25
Mon, Nov
0 New Articles

ስለጠና ዓመታዊ ናይ መራሕቲ ኣኼባን ኣብ ሃገር ብሪጣንያ

News
Typography

ናብ ዝኸበርኩም ኩሉኹም ኣሕዋት።

ብመጀመርታ ዝኸበረ ዝዓዘዝን ስላምታ እናቕረብና፣ ኣብ ህይወትኩምን ኣብ ዕለታዊ መንበብሮኹም ኣምላኽ ብኹሉ ክባርኸኩም ንጽልን ንምነን።

ብምስዓብ ድማ ናይ ሎሚ ዓመት ማለት ናይ 2009 ዓ.መ ናይ መራሕቲ ስለጠና ዓመታዊ ናይ መራሕቲ ኣኼባን ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ኣብ ጥቓ ከተማ ላንደን ክከውን እዩ። ከምቲ እቐዲሙ ኣብ ከተማ ሮማ ናብ ጳምታዊ ኮንፈረንስ ንዝመጻእኩም ዝተነግረ ድማ ሎሚ ዓመት ናይ መራሕቲ ስልጠና ዘቕርበልና ሓውና ፓስቶር ኣሳየሀኝ ካብ ሃገር ኣሜሪካ ክኸውን እዩ። ብተወሳኺ ፓስቶር ኤግሞንት ድማ ሕጽር ዝበለ ኣስተምህሮ ከቐርብ እዩ።


መብዛሕትና ከም እንፈልጦ እዚ ሓው እዚ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ኣገልግሎት ልምድን ዓሚቕ ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎን ኮይኑ ብአቀረርብኡን ብመንፈሳውንቱን ብኹሉ ዝተመኮረ ኣገልጋሊ ስለ ዝኾነ ኣብ ህይወትናና ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ንጡፍ መንፈሳዊ ኣሰራርሓ ከም እንሰርሕን፣ ብዓቢኡ ድማ ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ መንፈሳዊ ዕዮ ብኸመይ ጌርና ከም እንነጥፍ ካብ ተመኩሮኡ ብምብጋስ ብቓል ኣምላኽ ናብ ሓደ ሓድሽ መንፈሳዊ ጽፍሒ ከም ዘሰጋግረና ኣሚንና፣ ተዳሊናን ጸሊናን ናብቲ ቦታ ንምጻእ።

እዚ ስልጠና ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እንገብሮ ዝነበረና ከካብ ኣብያተክርስትያናት ክክልተ ሰብ (መራሕን/ ካልእ ተወካልን) ሰብ ኮይንና ኢና እንመጽእ። ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ እተገልግልዎ ቤተክርስትያን ‘ክመሃሩ' ኣለዎም እትብልዎም ሰብ እንተለው ኣብ ስልጠና ጥራሕ (ኣብቲ ናይ ምምህዳር ዝመልከት አኼባ ግና ክካፈሉ ኣይክእሉን) ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ እዚ ስልጠና ዝካየደሉ መዓልታት ድማ ካብ ዕለት ሰኑይ 2/10/2009 ክሳብ ዓርቢ 6/10/2009 ክኸውን እዩ።

ናይ መሕደሪ ሆቴል ን5 መዓልቲ ንሓደ ስብ 117 ፓውንድ ስተርሊንግ እዩ።

እዚ እንእከበሉ ቦታ ካብ ከተማ ላንደን ወጻኢ ኮይኑ፣ ብባቡር 35 ደቓይቕ ይወስድ። ዝርዝር ሓበሬታ ናይዚ ቦታ ኣብ ዝስዕብ እዋናት ክንገልጸልኩም ኢና።

ናብዚ እኼባ ዝመጹ ሰብ ብዝሒ ካብ ሕጂ ክንፈልጥ ስለ ዘሎና ድማ በጃኻትኩም ካብ ሕጂ ብስልኪ ወይ ብኢመይል ክተፍልጡና ነተሓሳስበኩም።

ናብዚ አኼባ ክትመጹ ከለኹም እቲ ናይ 2009 ዓ.መ ናይ ኣባላት ኣብያተክርስትያናት ክፍሊት ሒዝኩም ክትመጹ ሕድሪ ንብለኩም።

ይብሉ ኣኽበርትኹም

ኣባላት ቦርድ ናይ ሕ.ክ.ኤ.ኤ