ካብ ሕዳር 19 ክሳብ 21 ብናይ ኤውርጳ ዝተማእከለን ዝተማኣአከለን ናይ ፓስተራትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ዕዉት ትምህርታዊ ሰሚናር ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ኣብዚ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ሰሚናር ከካብ ዝተፈላለየ ህገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ኣስታት 35 ፓስተራትን መራሕቲ ቤተክርስትያናትን ሚንስትርን ተሳቲፎምዎ፡፡ ጎይታ ፈቂድዎ'ን ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ (Eritrean Gospel and Mass Media inistry www.bisrat.com) ኣብዚ ኣኸባ ካልኣይ ዓመቱ ተኻፊሉ ኣሎ።
ኣብዚ ዝተኻየደ ትምህርታዊ ሰሚናር ብፓስተር ኤግሞንድ ሚካ፡ ፓስተር ናይ ረሐቦት ኤርትራውያን ቤተክርስታያን ስቶክሆልም ስዊድን፡ ብዛዕባ ናይ ቤተክርስትያን ኣመሐዳድራ ፡ ብሸነኽ ሕጋዊ ምምሕዳርን መንፈሳዊ ምምሕዳርን ናይ ቤተክርስታያን ብዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡ ብተወሳኺ ብፓስተር ኣብርሃለይ ስዩም ፓስተር ናይ ሀዋርያዊ ምንቅስቓስ ቤተክርስታያን ለንደን ስለቲ ኣሰባብኻ ኣብ መድረኽ ብዝምልከት ንኹሉ ተኻፋሊ ንምዝታይን ንምምይያጥን ባይታ ዝፈጠረ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡
ብተወሳኺ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኤርትራውያን ዓርቢ ዕለት 21 ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡፡ ኣብዚ ዓመታዊ ኣኼባ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ናይ እዚ ሕብረት፡ ካካብ ኣብያተ ቤተክርስትያናትን ሚኒስትሪታትን ተወኪሎም ዝመጹ ዝተስተፍዎ ዓመታዊ ኣኼባ ተኻይዱ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ በቲ ናይ ኣካየድቲ ቦርድ ዝቐረበ ጸብጻብ ዕዮ ናይ 2008 ዓመተ ምሕረት ተሰሚዑ፡፡ እቲ ቦርድ ካብ ኣባላት ዝቐረበሉ ሕቶታትን ማዕዳን መሊሱን ተቐቢሉን፡፡ ብድሕሪ እዚ ንኽልተ ዓመት ማለት 2009-2010 ዓ.ም ዝመርሑ ፡ ብኣባላት ናይ እዚ ሕብረት ዝኾና ኣብያተክርስትያናትን ምኒስትሪን ተመሪጾም። ነዘን ቅድሜና ዘለዋ ክልተ ዐመታት ንኽመርሑ ዝተመርጹ እዞም ዝስዐቡ እዮም፡፡
1.ፓስተር ምሕረትኣብ መንግስትኣብ
2.ፓስተር ኣቤል መብራህቱ
3.ፓስተር ኣብርሃለይ ስዩም
4.ወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ
5.ፓስተር ኤግሞንድ ሚካ
በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ንኽልተ ዓመት ነዚ ናይ ኤውርጳ ኤርትራውያን ክርስትያናት ሕብረት ንኽመርሑ ተመሪጾም ዘለዉ ኣምላኽ ዓወትን ኣሳልጦን ክህቦም ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ፡፡ ብተወሳኺ ነዚ ናይ 2008 ሰሚናርን ኣኼባን ብግቡእ ንኽካየድ ግቡእ ምትሕብባር ዝገበሩልና ናይ ኤርትራ መሰረት ህዋርያትን ነብያትን ቤተክርስታያን ኣብ ከተማ ሮማ ከየመስገንና ክንሐልፍ ኣይንደልን፡፡
ኣምላኽ ኣብዚሑ ይባርኽኩም፡፡
ልዕሊ ኹሉ እዚ ሰሚናርን ኣኼባ መራሕትን ዕዉት ንኽከውን ዝረድኣና ልዑል እግዚኣብሔር ምስጋና ይብጻሐዮ፡፡
ኣሜን
ዓመታዊ ሰሚናርን ኣኼባን ናይ ፓስተራትን መራሕቲ ቤተክርስትያናትን ኣብ ኤውሮጳ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode