ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታ ብኹሉ ዓይነት መንገዲ ክስበኽ ብግዲ እዩ። ጻዊዒት ኣምላኽ ንህዝቡ ድማ እዚ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ዝግለጸሉ ዘመን ካብ ቀደም ሎሚ እምብዛ ይቐርብ። ቕድሚ እዚ ዓቢ ተስፋ ግሁድ ምዃኑ ድማ ወንጌል ናብ ብዘሎ ዓሌታት ክስበኽ ይግባእ። ብፍላይ ወገናን ህዝብናን ድማ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ እዚ ናይ ተስፋ ወንጌል የድልዮ እዩ። ኣገልግሎት ወንጌል ፈነወ ኤርትራ በቲ ኣምላኽ ጸጋ ዝሃበና ንዕዮ ምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ብስነ ጹሑፍን ቪድዮን ካልእን ንጥፈታት ንነጥፍ ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ጹፉፍ ስራሕ ንሰርሕ ኣሎና ንብል። ብፍላይ መርበብ ሓበሬታ ኤሪወንጌል ቆፎ መንፈሳዊ ጹሑፋት ኰይና ኣላ ተበልና ኣይጋነናን። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ሓንቲ ዓባይ መኽዘን ናይ ትግርኛ መንፈሳዊ ጹሑፋት ኰይና ትርከብ።
ካብዚ ንላዕሊ ንምዃን ድማ እቲ ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ፋይናንሳዊ ሓገዝ የድልየና ኣሎ። እቲ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እንገብሮ ዘሎና ንጥፈታት ዝሓቶ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንሽፍኖ ጸኒሕና። ሕጂ ግና ኣብ ሓገዝ ንደልየሉ ደረጃ በጺሒና ኣሎና እሞ ብምሕረትን ብጸጋ ኣምላኽን እናተማሕጸናኩም ፋይናንሳዊ ሓገዝኩም ንሓትት። ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዓቢ ንእሽቶይ ዝበሃል ህያብ የሎን እታ ሳንቲም እውን ትኹን ንኣገልግሎትና ሓጋዚት እያ። ሰለዚ እዚ ዕዮ ሒዝናዮ ዘሎና ንቕድሚት እምብኣር ንድሕሪት ከይምለስ ብዝከኣለኩም ኩሉ ክትድግፉና ብምሕረት ኣምላኽ ንሓትት። ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም።ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ
መርበብ ሓበሬታ ኤሪ-ወንጌል ንዋታውን ፋይናንሳውን ሓገዝኩም ይደሊ ኣሎ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode