20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት (ራብዓይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

ናብዚ ናይ ሳይቬርያ በረኻ ክመጽእ ዝደሊ ወተሃደር የለን። ኣብ ልዕሊ'ቲ ዛሕሊ። ብተወሳኺ ካብ ሰባት ተፈሊኻ ብዘይካ ድብታትን ናይ ባሕሪ እንሳታትን ካልእ ዝርአ የብሉን። ስለዚ ድማ ብድሌቱ ዝመጽእ ዋላ ሓደ ወተሃደር የለን። ካብዚ ዝተለዓለ። ነቶም ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዘለና ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ግፍዕን መከራን ንኸናግፉና ክብሉ ክርስትያናት ኣሕዋትና ወተሃደራት ኮይኖም ናብቲ ቦታ ብፍታዎም ይመጹ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስ ወድኡ ብፍቓዶም "ናብ ሳይቬርያ ከይደ ንሓደ ዓመት ከገልግል እደሊ ኣለኹ" ኢሎም የመልክቱ።


 

ሽዑ ሚኒስትሪ ምክልኻል እንዳተደነቑ እቲ ዘድልዮም ኩሉ ብምምላእ ናብኡ ይሰድዎም። ሓደሓደ ግዜ ድማ ንምንታይ ንሳይቬርያ ክኸዱ ከምዝመረጹ ክሓትዎም ከለው ንሳቶም ድማ "ናይ ሃገረይ ታሪኻዊ ቦታታት ክርኢ ስለዝደሊ እየ" ብምባል ይምልሱሎም። ንሳቶም ግና እቲ ኣባና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ስለዝፈልጡ ንዓና ክሕግዙ ብምሕሳብ እዮም ከምኡ ዝብሉ። ክብገሱ ከለዉ ድማ ንዓና ዝኸውን መድሃኒታት፤ ንኣሽቱ ክዳውንትን ንኣሓት ዝጥቅም ነገራትን ሒዞም ይመጹ። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ እዚ ንዓኹም ንምስክረልኩም ዘለና ታሪኽን ካልእ ሕቡእ ደብዳቤታትን የመላልሱልና። ኣብ ሳይቬርያ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ንዓለም ብኸምዚ ምንገዲ ኢና ኣቃሊዕናዮ።

ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ቁርን ዛሕልን። ኣብ ሳይቬርያ ከገልግል ዝለኣኽ ወተሃደር ሓንቲ ዓመት እንተ ኣገልጊሉ ከም ክልተ ዓመት እዩ ዝቑጸረሉ። ደሞዙ ድማ ዕጽፊ ይኸውን። እቲ ብኸምዚ ዝርከብ ገንዘብ ድማ ነቶም ኣብ ማእሰርትን መግረፍትን ዘለው ኣሕውዋትን ንመስፍሒ ወንጌልን ይውዕል ነበረ።

ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ክርስትያናት ንኽቕጥቕጡ ዝምደቡ ወተሃደራት ታሪኽን መንነትን ክነግረኩም። እዞም ሰባት ኣብ ከተማ ሞስኮ ዓቢ ገበን ፈጺሞም ዝተኣሰሩ፤ ኣንጻር ኮሚኒዝም ዝቐንዐ ምንቅስቓሳት ጌሮም ዝብሃሉ፤ መንግስቲ ክዓልዉ ውዲት ጌሮም ዝበሃሉ፤ ሰብ ዝቐተሉ፤ ናይ ጭካነ ገበን ዝፈጸሙ ኮታስ ከቢድ ገበን ፈጺሞም ዝበሃሉ እዮም። ኣሲሮም ነዊሕ እዋን በኸቢድ ምስ ኣሰቓይዎም ከምዚ ይብልዎም። "ንስኻ ዝፈጸምካዮ ገበን ቀሊል ኣይኮነን። ካባኻ ሓሊፉ ንስድራኻ'ውን ዘሕትት እዩ። ንሳቶም ምሳኻ ኣብቲ ገበን ተሓባቢሮም እንተኾነስ መን ይፈልጥ? ስለዚ ንኹላትኩም ክነጥፍኣኩም ኢና" ይብልዎም። ሽዑ እቲ እሱር ክምሕጸኖም ምስ ጀመረ "ደሓን። ካብዚ ገበን ነጻ ክትከውን እንተደሊኻ ንሕና እንእዝዘካ ስራሕ ብምስራሕ ንሃገርካ ክትክሕሳ ኣለካ" ኢሎም ይገልጽሉ። እቲ እሱር ድማ ካብ ስቓይ ንምድሓን ኢሉ "ንዓይን ስድራይን ኣይትቕተሉና እምበር ናብ ዝደለኹሞ ቦታ ለኣኹና ክንከይድ ኢና። ዝኣዘዝኩምና ድማ ክንፍጽም ኢና" ይብል።

ብድሕር'ዚ ናብ ሓደ ገበነኛታት ኣለውዎ ዝተበሃለ ቤት ማእሰርቲ ብምውሳድ "እዚ ትርእዮ ዘለኻ ገበነኛ ክብድ ዝበለ ገበን ዝፈጸመ እዩ። ንሕና ክንምርምሮ ከለና ግና ገበኑን ምስጢሩን ብምሕባእ ኣቕቢጹና እዩ። እስከ ንስኻ ብዝደለኻዮ መልክዕ ቀጥቂጥካ ከም ዝለፋለፍ ግበሮ። ብድሕር'ዚ ንስኻ ነጻ ክትወጽእ ኢኻ" ይብልዎ። ኣስተውዕሉ። እዚ ሰብ እዚ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ገበን ብፖሊስ ዝሳቐ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ድማ ንርእሱ ነጻ ከውጽእ ክብል ነቲ ንሱ ትማሊ ዝቕበሎ ዝነበረ መከራ ረሲዑ ነቲ እሱር ብዕጽፊ ከሳቒ ይጅምር። እዚ ድማ ንዕኦም ዘሐጎሰ ስለዝመስሎ እዩ። ንሳቶም ድማ ምስ መጹ "ርኢኻ። ብሰንኪ'ቲ ዝገበርካዮ ምርመራ ንሃገርካ ካብ ዓቢ ውድቀት ኣድሒንካያ ኢኻ። እዚ ኣበርክቶኻ ድማ ተመዝጊቡልካ ኣሎ" ብምባል ልክዕ ከምዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ጌሮም የመስግንዎ። ከምዚ ጌሮም ምስ ኣእመንዎ ከኣ ብመጀመርያ ናብቲ መመርመሪ ክፍሊ ጸዊዖም ካብ 2-5 ሊትሮ ዝኸውን ቮድካ ይጋብዝዎ። ጸኒሖም ድማ ምስ ስድርኡ ንኽራኸብ የፍቅድሉ።

እንተኾነ ግና እቲ ምስ ስድርኡ ዝዛረቦ ነፍሲ-ወከፍ ቃል ብቴፕን ቴለቪዥንን ጌሮም ይከትተልዎ። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ "ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ክትፍታሕ ኢኻ" ተባሂሉ ናይ ሓሶት ተስፋ ይወሃቦ። በዚ ተሓጕሱ ክስሕቅ ክርእይዎ ከለው ድማ "ሕጂ ተፈቲሕካ ምስ ወጻእካ ስራሕ ደሊኻ ከርተት ካብ ትብል ንምንታይ ምሳና ከም መርማሪ ተቖጺርካ ዘይትሰርሕ" ይብልዎ። ደሞዝን ክዳንን ምስ ኣርኣይዎ ድማ ነቶም ወገኑ ንኸሳቒ ከይተማተአ ሕራይ ይብል። ከመይሲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ሽቕለት-ኣልቦነት ይፈልጦ እዩ። ደጊምኩም ኣስተውዕሉ። እዞም ሰባት እዚኦም ንስራሕ መንግስቲ ኣድለይቲ ኮይኖም ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ሳይቬርያ ተኣሲርና ዘለና ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ እምነትና ንከኽሕዱና። ካብቲ ናይ ጎይታ ዕላማን ካብቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልና ዘሎ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ከኣ በቲ ዘይሓልፍ ዝመስል ስቓይ ንኸተራርፉና እዩ። ነዚ እዮም ዝጥቀሙሎም። ስለዚ ድማ እዞም ሰባት ነቶም ከቢድ ገበን ፈጺሞም ከለዉ ካብ ሞት ዘድሓንዎም ሓለፍቶም ንኸሕጉሱ ክብሉ ናትና ስቓይ ከም ስቓይ ኣይቆጽርዎን እዮም። ካብቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍጽምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ገለ ክገልጸልኩም።-

"ንየሱስ ግደፍዎ" ይብሉና። ንሕና ድማ "ኣይንገድፎን ኢና" ንብሎም። ሽዑ ንሳቶም በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ሳንጃ ጡብና ይቖርጹና። በዚ እንተዘይዓጊቦም ድማ መርፍእ ይወግኡና እሞ ኣብ ሃለፍታ ምስ ኣቶና መጥባሕቲ ጌሮም ንሳንቡእና ይበስዕዎ። ወይ ከኣ ኩሊትና ወይ መዓንጣና ቆሪጾም የውጽእዎ እሞ ጸኒሖም ናብቲ ንእሰረሉ ቦታ ይመልሱና። ምስ ነቓሕና ድማ ምሉእ ኣካላትና ቆሲሉ ደም ብደም ኬንና ኣካላትና ድማ ደኺሙ ረሸሽ ይብለና። በኺና ምስ ወዳእና ድማ "ኦ ጎይታ በዚ ኩሉ መከራ። ኣብቲ ናትካ ናይ መስቀል ፍቅሪ ክሓብር ስለዝገበርካኒ የመስግነካ ኣለኹ። የፍቅረካ እየ" ብምባል ንሓድሕድና ንሰዓዓም እሞ "ኣጆኺ! በርትዒ! ድሕሪ እዚ ኩሉ መከራ ንጎይታ ኣይንኽሓዶ። እንተሞትና'ውን ገጹ ኢና ክንርኢ" ንበሃሃል። ድሕር'ዚ ኣብቲ ዝተቐጥቀጥናዮ ዝሓበጠ ክፋል ኣካልና ዝተሰንጠቐን ከም ዋዛ ዝተሰፈየን ነገር ንርኢ። እቲ ሕማምን ቃንዛን ድማ እንዳጸነሐ የሳቕየና። ኣብ ሳይቬርያ ኣካሉ ዘይጎደለ። ዓይኑ ዘይፈሰሰ። ከበሮ እዝኑ ዘይተቐደደ ናይ ጽዮን ሓርበኛ የሎን። ብመጠን እቲ ዘሳቐዩና ናብ የሱስ ንጽጋዕ። ብመጠን እቲ ዘሳቐዩና ንየሱስ ነፍቅሮን ንናፍቆን።

ሓደ ሓደ ግዜ ብዝተፈላለየ ገበን ሞት ዝተፈረዶም ሰባት ኣምጺኦም ኣብ ቅድሜና ይቐትልዎም። ምእንቲ ከሰንብዱና ኢሎም ድማ "ንስኻትኩም'ውን እንተዘይክሒድኩም እታ እትቕጽል ጥይት ንዓኹም እያ" ይብሉና። ካብዚ ኩሉ ንዓና ዝኸብደና ዝነበረ ግና እዚ ዝስዕብ እዩ። ካብ ማእከልና ነቶም ሰብ ሓዳር ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ይፈላልይዎም። ንደቆም ኣምጺኦም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ብናይ ኤለትሪክ ገመድ ይገርፍዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ይቐትልዎ። ብሰንኪ እምነትና እቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ህጻናት ይቕዘፉ። ነተን ካብ ደገ ክበጽሓ ዝመጻ ኣንስቲ እሱራት ከኣ ኣብ ቅድሚ እሱራት ሰብኡተን ብስጋ ይራኸብወን። ጥራሕ ነብሰን ብምውጻእ ድማ ንሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ ዘይግባእ ዘረባታት ብምዝራብ የዋርድወንን የባጭዉለንን።

ነቶም ኣንስቶም ዝተኣሰራኦም ሰብኡት ድማ ጸዊዖም ኣብ ቅድሚ እታ እስርቲ ሰበይቱ ምስ ዘይፈልጣ ሰበይቲ ኤለትሪክ ወሊዖም ብምፍርራሕ ስጋዊ ርክብ ንክፍጽም የገድድዎ። "ከመይ ረኺብካዮ? ካብዛ ናይ ሕጅን ካብታ ቀዳመይቲ ሰበይትኻን ዝረኸብካዮ ፍልልይ ግለጸልና" ይብልዎ። ናይ ኤለትሪክ ሓይሊ ምስ ፈነውሉ ድማ ከይፈተወ ነታ እስርቲ በዓልቲ ቤቱ የቃልላ። እዚ ኩሉ ንዓና ነቶም እሱራት ይርድኣና እዩ። ነቶም ኣንስቶም ዝተኣሰርኦም ሰብኡት ግና እቲ ምስጢር ስለዘይርድኦም ኣዝዮም ይሳቐዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ዝናፍቓ በዓልቲ ቤቱ ዝገበሮ ነውሪ ከይኣክል ብኣፉ'ውን ከምዘዋረዳ ክሓስብ ከሎ ብጣዕሳ ተሓኒቑ ይመውት። ህጻናት ደቆም ድማ ብዘይ ወላዲ ይተርፉ። ንጽባሒቱ ድማ ኣብታ ናይ ኮሚኒስት ልሳን ዝኾነት "ፕራቭዳ" እትበሃል ጋዜጣ ከምዚ ዝብል ናይ ሓሶት ዜና ይወጽእ። "ሰበይቱ ብየሱስ ብምእማና ዝተበሳጨወ ሓደ ሩስያዊ ብሕርቃን ተሓኒቑ ሞይቱ። እቶም ህጻናት ደቆም ድማ ብዘይ ወላዲ ተሪፎም።" ይብል።

ሓደ ግዜ ንሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ እንታይ ኢሎም ከምዘእመንዎ ኣይንፈልጥን ግና ናባና መጺኡ ንኣቡኡ ወላዲኡ "እዚ ዘይረብሕ እምነትካ ግደፎ" እንዳበለ ብኸቢድ ቀጥቀጦ። ኣቡኡ ጸኒሑ ብዛዕባ ወዱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ኢሉ "ንጎይታ ዕድመ ንኽውስኸለይ ዝልምኖ ምእንቲ ክነብር ዘይኮነስ ንወደይ ብዛዕባ የሱስ መስኪረሉ ሕጂ'ውን እንተኾነ ከምዘፍቅሮ ነጊረዮ ምእንቲ ክርኢ እየ" ኢሉና።

ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዘለና ደቂ ሩስያ ጥራይ ዘይኮናስ ካብ ሩማንያ፤ ቼኮዝላቫክያ፤ ሃንጋሪ ከምኡ'ውን ካብ ቬትናም ሓሙሽተ ዝኾኑ ኔሮምና። ብጠቕላላ ካብ 20-30 ሽሕ እንበጽሕ እሱራት ኣብ ሳይቬርያ ኔርና። ናይዚ ኩሉ ስቓይ ዕላማ ድማ ንዓና ካብ የሱስ ንምፍላይ እዩ። በዚ ምዃን ምስ ኣበዮም ድማ "ንደቅኹምን ንስድራኹምን ክትብሉ እኳ ዘይትገድፍዎ" ይብሉና። ስድራን ቤተሰብን ድሕሪ የሱስ እዩ ክንብሎም ከለና ከኣ ይሓርቁ እሞ ይገርፉና። ናብቲ ድብታት ዘለውዎ ቦታ ወሲዶም ድማ ነቶም ድብታት ከምዝቑጥዑ ብምግባር ከምዝመናጭቱና ይገብርዎም። እቲ ዝበጽሓና ኩሉ መከራ ጽቡቕ ኣይኮነን። ዕላማ ናይቲ መከራ ግና ስለ እቲ ሰናይ ዝኾነ የሱስ  ከም ዝኾነ ስለ እንርዳእ ጓሂናን ሓዘንናን የዕግሰልና ነበረ። ብተወሳኺ'ውን ነታ ኣብ ሰማያት ዘላ ሃገርና ሃረር ከም እንብል ይገብረና ኔሩ። ኣብኡ ስቓይ ይኹን መግረፍቲ። ኮሚኒዝም ይኹን ድብታት የለዉን። ኣብኡ የሱስ ምስ ኣቡኡ። ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ኣብ ዙርያኡ ከቢቦሞ። ንሕና እዞም ሎሚ ኣብ ምድሪ ሓሲሙና ዘሎ ድማ በታ መዓልቲ ናይታ ሰመያዊት ሃገር ወረስቲ ንዘለኣለም ድማ ሰብ ርስቲ ክንከውን ኢና። እወ። ነቶም ብየሱስ ዝኣምኑ ኩሎም እዚ ክብሪ ይጽበዮም ኣሎ!!

ናብ ድሕሪት ክመልሰኩም እሞ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘምጸኣልና ሓው ምሳና ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል ስለ ጎይታ ምስ ተሰቓየን ዋጋ ምስ ከፈለን ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ብዘይንፈልጦ ምኽንያት ካብ ማእከልና ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ብሳንጃ ወጊኦም ቀተልዎ። እተስካሕክሕ መዓልቲ እያ ኔራ። ንሱ ክመውት ቀሪቡ ትንፋሱ ትልኽ ክትብል ከላ ንሳቶም ኣብ ልዕሊኡ ኮይኖም ይሸንሉን የላግጽሉን ኔሮም። ንሱ ኣብ መወዳእታ ክመውት ከሎ ከምዚ ናይ መጨረሽታ ለበዋ ዘለዎ ይመስል ኔሩ። ክልተ ግዜ የዒንቱ ቋሕ ሰም ብምባል ኣጻብዕቱ እንዳኣንቀሳቐሰ እቲ ክንግረና ዝደልዮ ነገር ከይነገረና ከሎ ትንፋሱ ወጸት።

ሓደሓደ ግዜ ናይቶም ኮሚኒስታውያን ጭካነ ንኽትገልጾ'ውን ዘጸግም እዩ። ብትእዛዞም ሓዊ ሃልሃል ኢሉ ከም ዝነድድ ምስ ገበርካዮ ናብኡ እቶ ክብሉኻ ከለዉ ዝስምዓካ ስምዒት ሕሰብዎ። ወይ ከኣ ሓንቲ ኣማኒት ኣደ ንክርስቶስ ኣይክሕዶን እየ ብምባላ ንህጻን ወዳ ኣብ ቅድሚ የዒንታ ክሓርድዎ ከለው ከመይ ከምዝስምዓ ኣብ ቦታ እታ ኣደ ኬንኩም ሕሰብዎ። እምበኣርሲ እቶም ቅዱሳን ስለ እምነቶም ክብሉ ዝተቐበልዎ ዘስካሕክሕ መከራ ከምቲ ዝግባእ ክገልጸልኩም ዓቕሚ ይሓጽረኒ እዩ። ክፋኣት ናይቶም ኮሚኒስታውያን ንሰባት ብምስቓይ ወይ ብምቕታል ጥራይ ዝተሓጸረ ዘይኮነስ ብናይ ሓሶት ወረ ሕልና ናይ ሰብ ምርሳሕ'ውን ዘጠቓልል እዩ ኔሩ። እዚ ኩሎ ዝገብርዎ ድማ ነቲ ክርስትያን ናብ ክሕደት ንምምራሕ ኮይኑ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ንህጻናትን መንእሰያትን እግዚኣብሄር የለን እንዳበሉ ይምህርዎም።

ኣነ እተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍክወን 15 ዓመታት ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስበን ከለኹ ብጣዕሚ የሕጉሳንን የዕግባንን። ካብቲ ኣብ ናይ "ሓጎስ" ግዜይ ዝረኸብክዎ ዕረፍትን ውሽጣዊ ሰላምን እቲ ኣብ ግዜ መከራይ ዝረኸብክዎ የሱስ ብስቓየይ ስቓዩ። ብመግረፍተይ መግረፍቱ። ብምፍሳስ ደመይ ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ መስቀል ደሙ ክሓስብ ጌሩኒ እዩ። መግረፍቲ እንተዘይብልናን ከቢድ ስራሕ'ውን እንተዘይኣጋጢሙና ድኻምና ከይጸብጸብና ብዘይምቁራጽ ንጽሊ ነበርና። ንጎይታ 8 ግዜ ገጽ ንገጽ ኣዝዩ ምልኩዕ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኑ ብግርማኡ ተገሊጹለይ ዝረኣኽዎ'ውን ኣብዚ ናይ መከራን ማእሰርትን ግዜይ እዩ ዝነበረ።

ሓደ ግዜ ብሰንኪ ዘጋጠመና ከቢድ መግረፍቲ ንሰለስተ-ዓርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ሃለዋትና ኣጥፊእና እቶም ጥቓና ዝነበሩ እኳ ካብ ሕጂ ሕጂ ሞቱ እንዳበሉ ክጽበዩና ከለዉ ጎይታ የሱስ ከም ሰብ ተገሊጹ "ካብዚ ሕጂ ዘለኹሞን ኣጋጢምኩም ዘሎን ንላዕሊ ዶ ተፍቅሩኒ ኢኹም?" ክብል ሓተተና። ኩላትና እቲ ዝሞተ ኣካላትና ህይወት ዘሪኡ። ሓይሊ ተመሊእና ብድድ ዝበልናላ መዓልቲ ኣይትርስዓንን እያ።  ብዙሕ ግዜ ካብ ምርዳእ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ብዝኾነ ኣገባብ ምፍጣርና ክሳብ ንጸልእ መግረፍትን ስራሕን ብምድርራብ ካብ ስቓይና ክንዓርፍ ኢልና ጎይታ ንምኽሓድ ክሳብ ንደናደን ይገብሩና ነበሩ። ገጽና ብደም ተሓጺቡ ዓወንወን ክንብል ከለና "የሱስ ክሒድኩም ብሌኒን እመኑ" ይብሉና። ሽዑ ድማ ጎይታ በቲ ፍሉይ ጽባቔኡ ይግለጸልና እሞ እቲ ናይ መስቅል ፍቕሩን ስቅላቱን ኣብ ኣዒንትና መጺኡ ምስ ተሰኣለና በዚ ንብርትዕ። ኣብ ጥቓና ካብ ነብያትን ሃዋርያትን ዘይውሕድ መከራ ዝበጽሖም ቅዱሳን እኳ እንተለዉ ንኮሚኒስታውያን ዝጸልእ ልቢ ግና የብልናን። በደሎም ኣዝዩ ክፉእ እኳ እንተኾነ እቲ ናይ ቀራንዮ ስቓይ ነቶም ኮሚኒስታውያን'ውን ዝሓቑፍ እዩ። ንሳቶም እቲ ኣባና ዘውርድዎ ዝነበሩ መከራን ስቓይን እንተዘይተረደኦም እኳ ንሕና እቶም ናይ መስቀል ፍቕሪ ዝተረደኣና ሰባት ግና ንዕኦም ኣዚና ኢና እነፍቅሮም። ድሕሪ ስቓይና "ጎይታ ይባርኽኩም" ክንብሎም ከለና ውሽጦም ይትንከፍ። ንኮሚኒስታውያን ክልውጦም ዝኽእል ሓይሊ ፍቕሪ ጥራይ እዩ። ጽልኢ ናይ ሰባት ኣዒንቲ የዕውር እዩ።

ካልእ። ሓንቲ ሃገር ክትልወጥ እንተደሊና ብዛዕባቶም መራሕቲ ክንጽሊ ኣለና። እቲ መራሒ ተለዊጡ ልቡ ንጎይታ ክኸፍት ከሎ እቶም ህዝቢ ናብ ጎይታ ንኽመጹ ኣየጸግምን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጎይታ ርእሲ ናይቲ ተመን ክንጭፍልቕ ዝኣዘዘና። ርእሱ ክጭፍለቕ ከሎ ይመውት። ንሕና  ግና ከብዱን ጭርኡን ንረግጾ እሞ ተመሊሱ ብኣፉ ነኺሱ ንዓና ይቐትለና። ነቲ ሓያል ከይኣሰርና ቤቱ ክንብዝብ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ስለዚ ድማ ከምቲ ንሕና ዝበጻሕናዮ እቶም መራሕቲ ብጎይታ እንተኣሚኖም እቲ ህዝቢ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንመራሒኡ ናይ ምስዓብ ግቡእ ወይ ከኣ ድሌት ይህልዎ። ንዓይ ምናልባት ምስቲ ዝነበረኒ ስልጣንን ሓላፍነትን ናብቲ ናይ ቀደም ህይወተይ ክመልሱኒ ክብሉ ካብ ኩሎም ዝኸፍአ ስቓይ ኣውሪዶምለይ እዮም። የማነይቲ ጡበይ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ስኢነ። ስጋዊ ጡበይ ስለ ስም ክርስቶስ እንተሰኣንክዎ'ኳ ሓቀኛ ጡበይ ግና ኣብ ሰማይ። ኣብ ጽዮን ክጸንሓኒ እዩ። ከም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ስለ የሱስ ፍቱወይ ብሰማእትነት ኣይሞትኩን እምበር ስቓይሲ ክሳብ ዝኣኽለኒ ጸጊበ እየ።

እንተኾነ ግና ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከይረኸቡ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ኮሚኒስታዉያን ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ትኹን ጸሊአዮም ኣይፈልጥን ኔረ። እዚ ድማ ናይ ኩላትና ባህሪ እዩ ዝነበረ። ኣብ ሳይቬርያ ከለና ንገለ ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ወሲዶም ንስጋዊ ርክብ ብተደጋጋሚ ክጥቀሙለን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ሕሱር ኣቕሓ ይድርብይወን። እዚ ጥራይ'ውን ኣይኮነን። ከም ዝጠነሳ ምስ ፈለጡ ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒስት ዝመጾም መቕጻዕቲ ስለዝፈልጡ ሓጥያቶም ንክሽፍኑ ክብሉ ወሲዶም ብጥይት ይቐትልወን። እንተኾነ ግና ከነፍቅሮም እምበር ክንጸልኦም'ሲ ኣይተፈቐደልናን። ሪቻርድ ዉምብራንድ ዝተበሃሉ ኣቦናን ሓውናን ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ እቶም ኮሚኒስታውያን "ብዛዕባና እንታይ ትብል?" ኢሎም ምስ ሓተትዎም ነቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደሞም እንዳደረዙ ፍሽኽ ብምባል "ንዓኹም ዘለኒ ፍቕሪ ነቲ ቀደም መንእሰይ ኮይነ ንበዓልቲ ቤተይ ክምርዓዋ ከለኹ ኣብ ልዕሌኣ ዝነበረኒ ፍሉይ ፍቕሪ ዘዘኻኽር  እዩ" ይብልዎም ነበሩ።

ኮሚኒስታውያን ክንገልጾ ብዘይንኽእል መከራን ስቓይን ቀጺዖምና እዮም። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝፈጸምዎ ግፍዕን ስቓይን ዝፈጠሩልና ቃንዛን ስምብራትን ንውሉድ ወለዶ ይቕረ ዘየበሃህል ካብ ልብና ይኹን ካብ ሕልናና ክፈሓቕ ዘይክእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ "ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም" ዝብል ናይ ፍቕርን ናይ መስቀልን ቃል ኣበይ ክንድርብዮ? ስለዚ ድማ ንሳቶም ልዕሊ ዓቕምና ብዝኾነ ኩነታት ክቕጥቅጡና፤ ከባጭዉልናን በቲ ገዚፍን ተሪርን ዝኾነ ጫማኦም ረጊጾም ከም ኩዕሶ ክጻወቱልና ከለዉ። ንሓና በቲ ቃንዛ ዘላሕተቶ ድምጽና ኩሉ ትንፍስናን ሓይልናን ኣኻኺብና "ነፍቅረኩም ኢና። ጎይታ ይባርኽኩም" ክንበሎም ከለና ይስምብዱ። ሓድ ሓደ ግዜ ድማ ንሓድሕዶም እንዳተጠማመቱ ፈዚዞም ይጥምቱና። ካልእ ግዜ ድማ "ከምዚ ትብሉና ዘለኹም ፈቲኹምና ዘይኮንኩምሲ ናብቲ ናትኩም ማሕበር ምእንቲ ክንኣቱ ክትሓባብሉና ኢልኩም ኢኹም" ይብሉና። ንሳቶም ዝበሉ ይበሉና ንሕና ግን ሕጂ'ውን እንተኾነ ነፍቅሮም ኢና። ኣብ ልብና መሊኡ ዘሎ እዚ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክኣምኑና እንተዘይክኢሎም ግና ፍቕርን እምነትን ከም እንጌራ ክነኾልሶም። ከም ማይ ወይ ቮድካ ከኣ ብብኬሪ ቀዲሕና ክነስትዮም ኣይንኽእልን ኢና። ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና። ጎይታ ይመስገን!!