢና ዝብሉ፣ ከምቲ ክርስቶስ ''ኣነ፣ ኣነ፣ኣነ I AM, I AM, I AM ....'' ዝብል ኣነውን "ኣነ! ኣነ!ኣነ እየ!' ዝብሉ ብዓቢዪ ድፍረቶም፣

4. ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሰይጢኑ እዩ ዝብል፣ ንሕና እንተዳኣ ዘይፍቅናሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓንቲ ኪገብር ኣይክእልን እዩ ዝብሉ፣ ናህና እምነት ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት እምነት ስለ ዝዀነ ዚሰኣኖ ነገር የለን ዝብሉ፣

5. ኣብ ክንዲ ኣብ ተቀራኒ ጾታ ዝግበር ናይ ሓጢኣት ልምምድ፡ ማለት ኣመንዝራነትን ዝሙትን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝግበር ግብሪ ሰዶማዊነት፣ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ስጋዊ ርክብ፣ ፍትሕን ተደጋጋሚ ዝዀነ መርዓን ዝኹኑኑን ነቶም ኣመንቲ ዘጠንቅቁን፡ ንሕና መንፈስ ኢና፡ ሰለዚ ከኣ ብስጋ ዝግበር ሓጢኣት ጸገም የብሉን፡፡ ስጋና ዝገብሮ ደኣ እምበር ንሕና እንገብሮ ኢሎም ብግልጺ ዝኽሕዱ፣

6. እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ መስቀል ሞት ንሓጢኣት እኹል ኣይኰነን፡ ሰለዚ ከኣ ምድሓንና ንምፍጻም ኣብ ሲኦል ወሪዱ ኪስቀ ነይሩዎ ዝብሉ፣

7. ድሕሪ መስቀል እግዚኣብሄር ካብ ቁጣዓኡ ኩሉ ዚሒሉ እዩ። ሰለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዋላ ሓደ ኣይቁጣዕን እዩ፣ ንዋላ ሓደ ኣይፈርድን ኣይቀትልን እዩ ዝብሉ፣

8. ሓጢኣት ገርካ እንተዳ መጺካ እግዚኣብሄር ብቁጣዓ ዘይኰነስ ''ፍሽኽ'' ኢሉ እዩ ዝቅበለካ ኢሎም ኣብ ኣደባባይ ዝምህሩ፣

9. ሎሚ ኣምላኽ ንደግም እተወልዱ ኩሎም ዝገበሩ ዓይነት ሓጢኣት እንተገበሩ ዝባላዕ ሓዊ ኣይኰነን ኢሎም ኣብ መልእኽቲ እብራውያን ንዘሎ ንኣመንቲ እተዋህበ ንጽሩ መለኮታዊ መጠንቀቅታት ዝኽሕዱ (እብራውያን 10፡26-31 ፣ 12፡25-29)

10. ሞት ሃናንያን ሰጲራን 1ይ) ናይ ገዛእ ርእሶም ጉድለት፣ 2ይ) ናይ ሰይጣን ኢድ ኣለዎ፣ 3ይ) ናይ ጰጥሮስ ኢድ ኣለዎ፡ እንተዘይኰነ ኣምላኽ ኣይቀተሎምን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ ስለ ዘይቀትል ዝብል ምህሮ ደፋራት፣ (ግብሪ ህዋሪያት 5፡1-11)

11. ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት ንዘሎ ሓቂ ዝኽሕዱ! ከምዚ ዝብል!

''ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርኢየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧ ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዚመርሖ ደለየ። ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ።'' (ግብሪ ሃዋሪያት 13፡6-12)

''እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧ ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዚመርሖ ደለየ''

ነዚ ኣብዚ ሳውል መንፈስ ኣምላኽ መሊእዎን ኢድ ጐይታ እነሆ ኣብ ልዕሌኻ ዝበሎ ቃል ዝሕዱ!

ነቶም ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 11፡28-31 ንዘለዉ፡ ብዙሓት ድኹማት፣ ዝሓመሙን ዝደቀሱን (ብስጋ ዝሞቱ) ኣምላኽ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩዎም ኢሎም ዝኽሕዱ፣

12. ቅድሚ መስቀል ንእተማህረ ኣብቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ንዘሎ መሰረታዊ ሓድሽ ኪዳናዊ ትምህርቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብድፍረት ብሉይ ኪዳን እዩ ስለዚ ከኣ ንኣና ንናይ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ ኣይምልከትን እዩ ዝብሉ፣

13. ናይ መጽሓፍ ቁድስ ላዕለዋይነት ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ዘይቅበሉ፣ ንናይ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽነትን ፍጹም ሰብነትን፣ ፈጺሙ ብዘይነጻጸል፣ ብዘይመቃቀል፣ ብዘይለዋወጥ፣ ብዘይትሓዋወስ ሓድነት ምንባሩ ዝኽሕዱን ዝበራርዙን ትምህርትታት፣

14. ካልኦት ነዚኦም መሰልቲ መማህራንን ሰበኽትንውን ሓድሽ ኪዳናዊ ኣግባቡ ብዝሰሓተ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወህበታት ዘጭበርብሩ፣ ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ ገንዘብ ናይ መርከቢ መገዲ ንግዲ ዝጥቀምሎም፣ እተቀብኤ ሳሙና፣ እተቀብኤ ዘይቲ፣ እተቀብኤ ሽጎማኖ፣ እተቀብኤ ማይ፣ እተቀብኤ ጨርቂ፣ ወዘተ እናበሉ ብድፍረት ዝሽቅጡ ንምድሪ ክርስትና ይመልእዋ ኣለዉ።

እሞ እዚ እና ረኣኻን እናሰማዕካንሲ ስቅ ይባሃል!?

''ከምቲ ንህዝቄል እተባህለሉ፡ ኰነ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፣ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፣ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፣ ብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።'' (ህዝቅኤል 3፡16-21)

''ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፣ ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፣ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፣ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፣ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፣ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእ፣ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ። ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩምሲ፣ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል ኣሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና∶ ኢልኩም ትብሉ ኣሎኹም፣ በሎም።ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ∶ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፣ ተመለሱ፣ በሎም። ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፣ ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፣ በታ ኻብ ርሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጻድቁ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።ነቲ ጻድቕ፣ ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ብጽድቂ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፣ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፣ እቲ ዅሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ። ነቲ ረሲእ ድማ፣ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፣ ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፣ ዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፣ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፣ ርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኺመውት እዩ።ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ሳላኤን ብህይወት ኪነብር እዩ። ንስኻትኩምሲ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ትብሉ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ።'' (ህዝቅኤል 33፡1-20)

ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ እሞ ኣብ ክንዳይ ኰንካ ኣጠንቅቆም መዓድም፡ ዝብል ሓሳብ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ክልተ ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ!

''ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም።'' (ህዝ.3፡17)

''ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም'' (ህዝ.33፡7)

እሞ ኣቱም ኣብዚ ህዝቢ ሓበሻ ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት ተቀሚጥኩም ዘለኹም፡ ንስኻትኩም እኮ ሓለውቲ ኢኹም! እሞ ኣበይ ደኣ ኣሎ ሓለዋኹም?

ምናልባት እዚ ሓደ ከደናግር ዝደሊ ሰብ ''እዚ ብሉይ ኪዳን እዩ! ንኣና ንናይ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ ኣይምልከትን እዩ!'' ይብለኩም ይኸውን!

ሕራይ ጸገም የለን ! ዋላ ሓደ ኪምጉቶ ዘይክእል ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃል ኪበኩም እየ። ብእኡ ድማ ንህዝቅ ኤል እተባህለ ንሕጂውን ከም ዘመልክቲ ርግጽ ኪንከውን ኢና።

''ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ጒያይን ብጐይታና ኢየሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።'' (ግብሪ ሃዋሪያት 20፡17-32)

እዞም ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት፡ እታ እንኮ ራእይ፣ ናብቲ ሓድሽ ኪዳናዊ ሃዋሪዊ ሓድነት፣ ሓድሽ ኪዳናዊ ብዙሓዊ መርሒነትን እታ እንኮ ትምህርቲ ሃዋርያት እተምጽኦ መለኮታዊ ስርዑነት (Divine Order) ምሉእ ብምሉእ ተመሊሶም ኣለዉ፣ ብግሪ ድማ ፕራክቲስ ይገብሩዎ/ይብርሉ ኣለዉ/ እኳ እንተ ዘይበልና ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ሕጂ ወሲኖሞ ዘለዉ ውሳኔውን ኣብቲ ግቡእ እዋኑን ናብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ መግደራ ከይወረደ ከሎን፡ ከይተደናጐዩን እዮም ወሲኖሞ እኳ እንተዘይበልና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ከምዚ ዓይነት ተባዕን ንጹርን ውሳኔ ምብጽሖም ኣገዳሲን መሃርን እዩ እሞ፡ ሃየ before it is too late, ንሕናውን ንመሃር! ''ንጽቡቕ ነገር ምቅና ጽቡቕ እዩ'' ዝብል ጽሕፍ ስለ ዝዀነ! (ገላትያ 4፡18)

ብክርስቶስ ሓውኩም ኣሼር!