ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ኩሉ ግዜ ካብ ሰዓት
8፣30 ክሳብ ሰዓት 9፣00 ምሸት ብኣቋጻጽራ ኤርትራ
ብ31 ሓደን ሜትር ባንድ ትፍኖ ከምኡ እውን ብኢንተርነት
www.eriwongel.com/selamna1 ይመሓላለፍ
ኣጀማምራ ኣግልግሎት ድምጺ ሰላምና
ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና የካቲት ሓደ 1999 ኣብ ሰሙን ሰለስተ ጊዜ መድባታ ክትፍኑ ጀሚራ። ኣብቲ እዋን ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ብናይ 15 ደቓይቕ ጥራይ ሰኑይ ሰሉስ ሮቡዕ መድባታ ትፍኑ ነበረት። ኣብ 2000 ዓምህረት ከኣ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ተወሳኺ መደባት ሓሙስ ናይ 30 ደቒቕ መደብ ወሰኸት።ኣምላኽ ረዲኡ ኸኣ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ሰሙን ምሉኡ ማለት ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ብናይ 15 ደቓይቕ ሰንበት ከኣ ብናይ ፍርቂ ሰዓት መድባታ ክሳብ መጋቢት 2003 ቀጸለት። ካብ ሚያዚያ 2003 ከኣ ምሉ ሰሙን መድባታ ናብ ፍርቂ ሰዓት ተሰጋገረ። እዚ መደብ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ክበጽሕ ተባሂሉ ካብ ጥሪ 2005 ጀሚሩ መድብ ሰላምና ብኢንተርነት ክፍኖ ጀሚሩ። ኣምላኽ እምበኣር ከምዚ እንዳባለ እንሆ ነዚ መንፈሳዊ መደብ እዚ የዕብዮ ኣሎ።
ዕላማ ኣገልግሎት ፈነወ ሬድዮ እንታይ እዩ?
ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ክልተ ዕላማ ሒዛ እያ ተበጊሳ
1 ንኣምነቲ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ደው ክብሉ መታን በቲ ትኹል ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ምህናጽን ምምሃርን ምምዓድን ምግሳጽን ከምኡ ኸኣ ኣብ ብዘለዉ ኣብ ፈቐዶ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኣምንቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዘለዉ ኣሕዋት ምጽንናዕ።
2 ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ኸኣ ንኹሉ ፍትረት ወንጌል ምብሳር ሓልፍነት ነፍሲ ወከፍ ኣመንቲ ከም ምኻኑ መጠን ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ኸኣ ነዚ ተልእኾ እዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ብመንፈስ ኣምላኽ ተደጊፋ ትዓዪ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኤርትራን ፈቐዱኡን ተበቲኖም ዘለዉ መንእሰያት ናብ ምድሓን ከተምጾም ናይ ወንጌል ነጋሪት ብሞገዳታ ተቓልሕ።
መደባት ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና እንታይ ይመስሉ?
ኣግልግሎት ድምጺ ሰላምና ከምዚ ዝስዕብ መደብ ኣለዎ
1 መደብ ቤተሰብ እዚ መደብ እዚ ንቤተሰብን ንሰብ ሓዳርን ኣቶኪሩ ብዑምቀት ዝፍኖ መደብ እዩ። እዚ መደብ እዚ ኩሉ ግዜ ሰኑይ ሰኑይ ይመሓላለፍ።
2 መጽሓፍ ቁዱስ ብሬድዮ እዚ መደብ እዚ ዓሚቕ ዝኾነ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ትምህርትታት ንኣገልገልትን ምእመናንን ዝቐርበሉ መደብ እዩ። ኩሉ ግዜ ሰሉስ ከኣ ይፍኖ።
3 መንእሰይን ህይወቱን እዚ መደብ እዚ ንመንእሰያት ኣተክሮ ሂቡ ዝፍኖ መደብ እዩ ወትሩ ሮቡዕ ከኣ ይቐርብ።
4 ጥዑም ዜናን ነጸብራቕ ህይወትን እዚ መደብ እዚ ወትሩ ሓሙስን ቀዳምን ዝቐርብ ነቲ ጥዑም ናይ ምድሓን ወንጌል ዘበስር መደብ እዩ።
5 መደብ መዝሙር ምርጫ እዚ መደብ እዚ ወትሩ ሰንበት ሰንበት ናይ ሰማዕቲ ምርጫ መዝሙር ዘተኣናግድ እዩ። ግብረ መልሲ ሰማዕቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሰላምና እንታይ ይመስል?
ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ንብዘሎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ምብራቕን ቐርንን ኣፍሪቃን ምእከላይ ምብራቕን ይሽፍን እዚ ብሓጺር ማዕበል ብሬድዮ ዝሽፍኖ ቦታታት እዩ። ብኢንተርነት ከኣ ኣብ ብዘሎ ዓለም ማለት እዩ። ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ብዙሓት ሰማዕቲ ኣለዉዋ። ንቡዝሓት ከኣ ንምድሓንን ንበረኸትን ፈውስን ምጽንናዕን ዕቤትን ትከውን ኣላ። ኣብዛ ንእሽቶይ መላለይት ጽሕፍቲ ብዚ ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና ዝተገብረ ስራሕ ኣምላኽ ምንጋር ዘይካኣል እዩ። ብሕጽር ዝበል ግና ሰማዕታ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሰሰኑን እናወሰኹን ይኸዱ ኣለዉ።
ኣገልግሎት ድምጺ ሰላምና እንታይ የድልያ?
ኩሉ ግዜ ኣገልግሎት ሬድዮ ዝሓቶ ጸዓትን ንዋትን ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ዘኽፍሎ ዋጋ ኸኣ ሒደት ኣይኮነን። እዚ መንፈሳዊ ዕዮ እዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን ካብቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሓደ ኣድማዕቲ ዝኾኑ ናይ ዎንጌል መሳሪሒ ሓደ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ናይ ኩላትና ሓገዝ ዘድልዮ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ጸሎትን መንፈሳዊ መልእኽታትን ጽሑፋትን ፋይናንሳውን ሓገዝ ዘድልዮ ኣገልግሎት እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንጎይታ የሱስ የፍቅር እየ ዝብል ሰብ ኣብዚ ኣገልግሎት ብንጥፈት ሓገዙ ከበርክት ይግባእ እዩ። ኣገልግሎት ድምጺ ስላምና ኸኣ ንኹሉ ብዘይኣፈላላይ ኩፉት እዩ። ስለዚ ነፍስ ወከፍና ኣብዚ መጨረሻ ዘመን ወንጌል ንሃገርናን ንህዝብናን ከንበጽሕ ነዚ ኩፉት መንፈሳዊ ደገ ንጠቐመሉ።
ድምጺ ሰላምና
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode