ዝሓለፈ ቐዳም መንግስቲ ኤርትራ ንብርክት ዝበሉ ኣብላት ቃል ህይወትን ሙሉእ ወንጌልን ካልኦትን ኣብ ደቐምሓረን ዓዲዃላን መንደፈራ ዓረዛን ካልእን ብኣልማማ ከም ዝኣሰረ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም ኣለዉ።
እዞም ዓበይቲ ኣገልገልቲ ዝርከብዎም በመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ኣሕዋት ካብ ገገዝኦም ከም ዝተኣስሩ እዩ ዝረኸብናዮ ምንጭታት ዝሕቡሩ። ብፍላይ ካብቶም ኣብ ዓዲዃላ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋት ሓንቲ ኣካለ ስንኩል ጓለ ኣንስተይቲ ብዓርበያን ምሩኩስን ተደጊፋ ትኸይድ ኣገልጋሊት ተኣሲራ ከም ዘላ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንቡዙሓት ኣመንቲ ከም ዝኣሰረ ይዝከር። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝውሰድ ዘሎ ማእሰርቲ ቀጻሊ ምኻኑ እዩ ዝሕብር ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብሰንኪ እምነቶም መድሃኒት ብምኽልካሎም ጥራይ ኣገልጋሊት ቃለ ህይወት ቤተክርስትያን ኣዜብ ስምኦንን ኣባል ሙሉወንጌል ተኽለሰንበትን ከም ዝመ`ቱ ይዝከር። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ኣብ ዊዒን ካልእ ኣሰቃቒ ቦታን ቤት መእሰርትን ኣዚዩ መሪር ስቓይን ኣደራዕ ይወርዶም ከም ዘሎ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2002 ንበዘለዋ ማሕበራት ድሕሪ ምዕጻዉ ኣኣስታት ልዕሊ 3000 ምእመን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይዝከር። ኣብዚ እዋን እዚ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ እዞም እሱራትን ኣብ ስቓይ ዘለዉ ምእመናን ፍቕርን ሓልዮትን ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ድምጹ ከስምዕን ክጽልን ይግባእ።
ብዙሓት ምእመናን ኣብ ዞባ ደቡብ ተኣሲሮም
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode