18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣገልግሎት ምሕረት ኣብ ቤተሰብ

Parenting
Typography
“መሓርቲ ምሕረት ክረክቡ እዮም እሞ ብጹኣን ኣዮም” ማቴ 5።7

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዝዓባ ዝተፈላለየ ነጥብታታ ናይ ከረን ስብከታታ ርኢና ኔርና።ኣምላኽ ኣቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ከም መጠን ጥበቡ ናብ ምልእት ዕቤቱን ብጽሕናን የሱስ ክርስቶስ ክንበጽሓሉ እንኽእል መምርሒታታ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከታት ኣቐሚጡልና ኣሎ።

ናይ ከረን ስብከታት ብመስርዕ እዮም ተጻሒፎም ኣቲ ምክንያት ድማ መታን ጽድቂ ኣምላኽ ኣባና ክገሃድ እዩ፣ እተን ቀዳሞት ሰለሰት (ማቴ 5።3-5) ብግልጺ ዘሎና ናይ መንፈስ ድኽነትን ብመንፈሳውነት ድማ ጥራይና ምዃና ዘርእያና ኣየን። ከም ኣመንቲ ድማ ዘሎና ናይ ሓጥያት ሃዋህው ምስ ፈለጠና ንሓዝን እሞ መን ምዃና ድማ ንፈልጥ። በዚ ከምዚ ድማ ብትሕትና ተመሊእና ብሓጥያትና ትጣዒስና ኣብ ኣምላኽ ምሕረት ብምሕታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ክንግዛእ ፍቓደኛታት ንኸውን፣

 እታ ራበዐይቲ ነጥቢ ናይ ከረን ስብከት ድማ ኣብ ህይወትና ክውንቲ ትከውን በዛን ዝረናየን ሰለስተ ነጥብታት ምስ ሓለፍና ጥራይ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንሕና ብገዛእ ርእስና ምንም ክንገብር ከም ዘይንክእል። ብሰንኪ ዝገጥመና ሓጥያት ድማ ድኻማት ምኻና ምስ እንርዳእን ጥራይ እዩ፣ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕና ጥራይ ድማ ኢና በቲ ብሞትን ትንሳኤን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝረከብናዮ ጽድቂ ዘሎና ጥመየትን ጽምእን ክውን ምኻኑ ነረጋግጽ፣ ንሕና ባዶታት ምኻና ክሳብ ዘይፈለጥና ጊዜ ኣምላኽ ብናቱ ጽድቂ ክመልኣና ግዴታ የቡሉን፣ ንሱ ንዓና ዝኣተወልና ተስፋ ዝፍጽሞ ንሕና ምንም ከም ዘይብልና ፈሊጥና ናቡኡ ምስ እንቐርብ ጥራይ እዩ፣

ኣምላኽ ኣባና ምሕረቱ ኣፍሲሱልና ኣሎ እቲ ዕላማ ናይዚ ድማ መታን ንሕና ንኻልኦት ምሕረት ከነርኢ እዩ፣ እቲ ሓቂ እምበእር እዚ እዩ ኣምላኽ ንዓና ምሕረት ዝገበረልና ይቕረ ድማ ዝበለልና ምኽንያት ካብኡ ብዘይንእስ መገዲ ንካልኦት ከምኡ ክንገብር መታን እዩ፣ ገበርቲ ምሕረት (ማቴ 5፣7) ካብተን ሲዒበን ዝመጻ ሰለስት ነጥብታ እታ ቐዳመይቲ እያ፣ እተን ክልተ ድማ ኣብ ጥቅሲ 8 ዘለዋ ጹርያት ልቢን ኣብ ጥቅሲ 9 ዘላ ገብርቲ ሰላምን ዝብላ እየን፣ ብዚ መገድታት ድማ እዩ ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ልባትና ክውን ዝከውን፣

ንጸጋ ኣምላኽ ምርዳእ
 
ወለዲ ቅድሚ ንውልዶም ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ምስትምሃር ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ኣፍልጦ ክህልዎም ክህግዝዎም ይግባእ፣ ከምዚ ክንገብር ድማ እቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብና ዝገበሮ ግብሪ ኩሉ ብግልጺ ከነፍልጦም ይድለየና፣ ኣቶም ንጎይትና የሱስ ክርስቶስ ከም ግሊ መድሓኒኦም ጌርሞ ዝተቐብልዎ እሞ ድማ ምሕረት ዝረኸቡ ሰባት ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ዘለዎም ርዲእቲ ኣዚዩ ንእሱ እዩ ብዛሓት ኣመንቲ ድማ ብሰንኪ ዘለዎም ዱርት ኣፍልጦ ኣብ ጉዕዞ እምነቶም ብዙሕ ምስንኻላት የጋጥሞም፣

 ሓንሳብ ሓንሳብ ጸጋ ኣምላኽ ብዋጋ ሞት ክርስቶስ ዝተረኽበ ነጻ ህያብ እዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይካኣል እዩ፣ ገለ ገለ ኣመንቲ ናይ ኣቦ ጸጋ ብግቡእ ስለ ዘይርድእዎ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ ሓጥያት ምስ ዝፍጹሙ ድሕነቶም ዝጠፍእ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም፣ ክርስትያናት ኣዚ ንፍለጥ ሓጥያት ምስ እንገብር ናብ ኣምላኽ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ቀሪብና ቃልስና ኩሉ ናብኡ ከነውድቖ ተኣዚዝና ኣሎና፣ ንሕና ክንቅይሮ ዘይካኣልና ነገርን ባህሪን ይህሉ ይኽእል ይኸውን ግና ኣምላኽ ስለ ዝኽእል ከም ዘለናዮ ድማ ስለ ዝቕበለና ጥራይ ናብኡ ብትብዓት ንቕረብ፣ ንሱ ብቕጽበት ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ክንመስል ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ፣ ዘሎና ሰብኣዊ ዓቅሚ ድማ ይርድኦ እዩ፣ ነዚ ድማ እዩ ንወዱ የሱስ ክንመስለሉ እንኽእል መገድታታን መምርሒታትን ዝሃበና፣ ክርስትያን ምኻን ማለት ናይ ግድና ፍጹም ማለት ኣይኮነን፣ ኣብዛ ምድሪ ምልኣት ዘለዎ ፍጽምና ሒዝካ ምምልላስ ኣይካኣልን እዩ እንተኾነ ደረጃ ብደረጃ ናብ ምልኣት ወዱ የሱስ ክንበጽሕ ተነጊሩና ኣሎ፣

 ኩቡራት ወለዲ ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ንውልድኩም ንምርዳእ ትሽገሩ እንተ ደኣ ኾይንኩም በጃካትኩም ንጓሳ ማሕበርኩም ወይ ካልእ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ንደቕኹም ከረድኦም ግበሩ፣ ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ዝፈልጡ ስድራ ስለምንታይ እግዚኣብሄር ናይ ምሕረት ኢዱ ኣብ ሓጥያተኛታታ ከም ዝዝርግሕ ክርድኡ ኣዮም፣ ምንም እኳ ምሕረት ክንረክብ ዘይግባኣና ሰባት እንተኾና ካብ ጸጋ ኣምላኽ ዝተላዕለ ግና ምሕረት ረኺብና ኣላና፣ ምሕረቱ ድማ እዩ ምሑራት ሰባት ኮይና ክንመላለስ ኣኽኢልና፣ ድሕነት ብጸጋን ምሕረትን ኣምላኽ እምበር ብጻዕሪ ናይ ሰባት ዝመጽእ ኣይኮነን፣  “ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ ዘይእዙዛት ግጉያት ንቡዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒት እተገዛእና ብኽፍኣትን ቅንእትን እንነብር ፈንፍናት ንሓድህድና እንጻላእ ነበርና፣ እቲ ናይ መድሃኒና ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩን ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣዩ ዘድሃነና እምበር ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኮነን፣” (ቲቶ 3፣3-5)

ንምሕረት ኣምላኽ ምርዳእ።

“ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብኣኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ ንኣና ብበደልና ምውታት ከሎናስ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፣” ኤፈ 2።4-5፣ ኣምላኽ ብምሕረት ልቡ ስለ ዝመልኣ በጃ ሓጥያትና ክኸውን ወዱ የሱስ ኣብ መስቀል ክምውት ለኣኾ፣ ብሰንኪ እዚ ምሕረት እዚ ድማ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ፣ ኣምላኽ ካብ ብዝሒ ምሕረቱ ዝተላዕለ ጥራይ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነ ሊኢኽዎስ ምስ ወዱ ሕብረት መታን ክንገብር ኢሉስ ከማና ኮይኑ እዩ ክግለጽ እዩ ፈቂዱ፣

የሱስ ነቶም ኣብ ዝርዩኡ ዘለዉ ሰባት ወትሩ ምሕረትን ፍቅርን ምስ ገለጸሎምን ድኻሞም ድማ ምስ ተርድኣሎምን እዩ፣ ከምይሲ ንሱእውን እንተኾነ እንተርፎ ብሓጥያት ከምዚ ከማና ብኹሉ ዝተፈተነ እዩ፣ “ደጊም ብዘይ ሓጥያትሲ ብኹሉ ከምዚ ከማና እተፈተን እዩ እምበር ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት የብልናን እሞ ብሰማያት ዝሃለፈ ዓቢ ሊቀ ካህናት ካብ ዝህልወና ምእማና ነጽንዕ ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል ብጊዜ ጸበባና ንረዲኤት ዝኸውን ጸጋ ክንረክብ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ” እብ 4።14-16፣ ኣምላኽ ኣባና ምሕረቱ ዝገለጸ መታን ንሕና ንኻልኦት ምሕረት ምግባር ክንመሃር ኣዩ፣ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገብ ቃላት ንምሕረት ብኸምዚ ይገልጾ “ምሕረት ማለት ካብ ኣምላኽ ይቕሬታ ምርካብን ንኻልኦት ኣብ ጸገም ዘለዉን ድማ ምድንጋጽን ማለት እዩ፣” ምሕረት ምግባር እምበኣር ኣብ ዝተወሰነ ጊዚያት ጥራይ እንጥቀመሉ መስርሕ ዘይኮነስ ናብራ ናይ ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ኣዩ፣

ቤተሰባዊ ናይ ምሕረት ኣገልግሎት ምምስራት

ከመይ ጌርና ኢና ከም ቤተሰብ ኮይና ዓበይትና ናኣሽቱና ናይ ምሕረት ኣገልገልቲ ንከውን? ምናልባት እቲ ቀዳማይ ደረጃ ክንወስዶ ዘሎና ኣብ ውሽጢ ቤተሰብና ካብ ዓቢና ክሳብ ንእሽቶና ንሓድሕድና እናተደጋገፍና ብግልጺ ምሕረት ከንርኢ ከሎና እዩ፣ ሓደ ጆን ፒፐር ዝተብሃል ክዛረብ ከሎ “ እቲ እንኮ ምሕረት እንረእየሉ መገዲ ምስ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ጥቡቕ ዝኮነ ዝምድና ምስ እነማዕብል ጥራይ እዩ፣ ብዚ ከምዚ ድማ ኣብ ነሲ ወከፍ ንጥፈታትና ከመይ ዓይነት ምሕረት ከምዝገበረልና ንርዳእ ማለት እዩ፣

ኣምላኽ ምሕረት ዝለማመዱ ዉሉድ እምበር ብኸመይ መንገዲ ምሕረት ክገብሩ ከምዝግብኦም ሕጊ ዘውጹ ዉልድ ኣይድልይዎን እዩ፣ ብመሰርት ፒፐር ድማ እቲ ናይ ከረን ስብከት መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጻኣን እዮም ዝብል ዘሎ እምበር እቶም መዓስን ኣበይን ምሕረት ክገብሩ ከም ዘለዎ ጥራይ ፈልጦም ዝውስኑ ሰባት ብሩኻት እዮም ኣይኮነን ዝብል ዘሎ፣ ንሕና ዋላ ኣብቲ ምርር ዝብለ ናይ ፍርዲ እውናትና ከይተርፈ መሓርቲ ሰባት ክንከውን ኣሎና፣ ንኣብነት ቆልዓ መቕጻዕቲ ኣብ ዘድልየሉ ጊዝያት። ሰራሕተኛ ኣብ ዝባረረሉ እዋን። ኣብ መስርዕ ፍርዲ ድማ ገበነኛ ኣብ ዝቕጻዓሉ ኣዋን። ልኽዕ ከም ዓለም ሓራይ ኮኑ ኢልና ከነጣቕዕ ዘይኮናስ ኣብዚ ግዝያት እዚ ክቱር ምሕረት ከነርኢ ይግባኣና፣ ምሕረት እምበኣር ኣብዞም ዝረኣናዮም ጉዳያት ከይተርፉ እያ ወትሩ ክትገሃድ ዘለዋ፣ ወላዲ ንውልዱ ምስ ቀጽዖ ክስምዖ ክኸል ኣለዎ፣ ሰራሕተኛ ምስ ተባረረ ካልእ ስራሕ ክረከበሉ ክሕግዞ ኣለዎ፣ ተጻባኢኡ ናብ ፍርዲ ምስ ኣተው ናይ ምትብባዕ ደብዳቤ ክልእኸሉ ንውልዱ ድማ ክከናኾነሉ ይግባእ፣

ንምሕረት ከም ዝግባእ ክንርድኦ ኩሉ ጊዜ የዒንትና ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ኣሎና፣ ምሕረት ማለት መሓሪ ክኸውን እየ ኢልካ እተምጾ ነገር ኣይኮነን፣ ዋረን ወርስቢ ዝተባህለ ክዛረብ ከሎ፣ “ከመይ ዘሓጉስ ኮን እዩ ህይወትካ ምሕረት ኣምላኽ እናተለማመደት ክትመላለስ እንከላ ኣብዚ ከምዚ እውና ሰብት ምሕረት ክግበረሎም ብቑዓት ድዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብኻ ኣይሰርሕን እዩ፣ ንሰባት ድማ ብዘለዎም ደጋዊ ነገራት ዘይኮነስ ብዓኒቲ የሱስ ክርስቶስ ኢኻ ክትጥምቶም ትጅምር፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝረኸብናዮ ክርስትያን የሱስ ዘለዎ ኩቡር ሰብ ምኻኑ ንፈልጥ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝረኸብናዮ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብ ድማ የሱስ ከም ዘድልዮ ንፈልጥ፣ ብሓጺሩ ንሕና ምሕረት ክንገብር ዝተሓጸና ምዃና ንፈልጥ፣ ስለዚ እምበእር ከም ቤተሰብ ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ምሕረት ምግባር ንኣማንን ንዘይኣማንን ንኹሉ ዘጠቓልል ምኻኑ እዩ፣ ወሪስቢ ብምቅጻል እንተ ደኣ ምሕረት ምግባር ተለማሚድካ ንኻልኦት ድማ ምሕረት ክትገብር ጀሚርካ ምስ ካልኦት ኣጸቢቕካ ምሕረት ክትለማመድ ልብኻ ብምሕረት ይመልእ፣ የሱስ ኣብ ውስን ጊዜ ጥራይ ኣይኮነን ምሕረት ክንገብር ኣዚዙና እንታይ ድኣ ኩሉጊዜ መተሓላለፍቲ ምሕረት ክንከውን እዩ ዝደልየና፣

ንሕና ምሕረት ዝረኸብና  ዘማላእናዮ ቅዲሚ ኩነት ስለ ዘሎ ዘይኮነስ ብከምኡ ኢና ምሕረት ረኺብና፣ ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉን ብምሳሌ ጎይታና የሱስ ጌሩ ነቲ ፍጹም ምሕረቱ ከለማምደና ኣዚና ክንኣምኖ ኣሎና፣ እስከ ብምቕጻል እምበኣር ካብ ምህሮ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ  ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ገለ ገለ ጥቕስታትን ምስሌታትን ብዛዕባ ምሕረት ክንርኢ፣ ካብዚ ተበጊስና ድማ ጎይታና የሱስ ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ክምህረና ከም ዝደለየ ክንርኢ ኢና፣ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ምሕረት ዘሎና ፍልጠትን ምርዳእን ክዓቢ እዩ፣
ከምቲ ናይ ሰማይ ኣብኹም መሕሪ ዝዀነ መሓርቲ ኹኑ፣

ሉቃስ 6።32 ሓቢርኩም እንብብዎ ብዛዕባዚ ድማ ተዛተዩ፣ “ሓጥኣን ድማ ንዝፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም ኣሞ ንዝፈትውኹም ጥራይ ኣንተ ፈተኹም እንታይ ምስጋና ኣለኩም ጽቡቕ ንዝገበርልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ እንታይ ምስጋና ኣለኩም፣ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም፣ ኪፈድዩኹም ንእትጽበይዎም እንተ ኣለቓሕኩምከ እንታይ ምስጋና ኣለኩም፣ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፈድዩ የልቕሑ እዮም፣ ግናኸ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ ክትፈድዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ ዉሉድ እቲ ሉዕሉውን ክትኮኑ ኢኩም፣ ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝኾነ ርሑሩሃት ኩኑ፣” ሉቃ 6።32-36

ንስኻትኩም ከም ቤተሰብን ከም ወከልቲ ናኣገልግሎት ምሕረት ኣብ ቤተሰብ

“መሓርቲ ምሕረት ክረክቡ እዮም እሞ ብጹኣን ኣዮም” ማቴ 5።7

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዝዓባ ዝተፈላለየ ነጥብታታ ናይ ከረን ስብከታታ ርኢና ኔርና።ኣምላኽ ኣቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ከም መጠን ጥበቡ ናብ ምልእት ዕቤቱን ብጽሕናን የሱስ ክርስቶስ ክንበጽሓሉ እንኽእል መምርሒታታ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከታት ኣቐሚጡልና ኣሎ። ናይ ከረን ስብከታት ብመስርዕ እዮም ተጻሒፎም ኣቲ ምክንያት ድማ መታን ጽድቂ ኣምላኽ ኣባና ክገሃድ እዩ፣ እተን ቀዳሞት ሰለሰት (ማቴ 5።3-5) ብግልጺ ዘሎና ናይ መንፈስ ድኽነትን ብመንፈሳውነት ድማ ጥራይና ምዃና ዘርእያና ኣየን። ከም ኣመንቲ ድማ ዘሎና ናይ ሓጥያት ሃዋህው ምስ ፈለጠና ንሓዝን እሞ መን ምዃና ድማ ንፈልጥ። በዚ ከምዚ ድማ ብትሕትና ተመሊእና ብሓጥያትና ትጣዒስና ኣብ ኣምላኽ ምሕረት ብምሕታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ክንግዛእ ፍቓደኛታት ንኸውን፣
 
ንስኻትኩም ከም ቤተሰብን ከም ወከልቲ ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኣብዛ ምድሪ ከም ምኻንኩም መጠን መን ኮን ይኸውን ካባካትኩም ምሕረት ዝጽበ ዘሎ? እስከ ብዛዕባ እዚ ተዛተዩ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣዚ ድማ ወሲንኩም ነቲ ምሕረት ክትገብርሉ ዝግባእ ሰብ ምሕረት ኣርእይዎ፣ እቲ ሰብ ኣማኒ ክኸውን ይከእል ወይ ድማ ዘይኣማኒ ክኸውን ይኽአል፣ ኣብዚ ንዘክር የሱስ ንኹሉ ፍጥረት የፍቅር እዩ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ንዘይኣመንቲ ምሕረት ምግባር ንልቦም ናብ ጎይታ ክስሕቦ ይኽእል እዩ፣ እስከ ሰባት ንየሱስ ኣብ ቤተሰብክው እናንጸባረቕን እናበርሀን ይርኣይዎ፣
 
እቲ ዓይነ ስውር በርጤሜዎስ፣

ኣብ ማርቆስ 10 ካብ 46 ክሳብ 52 ዘሎ ብዛዕባ እዚ በርጤሜስ ዝብሃል ዓይነ ስውር ሰብኣይ ኣንብብዎ እሞ ካብ ጎይታ ምሕረት ንምርካብ ንዝነበሮ ትብዓት ድማ ከመይ ዓቢ ምንባሩ ተዛተዩ፣ እዚ ብዛዕባ ናይ በርጤሜዎስ እምነት እንታይ እዩ ዘርእየና? የሱስ ነዚ ሰብኣይ ብምፍዋስ ምሕረት ኣርእይዎ፣ ቤተሰብኩምከ ነቶም ኣብ ህይውቶም ፈውሲ ዝደልዩ ሰባት ብከመይ መንገዲ ኮን ምሕረት የርኢ ይኸውን? እስከ ነዛ ኣብ ያቆብ ዘላ ጥቕሲ ነቕልበላ፣ “እምብኣርሲ ምእንቲ ክትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጥያትኩም ተኣመኑ ምእንቲ ሓድሕድኩም ድማ ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” ያቆ 5።16፣ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ምጽላይ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሰባት ምርኣይ እዩ፣ ኣብ መዓልቲ ድማ ነቶም ብስጋን ብመንፈስን ፈወሲ ዘድልዮም ሰባት ከም ቤተስብ ኮይንኩም ክትጽልዩ ወስኑ፣

ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ

ነዛ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 18።21-35 ንጴጥሮስ ዝሃቦ ምስላ እስከ ሓቢርኩም ኣጽንዕዋ፣ ይቕረ ምባል መዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ናይ ምሕረት ባእታ ምኻኑ ድማ ኣስተብህሉ፣ እቲ ንጉስ ነቲ ግዝኡ ከመይ ዓይንት ምሕረት እዩ ጌርሉ? ብመሰረት እዚ ምስላ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ ግዙኡ ዝገበርሉ ምሕረትን እቲ ግዙእ ነቲ ካልእ ዝእውዶ ሰብ ዘርእዮ ጠባይን እስከ ኣወዳድር? ዓሲቢ ምሕረት ዘይምግባር እንታይ እዩ? እስከ ኣብ ልቢ ቤተሰብኩም ገለ ነዚ ዝመስል ነገር ከይህል ንልባትኩም ፈትሹ እሞ ነቲ ምሕረት ክትገብርሉ ዝግባእ ሰብ ድማ ምሕረት ግበርሉ፣ ምሕረት ኣብ ቤተስብኩም ክስልጥን ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ተጋደሉ፣

እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ

እስከ ነዛ ኣብ ሉቓስ 10 ካብ 30 ክሳብ 37 ዘላ ፍልጥቲ ዛንታ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ሓቢርኩም ኣንብብዋ፣ ሓቀኛታት ዝኾኑ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ምሕረት ይገባበሩ፣ እስከ ንጎረባብትኹም ብኸመይ መንገዲ ምሕረት ከተርእይዎም ከም ዘለኩም ተዛተዩ፣ ኣብ ጎረባብትኹም ድማ ብምሕረት ተፈለጡ፣
 
