ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ከምኡ ድማ ኣብ መእተዊ እዚ ዓመት እዚ ብሰንኪ ኣብ ክርስቶስ ምእማኖም ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ገገዝኦም ካብ ሰስርሖምን ተወሲዶም ኣብ ሚዒንጥር ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ምእመን ከም ዝተፈትሑ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም። እዞም ብዕደመ ዝደፍኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ብሰንኪ እምነቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ቦታ እዮም ተኣሲሮም ኔሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ማእለያ ዘይብሎም ምእመን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርትን ኣጻምእን ከም ዘለዉ ይፍለጥ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2002 ዓም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምስቓይን ምቕታልን ኣገባብ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሚዒንጥር ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ዝነበሩ ገለ ኣቦታትን ኣዴታትን ተፈቲሖም
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode