19
Fri, Apr
0 New Articles

መንገዲ ካብ ደማስቆስ

Salvation
Typography

ዚያድ ኣብ ደማስቆ ኢዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ትምህርቱ'ውን ኣብዛ ታሪኻዊት ከተማ ሶርያ ኢዩ ወዲኡ፣ መብዛሕትኡ ክፋል ሂወቱ። ዚያድ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ። ሃይማኖቱ ዘተግብር ኣስላማይ ኢዩ ነይሩ፣ ንሱ ኩሉ ግዜ ምስ ኣቡኡን ሰለስተ ኣሕዋቱን ጎረባብቱን ናብቲ ዓርቢ ዓርቢ ዝካየድ ጸሎት ፍርቂ መዓልቲ ከምኡ'ውን ነቲ ካልእ መዓልታት ዝካየድ ጸሎት ከሰንዮም ናብቲ መስጊድ ይኸይድ ነበረ፣ ነቲ ዝተረፈ ካብቲ መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ዝግበር ጸሎት ኣብ ገዝኡ ወይ ስርሑ ኮይኑ የካይዶ ነበረ፣ ካብ ንእሽቶ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ዋላሓንቲ ግዜ'ውን እቲ ወርሒ ዝወስድ ጾም ሓሊፍዎ ኣይፈልጥን ኢዩ፣


ካብቲ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐ። ዚያድ ናብ ርያድ። ስዑዲ ዓረብ ከይዱ ኣብኡ ከኣ ከም ሲቪል ኢንጂነር ንገለ ዓመታት ሰሪሑ፣ ኣብ ስዑዲ ከሎ ኩሉ ነቲ እስላማዊ ግቡኡ ምፍጻም ቀጸሎ። ከምኡ'ውን  ናብ መካ ንግደት(ሒጃ) ይኸይድ ነበረ፣ ገለ ገለ እዋን ብዛዕባ ኢንጅልን ታውራትን ይሓስብ ነበረ። ግናኸ ነዚ ሓሳባት'ዚ ቀልጢፉ ካብ ኣእምሮኡ ይኣልዮ ነበረ። ምኽንያቱ በቲ ባህላዊ(traditional) ትምህርቲ ሃይማኖቱ ኩሉ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን የሱስ ክርስቶስን ይፈልጦ ኢየ ኢሉ ይኣምን ስለዝነበረ፣ ግናኸ ኣብ ምስክርነቱ ከምዝበሎ ‘'ኣብ ደማስቆ። ካብ ክርስትያን ኣዕሩኽተይ ዝሰማዕክዎን። ኣብ ሂወቶም ዝረኣኽዎን ከይተመለሰ ንብዙሕ ዓመታት ጸንሐ፣''

  ብ1979። ዚያድ ምስ በዓልቲ ቤቱን ንእሽቶ ጋሎም ጋዳን። ንሓደ ዓመት ብኣስራሕቱ ንዝተዋህቦ ናይ ሓደ ዓመት ፍሉይ ስልጠና። ናብ ጀርመን ከደ፣ ኣብዚ እዚ ስድራ ቤት'ዚ ኣብ ጀርመን ዝጸንሓሉ እዋን። ጋዳ ኣዝያ ሓመመት'ሞ ናብ ሆስፒታል ኣተወት፣ ብዘይ ምምሕያሽ ን4 መዓልታት ሕክምናዊ ክንክን ድሕሪ ምርካብ። እቶም ሓካይም ነቲ ዘይተርፍ ሞታ ኢዶም ዝሃቡ መሰሉ፣ ብትርኢት ምጽዕዳው ገጽ ጋሉ ዝሰምበደ። ዚያድ ምስ ከቢድ ጾር ልቢ ነቲ ዝነበረቶ ክፍሊ ሓዲጉ ናብቲ መጸበዪ ክፍሊ ከደ፣ ኣብኡ ኣብ'ቲ ማእከል ክፍሊ። መጽሓፍትን መጽሄታትን ዝሓዘ ጣውላ ክሳብ ዝርኢ ኮፍ ኢሉ ከይተንቀሳቐሰ ይጸዓር ነበረ፣

  ኣብኡ ብቐሊሉ ዝልለ ክልተ መጻሕፍቲ ረኣየ- መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝን ብጀርመንን፣ ተንሲኡ ናብቲ ጣውላ ብምኻድ ሓደ ካብኡ ኣልዓለ፣

 ናብ ኮፍ መበሊኡ ክምለስ ከሎ። ነቲ መጽሓፍ ብዕጹዉ ሒዝዎ ከሎ። ብሓሳቡ ገለ ካብ'ቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ እሞ ካብቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽቱ ኣብ ደማስቆ ዝነገርዎ ዘከረ፣

ንሓንቲ ካብተን ዝተባህለቶ ብምዝካር። ብሃንቀውታ ነቲ መጽሓፍ ድሕሪ ምኽፋት። ብመንፈስ ቅዱስ ነቲ ጽሑፍ ክደልዮ ጀመረ፣ ምስ ረኸቦ ከኣ ብዘይ ድምጺ ከንብቦ ጀመረ፣

ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ክኸብርሲ። ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ክገብረልኩም ኢየ፣ ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም። ክገብረልኩም ኢየ፣ ዮሃ14።13-14

ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ዝተገልጸ ቅሩብነት ወዲ። ንዚያድ እኹል ተስፋ ሃቦ፣ ናብቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ። ብስም የሱስ ልባዊ ጸሎት ኣዕረገ፣ እታ ሓንቲ ጸሎቱ። እታ ትመውት ዝነበረት ጋሉ ክትሓዊ ነበረት፣

‘'ብእኡ ንብኡ ዓሚቕ ህድኣትን ርግጽነትን ተሰመዓኒ'' ይብል ዚያድ፣ ብክንገር ዘይክእል ሓጎስ ተመሊአ። ብርሃን ከቢቡኒ ከምዘሎ እናረኣኹ ካብቲ መጸበዪ ክፍሊ ወጻእኩ፣ ናብቲ ጋዳ ዝነበረቶ ክፍሊ ምስመጻእኩ። ናብ ዓራታ ቀልጢፈ ብምኻድ ቀስ ገይረ ብምሕቃፍ። ‘'ጋዳ ፍትውተይ። ኣምላኽ ክፍውሰኪ ኢዩ።'' በልክዋ

 ዚያድ ነዚ ምሉእ ሓሳባት ክዛረብ ከሎ ዝነበሮ ርግጽነት ንዕኡ'ውን ኣገረሞ። ግናኸ ኣብ ማዕሙቕ ልቡ። ኣምላኽ ጸሎቱ ከምዝመለሰ ይፈልጥ ነበረ፣

ነቲ ንጋዳ ምስ ሓቐፋ ካብ ኣዒንቱ ኣብ ምዕጉርታ ዝነጠበ ንብዓቱ ደረዞ፣ ገና ንብዓት ሓጎስ ኣብ ኣዒንቱ ኣንጠልጢሉ ከሎ ናብ በዓልቲ ቤቱ ግልጽ ኢሉ ከምዚ በላ። ‘'ንኣምላኽ ብስም የሱስ ንጋዳ ክፍውሳ ለሚነዮ ኢየ፣ ከምዚ ብጽኑዕ ጸልየ ኣይፈልጥን። ወይ'ውን ብኸምዚ ግርህነትን ፍሉይ ኣገባብን ጸልየ ኣይፈልጥን።  ኣምላኽ ነዚ ጸሎት'ዚ ብገለ መንገዲ ከምዝመለሶ ርግጸኛ ኢየ፣''

ብሓቂ። ጋዳ ተፈዊሳ ኢያ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቶም ሓካይም ካብቲ ሆስፒታል ኣውጽእዋ፣ ከጽንሕዋ ዋላሓንቲ ምኽንያት ክረኽቡ ኣይከኣሉን፣ ብድሕር'ዚ ዘገርም መልሲ ጸሎት ዚያድ። ክልቲኦም ዚያድን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ሂወቶም እቲ ዝልውጥ ዕዮ ኣምላኽ ተለማመዱ፣ እቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ሓቂ ይፈልጡ። ኣብኡ ዘለዎም እምነት ከኣ ይምስክሩ፣ ድሒሩ። ጋዳ'ውን ኣብ'ዚ መንገዲ'ዚ ሰዓበቶም። ሕጂ ንሳ'ውን የሱስ መንገዲ። ሓቂን ሂወትን ምኻኑ ትኣምን፣