ጎይታ ካብና ዝጽበዮ

ንሕና ስቕ ኢልና መሕርቲ ክንከውን ኣሎና ኢልና ንኸውን ዘይኮናስ ምሕረት እነፍቅር ሰባት ኢና፣ እስከ ደጊምና ኣብ ምክያስ 6።8 ዘላ ጥቕሲ ነንብብ፣ “ ኣታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ እግዚኣብሄርሲ ቅንዕና ክትገብር ምሕረት ክትፈቱ ምስ ኣምላኽ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮይኑስ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ?  ኣብ መንጎ ምሕረት ክትገብር ስለ ዝግብኣካ ምሕረት ምግባርን ካብ ፍቕሪ ተላዒልካ ምሕረት ምግባርን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ? ኣብ ውሽጢ ቤተስብኩም ካብ ፍቅሪ ተበጊስኩም ምሕረት ከተርእዮዎ ዝግባእ ሰብ ኣሎ ዶ  

መጠንቀቕታ
 
ኩሉጊዜ ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ንሕና ካብ ሓጥያት ካልኦት ምሉእ ብምሉእ ነጻ ስለ ዘይኮና ክንጥንቀቕ ኣሎና፣ “ንገሊኦም ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም ንገሊኦም ድማ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም ብፍርሃት ደንግጽሎም፣” ይሁ 1።22-23 ንኻልኦት ምሕረት ክትገብር ክትብል ንባዕልኻ እውን ኣብ ሓጥያት ክትወድቕ ይከኣል እዩ፣ ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብካ ቀዳድ ክረኽብ ኩሉጊዜ መፈንጥሩኡ ምስ ዘርገሐ እዩ፣ ነቶም ብፍጹም ምሕረት ንምግባር ገና ዘይተዳለዉ ኣባላት ቤተሰብካ ክሳባ ተዳልዎም ናብዚ ከምዚ ዓይነት መስርሕ እንተ ዘይኣተኻዮም ሰናይ እዩ እንተ ዘይኰይኑ በዚ ሰናይ ዝሓሰብካዮ ነገር ክዕንቀፉ ይኹእሉ እዮም፣
 
ምሕረት ምግባርሲ ምንቕቓሕ የምጽእ ድዩ?
 
ዶክተር ቻርልሶን ከምዚ ኢሎም “ኣነ ሓደ ነገር ተረዲኣ ኣለኹ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ሓድሽ ምንቕቓሕ ከምጽእ ከሎ እቲ ግሉጽ ምልክቱ ሰባት ብመንፈሳዊ ድኻታት ምኻኖም ይፈልጡን ኣብ ንሓድሕዶም ድማ ምሕረት ይገብሩ”፣ቤተሰብኩም ናይ ምሕረት ኣገልግሎት ክፈልጡን ክርዱእን ኣምላኽ ምስትዎዓል የፍስሰልኩም፣ “እቲ ናይ መድሓኒና ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቅርን ምስ ተገልጸ ግና፣ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር ንሕና ብዝገበርናዮ ጽድቂ ኣይኮነን፣ ብጽጽጉእ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘልኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ክንከውንሲ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍስሶ”፣ ቲቶ 3፣4-6

ንስኻትኩም ከም ቤተሰብን ከም ወከልቲ ናይ  ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኣብዛ ምድሪ ከም ምኻንኩም መጠን መን ኮን ይኸውን ካባካትኩም ምሕረት ዝጽበ ዘሎ? እስከ ብዛዕባ እዚ ተዛተዩ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣዚ ድማ ወሲንኩም ነቲ ምሕረት ክትገብርሉ ዝግባእ ሰብ ምሕረት ኣርእይዎ፣ እቲ ሰብ ኣማኒ ክኸውን ይከእል ወይ ድማ ዘይኣማኒ ክኸውን ይኽአል፣ ኣብዚ ንዘክር የሱስ ንኹሉ ፍጥረት የፍቅር እዩ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ንዘይኣመንቲ ምሕረት ምግባር ንልቦም ናብ ጎይታ ክስሕቦ ይኽእል እዩ፣ እስከ ሰባት ንየሱስ ኣብ ቤተሰብክው እናንጸባረቕን እናበርሀን ይርኣይዎ፣

እቲ ዓይነ ስውር በርጤሜዎስ፣

ኣብ ማርቆስ 10 ካብ 46 ክሳብ 52 ዘሎ ብዛዕባ እዚ በርጤሜስ ዝብሃል ዓይነ ስውር ሰብኣይ ኣንብብዎ እሞ ካብ ጎይታ ምሕረት ንምርካብ ንዝነበሮ ትብዓት ድማ ከመይ ዓቢ ምንባሩ ተዛተዩ፣ እዚ ብዛዕባ ናይ በርጤሜዎስ እምነት እንታይ እዩ ዘርእየና? የሱስ ነዚ ሰብኣይ ብምፍዋስ ምሕረት ኣርእይዎ፣ ቤተሰብኩምከ ነቶም ኣብ ህይውቶም ፈውሲ ዝደልዩ ሰባት ብከመይ መንገዲ ኮን ምሕረት የርኢ ይኸውን? እስከ ነዛ ኣብ ያቆብ ዘላ ጥቕሲ ነቕልበላ፣ “እምብኣርሲ ምእንቲ ክትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጥያትኩም ተኣመኑ ምእንቲ ሓድሕድኩም ድማ ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” ያቆ 5።16፣ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ምጽላይ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሰባት ምርኣይ እዩ፣ ኣብ መዓልቲ ድማ ነቶም ብስጋን ብመንፈስን ፈወሲ ዘድልዮም ሰባት ከም ቤተስብ ኮይንኩም ክትጽልዩ ወስኑ፣

ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ

ነዛ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 18።21-35 ንጴጥሮስ ዝሃቦ ምስላ እስከ ሓቢርኩም ኣጽንዕዋ፣ ይቕረ ምባል መዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ናይ ምሕረት ባእታ ምኻኑ ድማ ኣስተብህሉ፣ እቲ ንጉስ ነቲ ግዝኡ ከመይ ዓይንት ምሕረት እዩ ጌርሉ? ብመሰረት እዚ ምስላ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ ግዙኡ ዝገበርሉ ምሕረትን እቲ ግዙእ ነቲ ካልእ ዝእውዶ ሰብ ዘርእዮ ጠባይን እስከ ኣወዳድር? ዓሲቢ ምሕረት ዘይምግባር እንታይ እዩ? እስከ ኣብ ልቢ ቤተሰብኩም ገለ ነዚ ዝመስል ነገር ከይህል ንልባትኩም ፈትሹ እሞ ነቲ ምሕረት ክትገብርሉ ዝግባእ ሰብ ድማ ምሕረት ግበርሉ፣ ምሕረት ኣብ ቤተስብኩም ክስልጥን ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ተጋደሉ፣
እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ

እስከ ነዛ ኣብ ሉቓስ 10 ካብ 30 ክሳብ 37 ዘላ ፍልጥቲ ዛንታ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ሓቢርኩም ኣንብብዋ፣ ሓቀኛታት ዝኾኑ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ምሕረት ይገባበሩ፣ እስከ ንጎረባብትኹም ብኸመይ መንገዲ ምሕረት ከተርእይዎም ከም ዘለኩም ተዛተዩ፣ ኣብ ጎረባብትኹም ድማ ብምሕረት ተፈለጡ፣

ጎይታ ካብና ዝጽበዮ

ንሕና ስቕ ኢልና መሕርቲ ክንከውን ኣሎና ኢልና ንኸውን ዘይኮናስ ምሕረት እነፍቅር ሰባት ኢና፣ እስከ ደጊምና ኣብ ምክያስ 6።8 ዘላ ጥቕሲ ነንብብ፣ “ ኣታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ እግዚኣብሄርሲ ቅንዕና ክትገብር ምሕረት ክትፈቱ ምስ ኣምላኽ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮይኑስ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ?  ኣብ መንጎ ምሕረት ክትገብር ስለ ዝግብኣካ ምሕረት ምግባርን ካብ ፍቕሪ ተላዒልካ ምሕረት ምግባርን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ? ኣብ ውሽጢ ቤተስብኩም ካብ ፍቅሪ ተበጊስኩም ምሕረት ከተርእዮዎ ዝግባእ ሰብ ኣሎ ዶ?