መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመሮ ዝሓለፈ ዕለት 27 ጥቅምቲ ድማ ካልእቶ ተወሰኽቲ ኣመንቲ ኣሕዋት ኣሲሩ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣመንቲ ሰዓብቲ ክርስትና ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይዝከር። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ብ27 ጥቕምቲ ንኣቶ ኣማኒኤልን ከምኡውን ኣቶ ገብረስላሴን ዝብሃሉ ኣሕዋትን ካልኦት ኣሲሩ ከም ዘሎ ተረጋግጹ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መጽሓፍትን ካልኦትን ኣኪቡ የቃጽሎ ወይ ይግሕፎ ከም ዘሎ ድማ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ማእለያ ዘይብሉ መጽሓፍ ቁዱስ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተቓጸሉ ይዝከር። እዚ መንግስቲ ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ንክርስትያናት ናይ ምእሳር ዘመተ ክቕጽሎ ምኻኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ እዚ እምነት እዚ ፖሎቲካኢ እምነት እዩ ክብላ ተሰሚዔን እየን። ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ማእለያ ዘይብሉ ዘስካሕክሕ እዩ። ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣብ ዝተፈላለየ መከራ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብርቲዒና ንጸሊ።
መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ እውን ኣመንቲ ምእሳር ቐጺሉ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode