ሰኑይ ሰነ 08፣ 2009
ግብጺ፡ ሓደ ፓሊስ ሰብ ብምቅታሉ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ተፈሪዱ
ፓሊስ ኮነ ኢሎም ከም ዝቀተሉ መርትዖ ተረኪቡ እንከሎ ብሸለልትነት ቅትለት ገበነኛታት ተባሂሎም ።
ኢስታንቡል፡ ሰነ 8(ኮምፓስ ዳይረክት)- ክልተ ፓሊስ ኣብ ጊዛ ግብጺ ንሓደ ክርስትያን ብምቅታሎም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረክቡ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተወሲንሎም። እዚ ጠበቃታት ከም ዝብልዎ ዘለዉ ንመሰሉ ዝቆመ ሰብ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ቅትለት ምካኑዩ።
ገበናዊ ቤት ፍርዲ ጊዛ ነዞም ክልተ ፓሊስ ብ ዕለት 25 ግንቦት ብሸለልትነት ቅትለት ናይ ናስር ጋዳላህ ወዲ 39 ዓመት ኣብ 2007 ዝተገብረ ፈሪድዎም። ፖሊስ ከም ዝብልዎ ጋዳላህ ንክሃድም ብፍኒስትራ ዘሊሉ ክወጽ እ ፈቲኑ፡ ናይ ዓይኒ መሰካክር እቶም ኣባላት ስድራ ከም ዝብልዎ ድማ እቶም ፓሊስ ን ጋዳላህ ቀጥቂጦም ንክቅትልዎ ብዝብል ሃቀና ብ ፍኒስትራ ደፊኦም ኣውጺኦሞ፡ እዚ ዝገበሩሉ ምክንያት ድማ ንሱ ኣንጻር ፓሊስ ኣመልኪቱ(ጥርዓን ጽሒፉ) ዝነበረ ክርስትያን ብምካኑዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ጋዳላህ ብምቅጥቃጥ እቶም ፓላይስ ከም ዝሞተ ግናኸ ካብ ንክቐትልዎ ዝብል ሃቀና ከም ዘይኮነ ወሲኖም።
ናይዚ ስድራ ቤት ጠበቃ ናድያ ታውፊቅ ከም ዝብሎ „እቲ ቤት ፍርዲ ዝግባእ መቅጻዕቲ ኣይቀጽ ዖምን፡ ምክምንያቱ ካብ ኣረኣእይኦም እቶም ፓላይስ ኣይቅተልዎን" „ቀጥቂጦሞ ምስ ቀጥቀጥዎ ድም ሞይቱ።"
ጋድላህ፡ናይ ማይ ትቦታት ዜዕሪ፡ ብ ነሓሰ 3 2007 ካብ ስራሕ ንገዛ እናከድደ እንከሎ፡ ኣሚር ሶብሂ፡ ፓሊስ ጠጠው ኣቢሉ ምሱኡ ዝነበረ ገንዘብ 280 ናይ ግብጺ ዶላር ማለት 50 ዶላር ኣሜሪካን ሞባይልን ወሲድሉ። ጋዳላህ ንሶብሂ ድሕሪ ምልላይ ቅድሚ እዚ ኣጋጣሚውን ኣጋፊዕዎ ስለ ዝነበረ፡ንፓሊስ ስለ እዚ ነገር ጥርዓኑ ኣቅሪቡ። ፓሊስ ነዚ ጥር ዓን ኣብ ምጽራይ ከለዉ ሶብሂ ካብ ስራሕ ን ኣርባዕተ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ከብል ተነጊርዎ።
ምንጭታት ከም ዝብልዎ ሰበይቱ ንጋዳላህ ንርእስና ክንልከላከል ዓቅምን ሓይልን ስለ ዘይብልና ብምባል ነቲ ጥርዓን ናብ ፓሊስ ከየእተዎ ሱቅ ክብል ኣማኪራቶ ኔራ። ኣብ ግብጺ ናይ ፓሊስ ብልሽውና ምቁጽጻሩ ክሳዕ ዘይከኣል ብዝተስፋሕፍሐ መንገዲ ከም ዝረ አ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ይሕብሩ።
ምንጭታት ከም ዝብልዎ „ ኮፕቲክ(ነባራት ክርስትያናት ኣብ ግብጺ -ኣባላት ናይ ኮፕቲክ ቤ/ክ ማለትዩ)፡ክርስትያናት ስለ ዝኮኑ ዝውሰዱ ብዙሓት ምካኑ ፍሉጥ ኩነትዩ።"
„ሰላመኛታት ሰባትዮም ከም ኡውን መሰላቶም ከም ገይሮም ክሓቱ ከም ዝግቦኦም ኣይፈልጡንዮም።"
ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ውሑድ ሰዓታት ናይ ነሓሰ 7፣2007 ክልተ መካይን ብፖሊስ ኦፊሰራት ዝመል አት ምስ ናዝ ምርመራ ፓሊስ ኦፊሰር ኣሕመድ ኣልናዋዊ ኣብ ናዝ ጋዳላህ ገዛ በጺሖም፡ እ ንተኾነ ግን ናይቲ ስድራቤት ኣፓርትመንት ገዛ ኣፍደጊኡ ተዓጺዩ ጸኒሕዎም። እቶም ፖሊስ ቅድሚ መደቅ ናዝ ጋዳላህ ገዛ ዘ እቱ ምዝላሎምን ናብ ናይ ጐረቤት ገዛ ሴሮም ኣትዮም ቀጥቂጦሞ።
ታውፊቅ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ነሕዋት ጋዳላህን ኣቡኡን ምቅጥቃጦም፡ እቲ ፖላይስ ናብ ሳልሳይ ደርቢ እቲ ኣፓርትመንት ሴሮም ኣትዮም ቀጥቒጦሞ፡ ከሙኡውን ክልተ ካብኦም ብፍኒስትራ ናብ ጽርግያ፡ ደቁን ሰብይቱን እናረኣዩ፡ ሰድዮሞ።
ታውፊቅ ወሲኩ ከም ዝበሎ፡„ ኣብሓሳቦም ንሱ ኮፕት ስለ ዝኾነ ክጥርዕ ኣይነበሮን ዝብልዩ።"
ሰበይቲ ምውት ጋዳልህ፡ማርያም ጋዳላህ፡ ንሰብ ኣያ ክቅጥቕጥዎ ዝረ ኣየት ሓደ ካብቶም ኦፊሰራት ንጋዳላህ ከምዚ ኢልዎ፡ „ንስኻ ኮፕቲክ ኢካ፡ ዋላ ሃደ ውጋ የብልካን።"
„እቲ ዳኛ ኣይኣመናን" ብዛዕባ ማርያም ጋዳላህ ዝሃበቶ ምስክርነት ክዛረብ ከሎ ታውፊቅ ዝበሎ።"እቲ ሰብ ኣይ ክርስትያን ምካኑ ትፈልጥ ኢካ፡ ስለዚ ከም ቅትለት ኣቆጸርዎን።"
ታውፊቅ ከም ዝበሎ እቶም ክልተ ፖሊስ ኦፊስራት ንጋዳልህ ብፍኒስትራ ዝሰንደውዎ እቲ ቤት ፍርዲ ተሪር ዘይኾነ መቅጻዕቲ ሂብዎም፡ ምኽንያቱ ሞት ጋዳላህ ካብ ምቅጥቃጥ ዝመጸ ጥራይዩ ኢሎም ኢዮም ዝወሰኑ።
እቶም ጠበቓታት ከም ዝበልዎ ኣልናዋዊ ናዝ ምርመራ ሓላፊ፡ ነቶም ኦፊሰራት ንጋዳላህ ክቐትልዎ ት እዛዝ ሂቡዩ። ብመሰረት ካብቶም ጎረባብቲ ዝተረክበ ምስክርነት ሓደ ካብቶም ኦፊሰራት ካብቲ ህንጻ እናጎየየ ወጺኡ ን ኣልናዋዊ ከምዚ ኢልዎ" እቲ ሰብኣይ ቀቲልናዮ፤ እቲ ሰብኣይ ቀቲልናዩ „ ታውፊቅ ቀጺሉ ነጊሩ።
ሬሳኡ ኣብ መሬት ብምር ኣዮም እቶም ጎረባብቲ ገለ ካብቶም ፖላይስ ኣብታ ሓንቲ መካይን ክሃድሙ እናጎየዩ ከለዉ ነተን ናይ ፖሊስ መካይን ኣጥቂዖመን።
ኣኽባር ሕጊ ናጉይብ ጎባር ኤል ከም ዝበሎ ዝበዝሑ ኩነታዊ ሓቅታትን፡ ምስክርነታትን ንናይ ኣልናዋዊ ቀጥታዊ ት እዛዝ ዘመልክቱ እንተኮኑ እቲ ቤት ፍርዲ ምስ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝገበሩ ሰባት ብምትሕብባር ከክሦ ዝግባ እ ተግባር ነጻ ኢልዎ።
ጎባር ዔል ወሲኩ ከም ዝብሎ፡ „ ካብ ኣልናዋዊ መምርሒ ት እዛዝ ከም ዝተዋህበዩ" "እቶም ፖሊስ ብዘይ ናቱ ት እዛዝ ወላሓደ ክገብሩ ኣይክ እሉንዮም"
ምስ ክልተ ክሳብ ሸሞንተ ዝ ዕድሚኦም ተሪፋ ዘላን ዝኮነ ምንጪ ኣታዊ ዘይብላን ማርያም ጋዳላህ በቲ ፎኪስ መቅጻዕቲ ናይቲ ቤት ፍርድን፡ ካሕሳ ናይ ሞት ሰብኣያ ዘይምህላውን ከም ዘሕዘና ገሊጻ።
ሕንቅንቅ እናበለት ድማ ከምዚ ኢላ" እቲ ፍርዲ ኣዝዩ ፎኪሱ"
እቲ ቅትለት „ኮነ ኢልካ ፡ኣቀዲሙ ዝተመደበ፡ ብምሉእ ድሌት ዝተገብረ" ከም ዝኮነ ክውሰን እቶም ጠበቃታት ንፈዴራላዊ ቤት ፍርዲ ናዝ ይግባይ ምልክታ ኣ እትዮም ኣለዉ። ጎባርኤል ወሲኩ ድማ፡ ኣንጻር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትውን ከይተረፈውን፡ ነዞም ሓሙሽተ ኦፊሰራት ኣብ ሰዓታት ስራሕ ንጋዳላህ ኣብ ገዙኡ ንከጥቅዕዎ ስለ ዘፍቀደ ክከስዎ ከም ዝመደቡውን ገሊጹ ኣሎ።
„ነዚ ውሳኔዚ ኣዝዩ ድኹምን ነዚ ገበንዚ ድማ ዘይመ ዓራረን ኮይኑ ረኪበዮ ኣሎኹ።" „ እዚ ገበንዚ ምቅታል እምበር ምቅጥቃጥ ኣይኮነን።" ጎባርኤል።
መወዳእታ
ግብጺ፡ ሓደ ፓሊስ ሰብ ብምቅታሉ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ተፈሪዱ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode